ሕልና 

ብዓንደማርያም ተስፋይ

ሕልና ማለት እንታይ ማለት ኢዩ? ነዘን ዝስዕባ ሕጽር ዝበላ ጽሑፋት ምስ ኣንበብና ትርጉም ሕልና ኪበርሃልና ይኽእል፣

ሓደ ሰብ ሓቂ መስኪሩ ድቅስ ይሓድር፣ ሓቂ ስለ ዝመስከረ ሕልንኡ ቅሱን ኢዩ፣ ካልእ ሰብ ከኣ ብጉቦ ሕሶት መስኪሩ ንኽሱስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደጉኑ ከምዝነብር ስለ ዝገበረ ሕልንኡ ኣምሪሩ ስለ ዝወቐሶ ንምሉእ ሕይወቱ ብሕልንኡ ተፈሪዱ ቅሳነት ዘይብሉ ሕይወት የሕልፍ፣

ብግብርናን፤ ብሓሳብናን፤ ብቓላትናን ጽቡቕ እንተገበርና ሕልናና ጽቡቕ ከምዝኾነ ንርዳእ፣ ሕልናና ናይ ውሽጢ ሕሹኽታ ኢዩ፣ ናይ ውሽጢ ፈራዲ ናይ ኣኽባር ሕጊ ናይ ውሽጢ ምስክር ኢዩ፣ ዘይናትና ክንሰርቕ ከሎና፤ ወይ’ውን ንብጻይና ክንሓሚ ከሎና ወይ’ውን ዘይሞራላዊ ግብሪ ክንፍጽም ከሎና ሕልናና ሕማቕ ንገብር ከምዘሎና ይሕብረና ኢዩ፣ ግንከ መን’ሞ ሰሚዑዎ? ዓለማዊ ጥቕምታትን ስጋዊ ስምዒታትን ትምኒታትን ስለዝዕብልለና ንሕልናና “በጃኻ ኣይትረብሸኒ። ድልየተይ ከማልእ ግደፈኒ። ኣይትዓንቅፈኒ።… ወዘተ” እናበልና ነርስሖ ማለት ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ድኽመት ኢዩ፣

እንተወሓደ ሰለስተ ዓይነት ሕልናታት ኣሎ፥

1. ጽሩይ ሕልና
2. ሕሙም ሕልና
3. ምዉት ሕልና

ጽሩይ ሕልና።

ጽሩይ ሕልና ብዝሒ ዘረባን። ቅሚሽ ኣደይ ሓንኪልንን እናበለ ከመኻኒ ኣይፈቱን ኢዩ፣ ከምዚ ዓይነት ሕልና “እዚ ጽቡቕ ኢዩ ግበሮ” ወይ “እዚ ሕማቕ ኢዩ ኣይትግበሮ” ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ኣይመኽረካን ኢዩ፣ ከይፈራሕካን ከየማኻነኻን ጽን ኢልካ ሰሚዕካ ነቲ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕሎ ቅሱን ኢኻ፣ ሰብን እዝግን ከኣ ይፈትወካ፣

 

ሕሙም ሕልና

ሕሙም ሕልና ድኹም ኢዩ፣ ሕልናኻ እናኣእወየ እንከሎ ክትሰምዖ ኣይትደልን፣ ፍትወት ዓለም ይስሕበካ፣ ከምዛ ዘይተገርሐት በቕሊ ከኣ ቀይዲ በተኽ ኪኸውን ይደሊ፣ ናብ ዝገደደ ከይወድቕ ጥንቃቐን ጸጋ እግዚኣብሔርን የድሊ፣ ምኽሪ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ’ዩ፥

“ምውስዋስ ኣካላት ንቁሩብ ነገር ኢዩ ዝጠቅም፥ መንፈሳዊ ምልምማድ ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ሕይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ተስፋ ስለዘለዎ። ንኹሉ ኢዩ ዝጠቅም” (ጢሞ.4።8)፣

መንፈሳዊ ምውስዋስ ማለት ከኣ ብጾምን ብጸሎትን ንዘጋጥመና ፈተናታት ክነሸንፍን። ሕልናና ንኪሓውን ምግዳል ማለት ኢዩ፣

ምዉት ሕልና

ነብሪ ጤል በሊዑ ድቅስ ይሓድር፣ ወዲ ሰብ ግን ሰብ ቀቲሉ ኪቐስን ኣይክእልን፣ ብተደጋጋሚ ምስ ዝቐትል ግን ከም ልማድ ስለዝወስዶ ድሕሪ ገለ እዋን። ሕልናኡ ይድስክል። ቀጺሉ ከኣ ይመዉት፣ ኣብ ታሪኽ እንተተመልኪትና። ብዙሓት ጨካናት መራሕቲ መንግሥታት። ሕልናኦም ስለ ዝሞተ ንኣሻሓት ከምኡ’ውን ንሚልዮናት ንጹሓት ሰባት ኪቐዝፉ ዝተረኽቡ ኣለዉ፣ ሕልናኦም ዝቐተሉ ሰባት ካብ ሰብ ምዃን። ናይ እንስሳ ጠባይ ስለ ዝለበሱ ናይ ካልኦት ሰባት ጓህን ቃንዛን ኣይስምዕምን። ድንጋጸ ዝብሃል’ውን የብሎምን፣ ምኽንያቱ ሕልናኦም ሞይቱ ኢዩ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝበሎ። “…ብዓለም ከምዝሓረረ ሕልናኦም ዝደንዘዘ ግቡዛት ….ሰባት ኢዮም፣”

ሕልናና መለክዒ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ኣካይዳና ኢዩ፣ እቲ መለክዒታት ከኣ ኣብ ልብና ተቐሪጹ ኣሎ፣ ንሱ ከኣ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ኢዩ፣ ሮሜ 2።14-15 “እቶም ሕጊ ሙሴ ዘይብሎም ኣሕዛብ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህሪኦም ተደሪኾም ካብ ዝገብሩዎስ። ንሳቶም ሕጊ ሙሴ እተዘይብሎም እኳ ንርእሶም ሕጊ ኢዮም፣

በዚ ከኣ ንሳቶም ሕልናኦም እናመስከረሎም። ሓሳቦም’ውን ሓንሳእ ኪወቕሶም ሓንስእ’ውን ኪድግፎም ብምርካቡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ፣”

ውሩይ ማሃትማ ጋንዲ ከምዝበሎ። “ ካብ ኩሎም ቤት ፍርድታት ዝለዓለ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሎ፣ ንሱ ከኣ ሕልና ኢዩ፣”

ኣብ ሉቃስ 6።31 ከም እነንብቦ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ። “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልዩዎ። ንስኻትኩም ከኣ ከምኡ ግበሩሎም፣” ካብ ሰብ እንጽበዮ ነገር እንታይ ኢዩ? ሰብ ኪፈትወና ንደሊ፣ እንተተዓዊትና ሰብ ኪፈልጠልና ንደሊ፣ ኣብ በይንና ኮነ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ሰብ። ከዋርደና ኣይደልን፣ ሽምና ከጸልሙ ..ወዘተ ኣይደልን፣ ስለዚ ነዚታት’ውን ኣብ ካልኦት ሰባት ክንፍጽም እተዘይተረኺብና ሕልናና ብቕጽበት ይፈርደና፣ እዚ ማለት ግን ጽሩይ ሕልና ኪኸውን ኣለዎ ማለት’ዩ፣

ሕልና ሃብታምን ድኻን። ሓያልን ድኹምን። ንጉስን ገባርን። ኣማንን ኣረመኔን። ከይፈለየን ከይፈርሀን ንኹሉ ዘዝግብኦ ናእዳ ወይ ወቐሳ ይህቦ፣ ስለዚ “ዝገበርኩዎ ሞራላዊ ግብሪ። ክፉእ ወይ ሕማቕ ምዃኑ ኣይፈለጥኩን ነይረ” ዝብሃል ምኽንያት የልቦን፣ ኣብ ላዕሊ ከም እተጠቕሰ። እቲ ሕጊ ብባህሪኡ ኣብ ልብና ተጻሒፉ ስለዘሎ፣

መደምደምታ፥

ሕልናና ኣብ ውሽጥና ሕሹኽ ዝብል ምስጢራዊ ቃል እግዚኣብሔር ምዃኑ ተቐቢልና። ካብ ዕለት ናብ ዕለት። ጽሩይ ሕልና ንምጥራይ ኪሕግዘና ሕልናና ከብርሃልናን ጸሎት ምግባርን። ምኽንያታት ከየብዛሕና። ውሽጣዊ መራሒና ንዝኾነ ሕሹኽታ ጽን ኢልና ሰሚዕና። ነቲ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ንከነውዕሎ ምጥንቃቕ የድልየና፣

እግዚኣብሔር ማዕጻ ልብኹም ክኩሕኩኽ ከሎ ማዕጾ ልብኹም ክፈቱሉ፣ (ራእ. 3።20)