ሓበሬታ ካብ ሚኒስተር ኣሕመድ ሑሰን ንነበርቲ ካናዳ ብዛዕባ ሕማም ኮረናን፣ሳዕቤኑን፣ መንግስቲ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምትታትን፣-

ዕለት 22/03/2020
ክቡር ሚኒስተር ኣሕመድ ሑሰን ብዕለት 21 መጋቢት 2020፣ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ምስ ወከልቲ ህዝብን ኤርትራውያን ካናዳውያን ቶሮንቶ ናይ ቴልፎን ኣኼባ ኣካዩዱ ኔሩ።
እቲ ናይ ቴልፎን ኣኼባ ብዛዕባ እዚ እዋናዊ ኮረና ሕማምን፣መንግስቲ ካናዳ ንህዝቢ በዚ ሕማም ንኽመጽእ ዝኽእል ኣደራዕ ኣብ ምግዳል፣ መንግስቲ ንዝወስዶም ዘሎ ስጉምትታት ንህዝቢ ንምሕባር ኢዩ።
1. ቀልጢፍና ታክስ ፋይል ወይ ቀረጽ ከነፈጽም ከም ዘለና።
2. ናይ ቆልዑ መልዕሎ ወይ በነፊት ብ 300 ክውስኽ።ታክስ ፋይል ወይ ምስ ፈጸምና ኢዩ ዝውሰኸና።
3. ናይ ጂስቲ GST ታክስ ወይ ቀረጽ ክረዲት ክውስኽ። ታክስ ፋይል ወይ ምስ ፈጸምና ኢዩ ዝውሰኸና።
4. እንድሕር ሓደ ሰብ ብሰንኪ ሕማም ኮቨድ-19 ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ። ብቐጥታ ናይ ስራሕ ኢንስሹራንስ ማለት EI ከመልክት ወይ ክሓትት ይኽእል። ድሕሪ ሓደ ስሙን ካብ ስራሕ ጠጠው ምስ በልካ/ኪ ዝብል ዝነበረ መምርሒ ተወንዚፉ ወይ ንግዚኡ ተሪፉ ኣሎ። ካብ 900 ክሳብ 1100 ናይ ኮናዳ ዶላር ኣብ ነፍሲ ወከፍ 2 ሰሙን ብጠቕላላ ን16ሰሙን ክትክፈል/ሊ ትኽእል/ሊ።
ናይ ውልቆም ስራሕ ከም ታክሲ ወይ ኡበር ብምምራሕ ዝካየዱ/ዳ ዝነበሩ/ራ፣ናይ ስራሕ ኢንሹራንስ ማለት EI ዘይብሎም ካብ 900-1100 ኣብ ከክልት ሰሙን ካብ ናይ ህጹጽ እዋን
5. መልዕሎ ማለት Emergency Benefit ብምምልካት ክኽፈሎም ይከኣል።
6. ንሹድሽተ ወርሒ ወይ መንፍቕ ናይ ገዛ ዕዳ ክፍሊት ማለት ሞርገጅ ክፍሊት ካይ ተኸፍለ ክውንዘፍ ይከኣል ኢዩ።
7. ንሹድሽተ ወርሒ ወይ መንፍቕ፣ናይ ተማሃራይ ለቓሕ ካብ ወለድ ናጻ ክኸውን ኢዩ።
8. ንቆልዑት ክትኣሊ/ልይ ኣብ ገዛ ኮፍ እንተ ኢልካ/ኪ፣ብሰንኪ ትምህርቲ ምዕጻዉ ፣ንህጹጽ መልዕሎ ወይ Emergency Care Benefit ኣመልክት/ቲ ወይ ሕተት/ቲ ካብ 900-1100 ንክልተ ሰሙን ክኽፈልካ/ኪ ይከኣል።
9. ንኣሽቱ ትካልታ በዚ ሓማም ኮረና ቫይረስ ዝተጸልዉ፣ መንግስቲ 10% ናይ ሰራሕተኛ ደሞዝ ክሕግዝ ኢዩ። ክሳብ 1,375 ንነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ፣ ዝለዓለ መጠን ክሳብ 25,000.00 ዝበጽሕ ንንፈሲ ወከፍ ትካል ወይ ቢዚነስ ክሕግዝ ኣዩ። ብተወሳኺ መንግስቲ፣ 10 ቢሊዮን ናይ ካንዳ ዶላር ሰሊዑ ኣሎ፣ንዕበየት ንግዲ ብለቓሕ መልክዕ ዝወሃብ ገንዘብ። ክልቃሕ ዝደሊ፣ወይ ንዝያዳ ሓቤሬታ ንሃገራዊ ሚኒስትሪ ንኣሽቱ ትካላት ክውከስን/ክትውከስን ከመልክትን/ከተመልክትን ይከኣል ኢዩ።
10. መንግስቲ ካናዳ ንኽሎም ኣብ መገሻ ካብ ሃገረ ካናዳ ወጻኢ ዘለዉ/ዋ እሞ፣ ናብ ካናዳ ንኽመለሱ/ሳ ዝተጸገሙ/ማ፣ ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ሓገዝ ክግበረሎም ለይትን መዓልትን ኣብ ምጽዓር ይርከከብ ኣሎ።ብርግጽ እቲ ስራሕ ቀሊል ኣይኮነን፣ብዙሓት ሃገራት ዶበን ይዓጽዋን፣ ምንቅስቓስ ይድርታን ኣለዋ። ዝኾነ ካብ ሃገረ ካናዳ ወጻኢ ገይሹ ዝርከብ በዚ ዝስዕብ ኢመይል ጌሩ፣  sos@international.gc.ca
ሓገዝ ክሓትትን/ክትሓትትን፣ህልዉ ኩነታቱ/ታን ት/ይኽእል።
11. ዋና ገዛ፣ ንተኻራያይ ኣብዚ እውና እዚ ካብ ገዛ ከውጽኦ ወይ ከተውጽኦ ኣይኽእልን ወይ ኣይትኽእልን ኢዩ/ያ።
12. ብዛዕባ ትምህርቲ ዝምልከት በዚ ዕለት እዚ ክጅመር ኢዩ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ፣እንተኾነ ብኦንላይን ወይ ኢንተርነት ትምህርቲ ዝቕጽሉሉ መገድታት ይጣጣሕ ኣሎ።
Check "ministry of education" website and open " Learn at home"
13. ኣብ ወዳኣታ ብተሳተፍቲ ዝቐረበሉ ክብሩ ሚኒስተር ሑሰን መልሲ ሂቡ።
ገለ ካብ ሕቶታት ።
1. ብዛዕባ ታክሲ ዝመርሑ ሰባት። መልሲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ኣሎ
2. ብዛዕባ ንኣሽቱ ትካላት። መልሲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ኣሎ
3. ብዛዕባ መራሕቲ ሃይማኖትን፣ቦታታ እምነትን ዝነበረን እቶት ብሰንኪ እዚ ሕማም ምዕጻወን፣ወጻኢታተን ብኸመይ ክሽፍና ይኽእላ?። መልሲ፣ ናይ ሚኒስተር ከም ነጥቢ ሒዝዎ ከም ዘሎን ክሕሰበሉን ምኻኑ መሊሱ ኣሎ።