መበል ሚእቲ ዓመት ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ቫቲካን

ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበርን ጳጳሳዊ ኮለጅ ኢትዮጵያን ብሓባር ኰይኖም ነቲ ንብዙሓት ትእምርቲ ዝኾነ ኣብ ሕምብርቲ ሃገረ ቫቲካን ንውልቑ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮለጅ ኢትዮጵያ መበል ሚእቲ ዓመቱ ብኽብሪ ይዝክሩ ኣሎ። ነዚ ከኣ ኣብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ዘምሥራቃውያን ፖንቲፊካን ኦርየንታል ዩኒቨርሲቲ ብዝግበር ዓውደ መጽናዕትን ሰንበት 12.1.2020 ኣብ ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ብዚዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴን ከምዝገብርዎ ተመልኪቱ።...
[ምሉእ ትሕዝቶ ብንባብ/ብድምጺ]


ኣብ ኢትዮ.ኤርትራን እትርከብ ካቶ.ቤተክርስትያን ኣብያተ ትምህርታን ሕክምናታታን ንሕዝቢ ከገልግላ ነጻ

ንዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ቫቲካን ንምብዓል ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝመጹ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብን ዝርከብዎም ጳጳሳትን ካህናትን ሎሚ ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ኣደራሽ ክለመንቲና ተራኺቦም።...
[ምሉእ ትሕዝቶ ብንባብ/ብድምጺ]