ብምኽንያት ዓመታዊ ዝኽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዳለወ ሰሚናርን ሓባራዊ ዘተን

ዝሓለፈ ሕዳር (November) 17, 2019 ኣብ ኣዳራሽ ቤተክርስትያንና ተኻይዱ። ኣብዚ ቁጽሩ ካብ 300 ንላዕሊ ዝግመት ሕዝቢ ዝተኻፈሎ ሰሚናር፣ “ጥዕና ኣእምሮን ኣተኣላልያኡን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ እዩ ነይሩ።
ነዚ ኣስተምህሮ ዝመርሐ ካብ ከተማ ኦታዋ ዝመጸ ናይ ሕማም ኣእምሮ ክኢላ ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ክኸውን እንከሎ ካብ ከተማ ቶሮንቶ ከኣ ዶ/ር ዓብዱላሂ በሪህ ሕኪም፣ ከምኡ ከኣ ወ/ት ራሄል ሃይለሚካኤል ሰራሕተኛ Canadian Center for Victims of Torture ተሳቲፎም።
ኣቶ ዮውሃንስ ድራር ኣብ ኣስተምህሮኡ ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ኣተኩሩ ሕጽር ዝበለ መብርሂ ሂቡ።
ኣብ ኤርትራውያን ዝርኣዩ ናይ ጥዕና ኣእምሮ ጸገማት
• ትሮማ ወይ ከኣ በሰላ ኣእምሮ
• ድሕሪ ስንባደ ዝኽሰቱ ሕማማት ኣእምሮ (PTSD)
• ቀንዲ ሕማማት ኣእምሮ ከም ዕብዳን፣ እስኪዘፎርኒያ…
• ናይ ወልፊ ሕማማት (ኣልኮል) ዝተፈላለየ ዓይነት ድራግ፣ ሹሻ፣) ...ወዘተረፈ።
• ነፍሰ ቅትለት (suicide)
• መንእሰያት (ድራግን ገበንን)
• ናይ ዓበይቲ (ኣረጋውያን) ሕማማት ከም ዲመንሽያ (Alzheimer’s) … ወዘተረፈ
• ወቕዒ ልቢ (stroke), epilepsy, sleep disorder, … ወዘተረፈ
• ናይ ቆልዑ ዓይነት ሕማማት ከም ኦቲዝም፣ (autism, down syndrome)
• ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ግህሰት (violence, abuse, sexual harassment, against women).
ምስዚ ብዝተሓሓዝ መንገዲ ከኣ ብሰንኪ ምጉዳል ጥዕና ኣእምሮ ብብዝሒ ካብ ዝርኣዩ ሳዕቤናት ነዞም ዝስዕቡ ከም ኣብነት ጠቑሱ።
1. ነፍሰ ቅትለት፣ ኣብ ቶሮንቶን ካልእ ካፋላት ካናዳን ኣብ ቀረባ ጊዜ ነፍሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ውልቀ ሰባት ከም ኣብነት ጠቒሱ።
2. ናይ ወልፊ ሕማማት ከም ድራግን ኣልኮልን፣ ጠላዕን …ወዘተ፣
3. መንእሰያትን ናዕብን (Youth, drugs and violence)
4. ስድራ ቤትን ናዕብን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ቅትለትን
5. Social capital ( ማሕበራዊ ሃብቲ ወይ ብዙሕነት)
ድሕሪ ናይ ኣቶ ዮውሃንስ ኣስተምህሮ መድረኽ ዝሓዘት ወ/ሮ ራሄል ሃይለሚካኤል ካብ ናይ ካናዳ ማእከል ግዳያት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስቓያት (Canadian Center for Victims of Torture) ዝመጸት ሰራሕተኛ ናይቲ ትካል ኢያ።
ወ/ሮ ራሄል ኣብ ዘቕረበቶ ሰፊሕ መብርሂ እቲ ትሰርሓሉ ትካል ካብ 1977 ጀሚሩ ንከባቢ 42 ዓመታት ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎን ንጥዕና ኣእምሮ ዝምልከት ተግባር እቲ ዝዓበየን ቀንድን ስራሕ ናይቲ ትካል ምዃኑ ኣስሚራትሉ። ስደተኛታት ቅድሚ ካብ ሃገሮም ምውጸኦም ዝነበሮም ኩነታትን ናብዚ ቅድሚ ምምጸኦም ኣብ መንገዲ ዘሕለፍዎ ነገራትን ኣብዚ ምስ ኣተዉ ከኣ ዝገጥሞም ብድሆታትን ተደማሚሩ ኣብ ጥዕና ኣእምሮኦም ሳዕቤን ከኸትል ስለ ዝኽእል ድጋፍን ምኽርን የድልዮም ኢልና ስለ ንኣምን ናብ ትካልና መጺኦም ኣድላዪ ሓገዝ ክረኽቡ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ሕቢራ።
ብድሕሪ ወ/ሮ ራሄል ሓጺር መብርሂ ዝሃበ ከኣ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ሓኪም ዝዀነ ዶ/ር ዓብዱላሂ በሪህ ኢዩ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ሓደ ሰብ ጥዕና ኣእምሮኡ ጉድለት ከምዘለዎ እንተድኣ ተጠርጢሩ ብዘይ ፍቓድ ቤት ፍርዲ ክእሰር ወይ ከኣ ናብ ሕክምና ክውሰድ ከምዘይክእልን ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዙሕ ጥንቃቐ ክግበር ከምዘለዎን ጠቒሱ። ስለዚ ሓደ ሰብ እንተድኣ ኣብ ካልእ ሰብ ወይ ኣብ ገዛእ ርእሱ ሓደጋ ከውርድ ተኽእሎ እንተሎ፣ ዝግባእ ቅጥዕታት ኣሚሊእካን ፍቓድ ረኺብካን ጥራሕ እዩ ስጉምቲ ክውሰድ ዝግባእ ክብል ሓቢሩ።