መልእኽቲ ካብ ዳሪክተር ትምህርቲ ጆን ማሎይ

ረቡዕ መጋቢት 25, 2020
ክፍሊ: Happenings @ TDSB
ዝኸበርኩም ወለዲን/ሞግዚትን፣
ከም ኩላትና ንፈልጦ ምስፍሕፋሕ ኮረና-19 ንምግታእ ዝካየድ ጻዕሪ ቀጻሊ ኢዩ ዘሎ።ኣብዚ በዳሂ እዋን ተስፋ እገብር ንስኻትኩምን ስድራቤትኩምን ጽቡቕ ክትህልዉ። ከም ድላይካ ምስ ሰብ ዘይምርኻብን፣ ልሙድ ዝኾነ ሂወት ምስኣንን፣ቀጻሊ ንኹሉ ከተማዓራሪ ምፍታንን ዝፈጥሮ ጸቕጢ ይርድኣኒ ኢዩ።ኣብዚ ዘይተጸበናዮ እዋን ብዛዕባ ናይ ደቅኹም ትምህርቲ፣ ብዙሕ ሕቶታት  ክህልወኩም ይኽእል እዩ።ምንም እካ ንኽሉ ሕቶታትኩም፣ መልሲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣይሃልወኒ፣ንገለ ሕቶታትኩምን እንተ መለስኩ፣ ብዝተኻእለኒ መጠን፣ዘሎ ምዕባለታት ክሕብረኩም ደስ ይብለኒ።
መጀምርታ ክሉኹም ፈሊጥክሞ ከም ትህልዉ፣  መራሒ መንግስቲ ኦንታርዮ  ዶግ ፎርድ ከም ዝገለጾ፣ከምቲ ፈለማይ ተተሊምዎ ዝነበረ ንዕለት 06, ሚያዝያ 2020 ትምህርት ኣይክኽፈትን ኢዩ።ብዛዕባ እዚ ተወሳኺ መምርሒ ወይ ሓበሬታ ዝበጽሓና የለን፣ተወሳኺ መምርሒ እንተ በጺሑና ቀልጢፍና ከነፍልጠኩም ኢና።ክሳብ ተወሳኺ መምርሒ ዝመጻና፣በዚ ዝስዕብ Learn at Home ናይ ኢንተርነት መምሃሪ መንገዲ ወይ ብልሓት ሚኒስትሪ ትምሃርቲ ዝተቐረበን፣ብናይ ቶሮንቶ ኣውራጃ ናይ ቤት ትምህርታት ቦርድ ማለት TDSB ዝተዳለወን Student Learning Resources ምጥቃም ክትቅጽሉን ንሕብረኩም።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንናይ ቤት ትምህርቲ ምምሕዳር ቦርድ እዘን ዝመጻ ክልተ ሰሙን፣ ንዝተናውሓ ግዜ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ዝኸውን  መደባት ኣብ ምውጻእ ክጥቀሙለን ተወኪስዎም ኣሎ።
  • ምስ ሚንስትሪ ትምህርቲ ብምትሕብባር፣ ኣብ መደብ ምውጻእ ኢና ንርከብ ዘለና፣መማህራን ምስ ተምሃርኦምን (ወይ) ወለድን/ሞግዚትን ንምርኻብ ብመንገዲ ኢንተንርነት ጌርና።ብዝተኻእለ መጠን፣ መምህር ዝመርሖ ስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ናብ ንቡር ንኽንመልሶ ንሕልን።
እዚ መደብ እዚ ከንውጽእ ኮለና ብዙሕ ረቓሒታት ኣብ ግምት ነአቱ ኣለና። ተምሃሮ መሳርሒታትን ኢንተርነት ዝረኽብሉ መንገዲ ሃስስ ንብል ኣለና። ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮም ተማሃሮ፣ናይ ቃንቃ ኢንግሊሽ ተማሃሮ፣ ፍሉይ ድሌታት ዘለዎም ተማህሮ ድሌታትም ንምምላእ
    • መደብ ናይ ዓበይቲን፣ ቀጻሊ ትምህርቲ ንተምሃሮ ምቕራብ
    • ንናይ ተማሃሮ ጥዕናዊ ኣእምሮን፣ ዕብየትን፣ ሓገዝና ምቕራብ፣እንኮላይ ናይ ኢንተርነት ጸጋ ጌራካን፣ ብኣካል ናብ ተምሃሮን፣ ስድራ ቤታትን ምብጻሕን ዘጠቓልል ኢዩ
    ቅሩብ ንምጥቃስ፣ክትግምትዎ ከም ትኽእሉ፣  ቤት ትምህርቲ ተዓጽዩ ኾሎ ኣብ ሓጺር ግዜ፣ን247,700 ተምሃሮ መደብ ምስራዕ ኣዝዩ በዳሂ እዩ።ዕላማና ብዝተኻእለ መጠን ምስ ህሉው ክነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ጽቡቕ ናይ ምስትምሃርን ምምሃርን ጥጡሕ ኩነታት ምፍጣር ኢዩ።ንኽሎም ተማሃሮ ዓመተ ትምህርቲ ብዓወት  ክዛዝሙ ምሕጋዝን፣ንዝመጽእ ዓመተ ትምህርቲ ናብ ዝለዓለ ክፍሊ ንኽሓልፉን ንክምረቑን ምሕጋዝን ኢዩ ።እዚ ኣገዳሲ መደብ፣ ናብ ወለድን/ሞግዚትን ብዝተኻእለ  መጠን ቀልጢፍና ከነማሓላልፎ ኢና።
    ከም መዛዘሚ ናይ ቶሮንቶ ሰበ ስልጣን ጥዕና ከም ዝገለጽዎ ምዕጻው ናይ  ዝተፈላለየ ብምምሕዳር ከተማ ዝውነና፣ መሳለጥያታት ከም፣ሜዳ መጻወቲታትን፣ናይ ክዕሶ መጻወቲታትን፣ናይ ባስኬትን ቴንስ ሜዳን፣ ምእካብ ናይ ሰባት ንምግታእን ለበዳ ሕማም ኮረና-19 ንምቕናስን፣ኩለን ናይ ቶሮንቶ ቤት ትምህርታት እውን ከምኡ ክገብራ ማለት ሜዳታተን ክዓጽዋ ተጸዊዐን።
ካብዚ ኣብ ላዕለ ዝተጠቕሰ ብምብጋስ ኩለን ሜዳታት ናይ ቶሮንቶ ኣውራጃ ናይ ቤት ትምህርቲ ቦርድ ማለት TDSB ሜዳታትን መጻወቲታን መሳለጥያታትን ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝመጽእ ክዕጸው ኢዩ። ኩሉ ሳዕ፣ዘሎ ምዕባለታት፣ ናይ ሰበስልጣን ጥዕናን፣ መንግስትን ሓበሬታ ክትከታትሉ እሕብረኩም።ምእንቲ ብኸመይ ጥዕናን፣ ድሕንነትን ፣ ገዛእ ርእስኹምን፣ ስድራቤትኩምን፣ንምሕላው፣  እዋናዊ ምኽሪ ክትረኽቡ፣ናይ ቶሮንቶ ሕዝባዊ ጥዕና፣ናይ ሓበሬታ ማእከል፣ ኣገዳስን ቀጻሊ ምዕባለን እዋናዊ ሓበሬታትን  ስለ ዘለዎ ተኸታተሉ።
ኣብ ቅድሜና ብድሆ እካ እንተ ኣሎ፣ ብሓባር ኮይና ንቕድሚት ከም ንቕጽል እተኣማመን እየ።ኣብ መወዳእታ ንትዕግስትኹምን ነዚ ክነታት ምርዳእኩምን አመስግነኩም።ኣብ ቀራባ ግዜ ተወሳኺ ሓቤረታ ክጽሕፈልኩም ኢየ።
ኣኽባሪኹም
ጆን ሞሎይ
ዳሪክተር ትምህርቲ
Sincerely,
John Malloy
Director of Education