ኤርትራዊ መንእሰይ ስሳታት ኣቶ ባህልቢ ተኽለ

ባህልቢ ተኽለImage copyright Bahlbi tecle

ኣብ 1952 ኣሸራ ኣብ እትበሃል ኣብ ጥቓ ከረን እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ ተወሊዱ። መባእታ ኣብ ዓዱ፡ ካልኣይ ደረጃ ከኣ ኣብ ከረን ተማሂሩ። ኣብ 1971 ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ወሲዱ፡ ልዑል ነጥቢ ኣምጺኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቡ።

እንተኾነ ኣብ 1972 ኣንጻር ንጉስ ሃይለስላሰ ብዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ እቲ ዩኒቨርስቲ ስለ ዝተዓጽወ፡ ንሓደ ዓመት ዝተማህሮ "ፊዚካል ሳይንስ" ኣቋሪጹ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨሪሲቲ፡ ሜጀር ማቲማቲክስ፡ ማይነር ኬሚስተሪ ንሰለስተ ዓመት ተማሂሩ።

ባህልቢ ተኽለ፡ ካብ ሓረስቶት ስድራ ቤት እዩ ተወሊዱ። ወለዱ ደቅና ከነምህር ኣሎና ዝብል እምነት ስለዝነበሮም ካብ ዝርካቦም ኣከናዊኖም ኣምሂሮሙዎ። ንሱ እውን ከም ኩሎም ደቂ ሓረስቶት ተመሃሮ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ኣብ ዕዮ ሕርሻ ንስድርኡ ይደጋገፍ ነይሩ።

ኣብቲ ፈለማ ካብ ዓሰርተ አሕዋቱ፡ እቶም ዓበይቲ ንሱን ካልኣዩን እዮም ተማሂሮም። እቶም ናእሽቱ አሕዋቱ ከኣ ጸኒሖም ቀጺሎም።

[ምሉእ ትሕዝቶ]

@ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሥርዓተ ግዕዝ - ዳነምህረት