ክሳብ ኮረና ደው ዝብል እንታይ ንግበር?

ብሚኪኤል  ኤልያስ

ዳርጋ መላእ ዓለም ኣብ ውግእ ኣንጻር ኮረና ኢያ ተሸሚማ ዘላ ክበሃል ይከኣል። እዚ ውግእ እዚ ግና ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን፡ ኣብዚ እዋን እዚ’ውን ኣብ ገለ ከባቢታት ዓለም ዘሎን ውግእ፡ ኣንጻር ከማኻ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ክቡር ወዲ ሰብ ዝግበር፡ ስምዒት ሰባት ኣለዓዒልካን ኣረሳሲንካን፡ ክተት፡ ሎሚ ዘይከተተ-ብደዉ ከም ዝሞተ፡ ኩሉ ሰብናን ንዋትናን ናብ ዓውደ ኩናት ይበገስ፡ ኢልካ ዘራፍ ዘራፍ እንዳ በልካ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ሃገር ምስ ሃገር፡ ህዝቢ ንምትህኑኻትን ንምጭፍጫፍን፡ ስልጣንካ ንምስፍሕፋሕ ዝግበር ውግእ  ኣይኮነን።
ውግእ ኣንጻር ኮረና ብኣንጻር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ኩሉ ሰብ ዘለዎ ዓቕሚ ኣዋሃሂዱ ኣንጻር እዚ ብዓይኒ ክርአ ዘይክእል ኮረና ዝብሃል ቫይረስ፡ ካብ ሓንቲ ቦታ፡ ካብ ሓደ ሰብ፡ ካብ  ቻይና ተበጊሱ ንመላእ ዓለም በዲሁ ዝርከብ  ዝካየድ ዘሎ ግጥም ኢዩ። ገለ ሃገራት ዘለወን ዓቕሚ ሰብን ንብረትን ብምኽታት ብውሑሉል ኣገባብን ብሓልዮትን፡ ልክዕ ከም ኣብ ዓውደ ውግእ ከም ዘለዋ ፊት ንፊት ክገጥምኦ ከለዋ። ገለ ኸኣ ቀዳዊኻ ኣውያት ኣሎ-ብዘሰምዕ ጣቃ፣ ብሽግንር ናይ ህዝቢ ኣሳቢብካ ንምስዋድን፣ ንህዝበን ንምጭቃንን ካብ ህዝቢ ገንዘብ ንምእካብን ንህዝቢ ንምድካያን ሜላ ይጥቀማሉ ከም ዘለዋ ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይን ዘተዓዛዝብን ኢዩ። ገለ ኸኣ ነቲ ሽግር ኣብ ክንዲ ምፍታሕን፡ ንሓቂ ፊት ንፊት ምግጣምን ብሰንኪ ኩስቶ እዩ፡ ቀምሽ ኣደይ ሓንኩሉኒ ክብላን ኢደን ከወጣውጣን ይውዕላ ከም ዘለዋ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ።
ክሎም ተማራመርቲ ሕክምና ዓለምና ንኮረና ዝኸውን ክታበት ወይ መድሃኒት ንምርካብ ካይተሓለሉ ኣብ ምምርማር ምፍታንን ይርከቡ ኣለዉን፡ ዛጊት እውን ፈተነታት ተጀሚሩ ኣሎ።
‘’ክታበት ናይ ኮረና ቫይረስ ካይተረኽበ ናብ ንቡር ምሉእ ናይ ሂወትና ንጥፈታትና ኣይክንመለስን ኢና’’ እቲ ብፍቕሪ ህዝቡ ዘነደደን፡ ዳርጋ መዓልታዊ ምዕባለታት ናይ ቃልሲ ኣንጻር ኮረና ዝካየድ ዘሎ ንህዝቡ ዝሕብርን ዘተባብዕን ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ዝመርሕን ክቡር መራሒ ካናዳ ትሩዶ ብዕለት 09 ሚያዝያ 2020 ዝበሎ ኢዩ። ቀዳማይ ሚኒስትረ ካናዳ ኣስዒቡ ‘’ክታበት ግዜ ክወስድ ኢዩ፡ ናይ ኣካላዊ ምፍንታት ንኣዋርሕ ክቕጽል ኢዩ፡ ምእንቲ ሞትን ምልባዕን ኣዚ ሕማም ንምውሓድን ምቁጽጻር ክከኣል፡ ክኢላታትን ሰበስልጣን ሕክምናን ዝህቡና ምኽሪ ክንሰምዕ ኣለና’’።
ንሕና’ኸ ብውልቂ ይኹን ወይ ከም ሕብረተሰብ እንታይ ንግበር? ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ እዚ ሕማም ዝኣክል ሓበሬታ ስለ ዘይነበረናን፡ ሃንደብት እውን ስለ ዝኾነናን ብዙሕ ብዛዕቡኡን ሰሚዕናን ተዛሪብናን ጽሒፍናን ኣንቢናን ኢና። ዳራጋ ሕጂ ብሓበሬታ ኮረና ዘቕቢብና ክበሃል ይከኣል።
ክምቲ ዶ/ር ተኽልኣብ ገብረሂወት ዝበሎ፡ ‘’ማርሻ ምቕያር ከድልይና ኢዩ’’ ክሳብ ንቡር ሂወትና ዝምለስ። ከመይ ጌርና ነዚ ዘለናዮ ሂወት ንለምዶን ኣብ ረብሓና ነውዕሎን ክንሓስብን ኣገደስቲ ውሳኔታት ክንውስንን ከድለየና ኢዩ።
ብዛዕባ ተምክሮ ክፍሊ ሕክምና ገድሊ ኤርትራ  ካብ ዝተጻሕፉ ሒደት መጽሓፍቲ ምስ ነንብብ፡ ዶ/ር ተኸስተ ፍቓዱ ካብ ‘’ናቕፋ ናብ ናቕፋ’’ ኣብ ዝብል መጽሓፉ ብሰፊሑ ከም ዝገለጾ፡ መሪሕ ሓሳብ ናይ ክፍሊ ሕክምና ‘’ብዘለካ ዝከኣለካ ግበር!’’ ዝብል ብግብሪ ዝተሰርሓሉን ዘዐወተን መሪሕ ሓሳብ ነበረ። ህይወት ንምስራር ኩሉ ክትገብሮ እትኽእል ብዘለካ መሳርሒታትን ጸጋን ግዜን ተጠቂምካ ጽዓር-ብግብሪ ኸኣ ተሰርሒሉን አዐዊቱን።
ኮረና ንመብዛሕትና ኣብ ገዛ ኮፍ ከም እንብል ኢዩ ጌሩና ዘሎ። እዚ ኣብ ገዛ ኮፍ ምባል ዘይንቡር’ካ እንተኾነ፡ ብኸመይ ናብ ረብሓና ነውዕሎ ኢልና ምሕሳብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ብኸመይ ብዘለና ዝከኣለና ንገብር? ዕውታት እንኸውን ብዛዓባ ኮረና ብምጭናቕን ብምርባሽን ሚኒን ብምባልን ኣይኮነን። እንታይ ክንዓምም ንኽእል? እንታይ ሓድሽ ዕድላት ወይ ክንገብሮም እንኽል ንጥፈታት ኣሎ ኢልካ  ሃሰስ ምባልን ምሕሳብን ከድልየና ኢዩ። ኣብ ዓለም ብዛዕባ ክንቅይሮምን ከነድምዓሎምን ዘይንኽእል ኣእምሮናን ቀልብናን ሂብና ግዜ ምጥፋእ፡ ንኣብነት ብዛዓባ ዛሕሊ ወይ ሙቐት ምምራር ሚኒን ምባልን ወይ ኣብ ገዛ ተዓጺና ብዛዕባ ኮረና ምጭናቕን፣ብዛዕባ ኮረና ክሳብ ዘግስዓና ዜና ምክትታልን ዝህበና  ፍይዳ ወይ ጥቕሚ የብሉን።
ኣብ ገዛ ብምዕጻውና ክንረብሓሉ ንኽእል መንገድታት-
1. ከምቲ ክብር ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ዝበልዎ ገዛውትና ናብ ኣብያተ ጸሎት ንቕይረሉ እዋን ኢዩ። ምስ ደቅና ኮይና ጸሎት እንደግመሉን፣ ንደቅና ጸሎት እንምህረሉን እዋን ንግበሮ። ንኣብነት ጸሎት ሞቕጽርያ፣ ቅዳሴን ክንምህሮም ንኽእል።
2. ኣብዚ ግዜ እዚ ዝተጸገሙ ሰባት፣ ብዝተኻለና መጠን፣ ብዘለና ዓቕሚ፣ ናይ ንዋት፣ ናይ ግዜ፣ ናይ ተስፋ፣ ናይ ሞራል ደገፍ ምሃብን ምሕጋዝን ልክዕ እዋኑ ሕጂ እዩl።
3. ከነንብቦ ንሕልን ዝነበርና መጽሓፍቲ እሞ ብሰንኪ ሕጽረት ግዜ ኣመኽኒና ዘይንበብናዮ መጽሓፍቲ ሃስስ ምባል
4. ክንጽሕፎ ጀሚርናዮ ግዜ ስኢና ኢልና ኣውንዚፍናዮ ዝነበርና ጽሑፋት ምፍታሹን ምቕጻሉን
5. ምስ ስድራ ቤትናን ፈተውትናን ብሰንኪ፡ ካብ ስራሕ ንገዛ፡ ካብ ገዛ ንስራሕ ብምባል ዕንክሊል ክንብል፡ “ቢዚ ቢዚ” ዝብል ምኽኒትን፡ ተወሲኽዎ፡ ግዜ ተወሃሂብና ዘይንፈልጥን። ብፍላይ ከኣ ንደቅናን ነኣሽቱ ኣሕዋትናን ዝኣክል ግዜ ሂብና ከነዕልሎምን ተምኩረና ከነካፍሎምን ክብሉና ዝደልዩ ጽን ኢልና ክንሰምዖምን ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምጥቃም
6. ንደቅና ኣብ ትምህርታዊ ንጥፈታቶም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እንገብረሎም ደገፍን ምክትታልን፡ ንባዕልና ኮፍ ኢልና መጽሓፍ ብምንባብ፡ ግዜና ኣብ ጽቡቕ መዓላ ብምዏል ኣብነታውያን ምኻን። ካብ ብኣፍ ኣጽንዑ እንዳበልና ምክርኻር ዝያዳ ውጺኢት ኣለዎ
7. ምስ ሰድራቤትናን ፈተውትናን ብሓባር ኮይንና ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፣ ናይ ሓባር ፊልም ምርኣይን ኣገደስቲ ኣርኣስታት ኣልዒልካ ምምይያጥን ምምኽካርን
8. ንደቅናን ንነኣሽቱ ኣሕዋትናን ባህልናን መንነትናን ቃንቃናን፣ ብተግባር ንምህረሉ ብዙሕ ሰዓትን ዕድልን ተዋሂቡና ኣሎ እሞ ንጠቀመሉ
ከምቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ትሩዶ ዝበሎ፡ እዚ ሕማም ኮረና ወይ ብኽታበት ወይ ብመድሃኒት ካይተቖጻጸርናዮ 100% ንቡር ሂወት ምጅማር ከጸግመና ኢዩ። ስለዚ፣በተሓሳስባ፣ ብተግባር ነዚ ሕማም ብውልቂ ይኹን ብሕብረተሰብ ደረጃ ንግጠሞ፣ ንቃለሶ። ’’ብዝለና ዝከኣለና ንግበር’’። መራሒ ዝባሃል ዘማርር ዘይኮነስ ጸገማት ናብ ረብሑኡ ቀይሩ ዝቃለስን  ዝዕወትን ኢዩ። መራሕቲ ገዛእ ርእስናን፡ ሕብረተሰብናን ብምኻን፡ ብተግባርን ብጽቡቕ ኣብነትን፡ ኣብ ግዜ ጸገም ሓይል መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ሓሳባት ነምጽእን ንመራመርን። ኮረና ከጃጅወና ዘይኮነስ ከሓይለና ኢዩ ዘለዎ።
ወዳሓንኩም!