ሃብታምን ገመልን መርፍእን

ብዓንደማርያም ተስፋይ

“ደጊመ ሃብታም ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ኪኃልፍ ከም ዚቐልል እብለኩም ኣሎኹ።” ማቴ. 19፣24
“ኣቱም ሃብታማት ግና ሓጎስኩም ወዲእኩም ኢኹም እሞ ወይልኹም” ሉቃስ 6፣24
መጽሓፍ ቅዱስ ዕለታዊ መንፈሳዊ መምርሒናን ኣብ ጊዜ ጸበባና ከኣ መጸናኒዒናን ኢዩ። ግን ኩሉ ኣብኡ ዝተጻሕፈ ከምቲ ዝግብኦ ብገርሂ ንርድኦ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ክልተ ነጥብታት ንየዋህ ሰብ ብቐሊል ንሓንጎሉ ከነውጻኦ ይኽእላ ኢየን።  ካብኡ ዝተላዕለ’ውን “ሃብታማት መንግሥተ ሰማይ ኣይኣትዉን ኢዮም” ዝብል ጌጋ ርድኢት ሒዞም ይነብሩ። ስለዚ ካብዚ ቀጺልና ትኽክለኛ ትርጉም ናይዘን ጥቕስታት ክንርኢ ኢና።
ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓደ ነገር ክትገልጸሉ ሽሕ ቃላት ካብ ምውጻእ፣ ሓንቲ ስእሊ ናይቲ ክትገልጸሉ እትደልዮ ነገር እንተኣርኣኻዮ፣ ብቐሊል ክርድኦ ይኽእል። ከምዝብሃል ኣብ ትግርኛ’ውን ብዝበዝሕ ቃለ ኣጋንኖ ብምጥቃም ክነመሓላልፍ ንርከብ። ንኣብነት “…ክንዲ ጎቦ ተነፊሑለይ”… ከምኡ’ውን “ገበታ ሓሶት…” … “…ብዕራይ ይውሕጥ”… ወዘተ።
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ነቶም ሰማዕቱ ብቐሊል ከረድእ ኢሉ ብምስላታት ይዛረቦም ነበረ። እቲ ምስላታቱ ከኣ ከም ስእሊ በሪሁ ይርድኦም ነበረ።  ኣብ ወንጌል ኩሉ ኩሉ 46 ምስላታት ተመዝጊቡ ኣሎ።  ኩሉ ከኣ ሃናጺ ትምህርቲ ዝሓዘ ኢዩ።  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ግን ዘይተጻሕፈ ብዙሕ ኣስተምህሮታት ከም ዘሎ’ውን ዘይምርሳዕ።
“ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኩሉ በብሓደ ተጻሒፉ እንተዝኸውንሲ ነቲ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኩሉ እዚ ዓለም እኳ ኣይምኣኸሎን ይመስለኒ”።  ዮሓ. 24፣25  እዚ’ውን ንርእሱ ቃለ ኣጋንኖ ኢዩ ነይሩ። ትርጉሙ ከኣ ብጣዕሚ ብዙሕ ዘይተጻሕፈ ነገራት ኣሎ ማለት ኢዩ።
እዚ ከም መባእታን መብርህን ኢዩ ዝቐረበ። ሕጂ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስትና ንእቶ። “ሃብታም ናብ መንግሥተ ሰማያት ኪኣቱ ጭንቂ ከምዝኾነ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ማቴ. 19፣23 ቀጺሉ’ውን ኣብ ማቴ. 19፣24 ናይ ገመልን መርፍእን ምስላ ብምግላጽ ቃል ኣጋንኖ ጌሩ ግልጽልጽ ኣቢሉ ከብርሃልና ኢሉ’ምበር ሃብታም መንግሥተ ሰማይ ኣይኣቱን ኢዩ ማለቱ ኣይኮነን።  “ሃብታም መንግሥተ ሰማይ ኣይኣቱን ኢዩ” ዝብሃል ኣዘራርባ ጌጋ ምዃኑ ኪበርሃልና ኣለዎ።
ብዝበዝሕ ፍቕሪ ገንዘብን ንብረትን ዓለማዊ ምቾትን ስለ ዝዕብልሎም ሃብትማት ኣተኩሮኦም ኣብ ዘይርአን ዘይድህሰስን መንፈሳውን ሰማያውን ነገራት ብጣዕሚ ትሑትን ውዱቕን ኪኸውን ይኽእል። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝብሎ “ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ኩሉ ክፍኣት ኢዩ። ገሊኦም ብህርፋን ገንዘብ ኪረኽቡ ኪብሉ፣ ካብ እምነት ዘንበሉ፣ ናብ ርእሶም’ውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” 1 ጢሞ. 6፣10።
ብዛዕባ ናይ ሃብታምን ገመልን ምስላ ምስ ሰምዐ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ሓተቶ “መን ደኣ ኾን ኪድሕን ይኽእል…” ማቴ. 19፣25። ኢየሱስ ከኣ  “እዚ ብዓቕሚ ሰብ ኣይከኣልን ኢዩ። ብኣምላኽ ግን ኩሉ ይከኣል ኢዩ” በሎም።
እዚ ማለቱ ከኣ ብጸጋ ኣምላኽ ሃብታማት ኪጸድቁ ይከኣሎም ኢዩ ግን ርእሶም ኣትሒቶም ርትዕን ፍትሕን እናኽበሩ ልቦም ኣብ ሃብቲ ጥራሕ ኪኸውን የብሉን፣ ናይ መንፈሳዊ ነገራት’ውን ምግባር ከም ዘድሊ ቤተክርስትያን ተብርሃልና።
ኩሉ ሃብታም ሓደ ኣይኮነን። ገለ ገለ ከኣ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎም ብጾምን ብጸሎትን እናነበሩ ኣመት ሃብቶም ዝገብሩ ከም ዘለዉ’ውን ዘይምርሳዕ።  ሃብታም ምዃን ኣይጽላእን ኢዩ።  ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ብዙሓት ሃብታማትን ፈትውቲ እግዚኣብሔር ከም ዝነበሩ ነንብብ። ንኣብነት ኢዮብ፣ ሃብታም ነይሩ ከምኡ’ውን ሰለሞን ከምኡ’ውን ዳዊት። ኒቆዲሞስ’ውን ሃብታም ኢዩ ነይሩ።  ካልኦት’ውን ብዙሓት ሃብታማት ነይሮም።
ብዙሓት ሕያዎት ሃብታማት ንድኻታት ዝሕግዙ፣ ግብረ ሰናይ ዝገብሩ፣ ቤተክርስትያናትን ሆስፒታላትን ዘሰርሑ ከምዘለዉ’ውን ንዘክር።
ስለዚ ከም መደምደምታ “ፍቕሪ ገንዘብ ካብ እግዚኣብሔር ዝፈልየካ እንተኾይኑ ኢዩ ዝጽላእ እምበር ሃብታም ምዃን ከም ዘይጽላእ ኪበርሃልና ኣለዎ። እቲ ኣፍካ መሊእካ “ሃብታም መንግሥተ ሰማይ ኣይኣቱን ኢዩ” ዝበሃል ጌጋ ርድኢት ሕጅን ንሓዋሩን ካብ ሓንጎልና ጓሕጉሕና ከነውጽኦ ከምዘሎና ኪበርሃልና ኣለዎ።
ኩሉ ሰብ ሃብታም ኮነ ድኻ ብግብሩ ኢዩ ዝጸድቕ እምበር ብሃብቱን ብድኽነቱን ኣይኮነን።

@ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሥርዓተ ግዕዝ - ዳነምህረት