Installation of the Youth Council
At their first meeting of the month on May 6, 2012, the Youth Group (YG) came together to elect their new council. The new council, together with the Chaplain and the Youth's Portfolio holder in the Chaplaincy Council, is responsible for the leadership and undertakings of the group for one full year.
|
|
Read more...
|
ሃሌ ሉያክብሪ በዓል ንግደትደብረ ምሕረት መድሃኔ ዓለምብመም. ኣምለሰት ተስፋይብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ አሜን።
ሰማይን ምድርን ዝርኤን ዘይርኤን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብጸግኡን ብበረኸቱን ነዚ ዓቢ ክብሪ በዓል ንግደት መድሃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ቶሮንቶ ካብ ርሑቕን ቀረባን ኣኻኺቡ ሓቢርና ከነብዕሎ ዝዓደለና ብኽብርን ብዕብየትን ንዘልዓለም ነመስግኖ።
ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ሲኖዳ ናይ ካናዳን ኣመሪካን ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ ቀዳም ሚያዝያ ዕለት 5/2012 ካብ ኣመሪካ ተላዒሎም ኣብ ተሮንቶ መዕረፍ ነፈርቲ ኣብ ዝበጽሑሉ ጊዜ መራሕቲ ቤተክህነትን ዓበይቲ ምእመናን ከምኡ’ውን ኣቦ ወንበርን ሰበኻ ጉባኤን ብዓብይ ክብሪ ተቐቢሎሞም።
|
|
Read more...
|
|

|
ክብሪ በዓል ንግደት ኪዳነ ምሕረት
|
| ምስጋና |
|
መም/ ኣምለሰት ተስፋይ
|
የካቲት 26/2012 እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ልዑል ኣምላኽ ዓመታዊ ክብሪ በዓል ኪዳነ ምሕረት ካቶሊክ ኣብ ቶሮንቶ ብዘይ ኣፈላላይ ካብ ርሑቕ ካብ ቀረባ ብፍቓዱ ኣኻኺቡ ንምስጋናኡን ፍቕሪ እምነት ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ኪግለጽ ዝገበረልና ክብርን ምስጋናን ውዳሴን ንዕኡ ይኹን።
|
|
Read more...
|
ምሥጢረ ጥምቀት ብኣባ ዓውተ ወልዱ፡ ማ. ሲቶ
|
7th Sunday of the Great Fast NIKODEMUS’ SUNDAY By Abba Awte Weldu, O.S. Cist
|
“ብሐቂ ብሐቂ እብለካ አሎኹ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተዘይተወልደ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዝኽእል ከቶ የልቦን” (ዮሐ.3፡5)
ብመደብ አምላኽ፡ ጥምቀት፡ ብሽም ኣብን ወልድን መ.ቅዱስን፡ ካብ ማሕፀን ዮርዳኖስን፡ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስን፡ ብሐዲስ መንፈሳዊ ልደት፡ ናብቲ ክርስቶስ ዘምጽአልና ሓዲስ ሕይወት ምውላድ ኢዩ። (ማቴ.28፡19 ርኤ)
ፀጋ ጥምቀት ሀ. ካብ አቦና አዳም ንዝወረስናዮ ኃጢኣት ይድምስሰልና ለ. ብዓበይትና እንተተጠመቅና፡ ንናይ ባዕልና ኃጢኣት’ውን ይድምስሰልና ሐ. እንደገና ፍቱዋት ውሉድ ኣምላኽ ይገብረና መ. ምስ ክርስቶስ የወሀህደና ሰ. ኣባላት ሰውነት ክርስቶስ ናይ ዝኾነት ቤ/ክ ይገብረና ረ. ቤተ መቅደስ መንፈስ ቅዱስ ይገብረና ቀ. ኣብ ቤ/ክ ሰብ ምሉእ መሰልን ግዴታን ይገብረና።
|
|
Read more...
|
6ይቲ ሰንበት ዘገብር-ኄር ምስላ መክሊት (ማቴ 25፡ 1 - 30) ኣባ ዓውተ ወልዱ፥ ማ. ሲቶ |
6th Sunday of the the Great Fast The Good Servant’s Sunday (Mt 25: 1-30) Abba Awte Woldu, O.S. Cist. |
1. ኣምላኽ በበይኑ መክሊታት ይህበና።(14-15) ብዝኂ መክሊትን ክእለትን ብሉጽ ህያባት ዘይኮነ እቲ ኣውራ ዘገድስ ከመይ ገርና ንጥቀመሎም ምህላውና ኢዩ። ኣምላኽ ርቱዕን ኵሉ ዝፈልጥን፣ ናይ ኵሉ ሠናይ ነገራት ወሀብን ብምዃኑ፣ ብዝሃበና ሠናይ ህያባቱ ሠናይ ፍረ ከነፍሪ ኢዩ ዝጽበየና። ኣምላኽ ህያባቱ ብዕጽፍን ድርብን ፈርዩ ክርኢ ስለዝደሊ ናይ ዝሃበና ፀጋታት ምሉእን ደቂቅን ቅኑዕን ጸንጻብ ክሓተና ኢዩ። ህያባትና’ኳ እንተ ተፈላለየ ጻዕርና ክፈላለ የብሉን። እቲ ዝተዋህበና ህያብ ኣብ ቁምነገሩ ውዒሉ ክርከብ ብትግሃት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍሬ ጽድቂ እናፍረና ምእንቲ ክብሪ እግዚኣብሔር ከነውዕሎ ይግብአና። ንአብነት ኣእምሮ እንተዓደለና ንአምላኽ ክንፈልጠሉን ንአምላኽን ንመንግሥቲ ኣምላኽን ብቀዳምነት ሠሪዕና ክነብርን ጽኑዕ ድላይ ንአምላኽ ክንፈቱ፣ ጽኑዕ ብርኪ ንአምላኽ ከነገልግል ሀብቲ እንተጸገወ ድኻ ክንዕንግለሉ ወዘተ... ኢዩ ዝወሃበና።
|
|
Read more...
|
|
|
|
|
|
|
Page 1 of 12 |