|
ብነ ጳጳስ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ቀዳማዊ
ድሕሪ 13 መዓልቲ ካብ ሃንደበታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ነበር ኣቡነ ቡሩኽ ብድሌቶም ካብ ሥልጣን ምውራዶም፥ ኣበው ካርዲናላት ምሉእ ዓለም ሓዲስ ምስሌነ ጴጥሮስ ዝኾኑ ኣገልጋሊ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ሓዲስ ጳጳስ ሂቦምና። ካርዲናላት ኣብ ምርጫ ምስ ኣተዉ ንካርዲናል ማርዮ ባጎሊዮ “ይምረጹዶ ይኾኑ?” ካብ ዚበሃሉ ሕጹያት ሓደ እኳ ስሞም እንተዘይጠቐሰ፥ ኣምላኽ ግና ድሮ መሪጹዎም ነይሩ። ካርዲናላት ውሳኔ ኣምላኽ ንምልላይ ጥራሕ ኢዮም ኣብ ጉባኤ ዛተዉ። ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ብወኖስ ኣይረስ፥ ኣርጀንቲና፥ ካብ ትሑታት ተወለድቲ ዓዲ ጥልያን ብ17 ታኅሣስ 1936 (ሕጂ 76 ዓመት ኣለዎም ማለት ኢዩ) ተወሊዶም፥። ኣብ ጥምቀት ሆርሄ (ገርጊስ) ማርዮ ዚብል ስም ኣውጽኡሎም። ኣብ 20 ዓመት ዕድሚኦም ብሰንኪ ሕማም ሓንቲ ሳምቡእ ብኦፐረሽን ኣልዮሙሎም፥ ሎሚ በታ ካልአይቲ ሳንቡእ ጥራይ ይነብሩ ኣዘለዉ። ወዲ 32 ዓመት ምስ ኮኑ (ብ1969) ኣብ ማኅበር ኢየሱሳውያን ክህነት ተቐቢሎም፥ ሓለቓ ማኅበሮም ኣብ ኣርጀንቲና ኣገልጊሎም፥ ብ1980-86 ናይ ዝተማህሩላ ዩኒቨርሲትይ ፕረሲደንት ኰይኖም ኣገልጊሎም፥ ብ1992 ጵጵስና ተቐቢኦም፥ ብ1998 ናይ ሃገሮም ርእሰ ከተማ ቦጎታ ብወኖስ ኣይረስ ሊቀጳጳስ ኪኾኑ ሓላፍነት ተቐቢሎም፥ ብ2001 ብብ. ር.ሊ. ጳጳሳት ኣቡነ ዮሃንስ-ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ካርዲናል (ፍሉይ ኣማኻሪ ጳጳስ ማለት ኢዩ) መዓርግ ተቐቢሎም ኣብ ናይ ር.ሊ. ጳጳሳት ነበር ኣቡነ ብሩኽ ዝተገብረ ምርጫ ተኻፊሎም፥ ብ13 መጋቢት 2013 ድማ ናይ መላእ ቤተክርስትያን ሓላፍነት ተረኪቦም።
|
|
Read more...
|
|
ንግደት ናብ ደብረ ፋጢማ 2012
እቲ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኪዳነምሕረት ቶሮንቶ ዝዳሎ ንግደት ናብ ደብረ ማርያም ፋጢማ ካብ ሓያለ ሸነኻት ከተማ ቶሮንቶ ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተሳተፉዎ ብጥቅምቲ (October) 21, 2012 ተኻይዱ። ምእመናን ብንግሆ ሰዓት 8 ጀሚሮም ኣብ ቤተክርስትያን ቶሮንቶ ብኣባ ቪቶርዮ ቦርያ ኣብ ዝተገብረ ናይ ቡራኬ ጸሎት ተሳቲፎም። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ዝተዳለዋሎም ክልተ ኣውቶቡሳት ተሳፊሮም ጉዕዞ ናብ ባፋሎ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ኮነ። ኣብ መንገዲ ድማ ናይ መቑጸርያ ጸሎትን መንፈሳዊ መዛሙርን እንዳተሰነዩ ከባቢ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ደብሪ በጽሑ። ኣብ ባፋሎ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን፣ ኣብኡ ዝጸንሑና ኤርትራውያን ካቶሊካውያን ተጸንቢሮምና። ስርዓተ ቅዳሴ ብኣባ ኤርምያስ ገብረእግዚኣብሔር ተመሪሑ ድማ ናይ ሓባር ጸሎትን ምህለላን ተኻየደ። ብድሕሪ ቅዳሴ፣ ምእመናን ናብ ናይ ብሕቲ ናይ ልመና ጸሎት ተዋፊሮም። ናይ ሓባር ምሳሕ ድሕሪ ምግባር ድማ፣ ከም ኣመጻጽኣና ብመዛሙርን ብጸሎትን ብደርፍታትን ተሰኒና ከባቢ ሰዓት 8 ምሸት ናብ ከተማ ቶሮንቶ ብሰላም ተመሊስና።
ንዓመታ ብሰላም የጽንሓና !!!
(ንተወሳኺ ስእልታት አብዚ ጠውቁ - for more Photo's click here)
|
|
ናብ ክቡር ኣባ ቪቶርዮ ቦርዮ ካብ ኣባ ፍቕረማርያም ሐጐስ
ሰላም እግዚኣብሔርን ረድኤት ወላዲተ ኣምላክን ምሳኩም ይኩን። እስዒበ እቲ ልደት ሐዳስ ሰበካ ሰገነይቲ ምስተሰምዐ ብጸሎትን ብንዋትን ዝገበርክምዎ ምትሕብባር ቀልጢፈ ናይ ምስጋና መልእክቲ ዘይምጽሐፈይ፡ ይቕረታ እንዳሐተትኩ፡ ብዘርኣኩምዎ መንፈሳዊ ሐልዮት ብልቢ ኣመስግን፡ እግዚኣብሔር ይሃበልና፡ እንዳበልኩ ኣመስግን ንኩሎም ኣብ ትሕቲ መጓሰኩም ዘለዉ ድማ ምስጋናይ ኣብጽሑለይ። ክቡር ኣባ ናብ ኣሜሪካ ክመጽእ ዝብል ሐሳብ እቲ ዕድመ ብእግርና ዝነቐለ ኣብ ጉባኤና ካብ ኣርባዕቴኩም ሐደ ክመጸና ንጽበ ስለዝበሉ ንኣይ መላለዪ ይኮነካ ንስካንዶ ተጸምበር ዝብል ሓሳብ እዩ ቀሪቡ፡ ንምብጻሕ ናብ ከናዳ ይኩን ናብ አሜሪካ ክመጽእ ምስወሰንኩ፡ ብዕሊ ምሳካትኩም ተራኪበ ክገብሮ እየ፡ ሕጂ ግን ክጥዕመኒ ስለዘይከኣለ ክመጽእ እይክእልን። ምክኒያቱ ልዕሊ ወርሕን ክልተ ሶሙንን ኣብ ኣውሮጳ ጌረ ኣሎኩ፡ ሕጂ ድማ ክልተወርሒ ዝያዳ ክገብር፡ ከይተመለስኩ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ካብ ሰበካ ምውጻእ ሕጊ ኣይፈቅድን፡ ስለዚ ግዜ ወሲደ ቅርጺ ናይ ሰበካ ምስሐዘት ክመጽእ ይሐይሽ ዝብል ሐሳብ ኣሎኒ። እግዚኣብሔር ንኩሉ ኣገልግሎትኩም ይባርክ፡ ደጊመ እግዚኣብሔር ይሃበልና። ኩሉ ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኩን። +ኣባ ፍቕረማርያም ሐጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ
|
|
ኣባ መስቀል ናይ ቶሮንቶ ተልእኾኦም ፈጺሞም
ኣብ ቊምስና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኪዳነምሕረት ቶሮንቶ፣ ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ወርሒ መስከረም 2012 ንኣባ ቪቶርዮ ቦርያ ተኪኦም ብጊዜያዊነት ከገልግሉና ዝጸንሑ፣ ኣባ መስቀል ኣቢብ፣ ብዝሓለፈ ሰንበት መስከረም (September) 30, 2012 ናብ ቦታኦም ሃገረ ጣልያን ተመሊሶም ኣለዉ። እዞም ክቡር ኣቦን መራሕ ሃይማኖትን ዘርኣዩና ትሕትናን ደኺመ ከይበሉ ዝሃቡና ኣገልግሎትን ካብ ኣእምሮና ዘይጠፍእ ኢዩ። በቲ ሃንደበታውን ግዜ ዘይሃበን ናብ ቦታኦም ናይ ምምላስ መደብ፣ ንኸምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ዝሃቡ ካህን ፍሉይ መዓልትን ዝግባእ መፋነውን ክግበረሎም እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ብሽም ኩሎም ኣባላት ቊምስናና፣ ሓደ ንእስ ዝበለ ህያብ ተዋሂቡ። ንኣባ መስቀል ንዝሃቡና ኣገልግሎት ዓቢ ምስጋና እንዳቕረብና፣ ኣብ ዝኽድዎ፣ እግዚኣብሔር ክሕልዎምን ሰላምን፣ ዕድመን፣ ጥዕናን ክህቦምን ንምነየሎም።
ኣባ መስቀል ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ናይ ቤተክርስትያንና ካብ ዝተሳእልዎ ስእልታት ብውሕዱ ንቕርበልኩም ኣሎና።
|
 |
 |
|
|
Read more...
|
|
ናብ ዝከበርኩምን ዝከበርክንን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ሰላም እግዚኣብሔርን ረድኤት ወላዲተ ኣምላክን ምሳኩም ይኩን እንዳበልኩ ልባዊ ሰላምታይ ኣቕርብ።
ኩልኩም ከምእትፈልጥዎ ብሰናይ ፍቃድ ቅድስቲ ሥላሴን ብስምረት ቅድስቲ መንበርን እቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት አብ ልቢ ብዙሐት ዝተጸንሰ ሐሳብ፡ ቀዳሞት አቦታትና ብተደጋጋሚ ናብ ቅድስቲ መንበር ዘቕረቡዎ እማመ ልደት ሐዳስ ሰበካ ሰገነይቲ ግዜኡን ሰዓቱን ምስአከለ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብ24 የካቲት 2012 ብወግዒ ንመላእ ቤተክርስትያን ብፍላይ ድማ ንቤተክርስትያን ኤርትራ ምስአወጁ፡ እዚ ብስራት ምስተሰምዐ፡ አብ ኩሉ ማእዝናት ዓለም እትርከቡ አመንቲ፡ ሐጐስኩምን ሰናይ ትምኒትኩምን፡ አጆካ እግዚአብሔር ምሳካ እዩ ንሕና ድማ አብ ጐንካ ኣሎና ዝብል መተባብዒ ቃላትኩምን፡ ብደብዳቤ፡ ብቴሌፎን፡ ብኢ-መይል ገሊጽኩም፡ ሐገዝኩም ድማ ብንዋት፡ ብገንዘብን ብጉልበትን አበርኪትኩም፡ መጺእኩም ከኣ ሐጐስኩምን ሃረርታኩምን ዝገለጽኩም ኩልኩም፡ ንኩሉ ዝገበርኩምዎ እግዚአብሔር ይሃበልና፡ እግዚአብሔር ይጻምኩም እንዳበልኩ ብልቢ ምስጋናይ ኣቕርብ።
ክቡራንን ክቡራትን እግዚአብሔር ሰናይ ጌሩልና እዩ፡ ዓቢ ህያብ ድማ ሂቡና እዩሞ ነመስግኖ። ብዕለት 20 ግንቦት 2012 አብ ርእሰ አድባራት ደብረ ኪዳነምሕረት አሥመራ ብኢድ ብፁዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ማዕርገ ጵጵስና እንክንቅበል፡ ከምኡ ድማ ብዕለት 27 ግንቦት 2012 አብ ሰገነይቲ ናይ ሐዳስ ሰበካ መንበር እንክንርከብ ዘርኣኩምዎ ሕብረትን ሐድነትን፡ ህያው ምስክር ናይ እምነትኩምን ፍቕሪ ቤተክርስትያንኩምን ከምዝኮነ እዩ ዘመልክት። ከምቲ ኣብ ጵጵስና ዝሐበርክምዎ ሕጂ ድማ ኣብ ምህናጽ ሰበካ ክንሐብርን ክንሰምርን ንዝተቐበልናዮ ሐላፍነት ብግቡእ ከነገልግለሉ ክንክእል ናይ ኩልና ትግሃትን ተወፋይነትን ኣድላይን ኣገዳስን እዩ።
|
|
Read more...
|
|
|
|
|
|
|
Page 2 of 10 |