Kidanemehret celebration 2017
ዓመታዊ ክብረ በዓል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኪዳነምሕረት ኤርትራ ኣብ ቶሮንቶ ትማሊ ለካቲት 26, 2017 ብኽብ ዝበለ ሥነ ሥርዓት ከቢሩ ውዒሉ።
እቲ ብድሮ ብዋዜማ ዝጀመረ በዓል ትማሊ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ ካብ ቶሮንቶ ከባቢኣን ዝመጹ ነጋድያን ነቲ ቤተክርስትያን ካብ ጫፍ ንጫፍ መሊኦሞን ቦታ ዘይረኸቡ ድማ ኣብ ግዳም ብምዃን ጸሎትን ምህለላን ኣብጺሖም።
ኣብዚ መስዋዕቲ ቅዳሴ ዝተኻፈሉ ካህናት፡ ቆመስና ኣባ ተኽለማርያም፡ ኣባ ጳውሎስ ቆመስ ናይ St. Wilfrid Catholic Church፡ ኣባ ኢሳያስ ቆመስ ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቶሮንቶ፡ ከምኡ’ውን ኣባ ቡሩኖ ቆመስ ናይዚ ንጥቀመሉ ቤተክርስትያን St. Nicholas Di Bari ኢዮም።
ድሕሪ ቅዳሴ ዑደት ተኻይዱ ምስ ኣብቅዐ፡ ኣባ ጳውሎስ ንምእመናን ዝመሰጠን መንፈስዊ ንቕሓት ዘበራበረን ስብከት ኣስሚዖምና።
ብዘይካ’ዚ ያሬዳውያንን፡ ዘመናውያን መንእሰያትን ህጻናት መዘምራንን ነቲ በዓል ዓቢ ድምቀት ሂቦምዎ ውዒሎም።
ድሕሪኡ ዝተዳለወ ጸበል ቀሪቡ፡ ምእመናን ብመግብን መስተን ባህላዊ ናይ ቡን ሥነ ሥርዓትን ዝተፈላለየ ትምህርቲ ሓዘል ዘረባታት ተዘናጊዕና፡ ኣማስያኡ እቲ በዓል ብጽቡቕ ተዛዚሙ።