መኑ ይመስለከ እምነ ኣማልክት እግዚኦ?

በዓለ ትንሣኤ ፴ ሚያዝያ ፳፻፲ ፣ 8 ሚያዝያ 2018

ፍቁራትን ፍቁራንን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡

ሎምዘመን እውን እንሆ፣ ምሥጢረ ፋሲካ ኣብ እነብዕለሉ ጊዜ በጺሕና። ምሥጢረ ፋሲካ ክበሃል ከሎ ንሕማማትን ሞትን ትንሣኤን መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዘጠቓልል። ካብ ጸሎት ሓሙስ ጀሚርና ክሳዕ ቀዳም ስዑር ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ቀብሩን ከንስተንትን ድሕሪ ቀኒና ለይቲ ፋሲካ፣ “ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን፣ በዐብይ ኃይል ወሥልጣን፣ ኣሰሮ ለሰይጣን ኣግኣዞ ለኣዳም፡ ሰላም፣ ይእዜሰ ኮነ ፍስሓ ወሰላም”፣ ክርስቶስ ብዓብይ ኃይልን ስልጣንን ካብ ሙታን ተንሢኡ፣ ንሰይጣን ኣሲሩዎ ንኣዳም ከኣ ሓራ ኣውጺኡዎ፣ ሕጂ ከኣ ፍስሓን ሰላምን ኮይኑ፣ እናበልና ኣብቲ ከኣል ኲሉ እግዚኣብሔር ዝፈጸሞ ትንሣኤ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እምነትና ክነሓድስ ንርከብ። ኣብ ምሥጢረ ፋሲካ ክርስቶስ ብብዙኅ ስቓይን ስቕለትን ድሕሪ ሞይቱ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ንሞቚሕ ሞት በጢሱ ሕያው ከምዝኾነ ንኣና ድማ ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ሞት ናብ ሕይወት ከምዘሳገረና የበሥረና። መዝሙር ፋሲካውን “ፋሲካ ብሂል ማዕዶት፡ እስመ ዐደወ እግዚእነ እሞት ውስተ ሕይወት”፣ መድኃኒና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ስለዝተሳገረ ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ ይብለና።

በቲ ሓደ ወገን ሰሙነ ሕማማት፣ ደቅ ሰብ ኣንጻር እቲ ንጹሕን ኣፉ ዘይከፍትን ገንሸል (ኢሳ 53፡7)ክፍኣቶምን እቲ ጊጉይ ኃይሎምን ዘርኣዩሉ መዓልታት እዩ። ኣብዚ መዓልታት እዚ ንጊዚያዊ ጥቕምኻ ኢልካ ንንጹሕ ሰብ ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ ብሓሶት ከሲስካ ኣብ ፍርዲ ምቕራብ፣ ንሰብ ፈሪህካ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ምፍራድ፣ ነቲ ድሮ ተኣሲሩ ዘሎ እሞ ክከላኸል ዘይኽእል፡ ብዘይ ምሕረት ምግራፍ፣ ምጽፋዕ፣ ኣብ ገጹ ጡፍ ምባል፣ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል እሾኽ ምድፋእ፡ ዓይኑ ሸፊንካ ዘይክዳኑ ኣልቢስካ ምልጋጽ፣ ዝስቀለሉ መስቀል ተሰኪሙ እናወደቐን እናተንሥአን ከምዝጐዓዝ ምግባር፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ኣብ መስቀል ምሽንካር፣ ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ ከሎ እንደገና ምልጋጽ፣ ብኲናት ጐድኑ ምውጋእ፣ ከም ዓወት ቆጺሮሞ ተዓዊትና ኢሎም። ምናልባት ደቀ መዛሙርቱ ካብ መቓብር ሰሪቖም ወሲዶም ደሓር ተንሲኡ ከይብሉ ካብ ጲላጦስ ወተሃድራት ለሚንካ ብጽኑዕ ምሕላው ኣብ ኣፈ መቓብር ከኣ ዓብይ ደንጎላ ምዕጻው ከም ሰብኣዊ ጥበብን ዓወትን ተሓሲቡ ይኸውን። መድኃኒና ግን ነዚ ኲሉ ዝጾረ ከምቲ ነቢይ ኢሳያስ “ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፣ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፣ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፣ ንሓና’ውን ብስምብራቱ ሓዌና”(ኢሳ 53፡5)ዝበሎ ንሕና ድኅነትን ሓርነትን ምእንቲ ክንረክብ እዩ። ኃይሊ ሰብ ግን ነባሪ ኣይኮነን።

ቀዳም ስዑር መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ ገና ኣብ መቓብር ከሎ እታ ሃገር ሙታን ዝኾነት ሲኦል ደንጊጻ “ወትቤ ሲኦል ኣይ ውእቱ ዝንቱ ዘእምሥልጣንየ ሥጋ ለቢሶ ዘሞዐኒ፣ መኑ ውእቱ ዝንቱ ዘምድረ ለብሰ፣ ውእቱኬ ሰማያዊ ውእቱ፣ በኣሓቲ ምክር ምስለ ኣቡሁ ሰማያተ ገብረ” መን እዩ እዚ ሥጋ ለቢሱ ካብ ሥልጣነይ ዝሰዓረኒ? መን እዩ እዚ ሰማያዊ እንከሎ ናይ ምድሪ ለቢሱ ብሓንቲ ምኽሪ ምስ ኣቡኡ ንሰማያት ዝፈጠረ(ሥርዓት ቀዳም ስዑር)ክትብል ንርኢ። እቲ ብሓንቲ ቃል ንዓለም ዝፈጠረ ኣምላኽ ብሓንቲ ቅጽበት ነቲ ኲሉ ኃይሊ ሞትን ክፍኣትን ኣሸኒፉ ሕያው ኮነ። በዚ ምኽንያት ኢና ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴና ካብ ወንጌል ቅዱስ ሉቃስ ምስ ተነበልና፣ “ኦ እግዚኣብሔር ካብ ኣማልኽቲ ንኣኻ ዚመስል የልቦን፣ ከም ግብርታትካውን ዝገበረ ከቶ የልቦን። –ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ፡ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ” (መዝ 86፡8.10) ዝብል መዝሙር ዳዊት ብምጥቃስ ነዚ ዝስዕብ ዓብይ ናይ እምነትን ናይ ምሥጋናን ስራሕ ንደግም፣“መኑ ይመስለከ እምነ ኣማልክት እግዚኦ? ኣንተ ውእቱ ዘትገብር መንክረ፣ ኣርኣይኮሙ ለሕዝብከ ኃይለከ፣ ወኣድኃንኮሙ ለሕዝብከ በመዝራዕትከ። ሖርከ ውስተ ሲኦል ወኣዕረገ ጼዋ እምህየ፣ ወጸጎከነ ምዕረ ዳግመ ግዕዛነ፣ እስመ መጻእከ ወኣድኃንከነ። ኦ ጐይታ! ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ መን እዩ? ተኣምራት እትገብር ንስኻ ኢኻ፣ ንሕዝብኻ ኃይልኻ ኣርኣኻዮም፣ ብቕልጽምካ’ውን ንሕዝብኻ ኣድኃንካዮም። ናብ ሲኦል ከድካ፣ ካብኡ እውን ምርኮ ኣውጻእካ፣ ሓንሳእ’ውን ዕጽፊ ሓርነት ሃብካና፣ መጺእካ ስለዘድኃንካና ነመስግነካ ኣሎና።

ብዙኅ ዘፍርሃና ነገራት ኣሎ። ልዕሊ ኲሉ ግን ሞት እያ ተፍርኃና። በቲ ሓደ ወገን ምድራዊ ሕይወትና ስለዘቋርጽ ፈተውትና ስለንሓድግ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፣ ድሕሪ ሞት እንታይ ከምዝጽበየና ብርግጽ ስለዘይንፈልጥ ንሞት ኣዚና ንፈርኃ። እዚ ፍርሂ እዚ ግን ባሕርያዊ እዩ። ጐይታ ከኣ ካብዚ ፍርሃት እዚ ሓራ ምእንቲ ከውጽኣናን መንገዲ ሕይወት ምእንቲ ክኸፍተልናን ኢሉ እዩ ሞይቱ ዝተንሥአ። “ሞተ ዘኢይመውት፡ ሞተ ከመ ይስዐሮ ለሞት፡ ሞተ ከመ ያሕይዎሙ ለሙታን” እቲ ዘይመውት ሞተ፣ ንሞት ምእንቲ ክስዕሮ ሞተ፣ ንሙታን ሕይወት ምእንቲ ክህብ ሞተ(ቅዳሴ፡ እምቅድመ ዓለም)። በዚ ምኽንያት፣ በእንተ ዝንቱ ንሴብሓከ፣ ወንጸርሕ ኃቤከ እንዘ ንብል፣ ቡሩክ ኣንተ እግዚኦ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እስመ መጻእከ ወኣድኃንከነ”፣ ‘ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ መጺእካ ኣድኂንካና ኢኻ እሞ ብሩኽ ኢኻ’ እናበልና’ነመስግነካ ኣሎና፣(መጽሓፈ ቅዳሴ፡ ድሕሪ ወንጌል ሉቃስ) ብዝብል ድምጺ፣ ዓሚቚ ናይ እምነትን ኣምልኾን ስራሕ ንገብር። ሓደ ጥንታዊ ስብከት ብዛዕባ ናይ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን፡ ምቕባርን፡ ናብ ሲኦል ምውራድን ትንሣኤን ዓብይ መግለጺ ይህበና። ካብ ትርጉም ቀዳም ስዑር ተበጊሱ እቲ ሰባኺ ከምዚ ይብል፣ “ሎሚ ኣብ ምድሪ ከቢድ ሱቕታ፣ ረዚን ጸጥታ ብሓቂ’ውን ከቢድ ከውታ ነጊሡ ይርከብ። እቲ ንጉሥ ደቂሱ ስለዘሎ ዓብይ ጸጥታ ሰፊኑ። ኣምላኽ ብመደብ ሥጋ ደቂሱ፣ ነቶም ኲሎም ዓለም ካብ ዚፍጠር ኣትሒዞም ዝደቀሱ ከኣ ስለዘተንሥኦም—መሬት ኣንቀጥቂጣ፣ ብሱቕታ ከኣ ተዋሒጣ ትርከብ። ንዝጠፍአት በጊዕ ከምዘናድዩዋ፣ ነቲ ቀዳማይ ኣቦና ኣዳም ከናዲ ከደ። እቲ ብሓደ ወገን ኣምላኾም፣ በቲ ሓደ ከኣ ወዲ ሔዋን ዝኾነ፣ ነቲ ኣብ መቑሕ ዝነበረ ኣዳምን፣ ምስኡ ምርኮይና

ንዝነበረት ሔዋንን ካብ ሓዘን ሓራ ምእንቲ ከውጽእ፣ ነቶም ኣብ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ይነብሩ ዝነበሩ ንኪበጽሖም ብባህጊ ናብኦም ከደ። ‘–ኣነ ምእንታኹም ክብል ውሉድኩም ዝኾንኩ ኣምላኽኩም እየ—ስለዚ ኣታ ትደቅስ ዘሎኻ እእዝዘካ ኣሎኹ፣ –ተንሥእ (ንቓሕ)። ናይ ሲኦል ሙቁሕ (ሕቡስ)ኮይንካ ክትነብር ኢለ ኣይፈጠርኩኻን። ካብ ሙታን ተንሥእ፣ ከመይሲ ኣነ ሕይወተ (መንሥኤ)ሙታን እየ”(መ.ሃ.ቊ 635)። “ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና፣ ምስኡ ድማ ብሕይወት ከምእንነብር ንኣምን ኢና፣ ከመይ እቲ ካብ ምውታት ዝተንሥአ ክርስቶስ መሊሱ ከምዘይመውት ንፈልጥ ኢና” (ሮማ 6፡8)።

እቲ ኣዝዩ ዓሚቚ ምሥጢር ዝሓዘለ መዛሙር ናይ ዘመነ ትንሣኤ እውን ብዝተፈላለየ መንግዲ ነቲ ኣብ ለይቲ ፋሲካ ብመድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ዓብይ ተኣምርን ኃያል ተግባርን ክገልጹ ንረኽቦም። ንኣብነት፣ “ተንሥኣ ወኣንሥኣ ኲሎ ሙታነ፡ ተንሥኣ ወፈትሖሙ ለሙቁሓን”፣ ተንሢኡ ንኲሎም ዝሞቱ ኣተንሥአ፣ ንእሱራት ከኣ ፈትሐ። “ኣርኣየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት፡ ገባሬ ሕይወት ክርስቶስ” እቲ ፈጣሪ ሕይወት ክርስቶስ፣ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣኑ ኣርኣየ። “ትንሥኤሁ ገብረ በሰንበት፣ ወሰበረ ኆኃተ ብርት፣ እግዚኣ ለሰንበት፣ ኣመ ሣልስት ዕለት ሞዖ ለሞት ገብረ ትንሣኤ በሰንበት” ትንሣኤኡ ብሰንበት ገበረ፣ መዓጹ ሓጺን ሰበረ፣ ጐይታ ሰንበት ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ፣ ትንሣኤ ከኣ ብሰንበት ገበረ(መዛሙር ዘዘመነ ትንሥኤ)ዝብሉ ይርከብዎም። እቲ “መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ”(ዮሓ 14፡6)ዝበለና መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብትንሣኤኡ ኣብ ልዕሊ ሞት ምሉእ ሥልጣን ከምዘለዎ ኣርእዩና። በዚ ምኽንያት ኢና፣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክንሳተፍ ከሎና፣ ብዝተሓደሰ እምነትን ብትብዓትን፣ ዕለት ዕለት “ንዜኑ ሞተከ እግዚኣ፣ ወትንሣኤከ ቅድስተ፣ ነኣምን ዕርገተከ ወዳግመ ምጽኣተከ፣ ንሴብሓከ ወንትኣመነከ፣ ንስእለከ ወናስተበቊዓከ፣ ኦ እግዚእነ ወኣምላክነ”፣ ኦ ጐይታ! ሙማትካን ቅድስቲ ትንሣኤኻን ነበሥር ኣሎና፣ ዕርገትካን ዳግማይ ምጽኣትካን እውን ንኣምን ኢና። ነመስግነካን ንእመነካን፣ ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ንልምነካን ንምሕጸነካን ኣሎና (ቅዳሴ ሓዋርያት)እናበልና ከየቋረጽና ነቲ ክሳዕ መጨረስታ ንዝኽረይ ግበርዎ ዝበለና መስዋዕቲ ሞቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ዳግማይ ምጽኣቱን ነተግብር። ብሓቂ “ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚብልዎ፣ ክርስቶስ ምእንቲ ኃጢኣትና ሞተ፣ ተቐብረ፣ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚብልዎ ከኣ ‘ብሣልሳኣይ መዓልቲ ተንሥአ፣ ንኬፋ ተራእዮ፣ ደኃርውን ነቶም ዓሠርተው ክልተ ተራእዮም። ብድኅሪኡ ካብ ኃሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝኁ ኣሕዋት ብሓደ ጊዜ ተራእየ” (1ቆሮ 15፡3-6) ። እዚ እዩ እቲ ነቕ ዘይብል እምነት ቤተክርስትያን፣ እዚ እዩ እምነት ነፍስወከፍና!!
ኢየሱስ ብምትንሣኡ “ናይቶም ዝሞቱ ቦዂሪ ትንሣኤ ኮነ። ስለዚ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፣ ከምኡ ከኣ ትንሣኤ ሙታን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ኲላቶም ብኣዳም ዝሞቱ ከምኡ ድማ ኲላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ክኾኑ እዮም” (1ቆሮ 15፡20-22) ። እዚ እዩ እምነትና፣ እዚ ከኣ እዩ ተስፋና። ከምቲ ምእንቲ ሙታን እንገብሮ ጸሎት ዝብሎ፡ “እስመ ኣልቦሙ ለኣግብርቲከ ሞት ኣላ ፍልሰት” ንኣገልገልትኻ ካብዛ ምድሪ ምግዓዝ እምበር ሞት የብሎምን(መስተግቊዕ ዘሙታን፣ እጊዚኣ ሕያዋን)። ድሕሪ ትንሣኤ ክርስቶስ፣ ሞት ንኣና ንኣመንቲ ከተፍርሃና ወይ ክተርዕደና የብላን። ምስ ክርስቶስ ኮይንና እንተገጢምናያ ንሞት ክንብድሃ ንኽእል ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፎ ንኣና’ውን ሎሚ ዘበራትዕን ዘጸናንዕን እዩ። “እቲ በራሲ ዘይምብራስ፣ እቲ መዋቲ’ውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፣ ሽዑ፣ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ ዚብል ቃል ጽሑፍ ኪፍጸም እዩ። ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ዓወትካ? ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ምውጋእካ? ሞት ብኃይሊ ኃጢኣት ገይራ ትወግእ፣ ኃጢኣት ከኣ ካብ ሕጊ ኃይሊ ትረክብ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይዂኖ (1ቆሮ 15፡54-57) ክንብል ኢና። ኢየሱስ “ምእንቲ ኃጢኣትና በጃ ዝኾነ፣ ንኣና ንከጽድቕውን ካብ ሞት ዝተንሥአ እዩ”(ሮማ 4፡25)። ተስፋ ኣይንቊረጽ፡ እምነትና ደኣ ነሓድስ። ትንሣኤ መድኃኒና ኣብ ልዕሊ ሞትን ክፍኣትን ዝተፈጸመ ወሰን ዘይብሉ ዓወት እዩ። ንሕናውን ሳላኡ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ክፍኣት፣ ኣብ ልዕሊ ሓሶትን ተንኮልን፡ ብልሽውናን ሕማቕ ልማድን ከነሸንፍ ከምእንኽእል ርጉጻት ኢና። ክርስቶስ “ንጸላእቱ ሃዲሞም ንድኅሪት ክሳዕ ዚምለሱ ሰዓሮም፣ ንሓዋሩ ከኣ ተነዊሮም ከምዚተርፉ ገበሮም” (መዝ 78፡66)። ቀዳሞት ጸላእትና ከኣ፣ ሰባት ዘይኮኑ፣ እቶም ኣብ ውሽጥና ዘለው ትዕቢት ስስዕቲ ቅንኢ ሃኬት ርኽሰት ዛሕሊ እዮም።
ንኣና ንክርስትያን በዓለ ትንሣኤ መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓንዲ ማእከል እምነትናን ኣምልኾናን እዩ። ስለዚ እቲ ቀዳማይ መዝሙርና “ኣማን በኣማን ኣማን በኣማን ተንሥኣ እምነ ሙታን” ብሓቂ ብሓቂ ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ገለ ምሥራቓዊ ሥርዓት ዝኽተላ ሃገራት፣ ኲሎም ኣመንቲ ካብ ፋሲካ ክሳዕ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘሎ መዓልታት፣ ኣብ ክንዲ “ ሓደርካ፡ መዓልካ” ምባል “ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲኡ”፣ “እወ ብሓቂ ተንሲኡ” ብምባል ሰላምታ ይለዋወጡ። ንኣና ንክርስቶሳውያን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ “ክርስቶስ ዘይተንሥአ እንተኮይኑ ስብከትና ከንቱ እዩ፣ እምነትኩም’ውን ከንቱ እያ” 1ቆሮ 15፡14)። እምበኣር “ምሥጢረ ፋሲካ ክልተ ገጽታ ኣለዎ። በቲ ሓደ ክርስቶስ ብሞቱ ካብ ኃጢኣት ሓራ የውጽኣና፣ በቲ ካልእ ድማ ብትንሣኤኡ ናይ’ታ ሓዳስ ሕይወት መንገዲ ይኸፍተልና”(መ.ሃ.ቊ 654)። እዚ ከኣ እቲ ዝዓበየ ኃይሊ እዩ። ምስባክ ናይ በዓለ ትንሣኤ ናይ ኣሸናፊ መዝሙር እዩ፣ “ወተንሥኣ እግዚኣብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፣ ወከመ ኃያል፣ ወኅዳገ ወይን፣ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ” ሽዑ እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዚትንሥእ ሰብ ተንሥአ፣ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥአ(መዝ 78፡65)። በዚ ምኽንያት ኢና ነቲ ኲሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ነቲ ንሞት ኣሸኒፉ ዝተንሥአ ክርስቶስ “መኑ ይመስለከ እምነ ኣማልክት እግዚኦ?” እናበልና ንውድሶ። ብሓቂ ከኣ ኣብዚ ዘመነ ትንሣኤ ነቲ ፈጺሙ ዘይንዓቐና፣ እኳ ደኣ፣ ኣዝዩ ዘኽበረና ዘፍቀረናን ኣምላኽና ከነኽብሮ፣ ነቲ ንሱ ዝብለና ክንሰምዕ፣ ንሱ ዝኣዘዘና ክንፍጽም ንተዓጠቕ። ነኢ ካብ ሙታን ዝተንሥአ ኢየሱስ “ብዘይካኻከ መንዶ ኣሎና እዩ? ትንሣኤከ ለእለ ኣመንነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ፣ ንኣና ኣብ ትንሥኤኻ ንዝኣመንና ብርሃንካ ፈንወልና” ንበሎ። ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት ካብ ኮነ፣ ኣብ ሕይወትና ለውጢ ከነርኢ ኣሎና። ኣብ ጸልማት ዝነበርና ናብ ብርሃን፡ ባራዩ ኃጢኣትን ሕማቕ ልማድን ዝነበርና ናብ ምሉእ ናጽነት፣ እቶም ሞይትና ዝነበርና ከኣ ናብ ሓዲስ ሕይወት ክንሳገር ብኃይሊ ሞቱን ትንሣኤኡን ይሓግዘና። ኃቢርና ከኣ “መኑ ይመስለከ እምነ ኣማልክት እግዚኦ?” ኦ ጐይታና!ብስቓይካን ሞትንካን ትንሣኤኻን ስለዘድኃንካና ነመስግነካ ኣሎና! “ኦ እግዚኣብሔር፣ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቅድስና ከማኻ ዝኸበረ፣ ብግርማ ከማኻ ዝተፈርሀ፣ ገባር ተኣምራት መን ኣሎ? (ዘጸ 15፡11)። ሳላኻ፡ መዝሙር ዓወት ክንዝምር ክኢልና!ንበሎ።
ንኩልና ድማ ዝተባረኸ ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ትንሣኤን ይኹነልና። ኣሜን።
ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋ ማርያም
ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ