ይእዜኒ ለሰላም ንትልዋ፡ ሕጂ’ውን ንሰላም ንስዓባ! መልእኽቲ ሰላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

ኣብ ጎረቤት ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ዘሻቀሎም ካቶሊካውያን ጳጳጳሳት ኤርትራ ይእዜኒ ለሰላም ንትልዋ፡ ሕጂ’ውን ንሰላም ንስዓባ! ብዝብል ኣርእሽቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላም እዚ ዚስዕብ እዩ።
ክቡራትን ክቡራንን ሕዝበ እግኣብሔር
ከም መንፈሳውያን መራሕትን፣ ጓሶት ሕዝበ እግዚኣብሔርን፣ ዜጋታት ሃገርን፣ እዚ ኣብ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ሓድሓድ ኣዝዩ ከምዘሻቕለና ብዓብይ ኃዘን ክንገልጽ ንደሊ። ውግእ፣ ቀታልን፣ ኣሰንካልን፣ ኣዕናውን፣ ኣዘናባልን፣ ነባሪ ቂምን በቐልን ዝዘርእ ጸረ ሕይወትን ምዕባለን ኅብረትን ዝኾነ ተግባር ምዃኑ ኣብ መላእ ዓለምን ብፍላይ ከኣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሕዝብታት ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር ብዘይ ምቁራጽ ይቕጽል ከምዘሎ እውን ዝከሓድ ኣይኮነን።
ውግእ ክትጅምሮ እምበር መኣስ ዝውዳእ፡ ኣበይ ዝውዳእ ክትፈልጦ ስለዘይከኣል ኩሉ ኣብ ውግእ ዝሳተፍ ተሸናፊ እምበር ኣሸናፊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዮሓንስ ጳውሎስ ዝበልዎ፣ ዝኾነ ዓይነት “ውግእ ትርጉም ዘይብሉ ተርእዮን፡ ወትሩ ዘይፍትሓውን እዩ” (ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ)ኢዩ።
ውግእ ነተን ኣርባዕተ ዓንድታት ሰላም፡ ሓቂ፡ ርትዒ፡ ፍቅሪ፡ ናጽነት ኢዩ ዘብርስ፡ . . . [ምሉእ ትሕዝቶ ብድምጽን ብንባብን]