ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም)

፳፬(24) የካቲት ፳፻፲፩ (2011) ዓ.ም.ግ (3/3/2019)

መዝሙር፡
    ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሓት. . . . .
ንባባት፡
1ቆሮ 15፡54-58
1ዮሓ 5፡5-14
ግ.ሓ. 2፡38-42
ሉቃ 6፡39-45

ምስባክ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሐት፥ ወተሓሰዩ ሎቱ በርዓድ፥ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር። “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት አገልግልዎ፥ ብርዓድ ከአ ስገዱሉ፥ እግዚአብሔር ከይኩሪ ንጥበብ አጽኒዕኩም ሓዝዋ” መዝ. 2፡11።
መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብርዓድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን ነመስግኖ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና።
እቲ ሓቂ ዝኾነ ሰብ ምሉእ ሓቂ አብዘለዎ፥ ጭቡጥ ሓበረታን ነቶም ዝምልከቶም ሰባት ክዛረብ ይክአል። እዚ ንዝኾነ ፍርዲ አብ እንህበሉ ከመልክት ይኽእል።

ዘመነ ጾም ናይ ክፍሊ ሓጋይ ካልአይ ዘመን እዩ። እዚ እዋን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ብጾምን ጸሎትን ዘሕለፎ 40 መዓልታት የዘኻኽረና። ስለዚ ኢና ብጾምን ብጸሎትን ናብ ትንሣኤ ክንሰናዶ ዘሎና። ጾም ታሕሣሥ ናብ ልደት ንምስንዳው ከም ዝኾነ ጾመ 40 ከአ ናብ ብዓለ ትንሣኤ የሰንድወና። አብዚ ን8ተ ሰናብቲ ቤተ ክርስትያን ንጾም ዚኸውን መዛሙር አሰናድያ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ተቕርበልና። እዚ ከአ
1. ዘቅበላ፥
2. ዘቅድስት፥
3. ዘምኵራብ፥
4. ዘመጻጉዕ፥
5. ዘደብረዘይት፥
6. ዘገብርኄር፥
7. ዘኒቆዲሞስ፥
8. ዘሆሣእና እናበልና ንሰምዮም።
ናይ ሎሚ ሰንበት ዘወረደ ወይ ዘድራር ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። ናብ አምላኽ ክንቀርብ ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን ኢና እንጅምር ዘሎና። አብ አምላኽ ክንቀርብ ከሎና መጀመርያ ፍቕሩ ክንርኢ ክንክእል ኢና፥ ድሕሪኡ አባና ዘሎ አምላኽ ዘይፈትዎ ንርኢ እሞ ንንስሓ ንቕረብ። ጾም ንጹም ንብጻይና ከም ነፍስና ነፍቅር ኢልና እናጸለና ኸአ ብዝያዳ አብቲ ብመዓልቲ ሰንበት እንገብሮ ተግባር ክንገልጾ የዘኻኽረና። ጾም መለልይኡ ንስሓ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ኮይኑ ብጸሎትን ርእስኻ ብምቕጻዕን ንጸገማት ካልኦት አብ መንፈሳውን ቍጠባውን አብ ምሕጋዝ አበርክቶና ክንዕዝዝ ኢልና እናተጋደልና እነሕልፎ ቅዱስ እዋን እና እንጅምር ዘሎና።
ናይ ሎሚ ወንጌል ንባብ ነቲ ቅ. ሉቃስ አብ ጎልጎል (ማቴ አብ እምባ እዩ ዝብሎ) ዝነግረና ብዛዕባ ብፁአን ኢየሱስ ዘስተምሃሮ እዩ ዝነግረና። አብ ዝሓለፈ ሰንበት አይትፍረዱ ከይትፍረዱ ዝብል አንቢብና። እዚ ማለት ብዛዕባ ሰባት ጨሪሽና ክንዛረብ አይንኽእልን ማለት አይኮነን። አብ ሓቅን ቅንዕናን ዝተመስረተ ርኢቶ ወይ ነቐፈታ ክንህብ ይክአል እዩ። ንአብነት ሓደ ምርኢት ሕማቕ እንተ ኾነ ወይ ሃናጺ እንተኾነ ከከም ኩነታቱ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። እቲ ኢየሱስ ዝኽልክለና ዘሎ አውንታዊ ዘይኮነ ጸለመን አዕናዊ ፍርድታት እዩ። አብ ገለ እዋን ሃናጽን ሓጋዝን ወቐሳ ክንህብ ንግደድ ኢና። አብዚ ጾም እንአትወሉ ዘሎና ንጉድለት ካልኦት ጥራሕ ካብ ምርአይ አብ ጉድለትና አተኲርና ንርእስና አብ ቅኑዕ ሕይወት ክነእቱ ንጽዓር።
ሰብ ብተፈጥርኡ ንነገራት አብ መጀመርያ ቅልጥግ ኢሉ ከየስተውዓለ ይገብር አብ ካልአይ ሕስብ ምስ አበልና ወይ ነገራት ምስ ረአና ግን ንዝሕል። አብ ሰባት ፍርዲ ክንህብ መጀመርያ ነገራት ክርድአና ክንፈልጦ ይግባእ። ዕዉርዶ ንዕዉር ክመርሖ ይኽእል እዩ እናበለ ኢየሱስ ይሓትት። ከምኡ እንተ ኾነ ሳዕበኑ ርዱእ እዩ፥ ክልቲኦም አብ ጉድጓ እዮም ዝአትዉ። ቅድሚ አብ ሓገዝ ካልኦት ምእታውና መጀመርያ ንርእስና ንርአ።
አብ መዓልታዊ ሕይወት ሰባት ብዙሕ ጊዜ ብዙሕ አፍልጦ ዘይብሎም ክንሶም ክሓምዩ ክፈርዱ ትሰምዕ፥ ንአብነት ናይ መንግስቲ አከፋፍላ ቀረጽን ከምኡ ዝአመሰሉ ነገራት። ገለ ሰባት ብዙሕ አብ ቤተ ክርስትያን ዘይሳተፉ ወላ አብ ሓንቲ ናይ ተልእኮ ስራሕ ዘይሳተፉ ብዛዕባ አብ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ፍርዲ ክህቡ ድሕር አይብሉን። ብርግጽ አብ ቤተ ክርስትያን ጌጋታት አይግበርን ማለት አይኮነን። ከምኡ አብ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ጌጋታት ክጋለጹ የብሎምን ማለት አይኮነን።
ኢየሱስ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ተመሃርያ ካብ መምህሩ አይበልጽን እዩ ኢልዎም፥ እዚ ማለት ከአ እንህቦ ፍርዲ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ክኸውን አለዎ ማለት እዩ። እቲ ንነገራት ምሉእ አፍልጦ አለዎ ዝብሃል ከም መምህሩ ክኸውን አለዎ፥ እዚ ኸአ ክትሕግዝን ክተድሕንን ኢልካ እምበር ክተጥፍእን ክትጎድእን ኢልካ ዘይምፍራድ። ዕዉራት ክርእዩ ስለ ዘይክእሉ ክጉዓዙ እንተ ኾይኖም ነቶም ዝርእዩ ክኽተሉ አለዎም። ነፍሲ ወከፍና ብፍላይ አብዚ እንአትዎ ዘሎና ጾም አባና ዘሎ ዑረት፥ ክንርእዮ ዘይንኽእል ጉድለት፥ ሓቅነት ዘይብሉ ብዝነበረና ጽልዋ ተደፊእና እንህቦ ፍርዲ ርኢና ክንክእል አሎና።

ሓደ ካብቲ ናይ ዘመና ዓቢይ ጸገም ዘሎ ብዙሓት ብዛዕባ እምነቶም ቤተ ክርስትያኖም ዳርጋ አፍልጦ የብሎምን፥ ነተን ንአሽቱ ከሎና ብእናቴታት ዝተዋህበና መባእታዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ካብኡ ቅጽል አቢልና ዜማ እንተ ከአልና ዓቢ አፍልጦ ከምዘሎና ንግምት። ገለ ኸአ ንገለ ዓመታት አብ ገዳም ዝአተዉ ብዛዕባ እምነቶም ዓቢ አፍልጦ ዘልኦም አብ ገዳም እንድዩ ነሩ ነራ እናተባህለ ኩሉ ከም ዝፈልጡ ዝሓስቡ አለዉ፥ ሽዑ ዘሎና ዘየሎን ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ይዛረቡ እዚ ግን አብ ሓቀኛ አፍልጦ የብጽሕን እዩ። አፍልጦ እምነትና ክህልወና ክንምሃር ክንሰምዕ ክነንብብ አሎና፥ ቃል አምላኽ፥ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ክንፈልጥ ክንምሃር አሎና።

አብ ካልኦት ዘሎ ጉድለት ቅድሚ ምርአይና አባና ዘሎ ጉድለት ክንርኢ አሎና። ነቲ ንእሽቶይ ጉድለት ካልኦት አተዓባቢና ካብ ምዝራብ አብታ አባና ዘላ ብዝያዳ እንተ ነተኩር ክንደይ ዝበለጸ ምኾነ። ብዙሓት ናይ ሓመታ ሕማም መሊኹና ንሰባት ክንፈርድን ክንውንጅልን እንውዕል አሎና። ብዛዕባ አብ ሓላፍነት ዘለዉ አልዒልካ ዘሎን ዘየሎን እናሓመኻ ወገንነት ዓሌትነት አጥቁዑና ክንፈርድን ክንሓምን እንርእዮ ዘሎና ሃለዋት ሰብ እዩ። ገለ ኸአ ዓርከይ ዓርክኻ እናተባህለ ጋንታ ክፍአት ዝዓይነቱ ሒዞም ዝነብሩ አለዉ። ከም ማሕበር ወይ አሕዋት ተባሂሉ አብ ክፍአት ምትሕብባር ካብ ጋንታኻ/ጉጅለኻ ከይትፍለ ኢልካ ንኽፍአት ናተይ ኢልካ ምንባር ናይ እዋና ሕማም እዩ። ሓደ ካብቲ ዝገርም ሓደ ሰብ ምስ ብጾቱ ክሓሚ ይጸንሕ እሞ ንሱ ውጽእ ምስ በለ ነቲ ዝሓሚ ዝነበረ ክሓምይዎ ይጅምሩ፥ አብ ቅድሚኡ ከምሓደ ንፉዕ ሰብ ክንአድን ክምጎስን ዝጸንሐ በብሓደ ክፍአቱን ኃጢአቱን እናዘርዘካ ምፍራድ ንሰብ ብሓደ ብሰላም ከምዘይነብር ገርዎ አሎ።

ስለ ምንታይ ኢና ነዚ ነገራት እንገብሮ? ብሓቂ ከምኡ ብምግባርና ስለ እንሕጎስ ድዩ ወይስ ካልእ ምኽንያት አለዎ? ድሕሪ እዚ ኹሉ ምስ ወዳእና ኸአ ጽቡቕዶ ይስምዓና ወይስ ጌና አይሕጉሳትን ኢና? ሓለፍቲ ወለዲ፥ ቆልዑት፥ ካልኦት ሰባት እንተ ዝቕይሩ ነገራት መጠቐየሩዶኾን? ቀንዲ ተሓድሶ ክመጽእ እንታይ ንግበር?

መብዝሕትኡ ወቐሳ/ፍርዲ ንርእስና ክንከላኸል ወይ ክነመጻድቕ ኢልና እንገብሮ እዩ። አብ ሕይወትና ሓቂ ከምዘይብልና፥ አብ ርእስና ምትእምማን ምስ አጉደልና፥ ብውሽጥና ጥርሑ ዘሎ ምስተሰመዓና እንፈጥሮ እዩ፥ ሽዑ ንሰባት ክነክፍእን ክንሓምን ንውዕል ብውሽጥና ጥራሕና ስለ ዝኾና ነቲ ባዕልና ክንመልኦ ዘይከአለ ብሕመታን ብፍርድን አብ ልዕሊ ካልኦት ንትክኦ። ነዞም ከምዚኦም ዝአመሰሉ ኢየሱስ ግቡዛት ይብሎም፥ ንርእሶም ሓቀኛታት ውሓለታት ካልኦት ግን ሕማቓት ክፉአት ዝሓስቡ ሓቂ አብኦም ጥራሕ ከም እትርከብ እዮም ዝሓስቡ። እዚኦም ንሓቂ አጥፊኦም አብ ግጉይ መገዲ ዝወስዱ እዮም፥ ክንጥንቀቐሎም ይግባእ።

አብ ሕይወትና ብዙሓት ናይ ሓሶት ማስከራ ለቢስና ኢና እንነብር እዚ ኸአ ንሓቀኛ መንነትና ሓቢእና ዘይናትና ክንለብስ ንደሊ አብዚ ዘብጽሓና ብርእስና ስለ እንሓፍርን እንስከፍን ርእሰ ተአማምነት ስለ ዘይብልና ኢና። ናይ ካልኦት ስም ብምክፋእን ብምጽላምን ነቲ አባና ዘሎ ክፍአተ ግብሪ ንሽፍን እሞ አብ ጸላም ንነብር ንክፍአት ክንገብር ወላ ሓንቲ አይስምዓናን።

ኢየሱስ ግን ኩሉ እንገብሮ አብቲ አብውሽጥና ዘሎ እምበር አብቲ ብግዳም ዝርአ ከምዘይኮነ ይነግረና። ግብዝና ንነውሕ ጊዜ ከይተገልጸ አይከይድን እዩ። ሕማቕ ፍረ ዚፈሪ ጽቡቕ ኦም ወይ ከአ ጽቡቕ ፍረ ዚፈሪ ሕማቕ ኦም የልቦን። ከምቲ ሓሰር ብመንፊት ዚምመ ሰብ ከአ ብዘረባኡ ይምመ (ሲራክ 27፡4)። ሓንሳብ አፍና ክንከፍት ምስ ጀመርና ንርእስና ኢና እንገልጽ “ርግጸኛ መምዘኒ ንሱ እዩ እሞ ንሰብ ዘረባኡ ኸይሰማዕካ ኸቶ አይተመስግኖ” (ሲራክ 27፡7)። ንሰባት ክንሓሚ ከሎና ብዝያዳ ብዛዕባ ርእስና ኢና እንነግር ዘሎና ካብ እቶም ብዛዕብኦም እንዛረቦም ዘሎና።

ወንጌል ብዛዕባ ሰባት ርኢቶ ወይ ብዛዕብኦም ክንገልጽ የብልና አይብልን እዩ። እንታይ እዩ እሞ ዝብለና ዘሎ?

• አብ ጉድለት ወይ ድኽመት ሰባት አትኩሮ ክንህብ የብልናን ማለት እዩ፥ ምኽንያቱ አብ ድኽመት ሰባት እንተ አተኮርና ንድኽመትና ካብ ምርአይን ምቕባልን ንርሕቕ።

• ብዛዕባ ዝተገብረ ጌጋታት ናይ ሓለፍቲ፥ መራሕቲ፥ ቤተሰብ ንሶም አብዘይብሉ ንስዓታት ክንዛረብ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ብዛዕባ ናይ ርእስና ቅር ዘብል ነገር ብግሉጽ ምስ ዝምልከቶም ሰባት ክንዛረበሉ ስንድዋት አይኮናን። አብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ለውጢ ክመጽእ አይክእልን እዩ። ጾም ነዚ አብ ግብሪ ክነውዕል ይሕግዘና።

• ሓማዪ ሰብ ብሓቂ ክዛረብ ምስ ዝሕተት መልሓሱ ለኻት እዩ፥ በቲ ዝህቦ ርኢቶ ኸአ ክትአምኖ ከቢድ እዩ ምኽንያቱ ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ ነገራት ከምቲ ዘለውዎ ስለ ዘይርኢ ንብዙሓት የጋጊ።

• አብ ጸልማት ዲና እንነብር ዘሎና፥ ካልኦት ብዝገበርዎ ወይ ብዝበልዎ ተጸሊና ሕይወት ካልኦት ክነብር የብልናን ሕይወትና ክነብር አሎና። ካልኦት ሕጉሳት እንተ ኾኑ ክንሕጎስ ካልኦት እንተ ጉሃዩ ክንጉሂ የብልናን፥ ናይ ርእስና ውሳኔን ምሕዳስን እምበር ጉዳይ ሓቅን ቅድስናን ናይ ግልና ጉዳይ እዩ። ዘድሊ ዘሎ አነ ከም አነ ክቕየር ክሕደስ አሎኒ ክንብል አሎና።

እቲ ሓቀኛ ፍታሕ ብፍላይ አብዚ እንጀምሮ ዘሎና ጾም አነ ክቕይር አሎኒ። ብዝነፈሰ ንፋስ ክንለዋወጥ ወይ ክጸልወና ዘይኮነስ ብሓቂ አብቲ መሰረታዊ ነገራት ክነተኩር ይግብአና። ናይ ገዛእ ርእስና ሓላፍነት ለቢስና ዋናታት ርእስና ክንከውን አሎና እምበር ንኻልኦት አብ ጥፍአት ዝወስድ መገዲ ክንመርሕ የብልናን። ከምቲ አባ Tony de Mello ዝበልዎ “አነ ክቕይር እንከሎኹ መላእ ዓለም ትቕይር” ብርግጽ አነ ክቕይር ከሎኹ ኩሉ ይልውጥ ማለት አይኮነን ግን ወላ እኳ ከምኡ አይኹን እንተ ወሓደ አብኦም ዘሎና አረአያ ከምቲ ዝነበሮ አይኮነን። ነፍስወከፍ አብ ድሕነት ርእሱ ክወፍር እሞ ንቅድስና ክንተሓሓዞ ይግብአና ንከማና ዘበሉ ኸአ አብ መገዲ ቅድስና ክነውፍር ክንዕጠቕ አሎና።

አብዚ ቅዱስ ጾም አርብዓ አብ እንጅምረሉ ዘሎና ጊዜ ፍሉይ አትኩሮ ክንገብረሉ ዘሎና ጸሎት ጾም ምጽዋት እዮም። አብ ልብና ተመሊስና ንአምላኽ ዝበቅዕ ንስሓ ገርና ሕይወትና ንቀይር። ጉዕዞ ጾምና ምስ ኪዳን ምሕረት አደና ንጀምሮ ብሩህ ጉዕዞ ክንከይድ ኢና። ብሩኽ ጾም ፵ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ