፫ ሰንበት ዘአስተርእዮ

26 ጥሪ 2011 ዓ.ም.  (2/3/19)

መዝሙር፡
       ተወልደ ኢየሱስ በቤተልሔም ዘይሁዳ….
ንባባት፡ 1ቆሮ 12፡31-13:13
1ጴጥ 1፡13-22፥
ግ.ሓ. 19፡1-10
ሉቃ 4፡21-30

ምስባክ አምጽኡ ለእግዚአብሔር በሓውርተ አሕዛብ፡ አምጽኡ ለእግዚአብሔር ክብረ ወስብሓተ፥ አምጽኡ ለእግዚአብሔር ስብሓተ ለስሙ። መዝ 29፡1-2
መዝሙር፡ኢየሱስ ብዓቢ ክብሪ ካብ ድንግል አብ ቤተልሔም ዘይሁዳ ተወሊዱ፥ተወሊዱ ተጠሚቑ ብልደቱ ምእን ቲ ክንሕጎስ ብግልጸቱ ደስ ክብለና ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ።
ብ1888 Campbell Morgan (ካምበል ሞርጋን) ዝተባህለ እን ግሊዛዊ ምስ 150 ዝኾኑ ንአገልግሎት ስብከተ ወንጌል ክወፍር ሕፁይ ኮይኑ ንመርመራ ቐሪቡ። አብ መጀመርያ ንኹሉ ንዓምዲ እምነት ብዝርኢ ዝተሓቶ ብዓወት ሓሊፉ፥ ቀጺሉ ከመይ ኢልካ ከም እትሰብኽ አብ ቅድሚ ሰማዕቲ ኮንካ አብ ዝግበር መርመራ ቀሪቡ። አብ ሓደ 1000 ሰብ ዝሕዝ አዳራሽ ከምኡ 3 መርመርቲ ካህናትን ካልኦት 75 ክሰምዕዎ መጹ። ሞርጋን አብቲ ናይ ስብከት ቦታ ምስ በጽሐ አብ ቅድሚኡ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባትን ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ ብዘይመጠን ፈሪሑ ክርኢ እውን አይክአለን። ድሕሪ ክልተ ሶምን ምስቶም 105 ዘይተዓወቱ ስሙ ወጺኡ። ነቲ ሰብከተ ወንጌል ብቑዕ ስለ ዘይኮነ ተነጺጉ።
ጓል ዘምኡ አብ ዝጸሓፈቶ መጽሓ ፍ A Man of the Word “ናይ ቃል ሰብ” ነብኡ አብ ዝጸሓፎ መልእኽ ቲ ሓንቲ ቃል “ዝተነጽገ” ኢሉ ከም ሰዲድሉ ተዘንቱ፥ ሞርጋን አብቲ ዕለታዊ ዜና መዋዕሉ ዝጽሕፈሉ ከምዚ እናበለ ጽሒፉ “ኩሉ ነገር ጸልማት እዩ ዝመስል፥ እን ተኾነ ጌና ዝበለጸ ዝፈልጥ እዩ! እናበለ እን ከሎ ሓደ መልሲ ሓሳብ ከም ዝመጾ ይነግር፥ አብ ዓለም ዝተነጽገ አብ ሰማይ ቅቡል እዩ አቦየ እናበለ ነብኡ ጽሒፉ።
አብ ዳሕረዎት ዓመታት ከምዚ ኢሉ፥ አምላኽ ከምዚ ኢሉኒ አብ ጊዜ ጽምዋን ጸልማትን አብ ዝመጸሉ ጊዜ፥ ንርእስኻ ዝኸውን መደብ ካብ መግባር አቋርጽ፥ አነ መደብ ክገብረልካ እየ። ምንጻግ ነባሪ ወይ ቀዋሚ አይኮነን። ወላ አብዚ ሕይወት ኩነታት ይልወጥ፥ ብርግጽ ናይ እቶም ብክርስቶስ ቅቡላት ዝኾኑ ምንጻግ የብሎምን።
ዝተነበ ቃል ወንጌል ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ዘንበብናዮ መቐጸልታ እዩ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ብደቂ ዓዱ ከም ዝተነጽገ ወላ እኳ ካብ ናዝሬት ወጻኢ ብዙሕ ዘደንቕ ነገራት እን ተ ገበረ። አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ናይ ተልእኮኡ መርኃ ግብሪ እዩ ገሊጹ እን ተ በልና ምግናን አይኮነን፥ እዚ ኻብ ኢሳያስ ነብይ 61፡1-2 እናጠቐሰ ይገልጾ። ሎሚ እዚ ጽሑፍ አብ አእዛንኩም ተፈጸም በሎም። እቲ ንዘመናት ዝተጸበይዎ መስሕ አብ ማእከሎም አብ ኢየሱስ አሎ። መንግስቱ በቲ አብ መንግኦም ዝገብሮ ዝነበረ ምንጻሕን ሕድገት ኃጢአትን ነጻነትን ካብ ኩሉ ክፉእ ነገርን ይገልጽ ነሩ።
አብ መጀመርያ በቲ ካብ አፉ ዝወጽእ ዝነበረ ጸጋ ዝመልኦ ቓላት ተደነቑ፥ እን ተኾነ ጽንሕ ከይበሉ እዝስ እቲ ወዲ ዮሴፍ ወድቲ ጸራቢዶ አይኮነን፥ ከመይ ኢሉድአ ወዲ ጸራቢ ከምዚ እናበለ ክዛረብ ክእሉ እናበሉ አብ አስተናዕቖ ዝዘምበለ ሓሳብ ሓቲቶም። እን ታይ እዩ ነሩ ትጽቢቶም ብዛዕባ ኢየሱስ? ምናልባት ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎ ሓኪም መጀመርያ ንርእስኻ ፈውስ ዝብል ይኸውን። እዚ ክብሉ ከለዉ ኢየሱስ ንርእሱ ከሕዊ ዘይኮነ አብ ክንዲ አብ ካልኦት አብ ቅፍርናሆም ካልእ ክፍልታት ገሊላ ከድካ እተሓዊ መጀመርያ ንደቂ ዓድኻን ወገንካን አሕዊ እዮም ዝብልዎ ዘለዉ። ኢየሱስ ነዚ አተሓሳስባ ክምልሰሎም እን ከሎ ነብይ አብ ዓዱ ኸቶ ከም ዘይከብር ብሓቂ እብለኩም አሎኹ ኢልዎም። እዚ ነቲ ንኹሎም ነብያት አብ ብሉይ ኪዳን አብ ዓዳቶም ዝገጠሞም ንምዝካር ዝበሎ እዩ። ሎሚ እውን ሓቅነት አልኦ ብፍላይ አብ ገለ ሰባት ፍሉይ አኽራርነት ዘልኦም። ኩልሳዕ እትርእያ ወርኂስ ድምቕቲ አይኮነትን። “Familiarity breeding contempt” ንሓደ ሰብ ወይ ነገር አዐሪኻ እናተለማመድካዮ ብዝኸድካ መጠን አብኡ ዝነበረካ አኽብሮት ወዘተ እናነከየ ይኸይድ። ኢየሱስ አብ መንግኦም ስለ ዝዓበየ ንሱ መን ምዃኑ ዝፈልጥዎ ይመስሎም ነሩ። ንሱ ፍሉይ ካብቲ ዝርእይዎ ዘለዉ ንላዕሊ ምዃኑ ክርእዩ አይክአሉን።
ሽዑ ኢየሱስ ክልተ ዘገርም ምሳሌታት ካብ ብሉይ ኪዳን ነጊርዎም፥ ብዛዕባ ኤልያስን ኤልሳዕ ነብይን፥ ክልቲኦም ምስ ምጽአት መስሕ ዝተሓሓዙ። ኤልያስ ናብ ሰራጲታ ናይ ሲዶና አብቲ ሰለስተ ዓመት ጥመት ዝኾነሉ አብ ሓንቲ መበለት ተላኢኹ (1ዘነ 17፡8-ፍ)፥ ንሳ ካብ አህዛብ እያ ነራ።
ስለምንታይ እዩ ብዙኃት መበለታ አብ እስራኤል እን ከለዋ አምላኽ አብ ሓንቲ አረመን መበለት ዝልአኾ? ብተመሳሳሊ ስለምንታይ እዩ አብ እስራኤል ብዙኃት ለምፃማት አብ እስራኤል እን ከልዉ አብ ንእማን ሶርያዊ ኤላሳዕ ዝተላእከ? ሶራውያን ዝተጸልኡ ጸልእቲ እስራኤል እዮም ነሮም። ኢየሱስ ነዚ ታሪኽ ክነግር እን ከሎ ተኽታኺ ብዝኾነ እዩ ተዛሪብዎ። አብ ክልቲኦም ነብያት እን ርእዮ እግዚአብሔር ንአህዛብ ልዕሊ እስራኤላውያን ከም ዝርአዮም እዩ፥ ምኽንያቱ አብቲ ጊዜ ዝነበሩ አይሁድ ንአምላኽን ንሕጉን ምቕባል ስለ ዝአበዩ። እዚ ነቶም ንኢየሱስ ዝሰምዑ ዝነበሩ አቖጢዕዎም ሽዑ ክቐትልዎ ደልዮም፥ ንሱ ግና ብማእከሎም ኃሊፉ ኸደ።

አብዚ እን ርእዮ ነገራት ከመይ ኢሎም አብ ዝሓጸረ ጊዜ ከም ዝቕየሩ። ሉቃ ስ አብ መጀመርያ ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽ ከም ዝተሰብከ ድሕሪ ሓጺር ጊዜ ኸአ አብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝተመስረተ ክፍአት ክነግስ እን ከሎ ይነግረና። ሉቃ ስ ንሓቂ ክጠዊ ኢሉ አይኮነነ ነዚ ዘቕርቦ ዘሎ እን ታይ ድአ ብዝያዳ ክበራርሆ ስለ ዝደለ እዩ። ብርግጽ አብ ድኻታት ዕዉራት ልሙሳት ምኻደ አብኡ ወላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን ወላ ሓደ እውን በዚ ጸገም ዝፈጥር የለን። እን ተ ኾነ ኢየሱስ አብ ዓዱ ምስ መጸ እቲ አብ አረማውያን ዝርአዮ እምነት አብቶም ደቂ ዓዱ ክርእዮ ምስ ዘይክአለ ነዚ አብነት ከምጽአሎም ወላ ሓንቲ አይተጠራጠረን። ጽልኦም ሕርቃኖም ግሉጽ እዩ ነሩ ካብኦም ጨሪሾም ከጥፍእዎ እዮም ደልዮም አይኮነሎምን እምበር። ቅ. ሉቃ ስ ነዚ ክልተ አብነታት ክህብ እን ከሎ ንዝዓበየ ነገር ክነግሮ ዝደለየ ክቕርበና ኢሉ እዩ። ካብ መጀመርያ ቅ. ሉቃ ስ አብ ወንጌሉ ተልእኮ ኢየሱስ ከመይ ዝበለ ከም ዝኾነ ይገልጸልና። ኢየሱስ ካብ መጀመርያ ወንጌል ፍቕሪ እዩ ሰቢኹ ግን እዚ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዝገበሮን ዘርአዮን ካብ ምንጻጉ አይከልከለሉን እኳ ድአ ጨካን ብዝኾነ ሞት ከም ዝሓልፍ ገርዎ።

ኢየሱስ ነብይ አብ ዓዱ ከቶ አይ ከብርን እዩ ክብል እን ከሎ ምናልባት አብ ሓሳብ ኤርምያስ ነብይ ነሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኤርምያስ ካብ ኩሎም ነብያት እቲ በቲ ዝበሎ ዝዓበየ ጽልኢ ዝተጓነፎ ናይ ጥፍአት ነቢ ዝተባህለ እዩ። አብ መጽሓ ፉ ነብይ ክኸውን ከምዘይደሊ ይገልጽ ግን አብ ኩሉ ቃል አምላኽ ክሰብኽ አብ ዝጀመረሉ እዋን አብ ውሽጡ ከም ሓዊ ይቃጸል እሞ ካብ ምንጋር ድሕር ይብል አይነበረን።

አብ ኤር 1:4-5, 17-19 እግዚአብሔር ንኤርምያስ ነብይ ክኸውን ከም ዝጸውዖ ነንብብ፥ “አብ ከርሢ አደኻ ኸይሓነጽኩኻ ኃሬኹኻ፥ ከይተወልድካ ኸአ ቐደስኩኻ ነሕዛብ ነብይ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ” እዚ ኸአ ተልእኮኡ ካብ መጀመርያ ቀሊል ከምዘይኮነ ኽገልጽ ኢሉ እዩ። ንሱ ቅድሚ ምውላዱ አምላኽ ነብይ ክኸውን ከም ዝሓረዮ ይገልጽ።

ከም ኢየሱስ ኤርምያስ አብ ተልእኮኡ አቐዲሙ ምስቶም ዝተፈላለዩ ሰናይ ንምግባር ዘይፈትዉ እን ታይ ከም ዝጓነፎ ይፈልጥ ነሩ፥ እን ተ ኾነ ካብቲ አምላኽ ዘተስፈዎ ሓንቲ ከይኮነት ከም ዘይትተርፍ ይአምን ስለ ዝነበረ ብድፍረት ንሓቂ ንኹሎም ጸላእቲ ሓቂ ይዛረብ ነሩ። ንሱ ንአህዛብ ነብይ ክኸውን እዩ ተጸዊዑ። መልእኽ ቲ አምላኽ ነቶም ክሰምዕዎ ዘይደልዩ ክነግር ተጸዊዑ። ካብኦም ብዝመጽኦ ተጻብኦ ቅጭጭ ክብሎ የብሉን ምኽንያቱ አምላኽ ንኽዕወት ኩሉ እቲ ዘድልዮ መጋ በሪ ኃይሊ ጽንዓት ወይ መልእኽ ቲ አምላኽ ከብጽሕ ባዕሉ ክሕግዞ እዩ። አብ መንጎ ኩሎም ነገስታት ሃብታማትን ድኻታትን ከም አብ እምባ ዝተደኮነት ከተማ ብጽኑዕ ዝተዓርደት ከም ዓንዲ ሓፂንን ከም ቀጽሪ አስራዝን ገረካ አሎኹ ዝብል ተስፋ አምላኽ ስንቂ ንተልእኮኡ ኮይንዎ። ክወግኡኻ እዮም፥ ግናኸ ምእን ቲ ኽሕልወካ አነ ምሳኻ እየ እሞ፥ አይክስዕሩኻን እዮም ኢልዎ እዚ ኸአ እዩ ስንቂ ንተልእኮኡ ኮይንዎ።

ቅ. ጳውሎስ አብ 1ቆሮ 12፡31-13፡13 ብዛዕባ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ትምህርቱ ብዝልዓለ ደረጃ እናገለጸ ዓላማ ውህበታት ይገልጽ። ብዛዕባ ዝተፈላለየ ህያባትን ጥቕሞም አብ ህንጸት ቤተ ክርስትያን አተሓሒዙ ይገልጾ። ፍቕሪ ካብ ኩሎም ህያባት ዝበለጸት ከም ዝኾነት ይገልጽ። ካልኦት ህያባት ንህንጸት ቤተ ክርስትያን አድለይቲ እዮም እን ተ ኾነ ሓደ መዓልቲ ኩሎም ክሓልፉ እዮም፥ እምነት ተስፋ ፍርቕሪ ግን ክህልዉ እዮም።

ቅ. ጳውሎስ አባና ዘሎ ፍቕሪ አምላኽ መሠረት ናይ ነብያዊ መገዲ አነባብርና ምዃኑ ይገልጸልና። ምሉእ ብምሉእ ብፍቕሪ አምላኽ ክንምላእ እን ተ ከአልና ሽዑ ፍቕሪ አምላኽ አብ ዓለም ክፈስስ ይኽእል፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚ ቅድሚ ጥቕምና እን ተ ሰራዕና፥ ንጉድለት ካልኦት ክንጽመም እን ተ ኸአልና። ንቍጥዓና እን ተ ተቖጻጸርና እሞ ነቲ ዝተዋረድናዮን ዝተጎዳእናሉ እን ተ ዘይዘከርናን ሓሰብናዮን ዝበለጸ ሕውየት አባና ክነግስ እዩ። አምላኽ ምሳና ከምዘሎን ብአና ገሩ ይዓዪ ከምዘሎ ምስ አመና ሽዑ ንዝበለጸን ንሰናይ ነገር ክንገብር ተበራቲዕና ንኹሉ ዕንቅፋታትን ፈተናታትን ብሰላም ዝመልኦ ልቢ ንኹሉ ክንቅበል ኢና ።

አምላኽ ንኹልና መወዳእታ ብዘይብሉ የፍቅረና እዩ፥ ንነፍሲ ወከፍና ኸአ መደብ አለዎ። አብ ተልእኮ ኢየሱስ አብ ጥምቀትና ብነብያዊ ጸጋ ተኻፈልቲ ተልእኮኡ ገሩና እዩ። ጸጋ ጥምቀት ብነብያዊ መገዲ ክንጉዓዝ ፍሉይ ጸጋ ዝተዓደልና ኢና ። ብርግጽ ኢየሱስ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ነቶም ህዝቢ ዝበሎን ንኹሎም ሰዓብቱ ዝበሎ ክትቕበሎ ቀሊል ወይ ደስ ዘብል አይመስልን ። ኩሉ ጊዜ ስፍሕ ዝበለ መንፈስን አተሓሳስባን ክህልወና ኢሉ ዘቕርበልና አገባብ እዩ፥ እዚ ክኸውን አንከሎ አብኡ ስቓይን ቃንዛን አሎ፥ ግን ጸኒዕና ንኢየሱስ እን ተ ሰማዕናን ተኸተልናን ካብቲ ዓቢጡ ሒዙና ዘሎ ክንወጽእ ኢና ። አብ ገለ እዋን ዘሎናዮ ጸላምን ኃጢአትን ክንርኢ ይኸብደና እዩ ስለዚ ሎሚ ኢየሱስ ካብ ጸልማት ሕልና አውጺኡ አብ ናይ ሰላምን ፍቕርን ምአዲ ክጽንብረና እዩ።

ሕጂ እውን ኢየሱስ ዘጠንቅቐና አለዎ ነብያት ኩሉ ጊዜ ቅቡላት አይኮኑን ስለዚ ሰባት ነቲ ሰናይ እን ብሎ እን ተ ዘይተቐበሉ ኽገርመና የብሉን። ኩሉ ጊዜ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ጸኒዕና ክንዕገስ ክንጽመም አሎና። አብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንህላዌ አምላኽ አብ መንጎና ክነቐድም፥ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክነፍቅር እሞ ጸጋ አምላኽ አብ ፍቕሪ መሠረት ገርና ብምሉእ ክንልምን። አብ ተመክሮ ከም እን ርእዮ ብምሉእ አብ ነነድሕድና ክንፋቐር ከቢድን በዳህን እዩ ግን ናይ ኢየሱስ ማእከል/ሕመረት በዳሂ ተልእኮ ንአና ኸአ አብ ተልእክኡ ዝጠምረ ና ኃይሊ እዩ እዚ ማለት ከአ ንድኻታት ንንጹጋት ብዝኾነ ምኽንያት አብ ሕብረተ ሰብና ትሑት ደረጃ ዘልኦም ክንሕግዝ ክንሓቁፍ ተልእኮና እዩ። ፍቕሪ አብ ኩሉን ምስ ኩሉን ክንደልያ አሎና።

ቅ. ሉቃስ ናይ ሎሚ ወንጌሉ ንሱ ግና ብማእከሎም ኃሊፉ ከደ እናበለ ይዛዝሞ። ጉዕዝኡ ካብ ናዝሬት ጀሚሩ ናብ ኢየሩሳሌም ገጹ ይወስዶ። እዚ ብሓቂ ከቢድን ዘስካሕክሕ ቃላት እዩ ንአና አብ ሕይወትና ከይወርደና ክንልምን አሎና፥ ማለት ኢየሱስ ብማእከልና ከይሓልፍ እሞ አብ መንጎና እን ከሎ ከየለለናዮ፥ ወላ እውን ከይንኽሕዶ እሞ ካብኡ ተፈሊና አብ ዘሎናዮ ተሪፍና ብዘይ ብአና ከይከይድ። ንሱ አይኮነን ዝሓድገና ዘሎ ንሕና ኢና ምስማዕን ምቕባልን እን አብዮ ዘሎና። ንሱ ብኃይሊ ገዲዱ ናቱ አይገብረናን እዩ። እሞ ሎሚ ልብና ብምልኡ ከፊትና ንከተለኦ ሕራይ ንበሎ ንስምዓዮ ንሱ ኸአ ሰላም ፍቕሪ ኩሉ ክህበና እዩ።

ብሩኽ ሰንበት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ