፭ይ ሰንበት ዘትንሣኤ
ሚያዝያ 28 2010 ዓ.ም. (5/06/2018)
መዝሙር፡ “አርአዮ ሥልጣኖ…“ንጉሥ ናይ ነገስታት ጎይታ ናይ ግዙአት ስላጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ፥ ሊቃነ መላእኽቲ እና አመስገኑ አብ ቅድሚኡ ብራዕዲ ይሰግዱሉ፥ ኢየሱስ በታ ክሕዝዎ ዝመጽኡላ ለይቲ ከም ሰራቒዶ ክትሕዙኒ መጻእኩም በሎም። ኦትዕግስትን ትሕትናና ብሰንኪ ፍቕርና ናብ ሞት ዝበጻሕካ፥ ንሕና እውን ቅድስቲ ብዓልና ፋሲካ ብሓጎስ ንገብር፥ ሥልጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ ገባር ሕይወት ክርስቶስ”።
ንባባት፡ ፩ቆሮ 15፡50-ፍ፥ 1ዮሓ 3:18-24፥ ግ.ሓ. 9:26-31፥ ዮሓ 15፡1-8
ስብከት፡ “እስመ ሰበረ ኆኅት ብርት፥ ወቀጥቀጠ መናሥግተ ዘኃፂን፥ ወተወክፎሙ እምፍኖተ ጌጋዮሙ”።
“ካብ ጸበባኦም አናገፎም፥ ካብ ጸልማትን ጓህን አውፅኦም መቓቅሖም ከአ ሰባበሮ” (መዝ. 107፡13-14)
አብዚ ፭ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ቤተ ክርስትያን እተዘኻኽረና አብ ክርስቶስ አሚና ምስኡ ክነብር እንከሎና እቲ ሓቀኛ ተኸሊ ወይኒና ዝኾነ አምላኽ ምሳና ይነብር ንሕና ኸአ ምስኡ ከም እንነብር ትነግረና። ሎሚ ምስቲ ሓቀኛ ተኽሊ ወይንና ዝኾነ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ ክነስተንትን ከምኡ አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦት አሕዋትና ዘምጽኦ ጸጋ በረኸትን ርኢና ክንክእል እሞ ሽዑ ምስኡ ድልዱል ርክብ ክንፈጥር ዘዘኻር ሰንበት እዩ።
ካብ ግ.ሓ. ዝተነበና ሓደ አገዳሲ ነገር እንርኢ ጳውሎስ ቅጽበታዊ ለውጢ ምስ ገበረ ሕይወቱ ብምሉእ ቀይሩ። ብስም ኢየሱስ አሚኑ ዓቢ ሰባኻይ ኮይኑ። አብ ተልእኮኡ ከየፍረየ ክሓልፍ ስለ ዘይደለ ለይትን መዓልትን ከየዕረፈ አብ ኩሉ ሰቢኹ። ቀሊጢፉ ካብ ሳውል እቲ አሳዳዲ ዝነበረ አብ ጳውሎስ ሰባኺ፥ አበሳራይ ሰናይ ዜና ወንጌል ክርስቶስ ኮይኑ። ፍረ ናይ ኢቲ ጽኑዕ እምነቱን ዘይሕለል ስብከቱን ትምህርቱን ጽሑፋቱን ክሳብ ሎሚ አብ ምሕዳስ ሕይወትን ስብከተ ወንጌልን ዓቢ አበርክቶ ይገብር እሎ። ንሱ ዕዉት ዝኾነ “ድልዱል ጨንፈር” አብ ክርስቶስ ኮይኑ ስለ ዝሰርሓ እዩ። ንሱ ምስ ክርስቶስ ጥራሕ አይኮነን ነሩ ብኹሉ ስርሑን ግብሩን ጽቡቕን ብዙሕን ፍረ አፍርዩ።
እቶም ቀዳሞት ክርስትያን አብ መጀመርያ ንጳውሎስ አይአመንዎን ምናልባት ከታልሎም ከይከውን ፈሪሖም ክቕበልዎ አይደልዩን እንተ ኾነ አብ ክርስቶስ ዘለዎ ፍቕርን እምነትን አብ ግብሪ ከርእዮም ምስ ጀመረ ብፍላይ አብታ ማሕበር ዘርአዮ ፍቕርን አገልግሎትን ቀልጢፎም ክአምኑ ክኢሎም። ብዘይ ፍርሒ ክሳብ ሕይወቱ አብ ሞት ዘስግእ ክሰብኽ ምስ ረአዩ፥ ፍረ እምነቱን ከምኡ ፍቕሩ አብ ግብሪ ምስ ረአዩ፥ ካብኡ ንድሓር ኢየሱስ ጎይትኡ ከም ዝኾነ አሚኖም። ጳውሎስ ብስብከቱን ብኹሉ ተልእኮኡን ንብዙሓት አብ እምነት ክርስቶስ አምጺኡ
እዚ ኹሉ ሕይወቱ ሓቀኛ ምስክርን ዘፍረየን ምዃኑ ይገልጽ። ንሱ ድልዱል ጨንፈር እሞ እቲ ካብኡ ዝድለ ዘፍረየ እዩ። አብነት ነፍስ ወከፍና ኸአ እዩ።
አብ ካልአይቲ ንባብ ካብ ፩ ዮሓንስ አብ ሕይወትና ከም ክርስትያን አፍረይቲ ክንከውን እንተ ኾና ከመይ ዝበልና ክንከውን ከምዝግብአና ክንርኢ ይሕግዘና። “ደቀይ ብግብርን ብሓቅን እምበር ብቓልን ብልሳንን አይንፋቐር፥ ካብ ሓቂ ምዃና ኸአ በዚ ኽንፍለጥ ኢና” (1ዮሓ 3፡19)።
ብኻልእ አገላልጻ ዮሓንስ “ግብሪ ካብ ቃላት ንላዕሊ ይዛረብ” እዩ ዝብለና ዘሎ። ንቃል አምላኽ አብ ግብሪ ክሳብ ዘየርአናዮ ነኽብሮ ነፍቅሮ ክንብል አይ ክአልን እዩ። አፍሪና ክንብል ምስ አምላኽ ቀጻሊ ርክብ ክህልወና እሞ ዝርአ ፍረ እንፍሪ ክንከውን አሎና። እዚ እዩ ንልቢ ሰባት ዝትንክፍን ንሰባት ዝቕይርን፥ ስለዚ ሓቅን ግብርዊ ዝኾነ ነገር ክርአ አለዎ። ዮሓንስ ነዚ አሕጺሩ ክነግረና እንከሎ “ትእዛዛቱ ከምቲ ንሱ ዝአዘዘና ገርና ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንአምንን ንሓድሕድናውን ክንፋቐርን እዩ፥ እቲ ትእዛዛት እግዚአብሔር ዝሕሉ እግዚአብሔር አብኡ
ይነብር፥ ንሱውን አብ እግዚአብሔር ይነብር” (1ዮሓ 3፡23)። ብኻልእ አዘራርባ አብ ቅድሚ ክርስቶስ መን ምዃና ክነረጋግጽ እንተ ኾና አብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ጭቡጥን ሓቅን ዝኾነ ፍቕርን ልግስን ከነርኢ አሎና። እዚ ንገብር እንተ ኾና ብሓቂ አብ ክርስቶስን ከም ዘሎና መረጋገጺ እዩ።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ብምሳሌ ወይንን ጨንፈርን ገሩ ምስኡ ሓቢርና ክነብር እንከሎና ሕይወት ዝህብ ጸግኡ አባና ከምዝመሓላለፍ ምስኡ ርክብ እንተ ዘይብልና ግን ደርቂ መንፈስ አጥቂዑና ከም እንመውት እዩ ዝነግረና።
አብ ብሉይ ኪዳን አብ ብዙሕ እስራኤል ከም ተኽሊ ወይኒ አምሲሉ ዝገልጽ ንረክብ። አብ ኢሳያስ 5፡1-7 ዘሎ እንተ አንበብና እስራኤል ብተኽሊ ወይኒ ተመሲላ ንርኢ።አብ ኤርምያስ 2፡21
እዚ ኹሉ ሕይወቱ ሓቀኛ ምስክርን ዘፍረየን ምዃኑ ይገልጽ። ንሱ ድልዱል ጨንፈር እሞ እቲ ካብኡ ዝድለ ዘፍረየ እዩ። አብነት ነፍስ ወከፍና ኸአ እዩ።