፮ ሰንበት ዘትንሣኤ 2010 ዓ.ም.

ግንቦት 5 2010 ዓ.ም. (5/13/ 2018)

መዝሙር፡ ፋሲካ ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ ፋሲካ. . . . . ።
ንባባት፡ 2ቆሮ 5፡1-10፥ 1ዮሓ 4:7-10; ግ.ሓ. 10:25-48፥ ዮሓ 15:9-17
ምስባክ: በልዑ ወጸግቡ ጥቀ፥ ወወሃቦሙ ለፍትወቶሙ፥ ወኢይኀጥኡ እምዘ ፈቃዱ።
“በልዑን አዝዮም እውን ጸገቡ፥ ዝተመነይዎ ሃቦም፥ ካብቲ ዝተመነይዎ አይከልከሎምን”። መዝ። 78፡29
መዝሙር፡ “ፋሲካ ቅድስቲ ዕለት እያ፥ ፋሲካ ብአኣ ንተሓጎስን ደስ ይበለናን፥ አብ ፋሲካ ንዘናጋዕን ነዕርፍን፥ ሰማይን ምድርን ብአኣ ይሕጎሱ፥ ፋሲካ ፋሲካ ፋሲካ ተዝካር ትንሣኤ መድሓኒና”.
አብዚ ፮ይ ሰንበት ዘትንሣኤ እነብዕሎ ፍቕሪ አምላኽ ብመስዋዕቲ ዝግለጽን ሓባራዊ ከም ዝኾነ እዩ። አምላኽና ብባህሪኡ ፍቕሪ ስለ ዝኾነ ንነፍስወከፍና ብቤተክርስትያንን ብወለድናን ገሩ ብዘይአፈላላይ ይገልጸልና። እቲ ዝለዓለን ዝበለጸን መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ከምኡ ብወለድና እቶም አብ ምፍጣርና ምስ አምላኽ ዝተሓባበሩ ተገሊጹ።
አብ ኩሉ ንባባትና ዝግለጽ ብዛዕባ “ፍቕሪ” እዩ። እዚ ፍቕሪ አምላኽ ንኹልና ዘጠቓልል ኮይኑ ብወገና ኸአ በቲ አብ ነነድሕድና አብ እነርእዮ ከም መስዋዕቲ ከምቲ ክርስቶስ ምእንታና ዘርአዮ ክነርኢ ዝሓትት እዩ። ፍቕሪ አምላኽ አብ ደቂ ሰብ ምስታ ሓንቲ ወላዲት አብ ውሉዳ እተርእዮ ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ክነጻጸር ዝኽእል (ኢሳ 49፡15)። አብ ሓደ መዝሙር ከም ዝዝመር “ፍቕሪ ኢየሱስ አዝዩ ዘገርም እዩ፥ አዝዩ ገፊሕ ካብኡ ክወጻእ ዘይክኣል፥ አዝዩ ነውሕ ከተርክቦ ዘይክአል፥ አዝዩ ዓሚቕ ክትበጽሖ ዘይክአል ብጣዕሚ ዘገርም ፍቕሪ. . . .”፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝወዳደሮ የብሉን። አምላኽ ንክርስቶስ አፍቂርዎ ክርስቶስ ከአ ንአና አፍቂሩና። ነቲ ሰንሰለት
ፍቕሪ ክንቕጽሎ አሎና ንኸማና ዝአመሰሉ ሰባት ብምፍቃር።
አመሓላለፍቲ ፍቕሪ ክንከውን እዩ ድላይ አምላኽ እዚ ኸአ አብቲ አምላኽ አብ ርእሱን አባና ዘርአዮ ፍቕሪ ዝተመስረተ እዩ። ፍቕሪ ንርእስኻ ጥራሕ ሒዝካዮ እትነብር አይኮነን አብ ግብሪ ኽግለጽ አለዎ። ዋንኡ አምላኽ ዝኾነ ፍቕሪ ንሓደ ክንፈጎ አይግባእን። ዘየፍቕር አምላኽ ምስኡ የለን፥ ዘየፍቅር ሕጉስ አይኮነን ብአምሰሉ እዩ ዝጉዓዝ ስለዚ ነቲ አምላኽ አባና ዘርእዮ ፍቕሪ ርኢና ንሕና ኸአ ንኻልኦት ክነፍቅሮም በአና አቢሉ አምላኽ ክበጽሖም ክነፍቅድ አሎና።
አብ ዝተነበ ካብ ግ.ሓ. ቆርነሌዎስ ምስ ኩሎም ስድርኡ አረማዊ እንከሎ ቀልጢፉ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሉ። ጴጥሮስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ አብ ቅድሚ አምላኽ ዝያዳ ዝፍቶ ወይ ብፍሉይ ዝሕለየሉ የለን። ብኻልእ አዘራርባ ፍቕሪ አምላኽ ሓባራዊ ንኹሉ ብሓደ እዩ ዘፍቅረና አብኡ ዓለት ሃይማኖት ወይ እውን ብግብርና አየፍቅርን እዩ። ሓንቲ ንሱ ንሕና ክንገብራ ዝደልያ ፍቕሩ ተቐቢልና አብኡ ክንመጽእ። ፍቕሪ አምላኽና ከም ማግነት ክስሕበና ይግባእ። አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ክንብል እንከሎና ኩሉ ኩነትና ፍቕሩ አባና ክርአ እንተ ተኻእለ ምስኡ አሎና ማለት እዩ። ንአምላኽ ዘፍቅር መጀመርያ ዝገብራ ንኃጢአት ንክፍአት ካብኡ የርሕቕ ንኻልኦት ወላ ክፉእ እንተ ገበርዎ ጽቡቕ ይፈዲ።
ከነፍቅር እንከሎና ጥራሕ ኢና አርአያን አምሳልን አምላኽ ምዃና እንገልጽ። “ዘፍቅር ወዲ አምላኽ እዩ፥ ዘየፍቅር ሓሳዊ እዩ”። ሎሚ ብኸመይ ንልለ። ምስ ሰባት ብኸመይ ንፈልጦምን ንቐርቦምን። ርክባትና ከመሎ አብ ገዛና አብ ስራሕና ምስ ቤተ ሰብና አብ ቍምስናና ወዘተ ነዝን ካልእን ርኢና ክንክእል አሎና፥ ነዚ ርኢና እንተ ከአልና ጥራሕ ኢና አብ አምላኽ እንምለስ።
ዮሓንስ አብ መልእኽቱን አብ ወንጌሉን ዘዘኻኽረና ክርስቶስ ክሳብ ክንደይ ከምዘፍቀረና ርኢና ክንክእል እዩ። አብ ፍቕሪ አምላኽ ክነብር አብ ነነድሕድና ኸአ ፍቕሪ ክነዘውትር እዩ። ፍቕሪ ዝኾነ አምላኽ ብአርአያኡን አምሳሉን ገሩ እዩ ፈጢሩና፥ በዚ ምኽንያት ከአ ነቲ ዝገለጸልና ፍቕሪ አብ ካልኦት ክንገልጾን ክነመሓላልፎን እዩ ዝደልየና። ከምዚ ክንገብር እንከሎና ጥራሕ እዩ ብምሉእ ብአምሳል አምላኽ ከም ዝተፈጠርና ክንገልጽ እንኽእል ምኽንያቱ አምላኽ ፍቕሪ እዩ። ክነፍቅር እንከሎና ከም አምላኽ ኢና እንኸውን። አብ ነነድሕድና ክንፋቐር እንከሎና ንመንግስቲ አምላኽ ኢና እነስፍሕ ዘሎና። ነዚ ፍቕሪ አምላኽ ክንገልጽ እንከሎና ነቲ አባና ሓዲሩ ዘሎ ፍቕሪ አምላኽ ንምስክር።
ወንጌል እምብአር ነነድሕድና ክንፋቐር ትእዛዝ እምበር ምኽሪ ከምዘይኮነ ይገልጸልና። “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ”። እቲ ምኽንያት ቀሊል እዩ፥ ንሕና ንርእስና ፍረ ፍቕሪ ኢና። እዚ ፍቕሪ ዝመሓላለፈሉ መገዲ ኸአ ካብ አምላኽ ናብ ክርስቶስ ካብ ክርስቶስ ከአ ናባና። ከምኡ ብኻልእ አገላልጻ ካብ አምላኽ ናብ ወለድና፥ ካብ ወለድና ኸአ ናባና። በዚ ምኽንያት እዩ ሎሚ ክርስቶስ “ከምቲ አቦ ዘፍቀረኒ አነውን አፍቅረኩም እየ፥ አብ ፍቕረይ ንበሩ” (ዮሓ 15፡9) ዝብለና። አብ ካልኦት ከየመሓላለፍና ክንተርፍ ሓንቲ ምኽንያት የብልና፥ ነቲ መራኸቢ ሰንሰለት ክንቆርጾ የብልናን። አብ ሰባት ፍቕሪዶ አመሓላልፍ አሎኹ ወይስ ጽልኢ ኢልና ንርእስና ክንርኢ ክንክእል አሎና።
እዚ እንዛረበሉ ዘሎና ፍቕሪ ልዕሊ ስምዒት ዝኸይድ እዩ። እዚ ኢየሱስ ዝብለና ዘሎ ፍቕሪ “አብ መስዋዕቲ ዝተመስረተ ፍቕሪ እዩ” ብርቱዕ ስምዒት ከሰንዮ ይክአል እዩ እንተኾነ ንፍቕሪ ጽኑዕን መስዋዕታውን ዘይቅየርን ዝገብሮ ሕልናዊ ተወፋይነት እዩ። እዚ እዩ ሓለገት ናይ ሓደ ጥዑይን ሓቀኛን ክርስትያን። መስዋዕታዊ ፍቕሪ ትዕግስቲ ዝሰፈኖ ክኸውን ይግባእ ንስቓያት ብዘይ ምግሩምራም ምእንቲ ክጸውር፥ አብ ጊዜ ፈተና ጽንዓት አብ ጊዜ ተቛውሞን አብ ጊዜ ጸገምን ጸኒዕካ ምቕጻል።
ቅ. ጳውሎስ ንባህርያት ፍቕሪ አብ 1ቆሮ 13 አግፊሑ ይገልጸልና። “ፍቕሪ ዓቃል፥ ለዋህ፥ ዘይትቐንእ፥ ዘይትጅሃር፥ ዘይትዕበ፥ ስዲ ዘይኮነት፥ ንአይ ይጥዓመኒ ዘይትብል፥ አይትቑጣዕን፥ አይትቕየምን. . . .” እናበለ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ክንሕዝ ከምዘሎና ይገልጽልና።
አምላኽ ሎሚ እውን መለልይና ፍቕሪ ክንገብር እዩ ዝደልየና ዘሎ። ሓቀኛ ፍቕሪ ብዝኾነ ምኽንያት ክፈርስ ወይ ክቕየር አይክአልን እዩ። ጥዒሙካ ሓሲሙካ ዝቕየር አይኮነን ዘፍቅር ኲኖ ጸገማት ዘሎ ሰናይን ጥዑምት ርእዩ ክኽእል አለዎ። እዋና ፍቕሪ ዝወሓዶ ካብ ክንፋቐር ክንጻላእ እንቀዳደም ኢና። እንታይ እዩ ከይነፍቅር ጸገም ኴንና ዘሎ ኢልና ክንሓትት ጽቡቕ እዩ።
ሰይጣን ተዓዊትልና አሎ። ሰይጣን እታ ቀዳመይቲ ዓወቱ አብ መንጎ አምላኽን ሰብን አብ መንጎ ሰባት ፍቕሪ ፈልዩ ክክእል እንከሎ እዩ። ንቀዳሞት ወለድና ዝተዓወተሎም ፍቕሪ አምላኾም ብማዕዶ ከምዝርእዩ ምስ ገበሮም እዩ። ንአና እውን ተዓዊትልና ዘሎ ንቦታ አምላኽ ዝኾነ ሕልናና ንሱ ክወርሶ ስለ ዝኸአለ ክነፍቅር አይንኽእልን አሎና።
በደልና አይንርእይን አሎና። ተጋግየ በዲለ ኢሉ ምስ ሕልንኡ ዝዛረብ ተሳኢኑ። በደልቲ ካልኦት ጥራሕ እዮም አነ ሓንቲ በደል የብለይን ብሃልቲ ኮና። እዚ አብ ናይ ሓሶት ዓለም ከም እንነብር ገሩና አብ ጽልእን ቅርሕንትን ንነብር አሎና። አብ ልብና ተመሊስና መጀመርያ ብበደልና ንተአመን ድሕሪኡ ንሓውና ክንደሊ ክነፍቅር ኢና።
መገዲ ጸጋም ዝሕብር በዚሑ። ነቲ ሓቅን ሕይወትን መንገድን ዝኾነ ክርስቶስ ሓዲግና ካልእ ጓል መንገዲ ክንመርጽ ስለ እንደሊ ፍቕሪ ጎዲሉ። እቶም ክርስትያን እንብሃል እኳ ሓደ ክንከውን አይከአልናን። ምኽንያቱ ነቲ ሓቀኛ ትምህርቲ ክርስቶስ ከምቲ ንሕና እንደልዮ ክኸውን ስለ እንደሊ። ማእከል ሕይወትና ክርስቶስ ገርና ስለ
ዘይንጉዓዝ ዘሎና ፍቕሪ ጎዲሉ።
ሓቀኛ ትርጉም ፍቕሪ ጎዲሉ። ሰብ ሎሚ ፍቕሪ ብግዙፋውን ሥጋውን ጥራሕ ክርእዮ ደልዩ። ሓቀኛ ፍቕሪ አብ ክርስቶስ ጥራሕ ኢና እንምሃሮ። ምእንቲ ሓቅን ርትዕን ኢልካ በጃ ምዃን። ሓቀኛ ፍቕሪ አብ ሞት እዩ ዘብጽሕ ሽዑ ክትንሥእ አየጸግምን።
ኢየሱስ ሎሚ ሓዲስ መጸዋዕታ የቕርበልና አሎ። አዕሩኹ ኮይንና ሓደስቲ ፍጥረት ክንከውን።
ሓደ ፈረንሳዊ ጸሓፋይ ሄንሪ ባርቡስ (1874-1935) ዝብሃል አብ መንጎ ክልተ ውጉአት ወተሃደራት አብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም አብ ሓደ መዕቆቢ ቦታ ዝተገብረ ዝርርብ ይትርኽ። ሓደ ካብቶም ወተሃደር ክመውት ቍሩባት ደቓይቕ ተሪፈንኦ ከምዘለዋ ዝተረድአ ንሓደ ብጻዩ “ድሚኒክ ስማዕ ሕማቕ ሕይወት ከም እትነብር ኩልና እንፈልጦ እዩ። አብ ዝኸድካ ኸድካ ብፖሊስ ምስተደለኻ ኢኻ” አነ ግን ወላ ሓንቲ ጸገም ከምዘይብለይ ትፈልጥ ኢኻ፥ ስመይ ንጹሕ እዩ፥ ስለዚ እንካ ነዚ “ማሕፉዳይ” ዋለተይ ውሰዶ ኩሉ ወረቓቕተይ፥ መንነተይ፥ ነቲ ጽቡቕ ስመይ ሕይወተይ እንካ ቀልጢፍካ ውሰዶ እሞ ኩሉ ናትካ ወረቓቕቲ ሃበኒ ኩሉ ነቲ በደላትካን ሕማቕ ግብርኻን ምሳይ ሒዘዮ ክመውት ክቕበር ኢልዎ” ይብል።
ሓዲስ ሰብ ክኸውን እሞ ኩሉ በደላቱ ክቕበር። እዚ እሙን ወተሃደር ነቲ ዓማጺ ብጻዩ ሓዲስ ሕይወት ክጅምር ነታ ዝለዓለት ህያቡ ክህቦ አቕሪብሉ። ፍቕሩ ሓልዮቱ ክሳብ ሞት ገሊጽሉ። ፍቕሪ ክንገልጽ ብርቱዕ ትብዓት የድሊ። ጋንዲ አብ ዝጽሓፎ “ፈራሕ ፍቕሪ ገሊጹ አይክእልን እዩ፥ ፍቕሪ ናይ ንፉዕ ሰብ ጥራሕ መንነት እዩ” ይብል።
ኢየሱስ ዘረጋግጸልና “ፍቕሪ ዘበለ ኩሉ ፍረ አልኦ” አብ ገለ እዋን ንገለ ሰባት ጽቡቕ ምግባር ክሳራ ጊዜኻ ምሕላፍ ኮይኑ ይስምዓና እዩ፥ ሰባት አየመስግኑን አብ ገለ እዋን እቶም ጽቡቕ ዝገበርናሎም አንጻርና ይኾኑ። እዚ ኾይኑ እቲ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን ምኽንያቱ ምአስን ብኸመይን ግብርና ፍረ ከምዘፍሪ አይንፈልጥን ኢና፥ እምነትና አብ ኢየሱስ እዩ “ፍቕሪ ፍረ ተፍሪ እያ”።
እታ ኢየሱስ አብ ልዕሊ አርድእቱ ዘውረዳ ፍቕሪ ፍረ ፈርያ፥ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ፍቕሪ አምላኽ ክሰብኩ ጽቡቕ እናገበሩ ተጓዖዞም ተዋሪዶም መብዝሕትኦም ብሰማዕትነት ንሓቂ መስኪሮም። ነዚ ምስገበሩ ፍቕሪ ክርስቶስ አብ ብዙሓት ሰባት ፍረ አፍርያ። ምእንቲ ካልኦት ክሓልፈሎም ንአምላኽ ክፈልጡ በጃ ዝሓለፉ ብዙሓት እዮም። ኢየሱስ “ካብ ርእስኻ አሕሊፍካ ምሃብ ዝዓቢ ፍቕሪ የሎን” ይብለና። ሰባት ክድሕኑ ካብ ክፉእ ክምለሱ ተስፋ ከይቆረጽና ብትዕግስቲ ጸርና ክንጉዓዝ ይግባእ። ብርግጽ ከም ሰባት ክንደክም ይክአል እዩ ግን ሓግዘና ኢልና
ንለምኖ።
“አፍቕር እሞ ድላይካ ግበር” ይብል ቅ. አጎስጢኖስ ሓንትስ አፍቂርና ንኽአል እምበር ኵሉ ክበርሃልና እዩ። ክነፍቅር ከሎና ንርእስና አብ አምላኽ ነወሃህድ ባህሪ አምላኽ ንለብስ ሽዑ ንቅኑዕ መገዲ ክንጉዓዝ ዘሰክፍ የብልና፥ ኲኖ’ቲ ጽልእን ክፍአትን ዘሎ ትንሣኤን ሰላም ክንርኢ ክንክእል ኢና።
ፍቕሪ አምላኽ አባና ከምዘሎ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ክነርእዮ ትሑዛት ኢና። ብፍላይ ነቶም አብ ልዕለልና በደል ዝፍጽሙ ነቶም ብሓሶት ስምና ዘካፍኡ ዝጸልኡና ነዞም ኩሎም ክንጽልየሎም ክንምሕሮም እንከሎና ዕዉታት ኢና። በብዝተፈላለናዮ እንተ ርሓቕና ንአምላኽ አይክንረኽቦን ኢና። ሕይወት ትርጉም ዝህልዎ ነቲ ንጸጋም አቢሉ ዘሎ አብ የማን እንተ መለስና ንዝተጋገየ እንተ መሓርና እዩ እሞ ዘራእቲ ፍቕሪ ዓቀብቲ ሕያውነት ንኹን።
ኦ ንኹሉ ብሓደ እተፍቅር አምላኽ ንኸማይ ዝበሉ ሰባት ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ከፍቅር ሓግዘኒ ጸጋኻ ሃበኒ እናበልና ንለምኖ ክሰምዓና ኸአ እዩ።
ብሩኽ ሰንበት።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ