፮ ሰንበት ዘትንሣኤ

፳፭(25) ግንቦት  ፳፻፲፩ (2011) ዓ.ም.ግ (6/2/2019

መዝሙር፡
      ፋሲካ ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ ፋሲካ ... ።
ንባባት አብ ቅዳሴ
ዮሓ 13፡31-35
2ቆሮ5፡1-10
ራእ.21:10-23
ግ.ሓ.15:1-2.22-29
ዮሓ 14:23-29
ምስባክ
    በልዑ ወጸግቡ ጥቀ ወወሃቦሙ ለፍትወቶሙ ወኢይኀጥኡ እምዘ ፈቃዱ።
“በልዑን አዝዮም እውን ጸገቡ ዝተመነይዎ ሃቦም ካብቲ ዝተመነይዎ አይከልከሎምን”። መዝ። 78፡29
መዝሙር፡
      “ፋሲካ ቅድስቲ ዕለት እያ፥ ፋሲካ ብአኣ ንተሓጎስን ደስ ይበለናን፥አብ ፋሲካ ንዘናጋዕን ነዕርፍን፥ሰማይን ምድርን ብአኣ ይሕጎሱ፥ፋሲካ ፋሲካ ፋሲካ ተዝካር ትንሣኤ መድኃኒና።”
አብ ዘመነ ትንሣኤ ስለ ዘሎና ናይ ዕለቱ መዝሙር ምስጢር ትንሣኤ አስተማቒርና ዝተሓደሰ ሕይወት ክንለብስ እሞ ምስቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ኮና ንለቢስናዮ ዘሎና ሓላፍነት ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንመርሕ የዘኻክረና። ትንሣኤ ክርስቶስ ሓጎስን ቅድስናን የልብሰና በዚ ኸአ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ርግአት ለቢስና ንሰባት አብቲ ክርስቶስ ዝርከቦ ክንመርሕ ሓላፍነትና ክንዝክር ይሕግዘና።

ዘመነ ትንሣኤ ፍሉይ መዘከሪኡ ብእምነት ተሓዲስካ ንዝተንሥኤ ክርስቶስ አብ ነፍሲወከፍ ልብን ሕይወትን ከም ዝአቱ እሞ እዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለምና ብሓቂ ብፍቕሪ ብሰላም ክትነብር ብዝያዳ ክንልአኽ ዘዘኻኽረና ፍሉይን ቅዱስን እዋን እዩ።

ናይ ሎሚ ሰንበት አስተንትኖና ምስቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘስተንተናዮ አተሓሒዙ አድኅቦና አብ ዕርገት ጎይታና ገጽና ክነተኩር እሞ ክንገብሮ ዝግብአና ይነግረና። ነቲ ትንሣኤ ዘምጽአልና ቅጽበታዊ ተሓድሶ አብ ግምት ገርና ክንካየድ እሞ ክርስቶስ ካብዚ ዓለም ዝፍለየሉ እዋን እናተቐራረበ ስለ ዝኾነ ነቒሕና ክንጽበ ይነግረና። ኢየሱስ ቅድሚ ካብኦም ምፍላዩ ተላብይዎም እዚ ለበዋ ኢየሱስ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ይላበወና አሎ።

ለበዋ ኢየሱስ “እቲ ዘፍቅረኒ ቃለይ ክሕሉ እዩ አቦይ ክአ ከፍቅሮ እዩ ናብኡ መጺእና ድማ አብኡ ማኅደር ክንገብር ኢና” ዮሓ 14:23)ዝብል እዩ። ንኢየሱስ ተፍቅር እንተ ኾንካ

፩ያ ቃሉ ሓሉ ንትምህርቱ ስዓብ፥

፪ይ እዚ ፍሉይ ፍቕሪ አምላኽ አባኻ ኃዲሩ ከንቀሳቕሰካ እዩ፥

፫ይ ኢየሱስን አብኡን መጺኦም ንዅሉ ጊዜ ምሳኻ ክነብሩ እዮም።

ብኸምዚ አገባብ እቲ ኢየሱስ ካብኦም ብምፍላይ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ብኅላዌ መንፈስ ክመልእን እዩ እዚ ኸአ ካብቲ ብአካል ምህላዉ ብዝያዳ ዘረጋግጽ እዩ። አብዚ ኹሉ ናትና ተራ ንቃል ኢየሱስ ብምልኡ አብ ምሕላው እዩ።

አብዚ ሕንፍሽፍሽን ብዙሕ ክትርድኦ ዘጸግም ዝወራረሰሉ ዘሎ ሕይወት ከመይ ኢልና ኢና ናይ ክርስቶስ ቃል ክንርድኦን ክንፈልጦን እን ኽእል? ከመይ ገሩ እዩ ኢየሱስ ብሓቂ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ምሳና ከምዘሎን ከምዝዓይን ክንርዳእ እን ኽእል? ኢየሱስ ነዝን ንኻልእን አቐዲሙ ክርእዮ ስለ ዝኽአለ ከምዚ ኢሉ “እቲ አቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ንሱ ዅሉ ኪምህረኩም ነቲ አነ ዝነገርኩዅም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” ዮሓ 14:26 ኢሉና።
ኢየሱስ ቀጺሉ ንሓዋርያቱ ከምዚ ኢልዎም “ተፍቅሩኒ እንተኾንኩም ቃላይ ሓልዉ” ኢልዎም ድሕሪኡ “ሰላም እኃድገልኩም አሎኹ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ” ኢልዎም። አብዚ ኢየሱስ ዝነግረና ዘሎ ንቃሉ እን ተ ሓለና እን ታይ ከም ዘምጽአልና እዩ። ውሽጣዊ ሰላም ኅላዌ አምላኽ አብ ውሽጥና ዘረጋግጽ እዩ ወላ እኳ አብ ገለ እዋን ብዝተፈላለየ ነገራት ንጽገም ንሃሉ። ንሱ አብ ትምህርቱ ክሳብ ክንደይ ክንቃለስ ከም እን ኽእል ይፈልጥ እዩ። ኵልና እሙናት ክንከውን ንቃለስ ግን ጎይታና ዝበለና በቲ እትገብርዎ ቃልስን ምርብራብን አይትፍርሑ ምኽንያቱ ንመንግስተ ሰማይ ዝወስድ መገዲ ስለ ዝኾነ ንሱ ኸአ ጥራሕ እዩ እቲ ሓቀኛ መገዲ።

አብዚ ዓለም ከይተፈተና ኵሉ ጥዒሙና ክነብር አይንኽእልን ኢና ፥ብፈተና ክንሓልፍ ግድን እዩ። አብ ገለ እዋን ባዕልና ብእን ፈጥሮ አብ ገለ እዋን ከአ ካብ ካልእ ብዝመጽአና ኵሉ ጊዜ ምስተቓለስና ኢና ።

ከምቲ ብዙሕ ልምምድ ዝገብር እስፖርተኛ ዝድልድል ብብዙሕ ፈተና ዝሓለፈ ሰብ ብርቱዕ እምነት አልኦ፥ ምኽንያቱ አብቲ ጽንኩር እዋን ንአምላኽ አሚኑ ቀጺሉ ስለ ዝተጓዕዘ። ገለ ሰባት ደኺመ መሪሩኒ አይክእሎን እየ እናበሉ ንመገዲ ድሕነት ጓል መገዲ ክፈጥሩ ዝደልዩ አለዉ ግን ኢየሱስ ንኹሉ ጸርና ክንጉዓዝ ኢሉ “ዘፍቅረኒ ዘበለ ዕለት ዕለት መስቀሉ ጸሩ ይስዓበኒ ኢሉና”።

ጉዕዞ ሕይወት ከይከብደና እንተደለና ንአምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገሩ ሕሹኽ ክብለና ጽን ንበሎ። ብጥምቀት ዝጀመረ ጉዕዞ እምነትና አብዚ ዓለም ዝተፈላለየ ዕንቅፋትን ውዲታትን ክሓልፍ ግድን እዩ እዚ ግን አምላኽ ሒዝና ክንጉዓዝ ከሎና ጥራሕ ኢና ክንወጽኦ እን ኽእል።

አብዚ ፮ይ ሰንበት ድኅሪ ትንሣኤ ዝተነበ ቃል አምላኽ ዘተኩሮ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኢየሱስ ቀስ ብቐስ አብ መወዳእታ ምድራዊ ሕይወቱ እናተቓረበ እን ከሎ ንሓዋርያቱ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሰደሎም አተስፊይዎም። መንፈስ ቅዱስ ዘንጸባርቅ ክብሪ ኮይኑ ንነፍስወከፍና አብኡ ምእዙዛት ኮና እን ተ ነበርና ብርሃን ጸግኡ እናዓደለ አብ ኩሉ እን ገብሮ ውሳኔታት አብ ጎንና ኮይኑ አብዚ ዓለም ዝመርሓና እዩ።

አብ ግ.ሓ. ብገፊሑ ብፍላይ አብ ሎሚ ዝተነበ እን ተ ርአና ሓዋርያት አብ መንፈስ ቅዱስ ከይተወከሉ ወላ ሓንቲ ውሳኔ ይገብሩ ከም ዘይነበሩ ንርኢ። መንፈስ ቅዱስ አብሪህሎም እን ተ ዘይ ኮይኑ ዝኾነ ዓቢ ተልእኮ ወይ ውሳኔ ይገብሩ አይነበሩን። አብ ጽሑፋቶምን ትምህርቶምን ንሕናን መንፈስ ቅዱስን ነዚ ክንገብር ወሲና እናበሉ ይነግሩ ነሮም። ክርስቶስ ቤተ ክርስትያኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ቃሉ ክተስምዓና እን ከላ ምሳና ቀጺሉ ከም ዝዛረበናን ዝሕግዘናን ከም ዘሎ ንርዳእ።

ቤተ ክርስትያን አሰር ሓዋርያት ተከቲላ አብ ኵሉ እትገብሮ ውሳኔን ጉባኤታትን አብ መንፈስ ቅዱስ ጸሎት ከይገበረት ዝኾነ ውሳኔ ወይ መምርሒ ገራ አይትፈልጥን። አብ ራእይ ዝተነበ “ብመንፈስ ድማ ናብ ዓቢይን ነውኅን እምባ ወሰደኒ” ይብል። ዮሓንስ ብዘይ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ነገራት ክርእዮ አይምኽአለን።

ቀዳማይ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ አገባብ አባልነት አብ እምነት ክርስትና እዩ ነሩ። ገለ አባላት ነቶም ሓደስቲ አመንቲ “ሕጊ ሙሴ” ክትሕልዉ አሎኩም ኢሎም የሸግርዎም ስለ ዝነበሩ ሓዋርያት ነዚ ክፈትሑ ቀዳማይ ጉባኤ ገሮም። መንፈስ ቅዱስ ብዘብረሃሎም ከአ ውሳኔ ገሮም እዚ ንሶም ዝገበርዎ ሎሚ እውን ቤተ ክርስትያን ብዘይ ሓደ አፈላላይ ኩልና ደቂ ክርስቶስ ካብ ምዃን ዝኾነ ሓይሊ ዝዓግተና ከምዘየሎ ንርኢ። ቅ. ዮሓንስ መበል 23 ከም ዝብልዎ “ሓድነት አብ አድላይ ዝኾነሉ፥ ነጻነት ጥርጥር አብ ዘለዎ፥ ፍቕሪ ግን አብ ኩሉ” ክንገብር አሎና ይብሉ።አብ ዝኾነ ተአፋፊ ነገራት ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝን መምርሕን ክንሰምዕ የድልየና በዚ ምኽንያት እዩ ኢየሱስ ቅድሚ ንሰማይ ምኻዱ ንኹሉ ነገራት ክመርሖም መንፈስ ቅዱስ ክሰደሎም ዝረጋገጸሎም። ሎሚ እውን ሓልዮትን ረድአት መንፈስ ቅዱስ ካብ ነፍሲወከፍናን ቤተ ክርስትያኑን አይተፈልየናን አሎ። ባዕሉ ይመርሕን ይገልጽን አሎ ጸጊሙና ዘሎ ብወገና ምስማዕ ንአቢ ከምኡ ንአምላኽ በቲ ንኡስ ዓቕምና ተጃሂርና አይንደልየካን ንብሎ እዚ ኸአ አብ ኃጢአትን ዕንወት አብ ሕይወትናን ዓለምናን ከውርድ ንርእዮ አሎና።

መንፈስ ቅዱስ ዘይተሓወሶ ሕይወት አብ ጸላም ከም ምጉዓዝ እዩ ሽዑ ብቐሊል ክትወድቕን ክጠፍእን ይክአል።

“ንዓ ኦ መንፈስ ቅዱስ አቦይ” ኢልና ክንጽሊ እሞ ንሱ ዝብለና ክንሰምዕ ልብና ንኽፈተሉ። አብ አፍደገ ልብና ኮይኑ ንዝዂሕኲሕ ዘሎ ክነርሕዎ ፍቓደኛታት ንኹን።

አብ ወንጌል ናይ ሎሚ ክርስቶስ አብ ሰማያዊ አብኡ ቅድሚ ምኻዱ ንሓዋርያቱ መጸናንዒ ከም ዝሰደሎም አተስፍይዎም። መንፈስ ቅዱስ ናይ ኢየሱስ ኃይሊ እዩ ግን አካል ቅድስት ስላሴ እዩ። እዚ ክንብል ከሎና ናይ ኢየሱስ ጊዜ አብ መወዳእታ በጺሑ ማለት አይ ኮነን ንሱ ኩሉ ጊዜ ጎይታን ህልውን እዩ። ዘኽታማት ኮና አይ ሓድገናን እዩ ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ።

ኢየሱስ ዘረጋግጸልና መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ከም ዘስተምህረናን ነቲ ኩሉ ዝበለና ከም ዘኻኽረናን እዩ። እታ ሓንቲ ካባና እትድለ አብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝብለና ምእዙዛት ኮና ክንነብር እዩ። ናይ ዘመና ምልክታት ክንርዳእን አንቢብና ክንክእልን ንአኡ ጽን ክንብል እሞ አብዚ ዓለም ተልእኮና ብግቡእ ክነመሓላልፍ አሎና።

አብዚ እዋን አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ብዝያዳ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ክንብል ዘድልየሉ ኢና ዘሎና። ከም ክርስትያን አብዚ እን ነብሮ ዓለም ዘሎ ክንርኢ እን ተ ኸአልና ክንደይ ውዲታት፥ ምድንጋርን ምጥርጣርን ዓብሊልዎ ሰባት ዝኸድዎ መገዲ ከም ዝጠፍኦም ከዕነውንዉ ንርእዮም አሎና። እቶም ነዚ ክርድኡ ዝኽእሉ እቶም ንመንፈስ ቅዱስ ዘብርሃሎም ክርእዩ ወይ ክሰምዑ ጽን ዝብሉ። ዘሎናዮ ዘመን ብፍሉይ ርክብ ምስ መንፈስ ቅዱስ ክንፈጥር ዝጽውዕ እዩ።

ነዚ ናይ እዋና ፈተናታት ክንሓልፎ ወይ ክንስዕሮ እንተኾና ጠበቓናን ሓጋዚናን ንዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ምስኡ ክንህሉ አሎና። መንፈስ ቅዱስ አምላኽ ጥራሕ አባና ክሓድር እን ከሎ እዩ ከም ዳዊት መዘምር ኮና ክንዝምርን ክነመስግንን እን ኽእል። ከም ሓዋርያት ክንሰብኽን መልእኽ ቲ አምላኽ ክነመሓላልፍ እን ተ ኾና ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ጥራሕ ኢና ክንገብሮ እን ኽእል። “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እን ተ ዘይኮይኑ ድማ ኢየሱስ ጎይታ እዩ ክብል ዝኽእል ሓደ እኳ ከም ዘየልቦ አፍልጠኩም አሎኹ” (1ቆሮ 12፡3)። ንሱ ብዝገለጸልናን ጥራሕ ኢና ራእይታትን ጽቡቕ ሕልምን ክንገብር እን ኽእል። ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ ኢና ናይ እዚ ዓለም ብድሆታትን ፈተናታትን ክንወጽኦም እን ኽእል እሞ ንቅድሚት ነቲ ለቢስናዮ ዘሎና ተልእኮ አብ ግብሪ እነውዕል።

መንፈስ ቅዱስ ዘይንሰምዕ እንተኾና አብ ዕንኪላሎ ዝኾነ ሕይወት ኢና እን ነብር ሽዑ ንርእስና ተደናጊርን ንዝቐረበና እውን ግጉይ መገዲ ንሕብር። መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና እንተአፍቀድና ንሓቀኛ መገዲ ሒዝና ቅኑዕ ሕይወት ክነብር ኢና ። ከንቀሳቕሰና እን ተ አፍቅድናሉ ጽቡቕ ከም እን ቀሳቐስ ክገብረና እዩ፥ ክምህረና እንተ አፍቅድናሉ ጽቡቅ ከም እን ርዳእ ክገብረና እዩ፥ ከብርሃልና እንተ አፍቀድናሉ አብ ዓላማና ክንበጽሕ ኢና ሽዑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ከብጽሓ ና እዩ። “ሕያው ዝገብር መንፈስ እዩ ሥጋስ ገለ እኳ አይጠቅምን እዩ” (ዮሓ 6፡63)።ኦ መንፈስ ቅዱስ አምላኽና ቃልካ ክንሰምዕ ሕይወትና ብቕድስና ክንመርሕ ሓግዘና ነዛ
ብተፈላለየ ምኽንያት እትሕመስ ዘላ ዓለምና ሰላም ፍቕሪ አውርደልና ምርሓና ቅዱሳን ግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ