በዓለ ኪዳነ ምህረት
የካቲት 16 2010 ዓ.ም. (2/23/2018)
ኪዳንኪ ውእቱ ማርያም ለኃጥአን ተስፋነ

ዚቅ: “ወታሥተስርዪ ኃጢአተ ሕዝበኪ ተበውሐ ለኪ እምአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ከመ ትኩኒ ተንከተመ ለውሉደ ሰብእ ለሕይወት ዘለዓለም።
ንባባት፡ ገላትያ 4፡1-12፥1ዮሓ1፡4-8፥ (ራእይ 12፡1-6) ፥ ግ.ሓ.1፡13-15፥ ሉቃስ 1፡39-57።
ምስባክ፡
1. ዘያነብራ ለመካን ውስተ ቤቱ፥ ወያስተፈስሓ ልእመ ውሉድ፥
    ዘያነብራ ለምካን ውስተ በቱ።

   “ንመኻን አደ ቖልዓ ገይሩ አብ ቤት ብሓጎስ የንብራ መዝ. 113፡9።

 
2. እስመ ትቤ ለዓለም አሓንጽ ምሕረተ በሰማይ ጸንዐ ጽድቀከ፥ ኪዳን ተካዮትኩ ምስለ ኅሩያንየ።

“ንዓለም ምሕረት ክገብር እዩ፥ አብ ሰማይ ኪዳንካ ጽኑዕ እዩ፥ ምስቶም ሕሩያነይ ኪዳን አትየ እየ”
መዝ. 89፡1-2። 17-37
ዓመታዊ ዝኽረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት ዘኪርና ነብዕል አሎና። “ተበውሐ ለኪ እም አብ ወወልድ መመንፈስ ቅዱስ ከመ ትኩኒ ተንከተመ ለውሉደ ሰብእ ለሕይወት ዘለዓለም” ካብ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንደቂ ሰብ መሳልል ሕይወት ዘለዓለም ክትኮኒ ተፈቒዱልኪ እዩ። እናበልና አብቲ አምላኽ አብ ማርያም ዝገበሮ መሰረት ገርና ብዓልና ዘኪርና አሎና። ኩሉ ነገረ ማርያም አምላኽ ዝደልዮን ዝመደቦን እዩ ንሳ ኸአ ነቲ አምላኽ ዘቕረበላ ብምሉእ እምነት “ሕራይ ! ኢላ ተቐቢላቶ ነዚ መሰረት ገርና ብዓለ ማርያም ነኽብር።
ዝኽረ ኪዳነ ምህረት ዝኽረ ድሕነትና እዩ ስለዚ ሎሚ እውን ነዚ መጋበሪት ድሕነትና ኮይና አብቲ ብሰንኪ ኃጢአት ዝጠፍአ ርክብና ብዳግም ዝሓደሰትልና ምስአ ኮይንና ርክብና ምስ አምላኽ ንሓድሶ ሽዑ ብዓልና ድርብ ክኸውን እዩ። ማርያም ብአምላኽ ንዝቐረበላ ሕቶ ክትቅበል እንከላ ንኹሉ አብ አምላኽ አሚና እያ እምበር አብናታ ክእለትን አፍልጦን ተአማሚና አይኮነትን። ሎሚ ንሕና ደቃ አብነታ ተኸቲልና ምስ ፍቑር ወዳ ክትዓርቀናን ደቂ ሰማይ ክትገብረናንን አብአ ንማሕጻን ሽዑ ጉዕዞ ሕይወትና ብርሃን ክኹልዖ እዩ እሞ ንምስጢር ፍቕሪ አምላኽ ርኢና ክንክእል ኢና።
አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብፍላይ አብ ሓዲስ ኪዳን ብዙሕ ብዛዕባ ማርያም ዝዛረብ አይንረክብን ኢና።  እቲ እንርኸቦ ነቲ ቀንዲ እንታይነታን ሕይወታን ይገልጸልና። መለልዪ ማርያም ካብ ትሑታት ወለዲ ተወሊዳ፥ አብ ቤተ መቕደስ ዓብያ መዓልታዊ ጸሎት ትገብር ነይራ። አምላኽ ወላ እኳ ክትርድኦ ከቢድ ዝኾነ ነገር ይሕተታ ብዓይኒ እምነት ንኹሉ ክትርድኦን ክትቅበሎን ከቢድ ዝኾነ ነገራት ሕራይ ትብል ነይራ። አብ ሕይወት ወዳ ካብ መጀመርያ ክሳብ መጨረሻ አብ ጎኑ ተጓዒዛ። ድሕሪ ሞት ወዳ ነታ አብ ትሕቲ ጽላላ ዝሓደጋ ቤተ ክርስትያኑ ተጸናንዓን ነቲ አብ ሕይወታ እትፈልጦ ነገር አምላኽ ተስተምህራን ትመርሓን ነይራ። ሎሚ እውን አደ ኮይና
ትመርሓና አላ። ነዚ ብዕምቆት እናአስተንተና ኢና ዘኪርና ዘሎና።
ሓደ ካብቲ ፍሉይ መለለዪ ማርያም ቀዳመይቲ ሓዋርያ ንብላ ምኽንያቱ ኵሉ ካብአ ዝድለ ብእምነት ስለ ዝፈጸመት። ከምኡ ንወዳ አብ ኵሉ ካብ ልደቱ ክሳብ ሞቱ አብ ጎኑ ኮይና ስዒባቶ። እዚ ፍልይቲ ይገብራ። ሕይወት ማርያም ብዝገጠማ ዝተፈላለየ ጸገማት ወላ ሓንቲ መዓልቲ እውን ዘንጊዓ አይትፈልጥን። በዚ ኸአ እምንቲ አማኒት ትብሃል። እምነት፡ ጽቡቕ አብ ዘሎኻሉ ኩሉ ከምእትደልዮ ክኾንልካ እንከሎ ጥራሕ አይኮነን ዝግለጽ። አብ ጽንኩር እዋን ወላ እውን ኩሉ ሓርቢቱ አብ ድቕድቕ ጸልማት ፈተናን ጸገምን እንከሎና ምሉእ እምነት ክህልወና እንከሎ ሽዑ ንአምላኽ ክንርእዮ ንኽእል እሞ ነቲ ዝገጥመና ዘሎ ጸገም ክንብድሆ ንኽእል። እዚ አብ ሕይወት ማርያም ተራእዩ።
አምላኽ አብ ማርያም መልአኹ ልኢኹ ካብአ ዝደልዮ ገሊጹ፥ ንሳ ኸአ እሽትአ ገሊጻ መደብ አምላኽ ብማርያም ክዉን ኮይኑ። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ንሓደ ዓቢ ነገር ክገብር ምስ ደለየ ይሓትት። አብ ኢሳያስ 6፡8 “እግዚአብሔር ንመን ክልእኽ መንከ ኪኸደልና እዩ፥ ክብል ሰማዕኩ አነውን እኔኹ ልአኸኒ በልኩ” ዝብል ነንብብ። አብ ምድኃን ደቂ ሰብ ዝልአኾ ይደሊ እሞ ይልእኽ። አብ ገለ እዋን አምላኽ ክልእከና ምስ ሓተተ ምኽንያት ንፈጥር ንአቢ ነደናግር አምላኽ ግን ካብ ምሕታትና አየዕርፍን። ንዮናስ ነብይ አብ ሰብ ነነዌ ተልአኸኒ ምስ በሎ አብዩ ብሰንኩ ሕይወቱን ሕይወት እቶም ምስኡ ዝነበሩን ዳርጋ አብ ሓደጋ ሞት አብጺሕዎም። አብ መጨረሻ ሰሚዑ ንሰብ ነነዌ ንስሓ ክገብሩ ምስ ነገሮም ኩሎም ሰቦም ጥሪቶም ተነስሑ ዝብል ነንብብ። ንአምላኽ ክንሰምዕ ከሎና ንርእስናን ንኻልኦትን አብ መአዲ ድሕነት ነሳትፍ።
አብዚ መሰረት ገይርና ሎሚ አምላኽ ካባይን ካብ ካልኦት ከማይ ዝአመስሉ ክንድሕን ደቂ ጸጋን ደቂ ማርያምን ክንከውን እንታይ ይደሊ አሎ ኢልና አብ ሕልናና አቲና እንህቦ መልሲ ንድለ። ምናልባት ንኹልና በበቲ እንነብሮ ዘሎና ሕይወት ዝጎደልናዮ እንተሎ ክንቅይር ይሓተና አሎ። ሓንቲ ካብቲ ዝዓበየት ነገር ዝሓታ “ምሕረት” እያ “ንዝበደሉና” ብዝያዳ ክንምሕር። ስም ማርያም ኪዳነ ምህረት ንብላ ምኽንያቱ ምሕረት ስለ ዘምጽአትልና እምብአር ንሕና ደቃ ምሒርና ክንክእል አብ ነነድሕድና ክንመሓሓር ሕራይ ንበል። ሎሚ ማርያም ከም አደይ እንታይ ትደሊ ካባይ ኢልና ንሕሰብ እሞ አደና እትደልዮ ክንረኽቦ ኢና።
ቀዳሞት ወለድና ሰይጣን ተዓዊትሎም ሎሚ እውን ይዕወተልና አሎ። መንፈስና አድኪሙ ካብ ጸጋ አምላኽ ርሒቕና እንከሎና ሓንቲ ከምዘይ ኮና ከም እንነብር ገሩ ተዓዊቱልና አሎ። ኦ አዳም ኦ ሔዋን አበሎኹም እናበለ ንነፍሲ ወከፍና ዘሎናዮ ናይ ክፍአትን ቂምታን ጽልኢ ሕይወት አለሊና ክንወጽእ ይጽውዕ አሎ። ክፍአተይ ከቢዱኒ
አብዚ አሎኹ እናበልና አብቲ መሓሪ አምላኽ ንመለስ ከይንፍረሕ አጆኹም እትብል እተበራትዕን ንወዳ ደንግጸሎም እትብል አደ አላትና ሓንትስ ሓቦ ለቢስና ንንስሓ ንተሓሓዞ።

አዳምን ሔዋንን ካብ አምላኽ ምስ ወጽኡ እታ ሓንቲ ምስ አምላኽ ክዕረቑ ተስፋ ዝኾነቶም እቲ ካብ ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ ዝብል ተስፋ ጥራሕ እያ ነራቶም። መጽሓፍ ቅዳሴና አብ አኮቴተ ማርያም ጎስዓ አብ ዝብል ነዚ ክገልጽ እንከሎ “አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት፥ ካብ ገነት ክስደድ እንከሎ ንስኺ ጥራሕ ኢኺ ነርኪ ተስፍኡ” ይብል። ሎሚ እውን አብ ኵሉ ሕይወትናን ተስፋና ጽንዓትናን ማርያም እያ። ማርያም ከስ ዓራቒት ሰማይን ምድርን ስለ ዝኾነት ዝተፈላለየ ነቲ ንሳ ዝገበረቶ ዝገልጽ አስማት ይውሃባ፥ ታቦተ ኪዳን፥ ተስፋ ቅቡጻን፥ ኦ ምዕራግ እምድር እስከ ሰማይ፥እናበልና ተራ ማርያም አብ ድሕነትና ዝገልጽ ንሰመያ።

አብ ባህልና አብ ብዓል ማርያም አደታት ፍሉይ ልመና የቕርባ ሓደ ካብቲ ብዙሕ፡ “ኢየሱስ ዝወዳ ምሕረት ዝልማዳ አደየ ለምንለይ ግዳ! ዝብል ብሓቂ ትርጉምን ተስፋን ዝህብ ጸሎት እዩ። ማርያም እታ ዝበለጸትን ልዕሊ ኹሉ አብ ወዳ ዝቐረበት ስለ ዝኾነት አብኡ ክተቕርበና ዝበለጸት መሳልል ድሕነትና እያ። አደ ዘላቶ አይዝኽትምን እዩ ይብሃል ስለዚ ተስፋና ንሳ እያ። ወዳ ኢየሱስ እውን ዘኸታማት ኮንኩም አይክሓድገኩምን እየ፥ እንሃ አደኹም ይብለና አሎ ሓንትስ ነደና ተቐቢልናን ሰሚእናን ንኽአል እምበር።

ሰብ አብ ዓለም ሕይወቱ ትርጉም ዝህልዎ ተስፋ ክህልዎ ከሎ ጥራሕ እዩ። ተስፋኡ ዝጸንቀቐ ዳርጋ ምዉት እዩ። ሰብ ክቕጽል ተስፋ የድልዮ፥ ኲኖ ጸላም ዘሎ ብርሃን ርእዩ ክኽእል አለዎ። አዳምን ሔዋንን ኲኖ እቲ ባዕላቶም ዘምጽእዎ ጸልማት ክርእዩ ተስፋ ተዋሂብዎም። እዚ ስንቂ ኮይኑ ንዘመናት ንደቆም ክሳብ ምልአት ተስፋ አብግብሪ ዝርአ ከም ዝነብሩ ገርዎም። እቲ ተስፋ ብማርያም ክዉን ኮይኑ።

አብ ጸሎታት ሃገርና “ተፈጸመ ተስፋ አበው በርያም ድንግል ወበቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል” “ተስፋ አበው ብማርያም አቢሉ ተፈጺሙ፥ አብ ቀራንዮ መድኃኒ መስቀል ምስ ተተኽለ” እናበልና ተራ ማርያም አብ ድሕነትናን ተስፋ ኩልና ከምዝኾነ ዝገልጽ ብተስፋ ዝመልኦ ጸሎት ነዕርግ።

አብ ሕይወትና ብዙሕ ጊዜ ከቢድ ፈተናን ጸገምን ምስ በዝሓና ተስፋ ንቖርጽ ዓቕልና ይጸበና እሞ ገለ እዋን አብ ዘይተደለ መገዲ ራህዋ ደሊና ዘይቅኑዕ መገዲ ንወስድ። እዚ ካብ ዘሎኽዎ ከድሕነኒ ኢልና ካብ ሓቅን

ፍቕርን ንወጽእ። ሽዑ ንርእስናን ንሰብን ጸገም ንኸውን። አብ ምሽፋትን ካብ አምላኽ ርሒቕና አብ ጸገምን ሰላም ዘይብሉ ሕይወት እንከሎና ሓንቲ ከምዘይጎደለና ኮይንና ንነብር። እዚ እዩ ኸአ ሎሚ ንብዙሓት አብ ጸልማት ኃጢአት ከም ዝነብሩ ገይሩ ዘሎ። እሞ ሎሚ ንማርያም ዑቕባና ገርና ካብ ዘዘለናዮ ክፍአት ብዓትና ወጺእና አብ መሓሪ አምላኽ ንመለስ።

ማርያም አብ ቃና ዘገሊላ አብ ዝተገብረ መርዓ ረዳኢት ምዃና አብ ግብሪ አመስኪራ። ንሰብ መርዓ ካብቲ ክወርዶም ቀሪቡ ዝነበረ ውርደትን ሕፍረትን ብሳልአን አማልድነታን ኵሉ ተቐይሩ። ብዓቢኡ ዝዐበየ መጀመርያ ተአምራት ወዳ ብሳላ ጸሎታ ጀሚሩ። ማርያም ከስ አብ ሕይወትና ለውጢ ክመጽእ ብፍላይ አብ ጽንኩር እዋን ክትረድአና ከም እትኽእል እዚ ትእምርትና እዩ። እዚ አብ ቤትና አብ ሕይወትና ንማርያም ምስ ወዳ ምስ ሓዋርያቱ አብ ጉዳይና ንዓድሞም ሽዑ ተሓድሶ ዕርቂ ሰላም ክመጽእ እዩ። ዓደምቲ ማርያም ንኹን።

ማርያም አብ ሕይወትኩም አብ ጸገማትኩም ራህዋ ቅሳነትን ሓጎስን ኮታ ኩሉ ክቕየረልኩም “ወደይ ዝበለኩም ግበሩ” ትብለና አላ። ሎሚ ኢየሱስ ካባይን ካባኹምን እንታይ ይደሊ? አነ ከም አነ ኢልና አብ ሕልናና ክንአቱ እሞ ሕይወትና ክንፍትሽ እዋኑ እዩ። ማርያም ምስ ወዳ አብ ሕይወትና ተአምራት ክገብሩ ንዓድሞም። አብ ሕይወትና ተአምራት ክግበር ነዚ ዝስዕብ ክንገብር ይግብአና።

  • ንኢየሱስን ማርያም ዓዲምካ ምኽአል የድሊ። ንዝኾነ ለውጢ አብ ሕይወትና ክፍጸም ክንልምን ክንሓትት አሎና። አምላኽ አብ አፍደገ ልብና ተአምራት ክገብር ይኵሕኵሕ አሎ ክንዕድሞ የድሊ። አብ ቤትና አብ ሓዳርና አብ ኩሉ ሕይወትና ንማርያምን ኢየሱስን ክንዕድም እንከሎና ተሓድሶ መንፈስ አባና አሎ። ንኢየሱስን ማርያምን ስዒብካ ምኽአል።
ሰብ ሎሚ ልዕሊ ኹሉ ከቢድዎ ዘሎ አድራሻ ከም ዝጠፍኦ ኮይኑ ከዕኖኑ እዩ ዝርአ ዘሎ። ሃብቲ ምቾት ምዕባሌ ኩሉ ንአምላኽ አረሲዑና ዕዉራት ገሩና አሎ። ንመን እየ ዝስዕብ ዘሎኹ ክንብል አሎና። ንሃብቲ ንጣዕሚ ዓለም. . . ንስዕብ ከይንህሉ ዓይንና ንኽፈት። መስቀልካ/ኪ ጸርኩም ስዓበኒ ኢሉና እዩ። ከይንደክም ከይንዝንግዕ አደ ሂቡና “እንሃ አደኹም” ኢሉና እዩ።

  • ኢየሱስ ዝበለና ክንገብር አሎና። እንታይ ይብለና አሎ? አርድእተይ እንተ ኾንኩም ነነድሕድኩም ተፋቐሩ ይብለና። ፍቕሪ ጠፊኡ ሰብ አብ ነነድሕዱ ተጨኻኺኑ አብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝነበር ውሑድ አይ ኮነን ስለዚ አብ መአዲ ፍቕሪ ክንምለስ ንሕተት አሎና። እዚ እዩ ድላይ ኢየሱስን ማርያም አደናን። ደቂ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ኮና ክነብር።
  • ደቂ ማርያም ምዃና ክንምስክር አሎና። አሰር ወላዲኡ ዝኸይድ ውሉድ ብዙሕ ጊዜ ዕዉት እዩ። ወለዲ አብ ደቆም ዘልኦም ፍቕሪ አምሳል እቲ አምላኽ አብ ደቂ ሰብ ዘልኦ ፍቕሪ እዩ። ማርያም መንፈሳዊት አደና እያ ስለዚ ክንሰምዓ ክንቀርባ ትደልየና። ውሉዱ ዝርሓቖ ወላዲ ክሳቐ እዩ ዝነብር ሎሚ ማርያም ደቃ ርሒቕናያ ትጉሂ አላ።
  • ከም ደቂ ማርያም ጸለይቲ ንኹን። ሓደ ካብቲ ፍሉይ መለለዪ አደና ትጽሊ ነይራ። አብ ቤተ መቕደስ አብ ጽርኃጽዮን አብ ኩሉ ንአምላኽ ዘኪራ ትጽሊ ነይራ። ደቂ ማርያም ሓደ ካብቲ መለለይና ጸሎት ክንፈቱን ክንገብር እንከሎና እዩ። መምህርና ኢየሱስ ወዳ ኩሉ ጊዜ ከየቋረጽኩም ጸልዩ ኢሉና። ሰላም ፍቕሪ ምሕረት ዝደሊ ክጸሊ ይግብኦ። ማርያም አደና ጸሎት ምሃርና ንበላ።
አብዚ ፍሉይ ዝኽሪ ብዓልና እምብአር ብፍሉይ መለለይና ዝኾነ ደቂ ማርያም ዘብል ግብርን እንመርሖ ሕይወት ንሰላምን ፍቕርን ዝመርሕ ገይርና ክንነብር መብጽዓና ክነሕድስ ንሕተት አሎና። እዚ ንብዙሓት ይኸብደና እዩ። እንተ ኾነ አምላኽ አሚንና ክንጽሊ እንተ ጀመርና ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ንዝለመድካዮ ክትቅይር ቀሊል ከም ዘይኮነ ኩልና ንፈልጦ ኢና። ንዝዓበየ ጸጋን በረኸትን ሰላምን ርኢኻ እንተ ዘይከአልካ ክትቅይር ከቢድ እዩ። እሞ ንቅድስና ሕይወተይ ክሰርሕን ክዕጠቕን ሓግዘኒ ኢልና ዕለት ዕለት አብ ቅድሚ ማርያም ተደፊእና ንለምን።

ዓመትና ፍረ ክህልዎ ኵሉ ክቕየረልና አብ አምላኽ ክንምለስ አሎና። ነብያት አብ ብሉይ ኪዳን ሎሚ ቤተ ክርስትያን፥ ተመለሱ ተንስሑ ንብሃል አሎና። ኃጢአት በዚሑ አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪቡ ምሕረት ዝሓትት ውሒዱ ምስ ኃጢአትና እንነብር ውሑዳት አይኮናን ስለዚ አሕዋተይ ሎሚ ከም ትማሊ አምላኽ አብ መአዲ ምሕረት ክንምለስ ይልምነና አሎ። አምላኽ አብ አፍደገ ኮይኑ ክንምለሶ እዚ ወደይ እዛ ጓለይ ይምለሰኒዶ ይኸውን እናበለ ክንምለሶ እታ ንመገዲ ጥፍአት ዝወሰደትና መገዲ ይጥምት አሎ። ሰይጣን ተዓዊትልና እንተሎ ልብና አለስሊስና ብኃጢአትና ተነሲሕና ብእከየ ብእከይ ወበ ዓቢ ብእከየ እናበልና አብኡ ንመለስ።

ኦ ኪዳነ ምህረት አደና ካብ ወድኺ ምሕረት ዕርቂ ሰላም ክወርድ ለምንልና ንበላ። አደ ምሕረት ኢኺ ተለመንልና ፍሉይ ጸጋ ክወርደና ከምቲ ንሓዋርያት አኪብኪ ጸሎት ዘስተምህርኪ ከምኡ

ብዓቢኡ መንፈስ ቅዱስ ክወርዶም ዘሰናዶኺ ንአና እውን ብኃጢአትና ተነሲሕና ፍሉይ ምሕረት ክወርደና ሓግዝና ንበላ።

ብሩኽ ዓወደ ዓመት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።