፮ይ ሰንበት ዘጽጌ
2 ኅዳር 2011 ዓ.ም. (11/11/2018)
መዝሙር፦ ጸገየ ውይን ወፈርየ ሮማን………………
ንባባት፡ ዕብ 9:24-28፥ 2ጴጥ 3፡1-8፥ ግ.ሓ. 3፡20-27፥ ማር 12፡38-44 ።
ምስባክ፡ ዓፀደ ወይን አፍለስከ እምግብጽ፤ ሰደድከ አሕዛበ ወተከልከ ክያሃ፤ወጼሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ።
“ካብ ግብጺ ወይኒ ጉንዲ አምጻእካ፤ ንአሕዛብ አባሪርካ ንአኣ ተኸልካ አብ ቅድሚአ መገዲ(ቦታ) ጸረግካ (አሰናዶኻ)። መዝ። 80፡8
መዝሙር፡ ክርስቶስ ሰንበት ሠርዓልና ብአኡ ሓቢርና ክንሕጎስ ዕረፍቲ ክትኮነና ሃበና፥ግራውቲ ወይኒ ዓምበቡ አታኽልቲ ፈረየ ሰለሙን እኳ ከም ሓደ ካብኦም አይለበሰን። መዓልቲ ሰንበት ምስ አምላኽ እን ራኸበላ ጸጋ እን ዕደለላ ዕለት ስለ ዝኾነት ክነኽብራ ይግባእ። ሰንበት አኽብሩ ጽድቂ ግበሩ ይብለና አምላኽ። ሰንበት ዘየኽብር ንአምላኽ አየኽብርን እዩ ስለዚ ብምዓልቲ ሰንበት ክንጽሊ ክንሳሕ አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ክንሳተፍ ይግብአና።
፮ይ ሰንበት ዘዘመነ ጽጌ መወዳእታ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ዝመጽእ ኃሙስ ዕለት 6 ኅዳር ብብዓለ ቍስቋም ክንዛዝሞ ኢና። ተራ ማርያም አብ ድኅነትና ምሳና ዘለዋ ምቅርራብ ከምኡ ካብ ሕይወታ እንምሃሮ እናአተንተና አሕልፊናዮ። ድሕነትና ብዘይ ተሳትፎ ማርያም አይተፈጸመን። ጸሎትና ተፈጸመ ተስፋ አበው በራይን ድንግል ወበ ቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል እናበልና አዕሪግና። ግን ዘመነ ጽጌ ዛዚምና ክንብል ከሎና ምስ ማርያም ምጽላይ አብቂዑ ማለት አይኮነ። ማርያም አብ እተዘከረትሉ ምስአ ወዳ አሎ ምኽንያቱ ዕብየት ማርያም አብቲ ካብ ወዳ እትረኽቦ ግንዖት ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ። ካብዚ ንድሓር ክንገብሮ ዘሎና ምኽሪ ማርያምን አብነታን አብ ልብና አሕዲርና ብፍሉይ አብ አምላኽ ክንቀርብ እምነትና አብኡ ገርና ክነብር ይግባአና።
አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ዝተፈላለየ ንእምነትና ዝፈታተን ከምኡ ከም ውሒዝ ንብዙሓት ዛሕሊ መንፈስን እምነትን ወሪስዎም ሰብ ዳርጋ ካብ አምላኽ ብዝያዳ ዝርሓቐሉ ኮይኑ ዝርአየሉ እዩ ዝመስል። እምነት አብ ክእለትናን ዓቕምናን ጥራሕ ገርና አነ ዝብል መንፈስ ወሪስና ከም ቀዳሞት ወለድና አብ ቤትና ስቓይ ስእነት ሰላምን ምርድዳእን ነእቱ አሎና። ገለ ኸአ ሓቂ ዝሓዙ መሲልዎም ንእምነት ክርስትና ከመ ናይ እትቶ መጋበሪ መሸቀጢ ገሮሞ ንብዙሓት ከምውሒዝ ይጠልፍዎም አለዉ። እዚ እውን ናይ ዘመና ፋሽን እዩ። እምነትካ እንተ ቐየርካ ሓቂ ከም ዝረኸብካያ ገርካ ምግማት ጌና አብ ዝገደደ ጸልማት አቲኻ ከምዘሎኻ ዘይምፍላጥ እዩ። ገለ ኸአ ንትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ቃል ንቓሉ ከም ዝደልይዎን ዝጥዕሞምን ተርጒሞም ዘይናቱ መልክዕ ዘልብሱ ናይ እዋና ናይ ሓሶት ነብያት እዮም። ነዚ አብነት ክኾነና ነዚ ዝስዕብ አብነት ንስማዕ።
ሓደ እዋን ሓደ ካህን አብ ሓደ ህዝቢ ዝዘናግዓሉ ቦታ ከይዶም እናተዛወሩ እንከለዉ ሓንቲ ጽቡቕ ክዳን ዝተኸድነት ግርማ ዘልአ ሰበይቲ ቅርብ ኢላ አባቴ አብ ዓደይ ክኸይድ ደልየ በጃኹም ቁሩብ ገንዘብ ሃቢኒ ኢላ ለመነቶም። ካህን ለቢሳቶ ዘላን እትሓቶን ኩሉ ገሪምዎም እንታይ ኢኺ ኮንኪ ተሰሪቕኪ ዲኺ ወይስ እንታይ ጸገመ ተጓኒፍኪ ኢሎም ሓቲቶማ። አብዚ ከተማ ዘምጽአ ንሓደ ፍሉይ ጎስጓስ ክትሳተፍ ዘበራትዕ መደብ ትምህርቲ ከም ዝመጽአት እሞ፥ እቲ ብናይ አምላኽ ሰብ ዝፍለጥ ዘሰንድዎም ዝነበረ ኩሉ ዘለዎም ገንዘብ ኩሉ ብምሉእ እምነት ንቤተ ክርስትያን ክምጽውቱ ሓቲትዎም በዚ ኸአ ምሉእ ጸጋ አምላኽ ከምዝረኽቡ ነጊርዎም። እዛ ሰበይቲ ኩሉ ዘለአ ገንዘብ ሂባ። ዘገርም እዩ ንመጎዓዓዚ ዝኾና ከየትረፈት ኩሉ ሂባ አብ ምልማን አትያ። ነዚአ ሰበይቲ ክንሕግዛ ይግባእ ድዩ ወይስ ብሓላፍነት ሕይወታ ስለ ዘይመርሐት ባዕላ ትፈልጥ ክንብላ ኢና? ብዝኾነ እዚአ ሰበይቲ ካብ ዘልአ ክትህብ ዝበለጸ እዩ ግን ኩሉ ዘልአ ሂባ አብ ልመና ክትአቱ ብዙሕ ዝድገፍ አይኮነን። ናይ ሎሚ ወንጌል (ማር 12፡38-44) ዘንበብናዮ ቃል ብቓሉ እያ አብ ግብሪ ተርጒማቶ። ኢየሱስ ነታ ድኻ መበለት ዝንአዳ ንኹሉ ዘልአ ብምሃባ አይኮነን አብ አምላኽ ምሉእ ተአማንነት ገራ ንኹሉ አብ ትሕቲኡ ብምሕዳጋ እዩ። ብዙሓት ንቅዱስ መጽሓፍ ቃል ንቓሉ ብምትርጓም ንብዙሓት አብ ጌጋ ዘውድቑ አለዉ። ቅ. መጽሓፍ መጀመርያ ቤተ ክርስትያን እያ እትትርጉመልና ከምኡ ናይ እዋኑ እብዘራርባን ባህልን ክንፈልጥ ጥቕሚ አልኦ። አምጽእ አቢላካ ቅ. መጽሃፍ ከምዚ እዩ ዝብል ኢልካ ንሰባት ቃል ንቃሉ ከተግብርዎ ምሕታት ጌጋይ እዩ። እዚአብ ሰበይቲ እዚ ጸገም እዩ ወሪድዋ።
አብ ወንጌል ዘንበብናዮ ናይ እዛ ድኻ መበለት ብብዙሕ መገዲ ክንርእዮ ንኽእል፥ ካብ ሕይወታን እምነታን አርባዕተ ነገራት ክንምሃር ንኽእል።
1. ድኻ ሓገዝ ዘድልያ እንከላ ነቲ ኩሉ ዘልአ ንኻልኦት አብ ምሕጋዝ ክውዕል ምጽዋት ሂባ። ንርእሳ ዝደኸየት ገራ አይርአየትን ስለዚ ንካልኦት ካብቲ ዘለአ ቍርብ ንኻልኦት ካብአ ዝገደዱ ክተካፍል ክትሕግዝ መጽዊታ።
ካብዚ እንምሃሮ ንኻባና ዝደኽዩ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ኩነታትና ወላ ዘየፍቅድ እንተ ኾነ ክንሕግዝ ከም ዝግብአና። ንርእሰይ ዝብል መንፈስ ካባና አርሒቕና ብሓቅን ምሉእ እምነትን ብዘይ ዝኾነ ካልእ ምኽንያት ብቅኑዕ መንፈስ ክንህብ ይግብአና።
2. ካብቲ ዘልአ ቁሩብ ንካልኦት ካብ ምሃብ ድሕር አይበለትን። እቲ እትህቦ ዘላ ውሑድ ከምዝኾነ ወላ ሓንቲ ለውጢ ከምዘየምጽእ ትፈልጥ ነራ። ሃብታማት ጥራሕ ክምጽውቱ ግን ሱቕ ኢላ ክትርኢ አይደለየትን። ካብዚ እንምሃሮ ኩሉ ጊዜ እንህቦ ወላ ውሑድ ይኹን ክንህብ ከምዘሎና ምፍላጥ። ከምቲ ንጣብ ማይ ተአኻኺቡ ባሕሪ ከም ዝፈጥር ከምኡ ውሑድ ምጽዋትና ዓቢ ሓገዝ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድኻየ ሓንቲ የብለይን
ኢልና ካብ ምሃብ ወይ ዘሎኒ ሒደት እዩ ኢልና ሱቕ ከይንብል። እታ ንእሽቶይ እንህባ ዓቢ በረኸት አልአ።
3. ነቲ አምላኽ አብ ሕይወታ ዝሃባ ርእያ ስለ ዝኸአለት ክተመስግን ክኢላ። እቲ ኩሉ ዘልአ ካብ አምላኽ ከም እተዋህበት ትፈልጥ ነራ በዚ ምኽንያት እያ ኸአ ወላ እኳ ዘልአ ዝወሓደ እንተ ኾነ ካብ ምምጽዋት ድሕር ወይ ሰጋእ ዘይበለት። ኩሉ እነመሓድሮን ዘሎና ንብረት ይኹን ካልእ ነገራት ህያባት አምላኽ እዩ፥ ንዘሎና ምስካልኦት ክንካፈል ከሎና ምስጋና ኢና ነቕርብ። እዚ ኸአ እዩ መሰረት ንካልኦት ምፍቓር ማለት ካልኦት አብቲ ዝተቐበልካዮ በረኸት አምላኽ ከምዝካፈሉ ምግባር።
አብ መጨረሻ እዚአ ድኻ መበልት ብዝልዓለ ደረጃን ብምልኡን አብ አምላኽ ዘልአ ተአምኖን ጽግዕተኝነት አርእያ። አምላኽ ጥራሕ ጸግዓ ገራ፥ አብቲ ዝነበራ ገንዘብ እምነት ስለ ዘይገበረት ክትህቦ ወላ ሓንቲ ውልውል አይገበረትን። አብ ሕይወትካ/ኪ ካባ ክትፈልዮ ዘይትደሊ ዳርጋ ማሪኹ ግዝኡ ሒዝኳ/ኪ ዘሎ ነገራት አሎካዶ/ሎኪዶ? ካብ እምነትካ ንላዕሊ ዋጋ እትህቦ ነገራት አሎዶ? ዋግኦም ጥቕሞምን ብዘየገድስ ንወትሩ ምሳኻ ክኾኑ እትደልዮም ነገራት አለዉኻዶ? እንታይ እዩ አብቲ ቀንዲ እምነትካ አብ እትገልጸሉ ጊዜ ክትህቦም ወይ ካብኦም ክትፍለ ዘጸግመካ ዘሎ? እዚ አብ ሕልና ነፍስወከፍ ክንሓስብ ዝሕግዘና እዩ። አምላኽን ንብረትን ፈላሊኻ
ምርአይ። አብዚ ምድራዊ ሕይወትና ግዙሓት ዘሎና ንብረትን ክእለትን አተሓሳስባን ከይንኸውን ምጥንቃቕ የድልየና። መንዩ አብ ልበይ ዝገዝእ ዘሎ ኢልና ንርእስና ክንሓትት እዋኑ እዩ።
አብ 1ዘነ 17፡10-16 ዘሎ እንተ ረአና ኤልያስ ነብይ ብአምላኽ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ክኸይድ እሞ አብኡ ምስ ሓንቲ ድኻ መበለት ክቕመጥ ተነጊርዎ። አብ መጀመርያ እታ መበለት ሓንቲ ከምዘይብላ እተን ዘለውአ ቁሩብ ሓርጭን ዘይትን ጥራሕ እምበር ድሕሪኡ ንሳን ወዳን ከምዝመቱ እያ ነጊራ እንተ ኾነ ኤልያስ ነብይ መንፈስ አምላኽ ገሊጽሉ ሓንትስ ንአይ መጀመርያ ሃብኒ እምበር ግብሪ አምላኽ ክትርእዪ ኢኻ ምስ በላ ህረያ ኢላ መጀመርያ ንእኡ ሂባቶ። ሽዑ እቲ ዘይትን ሓሪጭን ብተአምራት እቲ ጥመት ክሳብ ዝሓልፍ አይተወድአን።
እዚአ መበለት ንርእሳን ንወዳን መግቢ ክትሰርሕ ትደሊ ነራ እንተ ኾነ ኤልያስ ካብአ ብዝያዳ ዘድልዮ ምስ ረአየት ክትህቦ ሰጋእ አይበለትን። ነታ ናይ መጨረሻ ዝነበርአ ሓሪጭ ንርእሳን ወዳን ሓዲጋ ሂባቶ በዚ ናይ ገዛእ ርእሳ መስዋዕቲ ገራ በዚ ኸአ አምላኽ አኻዕቢቱ ሂብዋ። ንዓመት ምልኡ ብትአምራት ተሰሰየት።
ቤተ ክርስትያን ሎሚ ካብዚ ናይ ሎሚ ንባባትና ንኻልኦት ክንሕግዝ ናይ ገዛእ ርእስና መስዋዕቲ ክንገብር ከም ዝግብአና ተስተምህረና። አብ ቀዳመይቲ ንባብና ካብ ዕብ 9፡24-28 ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ እንኮን ዘለዓለማውን ሓደ ጊዜ ንሓዋሩን ተሰዊዑ።