ጻውዒት ኣኼባ ንወለዲ
ኣብዚ ሓዲሽ ዓመተ-ትምህርቲ ንተማሃሮን ወለድን ጽቡቕ ዕድል እናተመነና፣ መደባት ቤት ትምህርቲ ትግርኛ ብዝሓሸን ዝበለጸን ኣገባብ ዝካየደሉ መንገዲ ካብ ወለዲ ሓሳብን ርእይቶን ንምስማዕን፤ ሓሳብ ንሓሳብ ንምውዋጥን ምእንቲ ክከኣል፣ ንመስከረም (September) 30, 2017 ሰዓት 3:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ትምሀርቲ ቋንቋ ትግርኛ ክትርከቡልና ብኽብሪ ንዕድም።
ጽቡቕ ቅነ ንኩልኻትኩም
ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ