፩ ሰንበት ዘአስተርእዮ 13 ጥሪ 2010 ዓ.ም. (1/21/2018)

ንባባት፡ ዕብ 21-12 ፩ዮሓ 51-13 .. 1034-39 ዮሓ 21-14

ምስባክ፡ እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ
ወየኃውር እምኃይል 
ውስተ ኃይል
ወያስተርኢ አምላከ አማልክት በጽዮን።
መዝ. 846-7

ካብ ጥሪ 11-30 ዘሎ እዋን ዘአስተርእዮ ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ ኸአ ነቲ ኢየሱስ ድሕሪ ጥምቀቱ እናዞረ መለኮቱ ዝገለጸሉ፥ ዝገበሮ ተአምራታትን ትምህርትን፥ ንምግላጽ እዩ። አስተርአየ ተገልጸ ማለት እዩ ብቋንቋ ግሪኽ “ኤጲፋንያ” ይብሃል። አብዚ እዋን ዝተፈላለዩ መዛሙር ይዝመሩ “አንሰሰወ፥ አስተርእዮ፥ ተወልደ፥ ተጠምቀ፥ ከብካብ፥ ማይ፥ መርዓዊ” ዝብሉ ይርከብዎም።
ካብ ልደት ጀሚርና ክሳብ እዚ እዋን ዘሎናዮ አምላኽ ብዝተፈላለየ መገዲ ብኢየሱስ ገሩ ንርእሱ ከምዝገለጸ ንርኢ።
፩ይ ኢየሱስ ምስ ተወልደ ከም ሓደ ስደተኛን ድኻን ሰብ አብ መብልዕ ማል ክግለጽ እንከሎ አምላኽ ምስ ድኻታት ጽጉማትን እቶም ብሰብ ፍንፉናትን ኮይኖም ዝርአዩ ሓድነቱ ገሊጹ፥ እቶም መጀመርያ ብስራት ልደት ዝሰምዑ ጓሶት ድኻታት ብሕብረተሰብ ዝተሓቱ ዝርአዩ እዮም ነሮም። ንሳቶም ንአምላኾም አለልዮሞ ብምሉእ ልቦም ብሓጎስ አምሊኾሞ፥። እዚ ቀዳማይ ግልጸት ይብሃል።
፪ይ አምላኽ ንወጻእተኛታት አረመን ዝሕሰቡ ንዘይደቂ ዓዲ፥ ካልእ እምነት ዝኽተሉ ወይ እውን ሃይማኖት ዘይብሎም ካብ ርሑቕ ክፍሊ ዓለም ንዝመጹ ተገሊጹ። እዚ ነቶም ሰብአ ሰገል ዝኾነ ግልጸት እዩ፥ በዚ ኸአ አምላኽ ዘየፍቅሮ ሰብ ከምዘየሎ ገሊጹልና። ኩልና አብ ፍቕሪ አምላኽ ዕዱማት ኢና። አምላኽ ዘየፍቅሮ ሰብ የለን።
፫ይ ኢየሱስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ክጥመቕ እንከሎ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊኡ ክወርድ እንከሎ ምስተራእየ ሽዑ አምላኽ ተገሊጹ “እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ ስምዕዎ” ዝብል ተሰምዐ። ንኢየሱስ ምስማዕ ማለት ንአምላኽ ምስማዕ እዩ።
፬ይ አብ ወንጌል ዮሓንስ ከም እነንብቦ ኢየሱስ አብ ቃና ዘገሊላ አብ መርዓ ዝገብሮ መጀመርያ ተአምራት መን ምኻኑ ገሊጹ ይብለና።
አብ ዘመን አስተርእዮ እንዕዘቦ አምላኽ ከም ዝግለጽ እዚ ግልጸት ግና ቀስ ብቐስ ከምዝተፈጸመ ክንርእዮ ክንቅበሎ ዝሕግዘና ተግባር ከምዝኾነ ንርኢ። ሎሚ እውን ይግለጽ እዩ ምርአይ ምእማን የድሊ። አብ መንጎና ዓበይቲ ተአምራታት ይገብር አሎ ስለዚ ርኢና ንኽአል።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል አተኲርና እንተ ረአና ኢየሱስን ማርያም አዲኡን ሓዋርያቱን አብ መርዓ ናይ ሓደ ዘመድ/ዓርኮም ከምዝተዓደሙ ይነግረና (ገለ እቲ መርዓ ናይ ስምኦን ብዓል ቃና ሓደ ካብቶም 12 እዩ ነሩ ዝብሉ አለዉ ሓቅነቱ ግን መረጋገጺ የብሉን)። ሰብ መርዓ ዕዉታት እዮም ንኢየሱስ ምሰዲኡ ዝዓደምዎ፥ አምላኽ አብ ቃልኪዳንካ፥ አብ ክህነትካ፥ አብ መብጽዓኻ ምሳኻ ክውዕል እንከሎ ዝጎድል የልን በዚ እዩ አብ ኩሉ ሕይወትና ንኢየሱስን አዲኡን ክንዕድም እንከሎና አብ ሕይወትና አብ ተግባርና ልዕሊ ኹሉ ከአ አብ ጽንኩር እዋን ዓቢ ለውጥን ዘሕጉስ ነገር ክመጽአና ዝኽእል።
አብዚ ወንጌል ብዙሕ ክንርእዮ ወይ ክንፈልጦ ዘሎና ምልክታት ወይ ነገራት እዩ ዝጥቀስ። ዮሓንስ ወንጌላዊ ድሕሪ መባእታ/መቕድም ምሃብ አብ ወንጌሉ እዚ ተአምራት ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሸውዓተ መዓልቲ ከምዝተፈጸመ እዩ ዝነግር። አብ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚአብሔር ዓለም ምስ ፈጠረ ሕይወት ምስሃበ ሽድሽተ መዓልቲ ሰሪሑ አብ ሻብዓይ መዓልቲ ግን አዕሪፉ። አብ ወንጌል ዮሓንስ ብሸውዓተ መዓልቲ ጊዜ ይኸፍት እዚ ኸአ ነቲ ሓዲስ ተፈጥሮ እዩ ዝውክል እዚ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበ ሓዲስ ሕይወት እዩ ዘምልከት። አብ ሳልሳይ መዓልቲ ዝብል ነቲ ኢየሱስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ዝለበሶ ሓዲስ ሕይወት እዩ ዘመልክት፥ እዚ ኸአ ኵላትና ክንሳተፈ ዝግብአና ሓዲስ ሕይወት እዩ።
አብ ቅዱስ መጽሓፍ ክልተ መርዓ ይጥቀስ። ሓደ እዚ አብ ወንጌል ዮሓንስ እንረኽቦ እዩ። ዓቢ አገዳስነት ዘለዎ መርዓ እዩ ምኽንያቱ መጀመርያ ተአምራት ዝገበረሉ አምላኽነቱ ዝገለጸሉ ስለ ዝኾነ። እቲ ካልአይ ከአ “መርዓ ናይ እቲ ገንሸል” እቲ አብ “ጸሎተ ሓሙስ” ዝተፈጸመ እዩ። እቲ መጀመርያ መርዓ ንወንጌል ዮሓንስ ይጅመሮ እቲ ካልአይ ይዛዝሞ። እዚ ክልተ መርዓ ብሓባር ክንርእዮ ከሎና ነቲ አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዓል ናዝሬት፥ እቲ ቅቡእ አባና ነቲ መንፈስ አምላኽ ከመሓላልፍ ዝመጽአ ዝገልጽ እዩ።
እንጌራ፥ ማይ፥ መርዓ አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ፍሉጣት ነገራት እዮም። አብ ሕይወትና አብ ዓለምና ዓቢ ትርጉም አልኦም። አምላኽ አብ ልብናን አብ ነፍሳትናን ክአቱ ከም መጋበር ክጥቀመሎም እንከሎ ብሃንደበት ዝኾነ ነገር አይኮነን። አምላኽ በቲ አብ መዓልታዊ ሕይወትና እንጥቀመሉ ገሩ ነቲ ልዕሊ ባህርና ዝኾነ ነገራት ይገልጸልና። አብ ኩሎም ምስጢራት በቲ ግዙፍ ነገራት ነቲ ዝዓበየ ጸጋ ይዕድሉና። እቲ ግዙፍ ነገራት ነቲ ውሽጣዊ መንፈስ አምላኽ ከምእንቕበል ይገብሩና። ጥምቀት ምስ ተወለድና ንቕበሎ፥ ሜሮን ነቲ ብጥምቀት ዝተቐበልናዮ ከም ማሕተም አብ ሕይወትና ሓቲሙ ብመንፈስ
እኹላት አባላት ክርስቶስ ይገብረና፥ ንርእስና ህያብ ክንከውን ምስ ካልኦት ክንሓብር አብ ቅ. ቍርባን ንረኽቦ። ሕድገት ኃጢአት ዓቢ ክፍሊ ሕይወትና እዩ፥ አምላኽ ብሕድገት አባና ይመጽእ ንሕና ንኻልኦት ክንሓድገሎም ምሒርና ምእንቲ ክንክእል ምስጢረ ንስሓ ተሰሪዑልና። ንርእስና ምእንቲ ካልኦት ክነወፊ አብ ክህነትን አብ ቃል ኪዳንን ንቕበሎ። መጽሓፈ ቀንዲል አብ ጊዜ ሕማምናን ስቓይናን ህላዌ አምላኽ ምሳና ከም ዘሎ ይገልጸልና።

ንኢየሱስ ዓዲምካ ምኽኣል፡

ሰብ ቃና ዘገሊላ ንኢየሱስን አዲኡን አርድእቱን ዓዲሞም፥ ዕዱማት ዕድሚኦም አኽቢሮም መጺኦም። ሓደ ሰብ ክዕድም እንከሎ ነቲ ዝዕድሞ ስለ ዘኽብሮ ዘፍቅሮ አብቲ ሓጎሱ ክካፈል ከምኡ ምስኡ ክሕጎስ እዩ፥ ምዕዳም ከስ ፍቕሪ እዩ መሰረቱ ፍቕሪ እንተሎ ኩሉ አሎ፥ ዘይነፍቅሮ አይንዕድሞን ኢና ወይ ከአ ምስኡ ሌላ ዘይብልና ዘይንፈልጦ ዳርጋ አይንዕድሞን ኢና። እዞም ሰብ ቃና ንኢየሱስ ይፈልጥዎ ነሮም ምሰዲኡ ምስ ሓዋርያቱ እዮም ዓዲሞሞ ግሩም መርዓ እዩ ነሩ እንተ ኾነ አብ መንጎ ዘሕፍር ገጢሙ “ወይኒ/ስዋ” ተወዲኡ ናይ ብሓቂ ከቢድ ነገር እዩ፥ ዮሓንስ ወንጌላዊ ነዚ ጸገም አቐዲማ ዝረአየት ማርያም እያ፥ ወዳ መን ምዃኑ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት አብኡ እያ ከይዳ። ወደይ ዓደምትና ይካፍኡ አለዉ ርዳእ ንስኻ ጥራሕ ኢኻ ነዚ ጸገም ክተርሁ እትኽእል ኢላ ለሚናቶ። አብዚ እንርእዮ ማርያም ከም አደ ኢየሱስ ጥራሕ ዘይኮነ ከም አደ ቤተ ክርስትያን እውን ክትከውን ንርእያ፥ ጸገም ካልኦት ተለሊ ሽዑ ናብቲ ከአል ኩሉ ዝኾና ወዳ ከይዳ ትልምን፥ እዚ እዩ ሓደ ካብቲ ብማርያም አቢልና አብ አምላኽ ክንከይድ ዝበለጸን ዝቐለልን ኢልና እንአምን።

ኢየሱስ ልመና ኣዲኡ ይሰምዕ፡

ኢየሱስ ልመና አዲኡ ወላ እኳ ግዜይ አይበጽሐን እንተ በላ ዝለመነቶ ገርዎ። ማርያም ልመንአ ከም ዝሰማዕ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ነቶም ኣሳሰይቲ ዝበለኩም ግበሩ ኢላቶም አብኡ ሽድሽተ አጋንእ ነበረ ይበል እዘን ሽድሽተ አጋንእ ከም ባህሊ አይሁድ ናይ ምንጻሕ ስርዓት ዝፍጹሙለን እየን ቅዲሚ ምምጋብን ድሕሪ ምምጋብን ዝነጽሑለን እየን። አብዚ ታሪኽ እዘን ሽድሽተ አጋንእ ንሕግን ሃይማኖታዊ ስርዓትን ብያኔ አብ ዕብራውያን እዩ ዝውክል። ሽድሽተ ካብቲ ምሉእ ቍጽሪ ሸውዓት ጎደሎ እየን። ሽዑ ነተን አጋንእ ማይ ምልእወን ኢሉ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ለወጠሎም በዚ መን ምዃኑ ገለጸ ይብለና። ኢየሱስ ንማይ ናብ ወይኒ ክልውጥ እንከሎ አምሳል ሓዲስ ኪዳን እዩ፥ ሓዲስ ሕይወት ሓዲስ መገዲ ኢየሱስ እዩ ዘመልክት። ነቲ ስርዓተ ማይ ናይ ብሉይ ኪዳን ይትክኦ። እተን አጋንእ ነፍስወከፈን ካብ 20 ክሳብ 30 ጋሎን ዝሓዛ እየን ነርን ብሓበራ ክንርእዮ ከሎና 120-180 ጋሎን ወይኒ ሒዘን ነረን ማለት እዩ። እዚ ዘመልክቶ ናይ አምላኽ ሓልዮትን ፍቕርን ከምኡ አብ ሕይወትና ክንረኽቦ ዝደልዮ እዩ ዘርኢ። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ሓዲስ ሕይወት እሞ ብምልኡ ክንረክብ እዩ ዝደልየና።

እዚ ኹሉ አብ መዓልቲ መርዓ እዩ ተፈጺሙ። አብ መርዓ ከምኡ አብ ብዙሕ ውራያት ብሓንሳብ ኮፍ ኢልና ንምገብ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ አምላኽ ዘሎና ሕይወት ምስ ኢየሱስ ዘሎና ብአምሳል መአዲ ይግለጽ። እዚ እዋን ናይ ምንጻግ ጊዜ ወይ ጊዜ መስዋዕቲ አይኮነን ናይ ብሓንሳብ ምሕጓስ እዩ። አርድእቲ መርዓዊ ምስኦም እንከሎ ከመይ ኢሎም ይጾሙ።

ናይ ቃና መርዓ እምብአር ነቲ ሰንበት ሰንበት አብ መአድ መስዋዕቲ ቅዳሴ ብሓባር ከቢብና ካብ ሥጋኡን ደሙን ክንበልዕ እንከሎና እንፍጽሞ እዩ ዘዘኻኽረና። መስዋዕተ ቅዳሴ ክነዕርግ እንከሎና ብዓል ኢና እንገብር ዘሎና። ሓደ ቅዳሴ ነዊሕኒ ወይ ምስአስ እዩ ዝውዳእ ኢሉ ክሓስብ እንተጀመረ ገለ ጸገም ገሩ አሎ ማለት እዩ። ቅዳሴ ከም ግብኡ ክንፍጽም ወይ ከአ ከም መስዋዕቲ እነቕርብ ጥራሕ ገርና ክንርእዮ ከሎና ትርጉሙ ንህቦ የለናን ወይ አይተረድአናና ማለት እዩ። መስዋዕቲ ቅዳሴ ከነዕርግ እንከሎና ካብ ኩሉ ፍሉይ ዝገብሮ ነቲ አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ኩሉ ዝገበረልና ብሕይወቱ፥ ብትምህርቱ፥ ብመስዋዕቱ፥ ሞቱን ትንሣኤኡን፥ ኩሉ እቲ አምላክ አባና ዘርአዮ ፍቕሪ ኢና እነብዕል።

ቅ. ጳውሎስ አብ 1ቆሮ 12፡4-11 ዘሎ እንተ አንበብና ነቲ ኩሉ አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ዝሃበና ዝተፈላለየ ህያባት ክንዝክር ይነግረና። ዝተወሃብናዮ ህያባት ንርእስና ጥራሕ ክንጥቀመሉ አይኮነን ተዋሂቡና። እዚ ህያባት መጋበሪ ክእለት ነታ ዝዓበየት ማሕበር ክነገልግል በቲ ተዋሂቡና ዘሎ ልዕሊ ኩሉ አብ ፍቕሪ፥ ፍትሒ፥ ነጻነትን ሰላም ዝተሃንጸ ሕብረተሰብ ክንፈጥር ተራና ክንጻወት የድሊ። ሃነጽቲ ማሕበር ነፍስወከፍና ኢና።

አብዚ እዋን ብዙሕ ክነብዕሎ ዝግብአና አሎ። ብዙሓት አብ ሕይወተና ከምሰብ ዝሓገዙና ዝሃነጹና በቲ ዝተዋህቦም ህያባት ጽቡቕ ዝገበሩልና ክንዝክር ይግብአና። አብጽንኩር እዋን ክእለቶም ዓቕሞም ዘበርከቱ ክንዝክሮም ይግባእ። መጠን ነፍሲወከፍና ነቲ እንገብሮ ክንርኢ እንተ ኸኣልና መጠኑ ነቲ አብ መስዋዕተ ቅዳሴ አብ ምብዓል እንገብሮ ወሳኒተራ አልኦ። ምናልባት ቅዳሴታትና ብዙሕ ዘደንቕ ዘሕጉስ አይከውንን ይኸውን ምኽንያቱ ብሓቂ ክንርእዮ እንተ ኾና ነቲ ዝተዋህበና ህያባት ከምቲ ዝደለ አብ ነነድሕድና አይንጥቐመሉን አሎና ማለት እዩ። ስለዚ ነፍስወከፍና ርኢና ክንክእል አሎና ማለት እዩ።

ተኣምራት ቃና ዘገሊላ ነዚ ዝስዕብ ክነስተንትን ይሕግዘና፡

ክንባረኽ ክንሕጎስ ንኢየሱስ ዓዲምና ክንክእል አሎና፥ ኢየሱስ አብዘሎናዮ መጺኡ ክቕይረና ክሕድሰና ኩሉ ጊዜ ፍቓዱ እዩ። ንሱ ባዕሉ “አነ ዝመጻእኩ ንስኻትኩም ሕይወት ክህልወኩም እዩ ሕይወት ብምልኡ” ኢሉና። ንኢየሱስ ምዕዳም ነጻነት ሓጎስ ምስትምቓር እዩ፥ ሓዲስ ሕይወት ምልባስ እዩ፥ ሓዲስ ሰላም፥ ሓዲስ ርክብ ምስ ሰባት ምርካብ እዩ።
ማርያም አማላዲትና እያ፥ አብቲ መርዓ ብዙሓት ዓበይቲ ዓድን ፈተውትን ነሮም እዮም እንተኾነ ከም ማርያም ገሩ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ የለን። ንወዳ መጀምርያ ተአምራቱ ከምዝገብር ገራቶ፥ ንሱኸአ ሰሚዕዋ። ማርያም ክትልምነልና እንከላ ድላይና ክንረክብ ንኽእል። ንማርያም መንጎኛ ክንገብራ እንከሎና ሓዲስ ለውጢ ተአምራት ይኸውን። ንኢየሱስ ብማርያም ንለምኖ።
ኢየሱስ ዝበሎ ምግባር፡ ምልማን ጥራሕ ወይ እውን ተአምራት ክገብረልና ጥራሕ አይኮናን ክንጽበ ዘሎና ንሱ ዝደልዮን ዝበሎን ክንገብር አሎና። ሎሚ አምላኽ እንታይ ክገብር ይደልየኒ ኢልና ንሕልናና ጽን ክንብል እንተ ኸአልና ክንፈልጦ ኢና። ምናልባት ንሰባት እቕረ ክንብል፥ ወይ ክንምሕር ክንዕረቕ፥ ንሕማቕ አመል እንተሎና ክንሓድግ፥ ብሓጺሩ ካብ አምላኽ ዓጊቱና ንዘሎ አለሊና ክንቅይር የድልየና አሎ ሽዑ አባና ተአምራት ክፍጸም እዩ። ማርያም ሎሚ እውን ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና አላ።
አምላኽ ንዝገበረልና ርኢና እንተ ኸአልና ክንአምን ጸገም የብልናን። ሰብ መርዓ ከምኡ ሓዋርያት ነቲ ዝኾነ ክርእዩ ስለ ዝኽአሉ አመኑ። አብ ሕይወትና ብዙሕ ተአምራታት ተገሩ እዩ ግን ብዙሓት አይንርእዮን ወይ እውን ንግዚኡ ተሓጒስና ንርስዖ ስለዚ ነቲ አምላኽ አብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝገበርልና ርኢና አብኡ ንእመን።
ሓዋርያት ነዚ ማይ አብ ወይኒ ዝለወጦ ተአምራት ምስ ረአዩ አሚኖም ይብል ወንጌል እዚ ኸአ መጀምርያ ምእማን እዩ። ስለምንታይ አሚኖም እንተ በልና አብቲ መርዓ ናይ አምላኽ ዝልውጥ ዝቅይር ፍቕሪ ክረኽቡ ክኢሎም። ናይ ፍቕሪ ቀያሪ ሓይሊ ንዝኾነ ነገርን ንዝኾነ ኩነትን ክቕይር ይኽእል እዩ። ንፍቕሪ መልሲ ክንህብ እንተ ጀመርና እሞ አብ ልብና ክአቱ እንተ አፍቀድና ዝተሓደሱ ዝተለወጡ ሰባት ኢና እንኸውን። አብ ዓለም ፍቕሪ አምላኽ ክንርሕርሕ እንተ አፍቅድናሉ እዛ እንነብረላ ዓለም መተቐየረት፥ መተሓደሰት።
ቀዳማይ ውጽኢት ፍቕሪ ካብቲ ዝነበርካዮ ሓዲስ ምዃን ምቕያር እዩ። ፍቕሪ አምላኽ እንተ ሎና ክንቅየር ግድነት እዩ። አብ ፍቕሪ አምላኽ ዝአቶ ሰብ ሓዲስ ሰብ ስለ ዝኸውን ሕይወቱ ታቦት አምላኽ እዩ ዝብሃል። አብ ሕይወትና ክንቅየር እንተ ደሊና ዕለት ዕለት ፍቕሩ ክነስተማቕር አብኡ ክነብር አሎና።
አምላኽ ስለ ዘፍቀረና ከማና ኮይኑ አብቲ ናትና ባህሪ አትዩ ከምኡ ንሕና ክነፍቅሮ ፍቓደኛታት እንተ ኾና ክንቅየር ግድን እዩ። ክንቅይር ዘይንደሊ ግን ነፍቅሮ ኢና ንብል እንተ ኾና ንአምላኽ ነፍቅሮ የለናን ማለት ኢና ስለዚ ክንቅየር ፍቓደኛታት ንኹን። ንማይ አብ ወይኒ ዝለወጠ አምላኽ ሎሚ ንነፍስወከፍና ክልውጠና ይደሊ አሎ እሽታናን ድለትናን ጥራሕ ንግለጸሉ።
ኦ ማርያም አደና ንሰብ ቃና ነቲ ጽንኩር ዘሕፍር ነገር አብ መርዕኦም ዝገጠሞም እሞ ዝፈታሕክሎም አብ ሕይወትና ከቢድና ንዘሎ ዘይክአል ኮይኑ ጸልማት ከዲኑና ዘሎ ክንቅይር ንወዲኺ ለምንልና። ብግልናን ብሓባርን ንድላይ ወድኺ ክንሰምዕ አብ ሕይወትና ፍቕሪ አምላኽ ክግለጽ አብ ጎንና ኮንኪ ምርሕና ሓግዝና። ንማይ አብ ወይኒ ዝቐየረ ወድኺ ሎሚ እውን ሕይወትና ክንቅይር ሓደስቲ ፍጥረት ኮና እሙናት አርድእቱ ክንከውን ክሕግዘና ለምንልና ንበላ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ