ሰንበት ዘብርሃን

ታሕሣሥ 14 2011 .. (12/23/2018)

ክንንሳሕ ፣ ብርሃን ሕልና የድልየና

ንባባት፡ ፊሊ 4፡4-7፥
1ዮሓ 2፡1-15፥ ግ.ሓ.7፡23-35፥
ሉቃስ 3፡10-18።
ስብከት፡ ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ፥
እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ
መቅደስከ፥ ወውስተ አብያቲኪ እግዚኦ።
“ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ ንሳተን ይምርሓኒ፥ ናብ ጽዮን ናብታ ቅድስት እምባኻን ናብታ ማኅደሪኻ ዝኾነት ቤት መቕደስን የብጽሓኒ” መዝ. 43፡3-4
ብርሃን አምላኽ አብ መገዱ አብ ቤተ መቕደሱ ከብጽሓና ንልምን። አብ አምላኽ ገጹ ዝወስድ መገዲ ክንሕዝ ከሎና አብ መገድና ብርሃን አሎ ከይንዕንቀፍን ከምኡ መገዲ ከይጠፍአና ንሱ ብጸጋኡን ብርሃኑን ምሳና አሎ። ብርሃና አብሪህና አብ ምንጪ ብርሃን አምላኽ ገጽና ክንጉዓዝ ዝሕግዘና ስብከት።

ብርሃን ዝጎደሎ መዓልትን ሕይወትን ከቢድ እዩ፥

ብርሃን ዝጎደሎ መዓልትን ሕይወትን ከቢድ እዩ፥ ምኽንያቱ ብርሃን ንኹሉ ክንርኢ ይሕግዘና ጽቡቕን ክፉእን ክንርኢ እንከሎና እንገብሮ ክንመርጽ ንኽእል። አብ ጸልማት ምርጫ የለን ምትእምማን የለን ከምኡ ጸልማት እትገብሮ አይትፈልጥ ዝመጽአካ አይትፈልጥ ስቓይ እዩ በዚ እዩ ኢየሱስ አነ ብርሃን ዓለም እየ ዝብለና፥ አብኡ ክንቀርብ ከሎና አብ ሕልናና አብ ልብና ብርሃን አሎ ሽዑ ንሓቂ ንሰላም ክንፈልጥ ንኽእል። ብርሃን ዓለም ንዝኾነ ክርስቶስ ክንቅበል ኢና እንሰናዶ ዘሎና እሞ ምሉእ ምቅርራብ ክንገብር ስንድዋት ንኹን።
አምላኽ ተኻፈልቲ ብርሃን ጸግኡ ክንከውን ኢሉ አብ ቀዳሞት ዘመናት ብነብያት ተዛሪቡና፥ ግዚኡ ምስ በጽሐ ክርስቶስ ባዕሉ ከማና ኮይኑ ቀሪቡና መንገዲ ሰማይ ሓቢሩናን አስተምሂሩናን ስዓቡኒ እናበለ ኸአ ተላብዩና፥ ሎሚ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ይዛረበና አሎ። ብርሃን አምላኽ ብሃረርታ ጥራሕ አይርአይን እዩ። ከምቲ ክርስቶስ ዝብለና ብርሃን ዓለም ክንከውን ይግባእ።

ክንቅይር ግን ደቂ ብርሃን ክንከውን አሎና፥

አብዚ ንብዓለ ለደት አብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ብዙሕ ነገራት ክንቅይሮ ዝግብአና አሎና። ክንቅይር ግን ደቂ ብርሃን ክንከውን አሎና፥ አብ ብርሃን ክርስቶስ እንመላለስ ዕለት ዕለት ሕልናናን ጉዕዞናን እንፈልጥ ክንከውን አሎና። ሓደ ካብቲ ብዝያዳ እንምነዮ ሰላም ብግልናን ብሓባርን ክንረክብ እዩ። ሰላም አብ መንጎ ሃገራትን ዓለታትን፥ ሰላም አብ ዓድን አብ መንጎ አሕዋትን ስድራቤታትን፥ ሰላም አብ መንጎ ሃይማኖታት ከይተረፈ ተሳኢኑ። ሰብ ሰላም ርሒቕዎ ንጥልመትን፥ ንክሕደት ንስርቂ ንሓሶት ኮታስ ንኽፍአት ምስ ዘመኑ ዝኸይድ ስም እናአውጽአ ናተይ ኢሉ ዝሓዘ እዩ ዝመስል ዘሎ።
አብ ገዛእ ህዝብናን ወገናን ዘሎ እንተ ረአና ብዙሓ ጸገም አሎና፥ ስደት በዚሑ መንእሰይ ዓዲ ሓዲጉ ዓቕሚ ዝሰአነን ዘይተማህረን ጥራሕ እዩ ዝተርፍ ዘሎ መጻኢ ኵነት ሃገርና የሰክፈና አሎ ሎሚኸ እንታይ ኢና ክንከውን ንብል አሎና። ባህልን እምነትን ዳርጋ ከም ፋሽን ወግሐ ጸብሔ ክቕይር ንርእዮ አሎና። ሃይማኖት ምቕያር ቀሊል ኮይኑ እዚ ንርእሱ ንብዙሓት ስድራታት ሃዊኽወን ይርከብ። ዓለም ሎሚ ዝተፈላለየ ጸገማት ዝበዝሓ እያ ኮይና ዘላ።
መንግስቲ አምላኽ ክመጽእ እንተ ኾይኑ ከመይ ኢሉ እዩ ሕይወት ውልቂ ሰብ ከቐልጥፎ ወይ ከደንጉዮ ዝኽእል?
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዮሓንስ መጥምቅ መጨረሻ ነብይ ብሉይ ኪዳን ግን ዝዓበየ ንምጽአት ጎይታ ክቀራረቡ አብ ዝነግረሉ ዝነበረ እዋን ሰላም ምስ አምላኽን ሰብን ክርከብ ቀንዲ ነገር ክግበር ዘለዎ ኢሉ ዘቕርቦ ሃገራዊ ንስሓ ክገብሩ፥ ብኃጢአቶም ክንስሑ ክምለሱ፥ ግላዊ ጉዕዞ ሕይወቶም ክቕይሩ ዓው ኢሉ ይዛረብ ነሩ። ሰማዕቱ ምናልባት ከመይ ኢሉ ግላዊ ሕይወቶም ምስቲ ሃገራዊ ኵነታት ይዛመድ እናበሉ ይግረሙ ነሮም ይኾኑ እዮም።

መንግስቲ አምላኽ ክመጽእ እንተ ኾይኑ ከመይ ኢሉ እዩ ሕይወት ውልቂ ሰብ ከቐልጥፎ ወይ ከደንጉዮ ዝኽእል?

ኩሎም ህዝቢ አይሁድ ክንስሑን ክቕይሩን እንተ ኾይኖም ክሳብ ክንደይ እዩ ሕይወት ሓደ ውልቀሰብ ዘምጽኦ ወይ ዘስዖቦ ሳዕበን አብ ምምጻእ ለውጢ? እንታይ ክንገብር አሎና ዝብል እዩ እቲ ቀንዲ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሕቶ። ናይ ሎሚ ሕቶና እውን ከምኡ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ ማለት ሕይወትና ክቕየር፥ ዓድና ሰላም ክወርዶ፥ መንእሰይና ክረግእ፥ መንግስትና ክጥዒ እንታይ ንግበር ዝብል እዋናዊ ሕቶ ክንምልስ አሎና። መልሲ አምላኽ ንሕቶና “ኵሉ ካባኹም እዩ” ዝብል እዩ። ሰብ ክረግእ ሃገር ክቕየር እንተ ኾነ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ካብ ክፍአት ኃጢአት ወጺኡ አብ መአዲ ጽድቅን ሓቅን ክምለስ አለዎ።
አብ ጊዜ ዮሓንስ ዝነበሩ ልክዕ ከማና ብዙሓት ድኽነትን ስእነት ዓጸቦ ዝኸብዶም ዝነበሩ እዮም፥ ካብቲ ዝነበሮም ኵነታት ክቕይሩ ዝሕተትዎ ነርዎም። ዮሓንስ ካብቲ ዘለዎም ክማቐሉ ይነግሮም ነሩ። ክልተ ክዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይምቀሎ። እቶም ዝያዳ ዘልኦም ምስቶም ሓንቲ ዘይብሎም ይማቐሉ። እዚ ነቲ ሃገራዊ ጸገማቶም ክፈትሖ ይክእልዶ እሞ? ብርግጽ እወ ብዙሓት ኩነታት ሕይወቶም እንተ ቐይሮም ዘይክአል የለን። ግላዊ ጸዕሪ ሓበራዊ ለውጢ ከምጽእ ቀሊል አይኮነን ግን ኩሎም ውልቀሰባት ብሓባር ናይ ምቕያር ስጉምቲ እንተ ወሲዶም ዓቢ ለውጢ ከምጽኡ ይክአል እዩ።

ፖሎቲካዊ ብልሽውና?

አብ ታሪክ ሃገራት እንተ ረኣና ብዙሓት አብ ስልጣን ዝርከቡ ብህዝቢ ንዝተዋህቦም ሓልፍነት ስልጣን ተጠቒሞም አብ ብልሽውናን ግፍዕን ወሪዶም ንህዝቦም ዘዋርዱን ዝጭቁኑን ብዙሓት እዮም። በዚ እዩ ዮሓንስ መጥምቕ ነገራት ክዕረ ሓባራዊ ምጽራይ ገዛ የድሊ እናበለ ኵሉ አብ መአዲ ንስሓ ክአቱ ዝነግር ዝነበረ። ንሕና እውን ከም ታሪኽ ዝነግሮ ነፍሲ ወከፍና ክንምለስ የድሊ አሎ። አብ ስልጣን መንግስትን አብ አገልግሎት ህዝብን ዘለዉ አብ መሉእ ዓለም እንተ ረአና ምንጪ ብልሽውናን ግፍዕን እዮም። ነቲ ንህዝብን ንሃገርን ከመሓድሩን ክመርሑን ዝተዋህቦም ስልጣን አብ ግላዊ ጥቕሞም አውዒሎም ንህዝቢ ሓመድ ድፋጭኡ ዘስሕንዎ ውሑዳት አይኮኑን። አብዚ ግለሰባት እንተ ዘይቀየሩ ሓንቲ ለውጢ ከምጽእ አይኮነን። ውልቀ ሰባት ካብ ሱቕ ኢሎም አደዳ ግፍዒ ዝኾኑ ገለ ክገብሩ ይግባእ። ዮሃንስ ወላ ሓደ መንግስታዊ መራሒ ለውጢ እንተ ገበረ ብቅንዕና እንተ መርሐ ዓቢ ለውጢ ክመጽእ ይክእል እዩ፥ ስለዚ ተነስሑ ይብል።

ለውጢ ሃገር ወይ እውን ህዝቢ ልወጢ ብመራሕቲ!

ለውጢ ሃገር ወይ እውን ህዝቢ ልወጢ ብመራሕቲ ጥራሕ ወይ እውን ብገለ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ለውጥን ተሓድሶን ብኩሉ ከመጽእ አለዎ። ከም ሰባት መጠን ነፍሲ ወከፍና አብ ዘመና ዘሎ ኃጢአት ብመጠኑ ንሕተተሉ ኢና። ነቶም አብ መሪሕነት ዘለዉ ጥራሕ ምውንጃል ንርእስኻ ግፍዒ ከም ዝወረደካ ጥራሕ ገርካ ንጹሕ ገርካ ምቕራብ እቲ ዝድለ ለውጢ ክነምጽእ አይንኽእልን ኢና። ሎሚ ዝድለ ዘሎ ነፍሲ ወከፍና ደቂ አምላኽ ኮና እቲ አምላኽ ዝደልዮ ሕይወት ክንለብስ ሓባራዊ ወፈራ የድሊ አሎ።
ስለዚ አብ ግብሪ ንስሓ ክንብል እንከሎና እንታይ እዩ ዘስምዕ። ምኽሪ ቅ. ዮሓንስ ቀሊልን ንጹርን አብ ፍቕሪ ብቅንዕናን ንበሩ፥ ካብ ዘሎካ ምስቶም ዘይብሎም ተኻፈል፥ ምስ ካልኦት አብ ዘሎካ ርክብ አብ ኩሉ ስራሕካን መነባብሮኻን ብቅንዕና ንበር ይብል። ቀጺሉ “ካባይ ዝብርትዕ አነ ስራኽ አሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ አሎ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከጥመቐኩም እዩ” ይብለና።
ቅ. ዮሃንስ ንንስሓ ዝሰብኽ አብ በረኻ ዝጭርሕ ዝነበረ እዩ። ንሱ ንሰባት አብ ኢየሱስ ክቐርቡ ክንስሑ ዝሕግዝ ዝነበረ ዓቢ ነብይ ንሓቂ ብደሙ ዝመስከረ እዩ። ነቶም ተማሃሮ ኮይኖም ዝስዕብዎ ዝነበሩ “እንሆ ገንሸል አምላኽ” “ስዕብዎ ንአይ አይትስዓቡ ንሱ እዩ ዘድልየኩም አነ አይኮንኩን” እናበለ አብ ኢየሱስ የሰጋግሮም ነሩ። “ስዓብዎ” እናበለ አብ ኢየሱስ አብጺሕዎም። አብ ርእስና ክንምለስ እሞ ንሰባት አብ መን ነብጽሖም ማለት ብአብነተይ ብምኽረይ ብግብረይ አብ መን ክበጽሑ እሕግዞም ክንብል ይግብአና። ነቶም ክፈልጡን ክርእዩን ዘይከአሉ አብ ክርስቶስ ክነብጽሖም ነቶም ተባኢሶም ዘለዉ ክንዓርቆም፥ ነቶም ሰይጣን ተዓዊትሎም አብ ጽልእን ቅርሕንትን ብአስን ዝነብሩ አብ አምላኽ ክንመልሶም ሎሚ እዋኑ እዩ።

ብዓለ ልደት ክንሰናዶ ከሎና ከስ ብፍላይ ከአ አብዚ “ዓመት ምሕረት” ተአዊጁልና ዘሎ ፍረ ክህልዎ እሙናት አመንቲ ክርስቶስ ክንከውን ነሕዋትና አብ አምላኽ ክነቕርብ ትሑዛት ኢና። እቲ እንኮ መድኃኒና ክንስዕቦ ክንአምኖ ይግብአና። አብኡ እንተ ተመለስና ጥራሕ ኢና ምልአትን ቅሳነትን ክንረክብ እንኽእል።

አብ ትንቢት ነብይ ዘፎንያ 3፡14-18 ዘሎ እንተ አንበብና ነቶም አብ ምድሪ ጓና አብ ባቢሎን ብምርኮን ባርነትን ዝዋረዱ ዝነበሩ ነጻነት ክእወጅ ከም ዝኾነ መግዛእቲ አብቂዑ ኩሉ ክቕየር ክሕጎሱ ከም ዝኾኑ ይነግር። እቲ ዝዓበየ ምንጪ ሓጎሶም ስደት ወይ ካብ አምላኽ ምፍላዮም ከብቅዕ ስለ ዝኾነ እዩ፥ ዕብራውያን አብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ዝዓነወ ከተማኦምን ቤተ መቕደሶምን ክሃንጹ እዮም። አምላኽ አብ ማእከሎም ክህሉ እዩ ሽዑ ህዝቢ ብዛዕባ ርእሶም ከም ብሓዲስ ክሕጎሱ እዮም ምኽንያቱ አምላኽ ካብ ባርነት ሓራ አውጺእዎም እዩ። ሕዝቢ አምላኽ ክሕጎሱን ክድሰቱን ይንገሮም።

አብዚ እንርእዮ አምላኽና ህዝቡ ዘፍቅርን ብኦም ዝሕጎስን ከም ዝኾነ፥ ነጻ ዝገብርን ምስቶም ነጻ ዝገበሮም ሓጎሶም ዝካፈል አምላኽ እዩ። አብ ኵሉ ንባባት አብ ዘመነ ምጽአት እንርእዮ አምላኽ ምስ ህዝቡ ዝሕጎስ ከምዝኾነ “ኩሎም ንአምላኽ አኽቢቦም ይቆሙ” እናበለ ይገልጸልና። ከምቲ አምላኽ አብ ዘመነ ዘፎንያ ነብይ አብ መንጎ ህዝቡ ዝዓዪ ዝነበረ ሎሚ እውን አብ መንጎና ክዓዪ ይደሊ አሎ።
ካብ ወሪዱና ዘሎ ግፍዒ ኃጢአት ክንድሕን አብ አምላኽ ክንምለስ አሎና፥ ይጸበየና አሎ ንዑ ናባይ ክድሕነኩም እየ ይብለና አሎ። ንመገዲ ንስሓ ናትና ኢልና ክንሕዞ እሞ ክንሕደስን ክንቅደስን ሕራይ ኢልና ቃል ዮሓንስ ንቀበሎ።

ቅዱስ ጳውሎስ አብ ናይ ሎሚ ጽሑፉ አብ ሰብ ፊሊጲስዩስ ምቕያር ወይ ምሕዳስ ሕይወት ብዘይ ስቓይ ከምዘይኮነ ካብ ተመክሮ ሕይወቱ ርእዩ ይነግረና። ክትቅይር እንተ ኾንካ ኵሉ ጊዜ ስቓይ ውርደት አሎ። ዓሚቕ ሓጎስ ካብ ጓሂ አይፈርሕን እዩ። አብዚ ዓለም ዝፈታተን ዘጉሂ ክህሉ ግድን እዩ እንተ ኾነ አምላኽ ልዕሊ እዚ ዝርአ ጸገም ኲንኡ ዝዓበየ ሓጎስ አሰንድዩልና ስለ ዘሎ ብሓጎስን ተስፋን ክነብር ይምዕደና።
ሰንበት ዘብርሃን እምብአር ብርሃን ክርስቶስ አብ ሕልና በሪሁ ብኃጢአትና ክንሳሕ እሞ ንኻልኦት አብ ክርስቶስ ዝቐርቡሉ መገዲ ክንሕብር ክሳብ ንኽርስቶስ ዝረኽቡ ኸአ ብሰናይ ግብርን ፍቕርን ክንቀርቦም ዘዘካኽረና እዩ። አምላኽ ጸጋ ብርሃኑ ክዕድለና ክቐርበና ንቕረቦ፥ ልብና ተዓጽዩ እንከሎ ክንጽውዖ አይክአልን እዩ ልብና ንኽፈተሉ።

አደ ብርሃን ዝኾነት ማርያም ፍሉይ ርክብ ምስ ወዳ ስለ ዘልአ ነቲ ንሳ ዝረአየቶን ዘስተማቐረቶን ብርሃን ወዳ ክትሕብርና ምርሕና ሓግዝና ንበላ።

አምላኽ ብርሃን ጸግኡ ዓዲሉ ብሩኽ ልደት ይብረቐልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ