ሰንበት ዘመፃጕዕ ጾም
25 የካቲት 2010 ዓ.ም. (11 መጋቢት 2018)

ንኢየሱስ ሰሚዕካ ምኽአል!

መዝሙር፡ አምላኩሰ ለአዳም . . . . ።
ንባባት፡ ሮሜ 8፡31-34፥ ያዕ 5፡14-ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡112፥ ማር 9፡2-10
ስብከት፡
እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ፥ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፤ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ፥
“ሓሚሙ ምስ ደቀሰ እግዚአብሔር ይድግፎ፥ ካብ ሕማሙ ድማ የሕውዮ። አነ ኸአ ኦ ጎይታይ በዲለካ እየ እሞ ምሓረኒ ካብ ሕማመይ ከአ አሕውየኒ”
መዝ. 41፡3-4።
መዝሙር: “ንአዳም አምላኹ ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ አይሁድ ንኢየሱስ ብናይ መን ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ በልዎ፥ ንሱ ኸአ አነ እገብር አሎኹ ንስኹም ከአ ብግብረይ እመኑ፥ አነ ጎይታ ሰንበት እየ፥ ንምሕረት ከአ አብአ እየ ንአይ አብ ምድሪ ሓጢአት ክሓድግ ተፈቒዱለይ እዩ። ናጽነት ክሰብኽ ንዕዉራት አዒንቶም ከብርሃሎም ከአ አቦይ ልኢኹኒ እዩ፟“ ዝብል እዩ።
አምላኽ አብ ምድራዊ ሕይወትና ብዝተፈላለየ መገዲ ይዛረበና፥ ብእምነት ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ከምኡ አብ ርክባትና ሓቅን ፍትሕን ርትዕን ክነንግስ ከሎና ይዛረበና። አብ ገለ ክንርድኦ ጻዕሪ ዘድልዮ መገዲ ገሩ ገለ እዋን ከአ ዳርጋ ብቐሊል ክንርድኦ ብእንኽእል መገዲ ይዛረበና።
አብ ሰንበት ዘመጻጉዕ አይሁድ ነቲ ኢየሱስ ዘሕወዮ ሰብ እናረአዩ ክአምኑ አይደለዩን። ልቦም ዓጽዮም ነቲ ዝርእይዎን ዝሰምዕዎን ነገር ሓዲጎም ካልእ ክአምኑ ደልዮም። እስራኤላውያን እግዚአብሔር ብነብያቱ ገሩ ክዛረቦም እንከሎ ምስማዕ ይአብዩ ነሮም ሽዑ መከራ ስቓይ ይረኽቡ ነሮም። ሎሚ ንአምላኽ ክንሰምዕ ዝንበበና ቃል አምላኽ ካብ ማርቆስ እዩ።
አብዚ ጊዜ ጾም አርብዓ አምላኽ ሕጂ እውን ነቲ ሓደ ወዱ ምእንቲ ድሕነትና ክህበና ድላዩ እዩ። አብ ደብረ ታቦር ኢየሱስ ራእዩ ተለዊጡ ወዲ አምላኽ ምዃኑን መጻኢ ክብሩን ገሊጹ ንአና ኸአ መጻኢ ሕይወትና አበይ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሩ። እታ ሓንቲ አምላኽ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝደልያ “ንወዱ ክንሰምዖ” ንክርስቶስ ነቲ ንአና ህያብ አምላኽ ዝኾነ እንተ ሰማዕና አብ ጉዕዞ ሕይወትና ብፍላይ አብዚ ጾም ዕዉታት ክንከውን ኢና።

ንአምላኽ ሰሚዕካ ምኽአል:

አብ ታሪኽ ድሕነት መጀመርያ ብእምነት ንአምላኽ ዝሰምዐ አብ ቅ. መጽሓፍ ከም እንረኽቦ አብርሃም እዩ። አብ ዘፍጥ 22፡1-18 ዘሎ እንተ አንበብና አምላኽ ንአብርሃም ፈተና ከም ዘቕረበሉ እሞ ብእምነት ከም ዝወጸ ነንብብ። አምላኽ ንአብርሃም ንሱ ክገብሮ ዘይደሊ ክገብር አይደለዮን። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና አምላኽ ንአብርሃም ንይስሓቕ ወዱ ክስውአሉ ክሓትት እንከሎ ነቲ ባዕሉ አምላኽ አብ ዳሕረዋይ ዘመን ንሓደ ወዱ ምእንቲ ድሕነት ኩልና ኢሉ ከም ዝስውዖ አቐዲሙ ዝሕብር እዩ። አምላኽ ንመስዋዕቲ ይስሓቕ ደው አቢልዎ ምኽንያቱ እምነት አብርሃም ንጹር ብሩህ እዩ ነሩ፥ ንድላይ አምላኽ ክገብር ፍቓደኛ እዩ ነሩ። አብርሃም ንአምላኽ መጀመርያ ሰሚዕዎ ድሕሪኡ ተኣዚዝዎ። ንአምላኽ ከሓጉስ ኢሉ ነቲ ሓደ ወዱ ክስውእ አይተጠራጠረን። ንመስዋዕቲ ዝኸውን ንአምላኽ ክሓቶ አይደለየን እኳ ድአ እቲ ሕቶ ብይስሓቕ ወዱ እዩ ቀሪቡ። አብ ክንዲ ንአምላኽ ንዝኾነ ነገር ምሕታት ነቲ ንእኡ እቲ ልዕሊ ኹሉ ዝኾነ ወዱ ክስውእ ፍቓደኛ ኮይኑ። አብርሃም ምስ አምላኽ ምጉዓዝ ልዕሊ ዝኾነ ነገር እዩ ሰሪዕዎ።
ካብ አብርሃም እንታይ ኢና ክንምሃር እንኽእል? መጀመርያ ንቃል አምላኽ አስተውዒሉ ክሰምዕ ምድላዩን ንድላይ አምላኽ ምእዛዙን። ካልአይ እምነቱ አብ አምላኽ ነዚ ኸአ በቲ ዘርአዮ ሕያውነት ገሊጽዎ። እዚ ዘሎናዮ እዋን ክንሓስብ ክነስተውዕል ዝሕግዘና እዩ። “ኦ አምላኽ ንአኻ ዘሓጉስ ክገብር እንታይ ክገብር ትደልየኒ” ኢልና መምስቲ ዘሎናዮ ሕይወት ብፍላይ ካብ አምላኽን ሰብን ፈልዩና ዘሎ ክንቅይር ክንሓድግ ከቢዱና ዘሎ ክንርእዮ የድሊ።
ቀዳመይቲ ንባብና ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ እያ፥ አብአ ሓደ ካብቲ ምሉእ ተስፋ ዝህብ ደስ ዘብልን ዘጸናንዕን አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንረክብ ብፍላይ ክአ አብዚ እዋን ጾም ፵ ከአ ፍሉይ ትርጉም ንረኽበሉ። ጳውሎስ ሰለስተ ተስፋ ዘልኦ መረጋገጺ ነገራት ይነግረና፥ “ዝቋወመና የለን፥ ዝኸሰና የለን፥ዝፈልየና የለን”። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ “አምላኽ ብዓቢ ሕያውነቱ ነቲ ሓደ ወዱ ካብ ሃበና ከመይ ደአኸ ምስኡ ኹሉ ዘይህበና” ይብል። ከምቲ አብ አብርሃም ዝረአናዮ ንብዙሓት ካባና ግን ዘጸግመና አምላኽ ንርእሱ ጠዓመኒ ዝብል አይኮነን። አብ ወንጌል ዮሓንስ “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፥ አምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም አፍቀራ” (ዮሓ 3፡16) ይብል። እዚ ማለት አምላኽ ንአና ከድሕን ኢሉ ኩሉ ዝክአል እዩ ዝገብር። ግን እዚ ክኸውን ዝኽእል ምስቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ተጎዓዝና ጥራሕ እዩ። እሞ ምስ መን እጉዓዝ አሎዅ ክንብል ግቡእ እዩ። አብዚ እዋን ምስ
ኢየሱስ ክንጉዓዝ እንተ ኸአልና ክንፈርሕ የብልናን። ኩሉ እንገብሮ ምስ ድላዩ ዝሰመረ ኽኸውን፥ ብምሉእ እምነት ክንክተሎ፥ ብምሉእ ልብና ኸአ ክንሰምዖ እዩ። ከምዚ እንተ ገበርና ብርግጽ አብቲ አምላኽ ዝወሰነልና ክንበጽሕ አይኽከብደናን እዩ ምኽንያቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳና ይጉዓዝ ስለ ዘሎ። ጸገም ዝጓነፈና ንበይንና ክንጉዓዝ እንተ ፈተና ደንጒና ቀልጢፍና ክንደክምን ክንጋገን ኢና። ነዚ መሰረት ገሩ እዩ ጳውሎስ አብ ጽሑፉ ዘበራትዓና፥ “እቲ ዘጽድቖም አምላኽ ካብ ኮነ ነቶም ሕሩያት አምላኽ ዚኸሶም መን እዩ እቲ ዝዅንንከ መንዩ? ወላ ሓደ።
ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ማርቆስ ዝጸሓፎ ብዛዕባ ራእይ ኢየሱስ ከም ዝተለወጠ ዝነግር እዩ። ኢየሱስ ንሰለስተ ካብ ሓዋርያቱ ወሲዱ አብ እምባ ከም ዝደየበ አብኡ ራእዩን ግርማኡን ከም ዝተለወጠ ይነግረና። እዚ ስሙ ዘይንገር እምባ ምልክት እዩ። ከም አበሃህላ ቅዱስ መጽሓፍ እምባታት ዘመልክትዎ ካብቲ መዓልታዊ ሕይወት ወጺእካ አብ አምላኽ ምቕራብ እዩ ዘመልክት። ሙሴ አብ ደብረ ሲና ዓሰርተ ትእዛዛት ተቐቢሉ፥ ኤልያስ ምስ ሙሴ አብ ምልዋጥ ራኢይ ኢየሱስ ዝርአ አብ እምባ ቀርመሌዎስ ምስቶም ነብያት ብዓል ክገብሮ ዘለዎ ተልእኮ ተግሊጽሉ (፩ዘነ 18)፥ ኢየሱስ ን12 ሓዋርያቱ አብ እምባ ደይቡ መሪጽዎም (ማር 3፡13)፥ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ መገበ አብ እምባ ሓዲግዎም ክጽሊ ከምዝኸደ ይነግረና (ዮሓ 6፡15)። እምባታት እምብአር ፍሉይ ናይ አምላኽ ነገር ዝፍጸመሎም እዮም። በዚ ምኽንያት እዩ አብ ሃገርና ብዙሕ ገዳማት አብ እምባታት ተተኺሉ እንረኽቦ።
ኢየሱስ አብ እምባ ምስ ደየበ ራእዩ ተለዊጡ ይብለና ወንጌል “ከም በረድ ጻዕድዩ” ይብል እዚ ኸአ ግርማ አምላኽ ዝገልጽ እዩ፥ ከምቲ አምላኽ ንሙሴ ዝበሎ እዩ “ሰብ ርእዩኒ ብሕይወት አይነብርን እዩ እሞ ገጸይ ክትርኢ አይትኽእልን ኢኻ” (ዘፀ 33፡20)። ነዚ ዝመሳሰል አብ ራእይ 3፡4 ብዛዕባ እቶም ሕይወቶም ብቅድስና ዝመርሑ ክዛረብ እንከሎ “ፃዕዳ ክዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪነብሩ እዮም” ይብል። ድሕሪ ትንሣኤ ዝተራእዩ መላእኽቲ ጻዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ ከም ዝነበሩ (ማር 16፡4) ነንብብ። ጻዕዳ ክዳን ናይ ግርማን ክብርን ምልክት እዩ። አብ ሃገርና አብ ጊዜ ብዓላት ጻዕዳ ክዳን ንኽደን እዚ ኸአ ናይ ሓጎስ ናይ ክብሪ ምልክት እዩ። ቅ. ቍርባን ዝቕበሉ ጻዕዳ ይኽደኑ ንኽብሪ ኢሎም ስለዚ ጻዕዳ ምልክት ክብሪ እዩ።
አብቲ እምባ ናይ ክልተ ዓበይት ሰባት ሙሴን ኤልያስን ምህላው ነቲ ናይ ደቂ እስራኤል ምስ አምላኽ ዝነብሮም ፍሉይ ርክብ እዩ ዘመልክት። ክልቲኦም ኩሉ እቲ ዝነበረ ትጽቢትን ኵሉ ዝተነግረን አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተፈጸመ ኢየሱስ ካብ ክልቲኦም ከም ዝዓቢ ዘርኢ እዩ።
አብቲ እምባ ናይ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ግርማን ክብርን ዝገልጽ እሞ ቀጺልና ጸኒዕና እንተ ሰዓብናዮ ዝጽበየና ግርማን ክብርን ምልክት ሂቡ። አብዚ አምላኽ ክህበና አሰንድይዎ ዘሎ ህያባ ገሊጹልና። ንሱ ኸአ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓደ ወዱ እዩ። ከምቲ አብ ቀዳማይ ንባብ ናብ ሰብ ሮሜ ዝረአናዮ እዚ ናይ ወንጌል ቃል እውን ናይ ተስፋ መልእኽቲ እዩ፥ ምኽንያቱ አምላኽ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ዝውሃበና ግርማ ክብሪ ስለ ዝገለጸልና። ናይ ሎሚ ወንጌል አምላኽ ገሊጹን አነጺሩን ዝተዛረቦ “እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ ንእኡ ስምዕዎ” ዝብል እዩ። ሙሴ ነቶም ህዝቢ አብ ዘዳግም 18፡15 “እግዚአብሔር አምላኽኩም ካብ ማእከልኩም ካብ ሕዝብኹም ከማይ ዝበለ ነብይ ከተንሥአልኩም እዩ፥ ንእኡ ስምዕዎ” ይብሎም፥ እዚ አግፊሕና ክንርእዮ ከሎና ንኢየሱስ እዩ ዘስምዕ። ሎሚ ካባና ዝደልዮ ነገር እንተሎ “ክንሰምዖ” እዩ። እሞ ንኢየሱስ ሕጅን ንወትሩን ክንሰምዖ ስንድዋት ዲና? ንኢየሱስ ምስማዕ ማለት ሕይወትካ ምቕያር፥ አካይዳኻ ምቕያር እዩ ዘስምዕ። ከምቲ ዕለት ዕለት እንሰምዖ ቃል አምላኽ ኮንካ ምንባር፥ መዓልታዊ ጉዕዞ ሕይወትካ ምስ አምላኽ ምጉዓዝ፥ ኩነታት ብዘየገድስ አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ምግባር፥ ንኢየሱስ ምስማዕ ማለት ንድላዩ ምእዛዝ ከምኡ ነቲ ቤተ ክርስትያን እተስተምህሮ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ምትግባር እዩ።
ኢየሱስ አበይ ይግለጽ፥ አበይ ክዛረብ እንከሎ ክንሰምዖ ንኽእል? ብኻልእ አዘራርባ አምላኽ ብርግጽ ይዛረበናድዩ? እወ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ይዛረበና። ፩ይ ብቅዱስ ቃሉ ገሩ ይዛረበና፥ ብትምህርቲ ቤተ ክርስትያኑ ገሩ ይዛረበና፥ በብዘሎናዮ ዕለታዊ ሕይወትናን ኩነታትናን፥ አብ ሕልና ብዝስምዓና፥ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ዝጓነፉና ጽጉማት ሰባት ገሩ ይዛረበና። ንኢየሱስ ክንሰምዖ አብቶም ድኻታትን ንዑቓትን አብቶም ሃብታማት ምእንቲ ሕይወቶም ኩሉ ጊዜ አብ ፍርሃት ዝነብሩ ክንሰምዖ ንኽእል። አብቶም አብ ክንድኦም ሓደ ዝዛረበሎም ወይ ዝጣበቐሎም ዘይብሎም፥ አብ ሕሙማት ብፍላይ እቶም ዕድኦም ክኸፍሉ ዘይክእሉ፥ አብ አረገውቲ አብቶም ሓደ ዝርእዮም ዘይብሎም አብ ገዝኦምን አብ እንዳ አረጋውያን ተደርብዮም ዘለዉ፥ አብቶም ዘኽታማት ቆልዑት አብ ጎደናታት ዝርከቡ ሓደ ዝአልዮም ዘይብሎም፥አብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ወጹዓት፥ ግፉዓት፥ ብፍላይ ብግፍዒ ሓንቲ ከይገበሩ ዝሞቱ ዝእሰሩ ዝጭወዩ፥ አብ ጎረበትና በይኑ ዝነብር ዝርእዮ ዘይብሉ ድኻ፥ አብቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክረዳድኡ ዘይክአሉ ስድራታት እሞ ብሰንኩ ዝጽገሙ ንኢየሱስ ክንርእዮን ክንሰምዖን ንኽእል። ነዚ ቀልጢፍና አብ ክንዲ እንታይ ገደሰኒ ኢልና እንሓልፎ ክንምልስ እንተ ኽኢልና ንኢየሱስ ክርስቶስ ፍቑር ወዲ አምላኽ ክንሰምዕ ክኢልና ማለት እዩ።
፪ይ ንአምላኽ ክንሰምዖ ክዛረበና ከመይ ኢልና ሱቕ ከም እንብል ክንምሃር አሎና። አብ ገዳማት ሓደ ክብቲ ሕግታቶም ጊዜ ጸጥታ ዝብል እዩ፥ አብዚ ጊዜ ዘረባ አይፍቀድን ኩሉ ጸጥ ኢሉ ይኸይድ ድምጺ አይስማዕን እዚ ኸአ ካብ ድምጺ ሰብ ድምጺ አምላኽ ንምስማዕ እዩ። ሱቕ ምስ በሉ ንድምጺ አምላኽ ክሰምዑ ዘደናግር የለን፥ አምላኽ አብ ጸጥ ዝበለ እዩ ዝስማዕ። አብዚ ጊዜ ጾም ከመይ ገርና ሱቕ ከም እንብል እሞ ንድምጺ አምላኽ ልብናን ቀልብናን እንኸፍተሉ ክንደሊ አሎና።
አብ ሱቕታ ንርእስናን ንአምላኽን ክንርኢ ንኽእል። አብ እዋን ሱባኤ ኩሉ ሰብ ዝፈትዋ እዋን ሱቕታ እዩ። አብ ሱቕታ እንኸዶ ዘሎና መገዲ ክንርኢ ንኽእል፥ ንጸዋዕታ አምላኽ መልሲ ክንህብ ንኽእል። እቶም ሰለስተ ሓዋርያት አብቲ ጎቦ ጽምዋ ክብሪ ኢየሱስ ክርእዩ ክኢሎም ንሕና እውን ካብዚ ጫውጫውን ዕግርግርን ዝመልኦ ሕይወት አብ ጽምዋ ንእቶ እሞ ሽዑ ቃል አምላኽ ክንሰምዕ ኢና።
አብ መጨረሻ ክርስቶስ ክብሩን ግርማኡን ይገልጸልና። ግን ቅድሚ እዚ ግርማ ምግላጹ ክሓምም ክስቀል ክቕበር (ክመውት) አለዎ። ንሕና እውን አብ ክብርን ግርማን አምላኽ ክንሳተፍ እንሓልፎ ስቓይን ውርደትን ሕማምን ሞትን ክህልወና አለዎ። ብፍላይ አብዚ እዋን ጾም መስቀልና ጸርና ዕለት ዕለት ንአምላኽ እናሰማዕና ነቲ ክንገብሮ ተሳኢኑና ዘሎ ርኹስ መንፈስ ክንስዕር ክንቃለስ አሎና። ነቲ ክብርን ግርማን አምላኽ ቅድሚ ምስታፍና ከምቲ ንሱ አብ ሕይወቱ ዘርአየና ከምኡ ክንሓልፍ አሎና። ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ እምብአር ትምህርቱ ክንሕደስ ዝጽውዕ እዩ። ክንቅይር ካብ አምላኽን ሰብን ፈልዩና ንዘሎ ክፍአትና ሓዲግና አብ ቅድስና አምላኽ ክንሳተፍ ንጽዋዕ አሎና። እዚ እዋን ጾም አምላኽ አብ ግላውን ሓበራውን ሕይወትና ክመልሰና ብምሉእ ልቢ
ንስምዓዮ።
ቅዱስ ዘመነ ጾም ገይሩ ሕድገት ኃጢአትናን እንረኽበሉ ንአምላኽ ሰሚዕና እንኽእለሉ ጸጋ የውርደልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ__