ሰንበት ዘምኵራብ ጾም ፵
የካቲት 18/ 2010 ዓ.ም. (2/25/ 2018)

ንባባት፡ ቆላ 2፡16-ፍ፥ ያዕ 4፡1-12፥ ግ.ሓ 5፡17-30፥ ዮሓ 2፡12-ፍ።
ስብከት፡ “እስመ ቅንአተ ቤተከ በልዓኒ፥ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፤
ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ”
መዝሙር፡ ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሃረ ቃለ ሃይማኖት. . . . . . .

ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ አሎ፥

ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻውን አባይ ወደቐ፥ ንነፍሰይ ብጾም አሕሳእክዋ”። መዝ. 69፡9
“ኢየሱስ አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ። ካብ መስዋዕቲ ምጽዋት እፍተወኒ። አነ ዋንአ ንሰንበት፣ አቦአ ንምሕረት እየ፥ ንቤት አቦይ ቤት ሸቐጥ አይትግበርዋ። ቤተ ጸሎት እያ እትስመ፥ ሰንበት አኽብሩ ሠናይ ግበሩ፣ ንብጻይኩም አፍቅሩ፣ ንድኻታትን መሳኺንን ራሕርሑ እምነት ክተሕድሩ” ይብል።
አብ መዓልቲ ሰንበት ንአምላኽ ዘሕጉስ ነገር ክንገብር፥ ሕይወትና ቤት አምላኽ ገርና ክንጉዓዝ፤ ሰናይ እናገበርና ንሓውና ሓፍትና ክነፍቅር እሞ እምነትና ሕያው ክንገብር ከም እንኽእል ይነግረና። ኢየሱስ ነዚ አብ ቤተ መቕደስ ሰቢኽዎ ሎሚ እውን አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ብቤተክርስትያኑ ገይሩ ይሰብኮ አሎ።
ጊዜ ጾም ኢና ዘሎና ንአምላኽ ሰሚዕና ክንክእል ዝሕግዘና ቅዱስ ጉዕዞ ሕይወት ኢና ሒዝና ዘሎና። አብ ቤተ አምላኽ አቲና ቃሉ ክንሰምዕ፥ ካብ ሥጋኡን ደሙን ተኻፊልና ክንሕደስ ክንልወጥ እሞ ምልአት ክንረክብ ሽዑ ምስኡ ሓደ ክንከውን። ቤት አምላኽ ዝኾነ ልብና ብጋሻ ሓሳብን መንፈስን ከይንመልኦ ክንጥንቀቕ ይነግረና። ምሉእ እምነት አባና ክኃድር ከአ ሰንበት አኽብሩ ሠናይ ግበሩ ንብጻይኩም አፍቅሩ ንድኻታትን መሳኺንን ራሕርሑ እናበለ ናይ ሎሚ መዝሙር ብፍሉይ አብዚ ጊዜ ጾም አርብዓ ክነዘውትሮ ዘሎና ደጋጊሙ ይነግረና። ዝሰምዕ እዝኒ ይሃበና።
ንሎሚ ዝተነበልና ወንጌል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ቤተ መቕደስ አይሁድ አትዩ ዝገበሮን ዘስተምሃሮን ይነግረና። ዮሓንስ ወንጌላዊ ነዚ ናይ ኢየሱስ አብ ቤተ መቕደስ አትዩ ዝገበሮ አብ መጀምርታ ክፍሊ ወንጌሉ እዩ ዝነግረና፥ አብ ናይ ካልኦት ወንጌላውያን ግን አብ መጨረሽታ ኢና እንረኽቦ። ቅዱስ ዮሓንስ አብ መዓልቲ ፋሲካ አይሁድ ከም ዝገበሮ ይነግር። ፋሲካ አይሁድ ዓቢ ብዓል እዩ አብ ብሉይ ኪዳን። ከም ሕጊ ሙሴ አብዚ ዓቢ ብዓል ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይ እስራኤላዊ አብ ቅድሚ አምላኽ ክቐርብ አለዎ። (ዘጽአ. 34፡23 ዘዳግም 16፡16) እቶም ሕጊ ዘኽብሩ ኩሎም አብቲ ቤተመቕደስ ከይዶም መስዋዕቲ ከቕርቡ አለዎም። ሃብታም እንተኾነ ብዕራይ ወይ በጊዕ፣ ድኻ እንተኾነ ርግቢት ወይ ክልተ ባረቶ ነቲ ዝገበሮ በደል ክስውዕ አለዎ (ሌዋ 5፡7)። ከምኡ አብ ዓመት ካብ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ እንተኾነ ፍርቂ ሸክል ክኸፍል አለዎ። እዚ መዓልታዊ ውዕለት ብዘመኑ ዝነበረ እዩ። ካልእ ገንዘብ ከም ዲናር፥ ድራክማስ ዝተባህሉ ገንዘብ ናይ አረመን ነጋውስ ስእሊ ስለ ዝነበሮም ንምጽዋት አይበቕዑን እዮም ተባሂሎም አብ ቤተ መቕደስ ከም ምጽዋት ከውድቑ ፍቑድ አይነበረን። እቲ አብ ቤተ መቕደስ ዝመጽእ ዝነበረ ህዝቢ ብዙሕ ስለ ዝነበረ ጫውጫውታን ድምጽን ነቲ ቤተመቕደስ መልክዑ አቐይርዎ ነይሩ። ነብያት እውን ነዚ ብዙሕ ጊዜ ይቃወምዎ ነሮም። ቤተ አምላኽ ብኻልእ ክትካእ እንከሎ ጥፍአት እዩ። ቅንአት ቤትካ በልዓኒ ዝብል አብ መዝ. 69፡9 ዘሎ መሰረት ገይሩ ኢየሱስ ሕጊ ክመልእ አብ ቤተ መቕደስ አይሁድ አትዩ ነቶም ዝሸጡን ዝገዝኡን ንኹሎም ካብኡ ሰጊግዎም። አብ ቤተ አምላኽ ቤት ጸሎት ዝግብኦ ቤት ሸቐጥ ብምግባሮም ካብቲ ቤተ መቕደስ ሰጎጎም። ንእግዚአብሔር አቦይ እናበለ ብምሉእ ስልጣን ንሱ እቲ መሲሕ ምዃኑ ወዲ አምላኽ ከምዝኾነ ይነግር። ቅዱስ ማርቆስ ምስ እዚ አተሓሒዙ ብምሉእ ስልጣን ከምዝገበሮ ይነግር ነዚ ዝተዓዘቡ መማህራን ሕጊ ብናይ መን ስልጣን ኢኻ ነዚ እትገብር ዘሎኻ እናበሉ ሓቲቶሞ (ማር 11)።
ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ነታ እስራኤላውያን አብ በረኻ ሒዞማ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ታቦተ ኪዳን ተኺአ ህላዌ አምላኽ እትገልጽ እያ ነይራ። እቲ አብ ቤተ መቕደስ ዝግበር ዝነበረ ሎሚ አብ ሕይወት ሰባት ክንርእዮ ከሎና አምሳል ናይ እቶም ሃይማኖቶም አብ ደረጃ ሸቐጥ ዘውርዱ ንኹሉ ነገሮም አብ ሃብቲ ዓለምን ምቾትን አድሂቦም ዝጉዓዙ፥ ንኹሉ ነገር አብ ሕይወቶም ብንዋይ ተኪኦም ዝይርከቡ የስምዕ። ፍረ ናይ እዚ ኸአ ስሳዔ ምዝመዛ ከምኡ ፍቕሪ ካልኦት ምጉዳል የኸትል። አብቲ ሓቀኛ ትርጉም ቤተ መቕደስ ወይ ቤተ ክርስትያን ክንርኢ ከሎና አምሳል ህላዌ እግዚአብሔር አብ መንጎ ህዝቡ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ነሩ። ከምኡ እውን እግዚአብሔር ብኢየሱስ ገይሩ ህላዌኡን ሓይሉን ከም ዝገለጽ እዩ። እንተኾነ ሰብ ነዚ ብኻልእ
ተኪእዎ ይጉዓዝ አሎ። ጾም ሰብ ጉዕዞ ሕይወቱ አብ አምላኽ ኽገብር እሞ ነቲ ሓቀኛ መገዲ ሒዙ ክጉዓዝ ዝሕግዞ እዩ።
አብ ቤተ መቕደስ ክንመላለስ ከም ዝግባእ።
አምላኽ አብ ቤቱ ክንመላለስ ድላዩ እዩ። ኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም እናኸደ አብ ቤተመቕደስ ይመላለስ ነይሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምኡ ካልኦት ሓዋርያት አብ ቤተ መቕደስ ይመላለሱ ነሮም። አብ ቤት አምላኽ ክንመላለስ ከሎና ምስኡ ቀጻሊ ርክብ ንገብር። አብ ሕይወትና ንአምላኽ ዝኸውን ጊዜ ሰሪዕና ክንክእል አሎና። ንአምላኽ አብ ናብራና አብ ርክባትና አብ ግላውን ሓባራውን ሕይወትና ቦታ ክንህቦ እንከሎና ሽዑ ክንምስክሮ ንኽእል። ቅዱስ ዳዊት ንዑናይ ናብ ቤት አምላኽ ምስ በሉኒ ክንደይ ተሓጎስኩ ይብል። አብኡ ምሕረት ሰላም ዕርቂ አሎ። አብ ሓዲስ ኪዳን ቤተ መቕደስ አምላኽ ብርእሱ ክርስቶስ ዝርከቦ፥ አብኡ አብ ቅዱስ ቍርባን ብመልክዕ ህብስቲ ስለ ዘሎ ካብኡ ተፈሊና ክንነብር ንሓቀኛ እምነትና አብ ምልክት ሕቶ የእትዎ እዩ። አብ ቤት አምላኽ ምምልላስ እምብአር ምርጫ አይኮነን። አብ ሕይወትና ከምቲ መግቢ ማይ አየር ዘድልየና ከምኡ ግድነት ክንገብሮ ዝግብአና ጉዳይ እዩ። ሰብ ምስ አምላኽ ርክብ ምስ አቋረጸ ሽዑ ንኹሉ ክፍአት ክገብር ድሕር አይብልን እዩ። ርክባትና ምስ አምላኽ ከመሎ ቤቱ ቤትና ገርናዮ ዘሎና። ከመይ እጉዓዝ አሎኹ እናበልና ሕልናና ክንሓትት ይግብአና። ጉዕዞ አብ አምላኽ ገጹ ከምርሕ እንከሎ ሰላም ምርድዳእ ምትሕቝቓፍ አሎ። ስለዚ ንአምላኽ ክንረኽቦ አብ መገዱን ቤቱን ክንመላለስ ምናልባት መገዱ ጠፊኡና ኮለል ንብል እንተለና ሎሚ ክንረኽቦ እዋኑ እዩ። መገዲ ክጠፍአና ይክአል እዩ። ሎሚ ብቤተ ክርስትያኑ ገይሩ ካብቲ ዝጠፋእናዮ ክንምለስ እሞ ተዓረቐና ክንብሎ
እዋኑ እዩ።
ቤት አምላኽ ቤት ጸሎት እዩ።
እግዚአብሔር ንዓና ክጥዕመና ምእንቲ አብ ኩሉ ቦታ ዝርከብ እንከሎ ንሱ ልዕሊ ቦታን ጊዜን እንከሎ ምእንታና አብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ክንረኽቦ ድላዩ ከይኑ። እዚ ቦታ አምላኽ እንብሎ ቤተ ጸሎት ቤተ ክርስትያን እዩ።
አብ 1 መቃ 7፡37 “ኦ ጎይታ ነዚ ቤተ መቕደስ እዚ ብስምካ ክስመን ናይ ህዝብኻ ቤተ ጸሎትን መማኅጸንን ኪኸውን ዝኃረኻዮ ንስኻ ኢኻ” እናበለ ቤት አምላኽ ቤት ጸሎት ክንገብሮ ይሕብረና። ኣብዚ ቤት ጸሎት አቲና እንተ ጸለናሉ ጥራሕ እዩ ሓቀኛ ትርጉሙ ሒዙ ክጉዓዝ ዝኽእል። ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ መልክዑ ከልውጥዎ ይኽእሉ እዮም። አብኡ ክንመላለስ ከሎና ንአምላኽ አብ ቤቱ ንረኽቦ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ቤተ መቕደስ ይመላለስ ከም ዝነበረ እሞ አብኡ አትዩ ይጽልን የስተምህርን ከም ዝነበረ ወንጌል ይነግረና። ቀዳሞት ክርስትያን ነዚ አብቲ መጀመርታ አብ ቤተ መቕደስ አይሁድ ይገብርዎ ነይሮም ከምኡ አብ ገዛውቶም። አመንቲ ብሓባር ተአኪቦም ዝጸልዩሉ ገዛ ናይ ኩሎም ስለ ዝኾነ ቤተ ክርስትያን ተባሂሉ። ኩሎም ክርስትያን ዝእከቡሉ ማለት እዩ። አብኡ ንስሓ ሓጢአቶም ይረኽቡ ምስ ሓዎም ሓፍቶም ይዕረቑ አብኡ ንአምላኽ ብቐረባ ይረኽብዎ አብኡ ንጽጉም ሓዎም ይሕግዙ አብኡ ይጥመቑ አብኡ ቃል ኪዳን ይአስሩ አብኡ እንተ ሞቱ ፍትሓት ይግበረሎም ስለዚ ሕይወት ክርስትያን ምስ ቤተ ክርስትያኖም ዝተተሓሓዘ እዩ። ሎሚ ቤተ ክርስትያን ንአምላኽ ክንረኽቦ አብ መቕደሱ ኮይንና ከነመስግኖ ክንልምኖ ትደልየና። አምላኸይ አብ ቤትካ ከም ዝመላለስ ግበረኒ ንበሎ።
ቤት አምላኽ ልብና እዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ አብ መልእኽቱ ናብ 1ቆሮ 3፡16-17 “ቤት መቕደስ አምላኽ ምዃንኩምን፥ መንፈስ አምላኽ አባኹም ኃዲሩ ምህላዉንዶ አይትፈልጡን ኢኹም። ሓደ እኳ ነታ ቤተ መቕደስ አምላኽ እንተ አፍረሰ አምላኽ ከፍርሶ እዩ” እናበለ ኩልና ማሕደር አምላክ ከምዝኾንና እሞ ነዚ ቅዱስ ቦታ ልብና ብቅድስና ክንሕዞ ከም ዝግብአና ይነግረና። ቀጺሉ ብተመሳሳሊ ርድኢት አብ 1ቆሮ 6፡19-20 “ሰውነትኩም ቤተ 
መቕደስ ናይ እቲ ካብ አምላኽ ዝተቐበልክምዎ አብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ አይትፈልጡን ኢኹም። እምብአር ናይ ገዛእ ርእስኹም አይኮንኩምን” እናበለ ሓደ አማናይ አብ ክርስቶስ ብኹሉ ናይ ክርስቶስ ናይ አምላኽ ከምዝኾነ ይነግረና። ክርስትያን ማለት አብኡ አምላኽ ዝነብር ማለት እዩ። አብ ነፍስወከፍና አምላኽ ምሳና አሎ፥ ንሕና ታቦቱ ኢና ስለዚ ነዚ ፍሉይ ህያብ አምላኽ ብምስጋናን አኽብሮትን ሒዝና ክንክእል ናታትና ተራ እዩ።
አብ ዕለተዊ ሕይወትና ነዚ ቦታ አምላኽ ጥራሕ ክኸውን ዝግብኦ ክወርሱ ዝረባረቡ ሕሱማት ጸላእቲ አለዉና፥ ብአአቶም ተሸኒፍና ምሩኻት ኮይንና ከይንነብር ሎሚ በዚ ጊዜ ጾም ነቲ ሓቀኛ መሳርያ ክንዕጠቕ ጊዜ ዝህበና እዩ። ልብና ክፉት ስለ ዝኾነ አብኡ ዝአቱ እነፍቅድ ባዕልና ኢና። አብ ልበይ አብ መንፈሰይ ከእትዎ ዝግብአኒ ወይ ከአ ከይአቱ ደው ከብሎ ዝግብአኒ ዘፍቅድ አነ ስለ ዝኾንኩ ኩሉ ጊዜ ንዝመጽአኒ ጋሻ ፈሊጠ ከእትዎ አሎኒ። ልብና ካልኦት ከይውንንዎ እሞ ቤት አምላኽ ምዃኑ ከይሓድግ ዓቢ ምስትውዓል ይሓተና። ሰብ ዝዓበየ ጉድአት ዝወርዶ ልቡ ንአምላኽ ከይአቱ ምፍቃድ ክኽልክል ከሎ ጥራሕ እዩ። ንአምላኽ ቦታ ዝኸልአ ልቢ ክምሕር ክዕረቕ ሰናይ ክገብር ከምኡ አብ ቅድስና ክበጽሕ ከቢድ እዩ። ነዚ ከቢድ ፈተና አብ ጊዜ ጾም አርብዓ ክነሸንፎ ቀሊል እዩ። ጎይታይ አብ ልበይ እቶ ጥራሕ ንበሎ።
ንቤት አምላኽ ዝኾነ ልብና ሓቀኛ መልክዑ ነልብሶ።
ሰብ ንእግዚአብሔር ክመስል ምስኡ ክነብር እዩ ተፈጢሩ። እንተኾነ ንመገዱ ስለ ዝሰሓተ ንአምላኽ ክመስል ጻዕሪ አድልይዎ። ነዚ ንአምላኽ ምምሳል ዝኾነ ዓላማ ተፈጥሮ ወድሰብ ናትና ድኽመትን ብዝጓነፈና ፈተናን ዘይመልክዑ ነልብሶ። ክርስቶስ ከም ዝብሎ ብዓቲ ሰረቕቲ፥ ቤት ቂምታ፥ ሓመታ፥ ክፍአት ኩሉ ንገብሮ፥ ነዚ ክነጽሪ ምቹእ ጊዜ ሎሚ እዩ። አብ ልብና አቲና ክነጽርዮ ነቲ ንመልክዕ አምላኽ ተኪኡ ገዚእና ዝርከብ ክፍአትና ትዕቢትና ሕመቕና፥ ቀንጢጥና ታቦት አምላኽ፥ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ክንገብሮ ሎሚ ፍቓደኛታት ንኹን። አብ ልበይ እቶ፣ ናትካ ግበረኒ፣ ጓዕጺጹ ሒዙኒ ንዘሎ ጸላኢ ካብኡ ነጻ ክወጽእ ጸጋኻ ሃበኒ ተዓረቐኒ ንበሎ። ብኢዮኤል ነብይ አቢሉ “እግዚአብሔር እምብአርሲ ሕጂ'ውን ብፎምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደአ ቕደዱ” ይብል አሎ (ኢዮኤል 2፡12)፥ ቀጺሉ አብ እምባ ጽዮን (ልብና) መለኸት ንፍሑ ጾም አውጁ አኼባ ጸውዑ ይብል። ሎሚ እውን እዚ ቃላት አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ክአቱን ክእወጅን አለዎ። ምሕረት አምላኽ ክንረክብ ብልቢ አብ ልብና ተመሊስና ጽን ክንብሎ አሎና። ጾምና ትርጉም ክህልዎ እንተ ኾነ ብልቢ ዝተሰነየ ክኸውን አለዎ።
ማርያም እታ ቀዳመይቲ ንአምላኽ አብአ ድላዩ ክገብር ዘፍቀደት አብ ከርሳ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ክሓድር ዘፍቀደት ቀዳመይቲ ፍጥረት እያ። መገዲ አምላኽ ቋንቋ አምላክ እትፈልጥ፥ ንኹሉ ፈተናታት ዓለም ዝረኸበት ግን ዘይተሸነፈት፥ ስደት ጥመት ውርደት ኩሉ ዝረአየት እያ። ነዚ ኹሉ ጸባባ ጸራ ዝኸአለት ሓንቲ መዓልቲ እውን ካብ ገጽ አምላኽ ዘይተኸወለት ስለ ዝኾነት ሎሚ ንሕና ምስአ ክንጉዓዝ መገዳ ክንክተል እንከሎና መገድና
ከይሰሓትና አብቲ ወዳ ዘለዎ ክተብጽሓና ትኽእል እያ። አብ ገለ እዋን መገዲ ይጠፍአኒ አሎ፣ አብ ገለ እዋን ሥጋይ የጥቅዓኒ አሎ፣ አብ ገለ እውን ርጉም ሸይጣን ይዕወተለይ አሎ እሞ፣ አብ ጎነይ ኩኒ ብፍላይ ከአ ነዚ ጊዜ ጾም ጊዜ ጸሎት ጊዜ ንስሓ ከምቲ ዝድለ ክጉዓዞ ለምንለይ ንበላ። ማርያም አብ ዘላቶ ወዳ አሎ ክተስምዖ ክትልምኖ ክእለት አለዋ። ንሳ እትብለና ወደይ ዝብለኩም ግበሩ እዩ። ድላይ ወዳ ንግበር ንስሓ ንአውጅ ሽዑ አብ ቤቱ አቲና ምሉእ ዕርቂ ንግበር።
ርሕሩሕ አምላኽና አብዚ ቅዱስ እዋን ጽዋዕ ቅድስና ተቐቢልና ሃሌ ሉያ እናበልና ክንዝምር ከኽእለና ብሓበራ ብምሉእ ልብና ንለምኖ። አብ ኩል አምላኽ ዝተመስገነ ይኹን። ብሩኽ ጾም።
                 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ__