ሰንበት ዘምኵራብ

ኅዳር 23 2011- ዓ.ም. (12/02/2018)

ንዳግማይ  ምጽአት ክርስቶስ ተሰናዲኻ ምጽናሕ

መዝሙር፡
አምላክ ፍጹም ብህላዌሁ.  . . . . .
ንባባት፡ ዕብ 12፡ 22-ፍ
ራእ 14፡14-19
ግ.ሓ. 21፡27-33
ሉቃ  21፡5-11
ምስባክ፡  ኵሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ ሰማይኒ ወበምድርኒ ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት።
“እግዚአብሔር ንዝደለዮ ኩሉ አብ ሰማይን አብ ምድሪን ፥ አብ ባሕርን አብ ቀላያትን ገበረ”
መዝ. 135፡6።
መዝሙር፡ “ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዘሎ አምላኽ ብኅላዌኡ ፍጹም እዩ፥ ንሱ ብግዝአቱ ንዓለም የመሓድር፥ ሰማይ ንኽብሩ ገበሮ ንዓለም ፈጠሮ፥ ንምድሪ አጸበቓ፥ ንኹሎም አብ ጸገም ዘለዉ ከዕርፉ ንባሕርን ንኹሎም ንፋሳትን ገሰጾም፥ ኩሎም አብአ ከዕርፉ ምእን ቲ ንሰንበት ቀደሳ። አብ አምላኽ ጽድቅን ማኅደር ናይ ንጹሓትን አኽሊል ነቶም ዘፍቅርዎ ኢሉ ዘሰናደዎ ምእን ቲ ክትቅበሉ አብኡ ቅረቡ። ንሶም ብጸጋን ብልቦናን ብሃይማኖትን ካብ መጀመርያ ንጎይትኦም ዘሕጎስዎ መምህር ቅዱሳን አኽሊል ሰማዕታት ናይ ካህናት ሽመት ዝኾነ አምላኽ ብጸግኡ አጽንዖም”።
አምላኽ አብ ፍጡራቱ ብፍላይ ከአ አብቲ ንደቂ ሰብ ዝገብረልና ክንርእዮ ቀሊል እዩ። ቀዳሞት ፍላስፋታት አብ ጽባቔን ውህደት ተፈጥሮ ብምዕዛብ ሓደ ክአል ኵሉ ከምዘሎ ክአምኑ ክኢሎም። ነዚ እን ነብሮ ዓለምን ተፈጥራዊ ሕግታቱን ክንዕዘብ እን ተ ከኣልና፥ አብ ሕይወትና አብ ከባቢና ዘሎ ብምዕዛብ ህላዌ አምላኽ ክንርኢ ይክአል። ሓንትስ ክንርኢ ጥራሕ ንድለ። ሰብ ጸገሙ ከይርኢ ከዋሊ፥ ከይቅበል ስእነት ዓቕሚ አልኦ ስለዚ ክርኢ ሓገዝ የድልዮ።
ግብሪ አምላኽ ክርኢ ዝኽአለ ሰብ እታ ቀዳመይቲ ዝገብራ ምምስጋን እያ። ግብሪ አምላኽ ፍቕሩ ስለ ዝገልጸልና ክነመስግን እዩ ዝሕብረና። ማርያም ነቲ ኹሉ አምላኽ ዝገበረላ ምስ ርአየት መዝሙር ምስጋና ዘሚራ። ቅዱሳን ኵሎም ነቲ አምላኽ ዝገበረሎም ስለ ዝረአዩ ንቅድስና ናትና ኢሎም ተተሓሒዞሞ። ንአምላኽ አብ ኵሉ ፍጡር ነገር ክርእይዎ ስለ ዝኸአሉ ንኹሉ የኽብሩን የፍቅሩን ነሮም። ሰማዕታት ሕይወቶም በጃ ዝሃቡ ንአምላኽ ክርእዩ ስለ ዝኸአሉ እዮም። አብ ጸሎታትና “ምንተ አዓስዮ ለእዚአብሔር በእንተ ኵሎ ዘገብረ ሊተ” እናበልና ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ብምርአይ ንአምላኽ እን ታይ ክፈድዮ እየ እናበልና ነመስግን።
እዚ ዘሎናዮ እዋን ዘመነ ምጽአት ተባሂሉ ብክልተ መገዲ ማለት ዘአስተምህሮን ዘስብከትን ተባሂሉ ይፍለጥ ። ንዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ አብቲ ቀዳማይ ምጽአቱ መሰረት ገርና ክንጽበ ዝሕግዘና እዩ። ክርስቶስ ቅድሚ 2000 ዓመት ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ አብ መንጎና ሓዲሩ መጺኡና። ሕጂ እን ጽበዮ ዳግማይ ምጽአቱ እዩ፥ ስለዚ አብዚ መሰረት ገርና ንቀራረብ።
ናይ ሎሚ ሰንበት ዘምኵራብ ተባሂሉ ይፍለጥ። ብፍሉይ አብ ቤተ መቕደስ መሰረት ገርና አስተንትኖና ክንቅረብ ዝሕግዝ ሰንበት። አብ ጊዜ ኢየሱስ ቤተመቕደስ ኢየሩሳሌም ሓደ ካብቶም አብ ዓለም ዝበለጹ አድነቕቲ ዝብሃሉ እዩ ነሩ። ወንጌል ከምዝብለና ንምህናጹ አርብዓ ዓመት ወሲዱ ጌና እውን አይተወድአን ነሩ። ካብቶም ህዝብን አርድእቱን ጽባቔ ቤተ መቕደስን ብዛዕባ ብጽቡቕ አእማን ምህናጹን አብ ምስርሑ ዝተዋህበ ስልማትን እናአድነቑ ክዛረቡ ኢየሱስ ሰሚዕዎም ሽዑ እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም እምኒ አብ ልዕሊ እምኒ ኸይፈረሰ ዘይተርፈለን መዓልታት ኪመጻ እየን ክብሎም እን ከሎ ዘይሰንበደ ክህሉ አይክእልን ፥ ክአምንዎ እውን አይክእሉን። አብ ሃሃገሩ ዘይተጸበይዎ ዘሰንብድን ክርድአካ ዘይክእል ነገራት ከም ዝገጠመ ታሪኽ ይነግረና። ንአብነት አብ አመሪካ 2001 አብተን መናቱ ዝብሃላ (World Trade Center) ህንጻታት ማእከል ዕዳጋ ዓለም “ቤተ መቕደስ ርእሰ ማላውያን” አብ ሓጺር ደቓይቕ ክፈርሳ ንዝርአየ ክሓስብዎ ክአምንዎ አይከአሉን። ብመንጽር እዚ ክንርእዮ ከሎና ቤተ መቕደስ አምላኽ ክፈርስ ማንም ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል አይኮነን ።
ሰማዕቲ ኢየሱስ አድንቖቶም ንምግላጽ እዚ ምአስ እዩ ዝኸውን ፥ እዚ ዝኾነሉ እዋንከ ትእምርቱ እንታይ እዩ ኢሎም ሓተትዎ ። መልሲ ኢየሱስ አብ ምጽአት መጨረሻ ዓለም ዘተኮረ ደአ እምበር አብ ምፍራስ ቤተ መቕደስ እቲ አብ 70 ዓ.ም. ብቲቶ ዝተባህለ ሮማዊ ጀነራል ዝተፈጸመ ዕንወት ዘተኮረ አይነበረን። ብዝኾነ ክልቲኡ ዝተተሓሓዘ እዩ።
ነቶም ብሕይወት ዝነበሩ እሞ ነቲ ዕንወት ዝርአዩ ካልአይ ምጽአት ዓለም ዝገልጽ ኮይኑ ተራእይዎም ይኸውን እዩ።

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ሕቶ ብዘይ ቤተ መቕደስ ከመይ ዝበለ ሕይወት ክነብሩ ይኽእሉ። አብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እን ተ ረአና ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ማእከል እምነቶምን መንነቶምን፥ ዝጽልዩሉ መስዋዕቲ ዘዕርጉሉ አብኡ አምላኾም ዝረኽቡሉ ማእከል ናይ ኩሉ እዩ። እዚ ቤተ መቕደስ ምፍራስ ማለት እስራኤላውያን ካብ ገጽ ምድሪ ሕይወቶም ምጥፋእ ማለት እዩ። አምላኽ ከመይ ኢሉ እዩ እሞ እዚ ነገር ክኸውን ዘፍቅድ? አብ ሕይወቶም ክምለስ ዘይተኻእለ ባዶ ቦታ እዩ ሓዲግሎም። ብ70 ዓ.ም. ቤተ መቕደስ ጨሪሹ ምስ ፈረሰ ድሕሪኡ አብ እስራኤል ቤተ መቕደስ አይተሰርሐን ካብኡ ንድሓር ከአ መስዋዕቲ አዕሪጎም አይፈልጡን።

ቤተ መቕደስ ቤት ጸሎትን አብ አምላኽ ዝዓርግ መስዋዕቲ ዝዓርገሉ ከም ምዃኑ ፍሉይ አኽብሮትን አገባብን ነርዎ። ክረክስ ወይ ዘይግባእ ነገራት ክፍጸሞ ከሎ ብዙሕ ዘሕዝን እዩ በዚ እዩ ኢየሱስ ነቶም አብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝልውጡን ዝነበሩ ዝሰጎጎም። ቤተይ ቤተ ጸሎት እዩ ንስኹም ግን ብዓቲ ጉሓሉን ሰረቕትን ገርክምዎ እናበለ ዝሰጎጎም (ዮሓ 2፡13-22። ሰንበት ዘምኩራብ ከስ ነዚ ርድኢት አሕዲርና ንቤተ መቕደስ አምላኽ ዝግብኦ መልክዕን አገባብን ክነትሕዞ የዘኻክረና።

ቅ. ሉቃስ አብ ወንጌሉ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ክዛረብ እን ከሎ ኢየሱስ ንሓዋርያትን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ፍሉይ ነገር ከረድኦም ስለ ዝደለ እዩ። ከምቲ አብ ብሉይ ኪዳን ርድኢት ቤተ መቕደስ ፍሉይ ዝነበረ አብ ሓዲስ ኪዳን ከአ ፍሉይ ርድኢት ክህልወና ንማለት እዩ። ሕይወት ኢየሱስ ምስ ቤተ መቕደስ ዝተተሓሓዘ እዩ ነሩ። ምስ ተወልድ ድሕሪ 40 መዓልቲ አብ ቤተ መቕደስ ወሲዶሞ ንአምላኽ ከውፍይዎ (ሉቃ 2፡22-38)። ምስ ስድርኡ ብዙሕ ጊዜ አብ ቤተ መቕደስ ይመላለስ ነሩ (ሉቃ ስ 2፡41-51)። ኢየሱስ ስብከቱ ምስ ጀመረ አብ ቤተ መቕደስ ይመላለስ ነሩ፥ ከም ኩሎም አይሁድ ቀረጽ ቤተ መቕደስ ይኸፍል ነሩ (ማቴ 17፡24-27)።

ኢየሱስ ቤተ መቕደስ ከምዝፈርስ ተነብዩ እዚ ግን ብሓዲስ ርድኢት ቤተ መቕደስ ከም ዝትካእ ነጊሩ። እዚ ሓዲስ ቤተ መቕደስ ሰውነት ክርስቶስ እዩ (ማቴ 12፡6)። እዚ ሓዲስ ቤተ መቕደስ እውን ክመውት ክፈርስ እዩ እን ተ ኾነ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ብሓዲስ ክትንሥእ እዩ (ዮሓ 2፡19-21)። እዚ ርድኢት ብቅ. ጴጥሮስን ጳውሎስን ብዝያዳ ተገሊጹ ንረኽቦ ። ከም ርድኢት ቅ. ጳውሎስ ምስ ሰውነት ክርስቶስ ምውህሃድ ማለት አብ ቅዱስ መቕደስ ምውህሃድ እዩ፥ አብኡ መንፈስ ቅዱስ ይኃድር (1ቆሮ 3፡16-17፥ 2ቆሮ 6፡16)።

ቤተ መቕደስ ዝብል ርድኢት ንህንጻ ቤተ ክርስትያን እውን የስምዕ እዩ። አብኡ ጸሎት ይግበር፥ መስዋዕቲ ይዓርግ፥ ቃል አምላኽ ይንበብን ይስማዕን፥ ምስጢራት ኩሎም ይስርዑ። ቤተ ክርስትያን ከም ቤተ መቕደስ አምላኽ መጠን ዝግብኦ ክብርን መዓርግን ክውሃቦ ይግባእ። ጸጥታን ሰላምን የድሊ፥ አብ ቅድሚ ቤት አምላኽ፥ አምላኽ ዝደልዮ ጥራሕ ክንገብር ይግብአና ካልእ ዘይናቱ ከይነልብሶ ምጥንቃቕ የድሊ። እዚ ነቲ ኩሉ ግዙፋዊ አገባብና ዝምልከት እዩ።

ወንጌል ሉቃስ ቀጺሉ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ድሕሪ ነጊሩ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና ተኸተልቱ ክብለና ዝደሊ ከምዘሎ ይነግረና።

ንእን ርእዮ ምልክታት ብዘይናቱ ከይነንብቦ ወይ ብዘይመጠን ከይንሻቐል የጠንቅቐና። ብዝመስል ቀዳሞት ክርስትያን ካልአይ ምጽአት ክርስቶስ አብ ግዚኦም ከም ዝኸውን እዮም ዝሓስቡ ነሮም። እዚ ኸአ አብ ብዙሕ ናይ ሓሶት ነገራት ከም ዝአምኑ ገርዎም። ገሊኦም አነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ገለ ኸአ አብዚ አሎ አብቲ እባ እናበሉ ንብዙሓት የታልሉ ነሮም በዚ ኸአ መወዳእታ ዓለም ከም ዝቐረበ ይሓስቡ ነሮም። ንብዙሓት አይሁድ ዝነበሩ ክርስትያን ዕንወት ቤተ መቕደስ መጀመርያ ምልክት መወዳእታ ዓለም ገሮም ይወስድዎ ነሮም። ቅ. አጎስጢኖስ ሮማ ማእከል ክርስትና አብ ኢድ አረማውያን ክትወድቕ ምስ ረአየ መወዳእታ ዓለም ከም ዝቐረበ ገሩ ይሓስብ ነሩ፥ ናይ ሮማ ዕንወት ናይ ዓለም መወዳእታ ገሩ ይሓስቦ ነሩ። አብ ዝኾነ እዋን ብዝገጥም ከይንርበሽ ከይንጭነቕ ይነግረና። እን ርእዮም ምልክታት ዕብየቶም ብዘየገድስ ዘይናቶም መልክዕ ከይነልብሶም የጠንቅቐና ።

ኢየሱስ ሎሚ እውን ንኹልና አመንቱ ሰባት ብዘውረይዎ ብቐሊል ከይንቕበል ወይ ከይንጋገ የጠንቅቐና። ከምዚ ሎሚ ዓለምና ብዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት ሰበኽቲ እዚ እዩ ሓቂ እዚባ እናበሉ ልቢ ብዙሓት ዝሰልቡ ዘለዉ አስተውዕሉ ምስ ዝነፈሰ አይትንፈሱ ይብለና አሎ። ውግእን ወረ ውግእን ወይ ባህርያዊ ዕንወት ክንርኢ ከሎና መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ኢልና ከይንሻቐል የጠንቅቐና። አብ ኵሉ ሥፍራ ዓቢይ ምንቅጥቃጥ ምድርን ረሃብን ፌራን ኪኸውን እዩ። እዚ ግን መወዳእታ ዓለም ከም ዝኾነ ብግድን ዝሕብር አይኮነን ይብለና። ስለዚ አብዚ እዋን ዝውሃብ መልእኽ ቲ መወዳእታ ዓለም ሕጂ ከምዘይከውን እዩ።

አብ ታሪኽ ከም ዝተራእየ በብእዋኑ ገለ ዓበይቲ ፍጻሜታት አብ ልዕሊ ሰባትን ሃገራትን ክወርድ ክርአ እን ከሎ ብዙሓት መወዳእታ ዓለም ከም ዝኾነ ይዛረቡ። ጥመት፥ ምንድቕዳቕ ምድሪ ምዕልቕላቕ ምስ በዝሐ መወዳእታ አኺሉ ዝብሉ አለዉ። እንተኾነ ኩሉ ዝተባህለ ሓሶት ከምዝኾነ በብእዋኑ ታሪኽ ገሊጹልና። ናይ ሓደ ክርስትያን ርድኢት አብ ፍርሕን ምሹቕራርን ዝተመስረተ ክኸውን አይግባእን ። ነቲ ዝገጥም ነገራት ከም አብ አምላኽ ንምምላስ ሓዲስ ምዕራፍ ዝኸፍት እሞ ሓዲስ ምጅማር ከም ዘመልክት ገርና ክንርእዮ እምበር ዘይናቱ ትርጉም ክንህቦ አይግባእን።

እቲ ዝያዳ ሓለዋን ምሕዳስን ዘድልዮ ዘሎ ህንጻ አምላኽ ዝኾነ ሰውነትና እዩ። ልብና ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ክኸውን እሞ ቅዱስ ሕይወት ክንለብስ እዩ ድላይ አምላኽ እንተኾነ ነፍሲ ወከፍና ክንርኢ እንተ ኸአልና ብሓቂ መብዝሕትና ጽረት ምሕዳስ ዘድልዮ ልብን ሕይወትን እዩ ዘሎና። ልብና ረሲሑ ተበላሽዩ እን ከሎ ንክርስቶስ ክንቅበሎ አይክአልን እዩ እንተ ተቐበልናዮ ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ ከይተገብኦ እን ጌራ ጎይታ ዚበልዕ ወይስ ጽዋዕ ጎይታ ዚሰቲ አብ ናይ ጎይታ ሥጋን ደምን እዩ ዝዕግብ። እምብአር ሰብ ካብዚ እን ጌራ እዚ ቅድሚ ምብልዑን ካብዚ ጽዋዕዚ ቅድሚ ምስታዩን ርእሱ ይመርምር፥ ከመይ ሥጋ ጎይታ ምዃኑ ፈልዩ ኸይፈለጠ ዚበልዕን ዚሰትን አብ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ እዩ ዜምጽእ (1ቆሮ 11፡27-29) ይብለና። በዚ ብሩኽ ሰንበት ዘምኵራብ እምብአር መጀመርያ ንቤት አምላኽ ዝግብኦ አኽብሮን መልክዕን ክነልብሶ፥ ከምኡ ህንጻ ቤት አምላኽ ዝኾነ ልብና ክነጽሪ ክንሳሕ እሞ ንምጽአት ክርስቶስ ነቒሕና ክንጽበ። ኦ ኢየሱስ መድኅነይ ልበይ ከንጽሕ ጸጋ ሃበኒ ንበሎ።

ብሩኽ ሰንበት ዘምኵራብ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ