ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም) የካቲት 4 2010 ዓ.ም.(2/11/18)

ንባባት፡ 1ቆሮ 9፡16-23፥ 1ጴጥ 4፡1-11፥ ግ.ሓ. 15፡13-35፥ ማር 1፡29-39 
ምስባክ፡ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሐት፥
            ወተሓሰዩ ሎቱ በርዓድ፥
            አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር። 
ትርጉም፡ “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት አገልግልዎ፥
              ብርዓድ ከአ ስገዱሉ፥
               እግዚአብሔር ከይኩሪ ንጥበብ አጽኒዕኩም ሓዝዋ” መዝ. 2፡11።

መዝሙር፦ ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብራዕድን ተገዝእዎ። ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን ነመስግኖ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ። ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና።

ዘመነ ጾም ናይ ክፍሊ ሓጋይ ካልአይ ዘመን እዩ። እዚ እዋን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ብጽሞን ጸሎትን ዘሕለፎ 40 መዓልታት የዘኻኽረና። ስለዚ ኢና ብጾምን ብጸሎትን ናብ ትንሣኤ ክንሰናዶ ዘሎና። ጾም ታሕሣሥ ናብ ልደት ንምስንዳው ከም ዝኾነ፣ ጾመ 40 ከአ ናብ ብዓለ ትንሣኤ የሰናድወና። አብዚ ን8ተ ሰናብቲ ቤተ ክርስትያን ንጾም ዚኸውን መዛሙር አሰናድያ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ተቕርበልና። እዚ ከአ 1. ዘቅበላ፥ 2. ዘቅድስት፥ 3. ዘምኵራብ፥ 4. ዘመጻጉዕ፥ 5. ዘደብረዘይት፥ 6. ዘገብርኄር፥ 7. ዘኒቆዲሞስ፥ 8. ዘሆሣእና እናበልና ንሰምዮም።

ናይ ሎሚ ሰንበት ዘወረደ ወይ ዘድራር ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። ናብ አምላኽ ክንቀርብ ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን ኢና እንጅምር ዘሎና። አብ አምላኽ ክንቀርብ ከሎና መጀመርያ ፍቕሩ ክንርኢ ክንክእል ኢና፥ ድሕሪኡ አባና ዘሎ አምላኽ ዘይፈትዎ ንርኢ እሞ ንንስሓ ንቕረብ። ጾም ንጹም ንብጻይና ከም ነፍስና ነፍቅር ኢልና እናጸለና ኸአ ብዝያዳ አብቲ ብመዓልቲ ሰንበት እንገብሮ ተግባር ክንገልጾ የዘኻኽረና። ጾም መለልይኡ ንስሓ፣ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ኮይኑ ብጸሎትን ርእስኻ ብምቕጻዕን ንጸገማት ካልኦት አብ መንፈሳውን ቍጠባውን አብ ምሕጋዝ አበርክቶና ክንዕዝዝ ኢልና እናተጋደልና እነሕልፎ ቅዱስ እዋን እና እንጅምር ዘሎና።

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ እዚ ዓመት ጾም አርብዓ “ንፍቕሪ ካብ ዘጥፍኡ ሓሰውቲ ነብያት ተጠንቀቑ” ብዝብል መልእኽቲ ክንጅምሮ ተምሕጺኖምና አለዉ። ሓሰውቲ ነብያት ዝብል ትርጋሜኡ ንኹሉ ካብ አምላኽን ሰብን ዘርሕቐና ነገራት አለሊልና ክንክእል እሞ ቅዱስ እዋን ክነሕልፍ እዩ ዝድለ ዘሎ። ቅዱስ አቦና አባታዊ ምሕጽንትኦም ኩልና መገዲ አምላኽ ክንሕዝ እሞ አብ መንጎና ሰላም ፍቕሪ ክንገስ እዩ። ጾም አርብዓ ብመንፈሳዊ ነገራትና ዓቢና ነገር አምላኽ አቐዲምና ክንከይድ ስለ ዝሕግዘና ሃየ ሎሚ እውን ንድኹም ሥጋና ስዒርና ንአምላኽ ንቕረቦ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ሕሙማትን ብዝተፈላለየ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ንኢየሱስ ከም ዝረኸቡ እሞ ስቓዮም አብ አምላኽ ከቕርቦም ከም ዝኽአለ ይነግር። ሰለስተ ጊዜ ኢየሱስ ንሰባት ከሕዊ ንርኢ። ፩ይ አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አሕውይዎም፥ ፪ይ አብ ገዛ እንዳ ጴጥሮስ፥ ፫ይ ከአ አብ መገድታት። አብዚ እንርእዮ ናይ ነፍሲወከፍ ዝደልዮ ከም ዘማልአሎም እዩ። ሰብ ካብ ዝዓበየ ዝንአሰ ሕማም ክሓዊ፣ መጀመርያ አምላኽ ከሕውዮ ከምዝኽእል ክአምን አለዎ፥ ስዒቡ ሕማሙ ከለሊ አለዎ ሽዑ አብ ኢየሱስ (አምላኽ) ክቐርብ አለዎ። እንጅምሮ ዘሎና ቅዱስ እዋን ነዚ ክነተግብር እዩ ዘዘኻኽረና።

፩ይ ጸገም አብ ዘለዎ ኢየሱስ አብኡ ምሳና አሎ። እዚ እዩ እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ንባባት ናይ እዚ ሰንበት። አብ ጸገም አብ ፈተና አብ ዘሎናሉ ኵሉ ጊዜ አምላኽ ምሳና አሎ፥ “ዘኽታማት ኮንኩም ክትተርፉ አይኃድገኩምን እየ” (ዮሓ 14፡18) እናበለ ኩሉ ጊዜ ምሳና ከምዝህሉ ነጊሩና እዩ። አብ ገለ እዋን ከቢድ ጸገም ወይ ሕማም እንተ ወረደና ተስፋ ንቖርጽ ነንጸርጽር ግን “ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም አይኮነን፥ መገድታትኩም ከአ ኻብ ምገድታተይ ፍሉይ እዩ” (ኢሳ 55፡8) ንዝብል ክንዝክር አሎና። አምላኽ በዚ ወሪዱኒ ዘሎ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፈለይ ዘሎ ክንብል አሎና። ሓደ Zac Smith ዝተባህለ ፍሉጥ ሰብ ሕማም ካንሰር ከመይ አቢሉ አብ አምላኽ ከምዘቕረቦ ክገልጽ እንከሎ “ካንሰር ካብቲ ዝበለጸን ዝጸበቐን ነገር አብ ሕይወተይ ዝገጠመኒ እዩ ይብል። ምናልባት እዚ አዘራርባ የገርመና ይኸውን እዩ፥ እንተኾነ

Zac Smith ቅድሚ ምማቱ አብ ቪድዮ ቀሪጹ ዝሓደጎ ዘረባ እዩ። ቶማስ ዋትሶን ከአ “ናይ ዓራት ሕማም ዝምህሮ ይበዝሕ ካብ ዝበለጸ ስብከት” ይብል። አብ ጊዜ ሕማምን ስቓይን ትርጉም ተፈጥሮና ክንርኢ ይሕግዘና ብዝያዳ ኸአ አብ አምላኽ ክንአምን ይሕግዘና፥ ዓይኒ ሕልናና ክንርኢ ይሕግዘና እሞ አብ ፍቕሪ አምላኽ አቲና ንክፍአትና ክንንሳሕ ይሕግዘና።

፪ይ ሕማም አብ አምላኽ የቕርበና፡ ንእንታይነት ኢየሱስ ክርኢ ዝኽአለ ብዙሕ ህዝቢ አብኡ ገጹ ይውሕዝ ነሩ። ማርቆስ ወንጌላዊ አድናቖቱን ነቲ ኢየሱስ ክገልጸልና ምስ ደለየ፡ አብ ገበላ እንዳ ጴጥሮስን እንድርያስን አጋ ምሸት ምስ ኮነ ኢየሱስ ከሕውዮም ብዝደልዩ መሊኡ ነሩ፥ ሰብ ቅፍርናሆም ሕሙማቶም አብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ከምጽኡ ፀሓይ ክሳብ ትዓርብ ተጸበዩ፥ ብብዝሒ ህዝቢ እቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ክሳብ ምዕጻው ዝስእንዎ ኮነ እናበለ ይነግረና። ሓደ ዓቢ ሓኪም ከም ዝብሎ ናይ መድኃኒት/ፈውሲ ጥቕሚ “አብ ገለ እዋን ከሕውየካ፥ ብዙሕ ጊዜ ኸአ ንዘሎ ቃንዛ ወይ ሕማም አህድእ ከብለልካ፥ ኩሉ ጊዜ ግን ዘጽንዓካ ዘበርትዓካ እዩ” ይብል። ነዚ ኹሉ ዝገብር ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ነይሩ። ሎሚ እቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ እንገብር ከአ ንሕና ኢና። አብ ገለ እዋን አብ ብርቱዕ ስቓይን ቃንዛን ዘሎ ንአምላኽ ክዝክር ቀሊል አይኮነን ግን አብ ከምዚ እዋን እዩ አምላኽ ብምስጢራውን ልሙድ ብዘይኮነ መገዲ አብ ሕይወትና ዝአቱ። ዝኾነ ሕማም ወይ ስቓይ መልእኽቲ አለዎ ስለዚ አለሊና ክንክእል አብ ኢየሱስ ንቕረብ።

Elixabeth Barrett Browning (1806-1861) እትብሃል ሓንቲ ካብቶም ዝበርትዑ ገጠምቲ አብ ጊዜ ንግስነት ቪክቶርያ ዝነበረት እያ። ጽሑፋታ አብ ዓዲ እንግሊዝን አሜሪካን ብዘይመጠን ግኑንን ብብዝሒ ተቐባልነት ረኺቡ ዝናኣ አብ ኩሉ በጺሑ። ብ1844 ዝገበረቶ ግጥሚ ካብ ኩሎም ዝተወርየት ገርዋ። Robert Browning ዝተባህለ ብግጥማ ደስ ኢልዎ አብ ዝጽሓፈላ ክሳብ ክንደይ ንስርሓ ከም ዝፈቅሮ ነጊርዋ። ድሕሪኡ ግን ኤሊዛበት ብርቱዕ ሓሚማ ካብ ዓራት ዘይትትንሥእ ርእሳ ክተንቀሳቕስ ዘይትኽእል ኮይና ማሲና ነራ። ሓደ መዓልቲ Robert Browning ክበጽሓ ምስ መጺአ አብ ሕይወታ ፍጹም ሓጎስን ደስታን ፈጢሩላ ርእሳ ክተልዕል ከአ ጀሚራ። አብ ካልአይ ምብጻሕ አብ ዓራት ኮፍ ክትብል ጀሚራ። አብ ሳልሳይ ምብጻሕ ምሉእ ጥዕና ረኺባ ተንሢአ ክትከይድ ጀሚራ ነዊሕ ከይጸንሐት ከአ ነዚ ሕይወት ዝሃባ ሰብ ተሓጽያ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከአ ተመርዓዕዮም። ፍቕሪ አካላውን ሞራላውን ምሕዋይ ከምጽአልና ይኽእል እዩ። ስለዚ ዘገርም አይ ኮነን ናይ ሎሚ ወንጌል ብዙሓት አብ ኢየሱስ ብአካል ምስ ቀረቡን ተንከፍዎን ፍቕሩ ምስ ረከቡ ሓውዮም እንተበለና። Charles Spurgean ዝተባህለ “አምላኽ ሓደ ከቢድ ጾር እንተ አውረደልና አብ ትሕቲኡ አእዳዉ ይገብር” ይብል። ዘይንኽእሎ ጸገም ወይ ፈተና አየውርድልናን እዩ ሓንትስ ርኢና ንኽአል እምበር።

፫ይ ሕማም አብ አሕዋትና ከም እንቐርብ ይገብረና። እቶም ብዙሕ ዝሳቐዩ ዝያዳ ምድንጋጽ አብ ካልኦት ሰባት አለዎም። ሓደ ህዉኽ ንኹሉ ክፈልጥን ጽቡቕ ክገብርን ብርቱዕ ድሌት ዝነበሮ ተመሃራይ ንመምህሩ፣ መምህር ንኹሎም አብ ዓለም ዝሳቐዩ ክሕግዝ እንታይ እንተ ገበርኩ ይሓይሽ እናበለ ሓተተ። ጽቡቕ እንታይ ክትገብር ትኽእል እናበለ መምህር ንሕትኡ ብሕቶ መሊስሉ ይብሃል። መጀመርያ ዓቕምኻን ክትግብሮ እትኽእልን ምርአይ የድሊ ቅድሚ ጸገም ካልኦት ምርአይ። ስለዚ ሓደ ሰብ ብዛዕባ አብ ዓለም ዘሎ ስቓያትን ውርደትን ቅድሚ ምርአዩ አብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘሎ ጸገማትን ፈተናንን ክርእን ክቕይርን ክኽእል አለዎ እንተ ዘይኮነ ሓንቲ ፋይዳ ወይ ጥቕሚ የብሉን ብኻልኦት እንተ ተገደሰ። ከምቲ ሓደ ሓምቢሱ ዘይክእል ሰብ ንሓደ ዝጥሕል ዘሎ ሰብ ከውጽእ ኢሉ አብ ውሒዝ ዘሊሉ ከም ምእታው እዩ። ንዝጥሕል ዘሎ ክረድእ እንተ ኾይነ መጀመርያ አነ ከመይ ገርካ ከም ዝሕምበስ ክምሃር አሎኒ ቅድሚ ንኻልኦት ምሕጋዘይ፥ ስለዚ ቅድሚ ናይ ካልኦት ጸገማት ምፍትሐይ ጸገማተይ ክፈትሕ አሎኒ።

Shantideva ዝተባህለ ቅዱስ ህንዳዊ “አብዚ ዓለም ሓጎስ እንተሎ ኩሉ ካብቲ ንኻልኦት ክተሓጉስ ኢልካ እትገብሮ እዩ

መሰረቱ፥ ብአንጻሩ አብ ዓለም ስቓይ እንተሎ ኸአ ንአይ ንርእሰይ ጥራሕ ክሕጎስ ካብ ዝብል እዩ መሰረቱ” ይብል ነሩ።

አብ ካልኦት ዘሎና ተገዳስነት አብ ግብሪ ከነርእዮ ይግባእ፥ እዚ ኸአ ነቶም ንዋታውን ሞራላውን መንፈሳውን ሓገዝ ዘድልዮም ምሕጋዝ እዩ። ንሕሙማት ምብጻሕን ምሕጋዝን፥ ንድራታቶም ብኹሉ ምርዳእ ካብቲ ከም ክርስትያን ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት እዩ። ከምቲ ኢየሱስ ምእንቲ ካልኦት ዝነብር ዝነበረ ንሕናውን ከምኡ ክንከውን አሎና፥ ንሱ ምእንቲ ካልኦት እዩ ነሩ ኩሉ ዘለዎ ምስኩሉ ይማቐሎ ነሩ። ነዚ ብሓቂ አብ ዓሚቕ አስተንትኖ ዘእትወና ክንፍጽሞ ብቆራጽነት ንበገስ ንሱ ኸአ ንኸማና ዝበሉ ሰባት ብምፍቃር፥ ብምምሓር፥ ብምሕላይን ይቕረ ብምባልን ክንገብሮ ንኽእል። ብዝጓነፈና ነገራት ወይ እውን አብ ከባቢናን ዓለምናን ብእንርእዮ ክፉእ ነገራት ከይተዓናቐፍና ሕይወት ከም ኢየሱስ መምህርና ሓቀኛ ሕይወት ንመንነትና ዝገልጽ ገርና ክነብሮ ይግብአና።

ከም ኢየሱስን ጳውሎስን ንጸዋዕታናን ተልእኮናን ብዓይኒ ሓላፍነት ክንለብሶ አሎና። ቅ. ጳውሎስ አበርቲዑ ወንጌል ክሰብኽ ከምዘለዎ ክገልጽ እንከሎ “ክሰብኽ ምእዙዝ እየ እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ” ይብል። ታሪኽ ሕይወቱ ከምቲ ናይ ሓደ ሰብ ሕሙም ዝነበረ እሞ ዝሓወየ ምሉእ ሕይወቱ ንኻልኦት ሕሙማን ክሕግዝ ዝተወፈየ እዩ። ከምኡ እውን ከም ሓደ ሓኪም ንፍሉይ ሕማም ፍሉይ ክታበት መድኃኒት ዝረኸበ እሞ ንኹሉ ብነጻ ዝዕድል እዩ። ነቲ ብነጻ ዝተዋህበና ጸጋ አምላኽ ብነጻ ንካልኦት ክነካፍሎ እዩ አምላኽ ካባና ዝደልዮ። አብ ገለ እዋን ፍሉይ ክእለት ወይ ውህበት ዘለዎም ሰባት ባዕሎም ከም ዝፈጠርዎ የርእዩ እሞ አብ ትዕቢትን አንነትን ወዲቖም ካብኦም ብዓቕሚ ንዝሓመቑ ክጭኩኑን ከዋርዱን ይርከቡ። ረድኢ ክርስቶስ ቀዳመይቲ ተልእኮኡ፣ ዘለዎ ህያብ ብዘየገድስ ናእዳን ግብዝነትን ካብ ርእሱ አርሒቁ ንኻልኦት ምግልጋል እዩ።

አምላኽ አባና ዓይኑ አውዲቑ ፍሉይ ጸጋ እንተ ሃበና ትሕትና ለቢስና አብ አገልግሎት አምላኽን ሓውናን እንተ አውዓልናዮ ቤትናን ዓድናን በረኸት ይበዝሖ። እምብአር ሎሚ ነዚ ብፍሉይ ክንሓስቦን አብ ግብሪ ክነውዕሎን ብቆራጽነት ንበገስ።

ጳውሎስ ንኢየሱስ አብ መገዲ ደማስቆስ ብተአምራት እዩ ረኺብዎ። እዚ ምስ ኢየሱስ ዝገበሮ ርክብ ጨሪሹ ሕይወቱ ብምልኡ ቐይርዎን እምነቱ አጽኒዕሉን። በዚ ምኽንያት ከአ ሕይወቱ ንስብከተ ወንጌል አወፍዩ። ምስክርነቱ ኸእ “ነቶም ድኩማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ ምስቶም ድኹማት ድኹም ኮንኩ። ብኹሉ መገዲ ንገሊአቶም ምእንቲ ከድኅን ንኹሉ ሰብ ኵሉ ኾንኩ፥ እዚ ግና ካብ በረኸቱ ምእንቲ ኽካፈል ምእንቲ ወንጌል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘሎኹ” እናበለ ገሊጹ። አብዚ እንርእዮ ጳውሎስ ንመጸዋዕትኡ ንካልኦት ከድሕን ከም ሓላፍነት ገይሩ እዩ ዝርእዮ ነይሩ። ንሱ ብምልኡ አብ ስብከት ወንጌል ዝተወፈየ፥ ንብዙሓት ነፍሳት አብ ክርስቶስ ከምጽእ ጽምአት አሕዲሩ ለይትን መዓልትን ዝሰበኸ አብነትና እዩ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ሓደ ካብቲ ብንጹር ክንርእዮ ዝደልየና ኢየሱስ ከም ዝሰበኸን ንብዙሓት ካብ ዝነበሮም ርኹሳት መናፍስትን ካልእ ጸገማትን ነጻ ከም ዝገበረን እዩ። ብእምነት አብኡ ቀሪቡ ከይሓወየ ዝኸደ ወላ ሓደ አይነበረን። ሎሚ እውን ኢየሱስ ከሕውየና ንደሊ እንተ ኾይንና አብኡ ምሉእ እምነት ክህልወና ይግባእ። እቲ ሰናይ ዘሓጉስ ብስራት ነጻ ከውጻአና እንተ ኾይኑ ክንአምኖ አሎና።

ኃይልን ስልጣንን ኢየሱስ ሎሚ እውን ልክዕ ከም ቀደሙ እዩ። ንኹሎም እቶም ብእምነት አብኡ ዝቐርቡ ከሕዊ ቅሩብ እዩ። ዝተቐየረ ሕይወት ክንለብስ ሎሚ እውን ክትንክፈና አብቲ ዘዘሎናዮ ኩነት ሕይወትና መጺኡ ከሕውየና ፍቓደኛ እዩ ሓንትስ ብትሕትና ንቕረቦ። ስለዚ ነቲ ዝሓዘነ ልብና ዘሕዊ አምላኽ ነመስግኖ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ