ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም)
፳፬(24) የካቲት ፳፻፲፩ (2011) ዓ.ም.ግ (3/3/2019)
መዝሙር፡
ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሓት. . . . .
ንባባት፡
1ቆሮ 15፡54-58
1ዮሓ 5፡5-14
ግ.ሓ. 2፡38-42
ሉቃ 6፡39-45
ምስባክ፡ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሐት፥ ወተሓሰዩ ሎቱ በርዓድ፥ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር። “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት አገልግልዎ፥ ብርዓድ ከአ ስገዱሉ፥ እግዚአብሔር ከይኩሪ ንጥበብ አጽኒዕኩም ሓዝዋ” መዝ. 2፡11።
መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብርዓድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን ነመስግኖ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና።
እቲ ሓቂ ዝኾነ ሰብ ምሉእ ሓቂ አብዘለዎ፥ ጭቡጥ ሓበረታን ነቶም ዝምልከቶም ሰባት ክዛረብ ይክአል። እዚ ንዝኾነ ፍርዲ አብ እንህበሉ ከመልክት ይኽእል።
ዘመነ ጾም ናይ ክፍሊ ሓጋይ ካልአይ ዘመን እዩ። እዚ እዋን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ብጾምን ጸሎትን ዘሕለፎ 40 መዓልታት የዘኻኽረና። ስለዚ ኢና ብጾምን ብጸሎትን ናብ ትንሣኤ ክንሰናዶ ዘሎና። ጾም ታሕሣሥ ናብ ልደት ንምስንዳው ከም ዝኾነ ጾመ 40 ከአ ናብ ብዓለ ትንሣኤ የሰንድወና። አብዚ ን8ተ ሰናብቲ ቤተ ክርስትያን ንጾም ዚኸውን መዛሙር አሰናድያ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ተቕርበልና። እዚ ከአ
1. ዘቅበላ፥
2. ዘቅድስት፥
3. ዘምኵራብ፥
4. ዘመጻጉዕ፥
5. ዘደብረዘይት፥
6. ዘገብርኄር፥
7. ዘኒቆዲሞስ፥
8. ዘሆሣእና እናበልና ንሰምዮም።
ናይ ሎሚ ሰንበት ዘወረደ ወይ ዘድራር ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። ናብ አምላኽ ክንቀርብ ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን ኢና እንጅምር ዘሎና። አብ አምላኽ ክንቀርብ ከሎና መጀመርያ ፍቕሩ ክንርኢ ክንክእል ኢና፥ ድሕሪኡ አባና ዘሎ አምላኽ ዘይፈትዎ ንርኢ እሞ ንንስሓ ንቕረብ። ጾም ንጹም ንብጻይና ከም ነፍስና ነፍቅር ኢልና እናጸለና ኸአ ብዝያዳ አብቲ ብመዓልቲ ሰንበት እንገብሮ ተግባር ክንገልጾ የዘኻኽረና። ጾም መለልይኡ ንስሓ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ኮይኑ ብጸሎትን ርእስኻ ብምቕጻዕን ንጸገማት ካልኦት አብ መንፈሳውን ቍጠባውን አብ ምሕጋዝ አበርክቶና ክንዕዝዝ ኢልና እናተጋደልና እነሕልፎ ቅዱስ እዋን እና እንጅምር ዘሎና።
ናይ ሎሚ ወንጌል ንባብ ነቲ ቅ. ሉቃስ አብ ጎልጎል (ማቴ አብ እምባ እዩ ዝብሎ) ዝነግረና ብዛዕባ ብፁአን ኢየሱስ ዘስተምሃሮ እዩ ዝነግረና። አብ ዝሓለፈ ሰንበት አይትፍረዱ ከይትፍረዱ ዝብል አንቢብና። እዚ ማለት ብዛዕባ ሰባት ጨሪሽና ክንዛረብ አይንኽእልን ማለት አይኮነን። አብ ሓቅን ቅንዕናን ዝተመስረተ ርኢቶ ወይ ነቐፈታ ክንህብ ይክአል እዩ። ንአብነት ሓደ ምርኢት ሕማቕ እንተ ኾነ ወይ ሃናጺ እንተኾነ ከከም ኩነታቱ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። እቲ ኢየሱስ ዝኽልክለና ዘሎ አውንታዊ ዘይኮነ ጸለመን አዕናዊ ፍርድታት እዩ። አብ ገለ እዋን ሃናጽን ሓጋዝን ወቐሳ ክንህብ ንግደድ ኢና። አብዚ ጾም እንአትወሉ ዘሎና ንጉድለት ካልኦት ጥራሕ ካብ ምርአይ አብ ጉድለትና አተኲርና ንርእስና አብ ቅኑዕ ሕይወት ክነእቱ ንጽዓር።
ሰብ ብተፈጥርኡ ንነገራት አብ መጀመርያ ቅልጥግ ኢሉ ከየስተውዓለ ይገብር አብ ካልአይ ሕስብ ምስ አበልና ወይ ነገራት ምስ ረአና ግን ንዝሕል። አብ ሰባት ፍርዲ ክንህብ መጀመርያ ነገራት ክርድአና ክንፈልጦ ይግባእ። ዕዉርዶ ንዕዉር ክመርሖ ይኽእል እዩ እናበለ ኢየሱስ ይሓትት። ከምኡ እንተ ኾነ ሳዕበኑ ርዱእ እዩ፥ ክልቲኦም አብ ጉድጓ እዮም ዝአትዉ። ቅድሚ አብ ሓገዝ ካልኦት ምእታውና መጀመርያ ንርእስና ንርአ።
አብ መዓልታዊ ሕይወት ሰባት ብዙሕ ጊዜ ብዙሕ አፍልጦ ዘይብሎም ክንሶም ክሓምዩ ክፈርዱ ትሰምዕ፥ ንአብነት ናይ መንግስቲ አከፋፍላ ቀረጽን ከምኡ ዝአመሰሉ ነገራት። ገለ ሰባት ብዙሕ አብ ቤተ ክርስትያን ዘይሳተፉ ወላ አብ ሓንቲ ናይ ተልእኮ ስራሕ ዘይሳተፉ ብዛዕባ አብ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ፍርዲ ክህቡ ድሕር አይብሉን። ብርግጽ አብ ቤተ ክርስትያን ጌጋታት አይግበርን ማለት አይኮነን። ከምኡ አብ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ጌጋታት ክጋለጹ የብሎምን ማለት አይኮነን።
2. ዘቅድስት፥
3. ዘምኵራብ፥
4. ዘመጻጉዕ፥
5. ዘደብረዘይት፥
6. ዘገብርኄር፥
7. ዘኒቆዲሞስ፥
8. ዘሆሣእና እናበልና ንሰምዮም።