[For English version please click here]
+ ብስም ኣብን ወልደን መንፈስ ቅዱሰን ሓደ ኣምላክ ኣሜን።

ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነበር . . .
ሰላም ንዓኪ ኦ ማርያም . . .
ጸሎት ሃይማኖት ሓዋርያት ዝደረሱዎ . . .

ኣርእስቲ ጸሎት ታስዕቲ ከም ኣድላይነቱ ኣብዚ ያኣቱ

{"ኦ ዘለዓለማዊ ኣቦ ምእንቲ ሕድገት ሓጢያትናን ናይ መላእ ዓለምን፡ ናይ ብዙሕ ዝፍቶ ወድኻ፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶሰን ስጋን ደምን፡ ነፍሰን መለኮትን አቕርበልካ ኣለኹ" 

["ምእንቲ ስቃይ ዝመልኦ ሕማማቱ፡ ንዓናን ንመላእ ዓለምን መሓረና"X10 ይድገም} X5 ይድገም

"ቅዱስ እግዚኣብሔር
  ቅዱስ ሓያል
  ቅዱስ ሕያው ዘይትመውት
  ንዓናን ንመላእ ዓለመን መሓረና" X3 ይድገም

ሊጣንያ መለኮታዊ ምሕረት ደጊምና ንዛዝም ፡፡
ኦ ጎይታ……………………………… መሓረና
ኦ ክርስቶስ……………………………መሓረና
ኦ ጎይታ…………………………………መሓረና
ኦ ክርስቶስ…………………………ስምዓና
ኦ ክርስቶስ…………………………ጽን በለና
ኦ ሰማያዊ ኣብ ኣምላኽ…………………መሓረና
ኦ መድሓኔ ዓለም ወልደ ኣምላኽ…………መሓረና
ኦ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ……………መሓረና
ኦ ቅድስት ስላሴ ሓደ ኣምላኽ…………መሓረና
ኦ ካብ ከርሲ ኣብ እትፍልፍል ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ……ኣባኻ ንእመን
ኦ  ዘይትብጻሕ ምስጢር ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ናይ መለኮት ዝለዓለ መግለጺ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ካብ ምስጢረ ስላሴ እትፍልፍል ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ብኣእምሮ ሰብን መላኣክትን ዘይትምርመር ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ናብ ኩሉ ሕይወትን ታሕጓስን ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ናይ ኩሉ መንክራት ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ንመላእ ፍጥረታት ዓለም እትጭብጥ ምሕረት ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ብስጉው ቃል ኣብ ዓለም ዝመጻእካ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ካብ ርሑው ቁስሊ ልቢ ኢየሱስ ዝወሓዝካ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ምእንታና ብፍላይ ከኣ ንሓጢኣተናታት ኣብ ልቢ ኢየሱስ ዝተዓቆርካ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን

ኦ ንቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝመስረትካ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ንምስጢረ ጥምቀት ዝሰራዕካ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ብጎይታና ኢየሱስ ገቢርካ እተጽድቀና ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ኣብ ኩሉ ሕይወትና እተሰንየና ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ብፍላይ ኣብ ሰዓት ሞትና እትሓቁፈና ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ዘይትመውት ሕይወት እትህበና ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ካብ ሓዊ ገሃነመ እሳት እትስውረና ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ብመላእኽቲ እትድነቕ፡ ብቅዱሳን ከኣ ዘይትጭበጥ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ኣብ ኩለን መለኮታውያን ምስጢራት እትነበር  ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ኣብ ኩሉ ውርደትና እተናግፈና ምንጪ ምሕረት ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ናይ ታሕጓስና ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ካብ ኢምንት ናብ ህላዌ ዝጸዋዕካና ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ንዘሎን ንዝመጽእን እትሽልም ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ንኩልና ናባካ ዘስጠምካና ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ንኩሉ ተስፋ ዝቆረጸ ልቢ እተጸናንዕ ተፈታዊ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ መዕረፊ ኣልባብን ሰላምን ድንጉጻትን ዝኾንካ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ተስፋ እትህብ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ሓጢኣት ዓለም እትድምስስ በጊዕ እግዚኣብሔር ___ ይቕረ በለልና
ኦ ሓጢኣት ዓለም እትድምስስ በጊዕ እግዚኣብሐር ___ስምዓና
ኦ ሓጢኣት ዓለም እትድምስስ በጊዕ እግዚኣብሔር ___መሓረና

ንጸሊ: ኦ ምሕረትካ ደረት ዘይብሉ፡ መዝገብ ርሕራሔኻ ዘይውዳእ ዘልዓለማዊ ኣምላኽ፡ ኣብቲ ጽንኩር እዋናት ክንዲ ትብዓት ምስኣንን፡ ተስፋ ምቁራጸንብዓቢ እምነት ኣብ ትሕቲ ፍቅርን ምሕረትን ዝኮነት ቅድስቲ ፍቃድካ መታን ክንሓድር፡ ቆላሕታ ሕያውነትካ ኣባና ምለስ፡ ምሕረትካ'ውን ኣብዝሓልና ኢካ፡፡ ኣሜን፡፡

ቀስተ ጸሎት ናይ ምሕረት ሰዓት (3፡ 00 ድ' ቀ)

“ኦ ከም ምንጪ ምሕረት እንካብ ልቢ ኢየሱስ ዝፈልፈልካልና ደምን ማይን ኣባኻ እእመን ኣለኩ፡፡” 3X ይድገም

+ ብስም ኣብን ወልደን መንፈስ ቅዱሰን ሓደ ኣምላክ ኣሜን።

ነዛ ጸሎት መቁጸርያ ዚደግማ ነፍሳት ብሕይወተን ብፍላይ ካኣ ኣብ ሰዓት ሞተን ብምሕረትይ ክሕቖፋ እያተን፡፡ (ዜ'ሕ 754)