Sacraments — ምስጢራት

ቅዱስ ቁርባን
ቅዳሴ ሰንበት 12:00 ቀትሪ
ግዕዝ/ትግርኛ ፡ እንግሊዚኛ (ቀዳመይቲ ሰንበት ወርሒ)
መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ዝገብሩ ቆልዑ
ዕድመ፡ ካብ 7 ዓመት ንላዕሊ ክኾኑ ኣለዎም
ድሕሪ ብቁዕ ሰሙናዊ ምድላዋት ኣብ ቅንያት ፋሲካ ይፍጸም።
ሚሥጢረ ጥምቀት
መዘኻኸሪ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምኅባር የድሊ።
ቀዳመይቲ ቀዳም ናይ ወርሒ መሰናደዊ ትምህርቲ ኣብ 3ይቲ ዓርቢ ናይ ወርሒ ምስታፍ ግድን እዩ።
ሚሥጢረ  ኑዛዜ 
ቀዳም 5:30 - 6:30 ድ. ቀ.
ወይ ብቆጸራ
ሚሥጢረ ተኽሊል (ቃል ኪዳን)  
ቅድሚ ሓደ ዓመት ምሕባር የድሊ።
ፍሉይ ትምህርቲ ምውሳድ ግድን ኢዩ።
ምእመናን መርዓ: ጥምቀት ወይ ዝኾነ ካልእ ኣገልግሎት ምእንቲ ኪረኽቡ፥   ተመዝጊቦም ኪጸንሑ ኣለዎም።  ናይ ምዝገባ ቅጥዕታት ካብ ካህን ወይ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ናይ ቤተክርስትያን ኪርከብ ይከኣል።
Eucharist
Mass Sundays 12:00 pm
Gheez/Tigrigna, English (Every first Sunday of the month)
First Holy communion is held in Easter time
Minimum age for children is 7 years old.
All children must attend weekly preparatory sessions.
Baptism
Conducted every Saturday of the month. Please note that: One month notification is required for the preparation meeting on  the 3rd Friday of the month must be attended.
Reconciliation/Confession
Saturdays 5:30 – 6:30 p.m.
or by appointment
Marriage
One year preparation for spiritual
and relevant education is required
before the actual wedding day.
Existing member of the chaplaincy or new members must be registered in our database prior to their request of Baptism, Holy Communion Marriage etc. Paper forms can be obtained from the chaplain or from the council members.

ቅድሚ ቃል ኣምላኽ ምንባብካ ወይ ምስማዕካ ዚግበር

ጸሎት ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ

ኦ ጐየታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣነ ኣብ ዓለም ተጐዓዛይ እየ እሞ፥ ንቓልካ ምእንቲ ክሰምዖን፥ ፍቓድካ ወን ኣብ ተግባር ከውዕሎን፥ ኣዕይንቲ ልቦናይ ኽፈተለይ። ነቲ ኣብ ሕግኻ ዘሎ ዜደንቕ ነገራት ምእንቲ ኽግንዘቦ ነዕይንተይ ኽፈተለይ እምበር ትእዛዛትካስ ኣይትሕባኣለይ። ናይ ጥበብካ ሕቡእን ምሥጢራዊ ነገራትን ንገረኒ። ኦ ኣምላኽይ፥ ነቶም ኣብ ጹሑፍ ዘለዉ ነገራት ከስተማቕሮም ጥራይ ዘይኮነስ፥ ኣብ ግብሪውን ምእንቲ ከውዕሎም፥ ብዛዕባ ሕይወት ቅዱሳንን ቃላቶምን ብምንባብ ካብ ኃጢኣት ክርሕቕን፥ ዚያዳ ግና እዚ ንባብ እዚ ኬሐድሰንን፥ ኬብርሃለይን፥ ንቕድስናን ንድኅነት ንፍሰይን ኪጠቕመንን፥ ዘለዓለማዊ ሕይወት'ወን ምእንቲ ኬውርሰንን፥ ብናይ ፍልጠትካ ብርሃን ነእምሮይን ርድኢተይን ከተብርሃለይ ተስፋይ ኣባኻ አንብሮ ኣሎኹ። ከመይ ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለው እተብርሃሎም ንስኻ ኢኻን ኩሉ ሠናይ ግብርን ህያባት ከኣ ካባኻ እዩ ዚመጽእን፤ ኣሜን
Dear Lord,
Renew your life within me.
Help me
to welcome your Kingdom,
to grow in Faith,
to be firm in Hope,
to be faithful in Love,
to be constant in prayer,
to be open to your Spirit,
to celebrate your sacrament of peace,
to love your gift of the Eucharist,
to embrace the fullness of Life. Amen.