ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ብዓቢ ድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራውያን ፡ ሰበኻ ቶሮንቶ፡
ሰንበት 23 የካቲት 2020
ኣብ ቤተክርስትያንና ካብ ቶሮንቶን ከባቢኣን ዝመጹ ነጋድያን ዝተሳተፍዎ በዓል፡ ቆመስ ኣባ ክፍለማርያም፡ ኣባ ጳውሎስ፡ ኣባ ከሰተ፡ ኣባ ኢሳያስ ከምኡውን ካብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝመጹ ኣባ ወልዲት መስዋዕቲ ቅዳሴ ኣካይዶም። ያሬዳውያንን፡ መዘምራንን ከምኡ ውን ድያቆናትን፡ ብካህናት ተመሪሖም በቲ ጥዑም ቃናኦም ገይሮም ምስ ምሉእ ሕዝቢ ጸሎት ምስጋናን ውዳሴን ኣዕሪጎም። ድሕሪዚ ምእመናንዝተቐረበ ጸበል ብሓባር ተኻፊሎም እቲ በዓል ከም ኣጀማምራኡ ብድምቀት ተዛዚሙ።