ስለምንታይ ጥልያን ብኮረና ቫይረስ ብቕልጡፍ ተጠቒዓን ተደሲቓን

ብሚኪኤል  ኤልያስ

ጥልያን ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 4,000 ሰባት ብሰንኪ እዚ ሕማም ዕሪፎም ኣለዎ። ኮንዶንግኖ፣ ጥልያን ናይ ደቂ ኣሕድርትና ከተማ ትመስል፡፡ ኣብዛ ንእሽቶ ከተማ 16000 ነበርቲ ኣለዉዋ፥ ኩሎም ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ተኣዚዞም ኣለዉ፥እዛ ከተማ መጀመርታ እዚ ሕማም ዝተርኣየላን ምንጪ እዚ ቫይረስ ናብታ ሃገር ምሉእ ክላባዕን ኢያ ተባሂላ ትሕመ።
ብዕለት 18 ለካቲት ሓደ ወዲ 38 ስፖርተኛ ናይ ስርዓተ ምትንፋስ ጸገም ዝነበሮ ክምርመር ይሕበሮ እሞ መርመራ ይሕሰም። ካይተፈለጦ ከኣ ነቲ ሕማም ናብ ዓሰርተታት ሰባት ኣመሓላለፎ።
ብመሰረት ዶ/ር ሎረንዞ ካሳኒ ኣማሓዳሪ እቲ ሆስፒታል ዝገለጾ፥ እዚ ቀዳማይ ሰብ በዚ ሓማም ዝተጥቕዐ ናብ ቀዳማይ ረዲኤት እቲ ሆስፒታል ቀጻሊ ሰለስተ ኣርባዕተ ግዜ ተማላሊሱ ኢዩ።ስለዚ ንሱ ናብ ካልኦት ሕሙማትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣመሓላልፎ።
እዚ ሓማማ ካብዛ እዛ ንእሽቶ ከተማ ኣብ ሰሜናዊ ጥላያን ትርከብ ብቕልጡፍ ናብ ካልእ ዓባይ ከተማ ሚላን ተሰጋጋረን ናብ መላእ ሃገር ነተገን። ቻይና ኣብ ክልተ ቅነ ሆስፒታል ሰሪሖም ነቲ ሕማም ክቃለስዎ ከለዉ እንታይ ስርሑ ኢዮም ዘርእዩኑ ዘልዎ እዞም ሰባት ዓቢዶም ኢዮም መስለኒ ይብለ ኔረ፥ ዶ/ር ጃኪሞ ለበዳ ሓማም ክምክት ኢላ ኣብ ከተማ ሚላን ትሰርሕ ዘላ ናይ ሕክምና ሰብ ሞያ ዝመርሕ ዘሎ ሓኪም ዝተዛረቦ ኢዩ።ሕጂ ተሰዊጡኒ እንታይ ይገብሩ ከም ዝነበሩ ኢሉ ተናዘዘ።
ኣብዚ እዋን ሓካይምን ሆስፒታልን ጣልያን ከም ኣብ ማእከል ሕክምና ቦምብ ዝዓለቦም ዝገብርዎን ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ስኢኖም ይርከቡ።
ብሓንቲ ግዜ ኣማኢታትይ ሕሙማት ይመጽዎም ንመን ከም ዝቕበሉ ንመን ከም ዝሕክሞ ተረቢሾም ዕግርግራ ኣቲዎም ይርከቡ ኣልው።
ጥልያን ካብተን ቀልጢፈን በረራ ካብ ናብ ቻይና እታ ምንጪ እዚ ቫይረስ ዝገትኣ ሃገራት ።
ናይ ሞትን ሂወትን ውሳኔ
ኩሉን ሆስፒታላት ጥልያን ክሳብ ክብተኻ ዝደልያ ተመጢጥን ኢየን ዝሰርሓ ዘለዋ፥ ሰብ ሞያ ጥዕና ብድኻም ዘግ ኢሎም፥ ድቃስ የለ ገዛ ምኻድ የለ ብስሩዕ ምምጋብ የለ፥ሻቕሎት ናይ ገዛእ ርእሶም ጥራሕ ዘይኮነ ንኣባላት ስድራቤቶም ካይልግብሎም ተወሲኽዎ።ሓካይም ከቢድ ውሳኔ ንሕልና ዝኹርኩሕን ነመን ቀዲሞም ከም ዝሕክሙ፥ ንሓደ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ በቲ ሕማም ዝተሰነፈ ግና ክጻወሮ ዝኽእልዶ  ውላስ ንሓደ ወዲ 80 ዓመት በቲ ሓምም ዝተሰነፈ፥ንመን ኦክስጅን ንሃቦ? ብዝኾነ ሓካይም ኣብ ምውሳን ተጨኒቖም ይርከቡ።ብዙሕ ናይ ሕልናን ናይ ሞራልን ሕቶታት ዘለዓዕል ጉዳይት እውን ይርከብ ኣሎ።
ስለምንታይ እዚ ሕማም ንጥልያን ኣበርቲዑ ደሲቕዋ?
 ስለምንታይ ንጥልያን ዝያዳ እዚ ሕማም እጥቂዕዋ  ቀዳመይቲ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት በረራ ናብ ካብ ቻይና ዝረገጠት ሃገር ክንሳ ኣዝዩ ኣካታዒ ሕቶ ኮይኑ ይርከብ። ገለ ሰብ ሞያ  ርኢትኦም ሂበሙሉ ይርከቡ፥
1) ብገመጋም ካብ መላእ ኣውረጳ ዝያዳ ኣረጋውያን ዘለዋ ሃገር ስለ ዝኾነት
2) ዝያዳ ናይ ኣየር ፖልሽን ስለ ዘለዋ፥ በቐሊሉ ናይ ስናቡእ ሕማም ክስፋሕፋሓላ ክኢሉ፥
ዶ/ር ካሳኒ ከም ዝብሎ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገርና  ብርቱዕ ብከላ ናይ ኣየር ኣለና ክብል ይሕብር።
3) ስልጡን መድባት ምክልኻል ተላባዒ ሓምማት ስለ ዘይነበራን፥ ዝኣክል ምድላዋት ስለ ዘይገበረትን።
ዝተፈልየ መልሲ ወይ ሓሳባት ዘለዎም ነዚ ስለ ምንታይ ጣልያን ዝብል ሕቶ ኣለዉ፥
ንጥልያን ፍልይቲ ዝገብራ ዋላ ሓደ የለን ኣቐዲማ  ቀድሚ ካልኦት ሃገራት ማለት ቅድሚ ኣሜሪካ፥ ጀርመን ካንዳ ስለ ዝተጠቕዓት ጥራሕ ኢዩ። ዳርጋ ቅድሚ 10 መዓልቲ ካብ ካልኦት ኢያ ተጠቒዓ፥ስለዚ እዘን ካልኦት ሃገራት ቀልጢፈን ኣድላይ ስጉምቲ እንተ ዘይወሲደን ከም ጥልያን ቅጥቀዓ ይኽእላ ኢየን።
ኤርትራውያን እንታይ ክንገብር ኣለና
እቲ ዘገርምን ዘሐብንን ህዝብና ነተላጋቢ ሕማም ዝምለክት ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ መምርሕን ኣካይዳን ኔርዎ ኢዩ፥ ኣብ ሶሻል ሜዳ ክንከታተሎ ከም ዝቕነና፥ ሕጊ ለገ ጭዋ ነዚ መምርሒ ናይ ዳብሊው ኤች ኦ ዝዳረግ ናይ ምውሻብን ናይ ሕማም ምግታእን ስለጡን ሕጊ የተግብር ኔሩ ኢዩ።
ሕጂ ኸኣ ነዚ ናይዚ እውና ተላባዒ ሕማም ዝዳረግ ስጉምታት ክንወስድ ይግብኣና፥ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ሃይማኖትን፥ ምሁራትን፥ ሓካይምን ለባማትን መምርሒ ሰበ ስልጣን ጥዕናን ኣብ ምትግባር ንህዝብና ኣብ ምምሃርን ምምራሕን ፥ ኣድላይ ዘበለ ውሳነታት ክንወስድን  እዋን ይሓተና ኣሎ፥፡