ብዓለ ትንሣኤ
(20) ሚያዝያ ፳፻፲፩ (2011) ዓ.ም.ግ (4/28/2019)
መዝሙር፡
ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሐሠይ ምድር….
ንባባት፡
(ዮሓ 20:1-18)
ማቴ 28፡1-ፍ
ማር 16፡1-ፍ
ሉቃ 24፡1-13
ንባባት አብ ቅዳሴ፡
ሮሜ 6፡3-11
(1ቆር 5፡6-8)
(ቆላ 3፡1-4)
1ጴጥ 3፡17-24
ግ.ሓ. 10፡34-43
ማቴ 28፡1-10
(ዮሓ 20:1-18)
ምስባክ፡
ቅድሚ ቅዳሴ 1. ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፥ወከመ ኃያል ወኃዳገ ወይን፥ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ።
“ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዚትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝዕንድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ” መዝ። 78፡65-66
መዝሙር፡
ሎሚ አብ ሰማያት ዐቢይ ታሕጓስ ኮይኑ እዩ፥ ምድሪ ከአ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር አላ፥ ትንሣኤኡ አብ ሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ፥ አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ ይብል።
ምስባክ፡
አብ ቅዳሴ፡ ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር፥ ንትፈሳሕ ወንትሓሰይ ባቲ፥ ኦ እግዚኦ አድህንሶ።
“እቲአ እግዚአብሔር ዝገበራ ዕለት እዚአ እያ፥ ብአአ ንተሓጎስን ባህ ይበለናን፥ ኦ ጉይታ አድኅነና” መዝ 118፡ 24-25
“ምድሪ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር አላ” እናበልና ብዓል ትንሣኤ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነብዕል አሎና። ሰላም ዘውርድ ፍቕርን ሓድነትን ዘንግሥ ትንሣኤ ይግበረልና። በዚ አጋጣሚ ንኹልኹም እንቋዕ አብ ብርሃነ ትንሣኤ አሰጋገረኩም እናበልኩ ሰናይ ትንምኒተይ እገልጸልኩም።
ትንሣኤ መድኃኒና ፍሉይ ዝገብሮ ነገሩ ጉዳይ አምላኽ ስለ ዝኾነ ከምኡ ሕመረት እምነትና ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ። ትንሣኤ ብዛዕባ ኢየሱስ እቲ መንግስቲ አምላኽ ዝሰበኸ እዩ። እምብአር ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ፍሉይ ብዓል አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዝወዳደሮ ዘይብሉ እዩ። ቅድሚ ይኹን ድሕሪ ክርስቶስ ከምዚ ተሰሚዑን ተራእዩን አይፈልጥን። አልአዛር ብክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ ግን እንደገና መይቱ። ክርስቶስ ተንሢኡ እዩ ዳግም እውን አይመውትን እዩ። ንሱ ካብ ዓለም ምውታን ተንሢኡ እዩ፥ ክትንሥእ እንከሎ ኸአ ግርማን ክብርን ለቢሱ እዩ ተንሢኡ። ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ዓወት፥ ሕይወት አብ ልዕሊ ሞት፥ ተስፋ አብ ተስፋ ዝቖረጸ፥ ብርሃን አብ ልዕሊ ጸልማት፥ ጽቡቕ አብ ልዕሊ ክፍኡ እዩ።
ክርስቶስ ከም ዝተንሥኤ ንአምንን ንፈልጥን ኢና።
ንሕና ብጥምቀት አብ ማሕበር ክርስቶስ ዝአቶና ምስኡ ተንሢእና ኢና በዚ ምኽንያት ከአ ሓዲስ ሕይወት ነስተማቕር። ትንሣኤ ማለት አብ ሓዲስ ሕይወት ምስታፍ ማለት እዩ። ከምቲ እስራኤላውያን ካብ መረት ባርነት ግብጺ ምስ ወጹ ነጻነት ክዝክሩ “ፋሲካ” ዘብዓሉ ንሕና ክርስትያን ትንሣኤ ክርስቶስ ፋሲካና እዩ። ካብ ሞት ናብ ሕይወት ካብ ጸላም ናብ ብርሃን፥ ካብ ኃጢአት አብ ጽድቂ ዝአቶናሉ ፍሉይ ቅዱስ ዕለት።
ንኃጢአት እንተ ሞትና አብ ሓቂ እንተ ነበርና ንሕና እውን ከም ክርስቶስ ብግርማን ክብርን ክንትንሥእ ኢና። አምላኽ ዕጫ ትንሣኤ ንርእሱ ጥራሕ አይ ገበሮን ንአና እውን ክንትንሥእ ከምእንኽእል ገሩና ግን ናታትና ሱታፌ የድሊ። ባህግን ስምዒትን እኹል አይኮነን። ደቂ ትንሣኤ ክንከውን ካብ ኃጢአት ነጻ ክንከውን አሎና።
ጎይታና ንሞት ስዒርዎ እዩ፥ ሕጂ አብ ግርማ መንበሩ እዩ ዘሎ። ብትንሣኤኡ አድኂኑና እዩ፥ ምእንታና ደሙ አፍሲሱ ዋጋ ድሕነት ከፊሉልና። ሎሚ ካባና ዝድለ ዘሎ ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ርኢና ክንክእል እሞ ደቂ ድሕነት ኮና ሓዲስ ሕይወት ምስኡ ክንጅምር።
ሰማያዊ አቦ ንኢየሱስ ካብ ሙታን አተንሢኡ ካብ ኩሉ ዝዓቢ ስም ሃቦ። ዓርቢ ስቕለት ነቲ ዘስካሕክሕ ሞት ስዕረት ዝመስል ዝነበረ አብ ዓወት ንሓዘን አብ ሓጎስ ቀይራቶ። ሎሚ ንሕና ክንቅየር ተሳተፍቲ ስቓይን ሞቱን ክንከውን ንሕተት አሎና ከመይ ምስኡ እንተ ሞትና ጥራሕ ኢና ምስኡ ክንትንሥእ እንኽእል።
ትንሣኤ ክርስቶስ ዋሕስ ትንሣኤና እዩ።
ሎሚ እንዕልሎ ዕልልታ ከምኡ እነዚሞ ዜማ ሓጎስ አምሳል እቲ ዘለዓለማዊ መዝሙር ውዳሴ አብ መንግስተ ሰማይ ዝዝመር መዝሙር መላእኽትን ቅዱሳንን አብ ልባትና ዘድምጽ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ክርስቶስ ዘይተንሥኤ እንተ ኾይኑ እምነትና ብላሽ እዩ” ይብለና። ኩሉ ክርስትያናዊ እምነትና አብ ትንሣኤ ከም ዝምስረት ከረድአና ኢሉ። ቀጺሉ “ነቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ እንተ ዘይሰበኽኩ ወይለይ” እናበለ ምእማን ጥራሕ ዘይኮነ ምምስካር እውን ከምዘድሊ ይነግረና። ክርስቶስ ኃጢአትን ሞትን አሸኒፉ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሢኡ። እዚ እዩ ምንጪ እምነትናን ምስጢር ድሕነትናን።
ምስኡ ክንትንሥእ ንሕና እውን ንሞትን ኃጢአትን ክነሸንፍ ግድን እዩ። ንሓዲስ ሕይወት ሓዲስ መንፈስን አገባብን የድልዮ።
ብምሉእ እምነት አሰር ክርስቶስ ጎይታና እንተ ተጓዒዝና ንሕና እውን አብ ክብሪ ትንሣኤ ክንሳተፍ ንኽእል ኢና። ንድሕሪት ከይጠመትና መስቀልና ጸርና ንጎቦ ቀራንዮ ደይብና አብኡ ምስኡ እንተ ተሰቐልና ብርሃን ትንሣኤ ክንርኢ ኢና። ክበድ መስቀል ደው ከየብለና ንአምላኽ ሓግዘኒ ክንብሎ ግቡእ እዩ። ንማርያም ነታ ንጉዕዞ ፍኖተ መስቀል ብዓወት ዝዛዘመት አብዚ ጊዜ ጉዕዞና አሰንይና ሓግዝና ንበላ።
ዋሕስ ትንሣኤና ሓቀኛ ሕይወትን ጽኑዕ ክርስትያናዊ ሕይወት ከም እንኽተል ይገብረና። አብ ትንሣኤ ዝሳተፍ ዳርጋ ንድሕሪት አይጥምትን እዩ። ዕርፊ ድሕነት ሒዝና ንድሕሪት ከይንጥምት ባዕሉ ነጊሩና እዩ። ተኸታሊ ክርስቶስ ምዃንን ዘይ ወዲ ትንሣኤ ምዃንን ብሓባር አይከዱን እዮም።
ንትዕቢት ኃጢአትን፥ ንጽልኢ፥ ንአይ ይጥዓመኒ፥ ዘይቅንዕና፥ ሕማቕ አተሓሳስባ ኩሉ አባይ ሓንቲ ቦታ ክህልዎ አይግባእን። ትንሣኤ ካብቲ ባዕልና እንገብሮ ንምንጻሕ ርእስና እዩ ዝጅምር። ተሳተፍቲ ትንሣኤ ክንከውን ነቲ አብ ውሽጥና ዝርከብ መንፈስ ሰይጣን ክነሸንፎ ሎሚ እዋኑ እዩ።
ክርስቶስ ድሕርን ቅድምን ትንሣኤ ዝነበሮ ሓደን ዝተፈልየን እዩ። ወንጌላውያን ከም ዝሕብሩና እቲ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ንሱ እቲ አብ መስቀል ዝተንሥኤ እዩ ይብሉና። ብኻልእ ከአ ፍሉይ ሓዋርያቱ ከለልይዎ ዘይክአሉ እዩ ነሩ። አብ ብዙሕ ድሕሪ ትንሣኤ ዝተራእዮ እውን ፍሉይ እዩ ዝመስል ዝነበረ። ድሕሪ ትንሣኤ ዝነበረ መልክዕ ኢየሱስ ከም ናይ ነፍስወከፍና መልክዕ እዩ። ስለዚ አብ ገጽ ነፍሲ ወከፍና ገጽ ኢየሱስ ክርአ ሎሚ መዓልቱ እዩ።
ንሱ ዘለልዮን ዝፍለጦን ብእምነት ጥራሕ እዩ። መሰርት ናይ እዚ እምነት መቓብር ጥርሑ ምጽንሑን ናይ ሓዋርያቱ ፍጹም ምቕያርን እዩ። ንሳቶም ንመምህሮም ክርእይዎ ተስፋ አይነበሮምን። ክትሓዝን ክዋረድን አብ መጨረሻ ክስቀልን እንከሎ መብዝሕትኦም ፋሕ ኢሎም ሃዲሞም። ከምቲ ንአኡ ዝወረዶ ከይወርዶም ፈሪሖም ተሓቢኦም።
አብ መጨረሻ ምስ አለለይዎ ወላ እኳ ብዝተፈልየ መገዲ አብ መንግኦም ይሃሉ እምበር ጨሪሾም ተቐይሮም ካብ ፈረሓትን ተጠራጠርትን አመንትን ሕጉሳትን ኮይኖም። ካብዚ ንድሓር ከም መምህሮም ንዝኾነ ጸገም ከምዝሓልፍዎ ሕይወቶም ምእንቲ ሓቅን ፍቕርን ኢሎም ከምዝህቡ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ኸአ መብዝሕትኦም ብሰማዕትነት ሓሊፎም።
ከመይ እንተ ገበርና ኢና ነቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ አብ ሕይወትና ክንረኽቦ እንኽእል።
ከመይ እንተ ገበርና ኢና አብዚ ኹሉ ክንሳተፍ እንኽእል። አብ 1ቆሮ 5፡6 ከምዚ ዝብል ንረክብ “ጃህራኹም ጽቡቕ አይኮነን ቍሩብ መባዅዕቲ ንብዘሎ እቲ ብሑቕዶ ከም ዝበኵዖዶ አይትፈልጡን ኢኹም ከምቲ ሕጂ ዘሎኽምዎ ዘይበዅዐ ሓዲሽ ብሑቕ ምእንቲ ክትኮኑ ነቲ አረጊት መባዅዕቲ አጽርኹም ደርብይዎ ከመይ ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ ተሠዊዑ እዩ። ስለዚ በቲ አረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባኹዕቲ እከይን ሕሰምን ዘይኮነ ብዘይበዅዐ እንጌራ ማለት ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር”።
ዋሕስ ትንሣኤና ሓቀኛ ሕይወትን ጽኑዕ ክርስትያናዊ ሕይወት ከም እንኽተል ይገብረና። አብ ትንሣኤ ዝሳተፍ ዳርጋ ንድሕሪት አይጥምትን እዩ። ዕርፊ ድሕነት ሒዝና ንድሕሪት ከይንጥምት ባዕሉ ነጊሩና እዩ። ተኸታሊ ክርስቶስ ምዃንን ዘይ ወዲ ትንሣኤ ምዃንን ብሓባር አይከዱን እዮም።