ሓዲስ ዓመት
ዘመነ ሉቃስ
መስከረም 1 2011 ዓ.ም. (መስከረም 11 2018)
ንባባት፡
1ቆሮን 11፡17-25፥
ያዕ. 2:1-12፥
ግ.ሓ. 5:12-17፥
ዮሓ 1፡19-37
ምስባክ፡
1. ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ፥ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባር በድው።
“ምጅማር ዓመተ ምሕረትካ ትባርኽ፥ በረኻታት ብጠለት ይጸግቡ፥ ጎቦታት በረኻ ይረውዩ” መዝ. 65፡11-12።
2. አድኅነኒ እግዚኦ እምእለ ሮዱኒ እስመ ይኄይሉኒ ወአውጽአ እሞቅሕለነፍስየ ከመ እግነይ ለስምከ እግዚኦ፥
“ ንስምካ ምእንቲ ከምስግነካ ካብቶም ኃይሎሚኒ ዘለዉ ጸላእተይ አውጽአኒ” መዝ. 142፡65።
ርሑስ ብዓል ሓዲስ ዓመትን ብዓል ቅዱስ ዮሓንስን ይግበረልና። ዓመት ሓሊፉ ዓመት ክትክእ እንከሎ ፍሉይ ተዘክሮ እዩ ዘቕርበልና። ንውሃቢ አምላኽ አብዛ ዝሓለፈት ዓመት ንኹሉ ዝሃበና ዝገበረልና ብልቢ ተመስገን ክንብሎ ግቡእና እዩ። ንድሕሪት ግልጽ ኢልና ሕይወትና እንተ ጠመትና ምናልባት ከም ግብርና እንተ ዝኸደና ብዙሕ ነዚ ብዓል አይ መብዓልናን እንተ ኾነ ፈቃር አምላኽ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ነዚ እንጅምሮ ብዓል ስለ ዘብቅዓና ተመስገብ ኢልና ንዝወደቕናዮ ምሓረኒ እናበለና ብዝተሓደሰን አብ ጸጋ አምላኽ ተአማሚና ነዚ ዓመት ንጀምሮ። 2011 ዓ.ም. ብናይ ዓድና አቆጻጽራ ንጅምር አሎና፥ እዚ ዓመት ዓመተ ሉቃስ እዩ ብፍሉይ ነቲ ሉቃስ ወንጌላዊ ዘበስሮ ወንጌል እና አስተንተና ክንሓልፎ ዝበለጸ እዩ።
ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ብሓዲስ መንፈስ ክንጅምሮ ልብና ክፉት ንኹሉ አብ ዝሓለፈ ፈሊጥና ከይፈልጥና ዝወደቕናዮ አሓዲስና ቅዱስ ሕይወት ሰላም ዝመልኦ አብ ጸጋ አምላኽ ተመርኲስና ንጀምሮ። ጽቡቕ ዝጀመረ ዳርጋ ፍርቂ ዝበጽሐ ከምዝብሃል ንሓዲስ ዓመት ብዕሩፍን ሰላም ዝመልኦ መንፈስ ንጀምሮ። አብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ አምቢርና ብመንፈስ አምላኽ ክንምራሕ ቍርጽ ፍቓድ ንግበር ሽዑ አምላኽ ባዕሉ ዝጎደለ እናመልአ ክመርሓና እዩ።
ሓዲስ ዓመት ነዚ ዝስዕብ ነገራት ሒዝና ክንጅምሮ እንከሎና ሕጉስ ሕይወት ክንርኢ ኢና።
-
ንዝሓለፈ ኃጢአትካ ብንስሓ ዓጺኻ ምኽአል። ንሓዲስ ዓመት ብንጹሕ ልቢ ክንጅምሮ ይግባእ። ሕይወትና ንዝሓለፈ ጌጋና አበሳና ሒዝና ክንጅምሮ አይግብአና ስለዚ ምስ አምላኽን ሰብን አብ ምሉእ ዕርቂ እንከሎና ክንአትዎ ይግባእ። ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ዝለበሰ ሕይወት ዝለበስና ክንከውን አሎና ዓመትና ፍረ ክህልዎ።
-
ካብ ዝሓለፍ ሕይወትና ተማሂርና ንእንአትዎ ዓመት ንጠቐመሉ። ሰብ ካብ ዝሓለፈ እዩ ዝምሃር። ዝሓለፈ ዓመት ዘይተዓወትናሉ ሎምዘበን ክንዕወት ተበግሶ ንውሰድ። ዝሓለፈ ጌጋታት መአረሚ መምሃሪ ክኾኑና እንከለዉ ሽዑ እዩ አብ ሕይወትና መንፈሳውን ልቦናውን ዕብየት ክነርኢ እንኽእል። ብዝሓለፈ ተማሂርካ ምኽአል የድሊ።
-
ንሓዲስ ዓመት ብኽፉት ልቢ ምጅማሩ። ንጹሕን ግሩህን ዝኾነ ክፍአት ዘይሓዘ ልቢ ሒዝና ዓመትና ንጀምሮ። ምስ አረጊት ሕይወትና አይንእተዎ ዓመትና።
-
አብ ጉዕዞ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ ዘዓንቅፍ ክህሉ ስለ ዝኾነ ከይንወድቕ ምስትውዓል የድልየና። ኩሉ ጊዜ ዕጡቓት ስንድዋት ኩኑ ይብለና ኢየሱስ። ንፈተና ንጽልኢ፥ ንኃጢአት ክንዋጋእ ድልዋት ክንከውን አሎና እዚ መንፈስ እንተ አሎና ሽዑ ንአምላኽ ክነሓጉሶ ኢና። ዓመትና ሓቂ ፍቅሪ ሰላም ዝነገሶ ክኸውን ናይ ነፍስወከፍና ተራ ይሓትት። ዘራእቲ ሰላምን ፍቕርን ክንከውን ከም ዘሎና ፈሊጥና ንአምላኽ ሓግዘኒ ንበሎ።
-
ዝወሃበና ዘሎ ዓመት ክነፍሪየሉ ምእንቲ እዩ። አምላኽ ጊዜ ዝህበና ብዝያዳ ክንፈልጦ ክንፈትዎ አብኡ ክንቀርብ ምእንቲ እዩ። ክርስትያን አብ ጉዕዞ ቅድስና ዝርከብ ፍጡር ስለ ዝኾነ አብ ሕይወቱ ንቅድስና ክተሓሓዞ መጸዋዕታኡ እዩ። አብ መወዳእታ አብ ሰናይ ግብርና ገለና 30፥60፥ 100 ፈሪና ክንክእል አሎና።
ሓዲስ ዓመት እምብአር ብዝተሓደሰ መንፈስ ክንጅምሮ እንከሎና ጥራሕ እዩ ትርጉም ዝህልዎ እሞ ንአምላኽ አጀሚሩ ከፈጽመና ንለምኖ። ጉዕዞ ቅድስና ነዚ ዓመት ንጅምር አሎና ስለዚ ስንቂ ዕጥቂ የድልየና። ን365 መዓልታት ክንጉዓዝ ኢና ናይ ብሓቂ ፍሉይ ምቅርራብ የድልየና። አብ መንጎ ከይንደክም ካብ መገዲ ከይንወጽእ ከምኡ መገዲ ከይጠፍአና፥ ሰባት ካብ ጉዕዞና ከየዘንግዑና ዓቢይ አድህቦ የድልየና። አምላኽ ነዚ ዓመት አጀሚርካ/ኪ አሎኹ እሞ ተሓባበረኒ/ርኒ እናበለ ይሓተና አሎ። አምላኽ ኩሉ ዝኽእል ከንሱ ክንተሓባበሮ ይደሊ አሎ።
ምስ ማርያም አደና ኮና ንኹሉ ድላይ አምላኽ ክንገብር ክንሰምዕ “ሕራይ” ንበል። ንኹሉ አብ ኢድካ አንብሮ አሎኹ አብ ኩሉ ንስኻ እትደልዮ ምርሓኒ ልአኸኒ ክሰምዓካ ክእዘዘካ ፍቓደኛ እየ ኢልና ብመብጽዓ ዓመትና ንጀምሮ እሞ ዝተረፈ ባዕሉ ክአል ኩሉ አምላኽ ክሕግዘና እዩ።
ቅ. ዮውሓንስ መጥምቕ፡
ሓዲስ ዓመትና ምስ ቅ. ዮውሓንስ ሞቱ እናዘከርና እና እንጅምሮ ዘሎና፥ እዚ ኸአ ብሰለስተ ምኽንያት እዩ፡
-
ቅ. ዮውሓንስ ናይ ብሉይ ኪዳን ዓጻዊ ነቢይ፥ ናይ ሓዲ ኪዳን ከፋቲ እዩ። ናይ ክርስቶስ ፊተውራሪ ቃል አዋጂ ነጋሪ እዩ፥ ሰባት ንአምላኽ ዝኸውን ሕይወት ሒዞም ክርከቡ ዝዕድም እዩ።
-
ቅ. ዮውሓንስ ስብከቱ ንንስሓ ንተሓድሶ ዝዕድም ስለ ዝኾነ ማለት “ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ” “መንግስተሰማይ ቀሪባ እያ” እናበለ ስለ ዝሰበኸ እዩ።
-
ቅ.ዮሓንስ ንሓቂ አብ ቅድሚ ኩሉ ክሰብኽ ክጭጭ ዘይበሎ ዓቢ ነብይ፥ ንሰባት አብ ኢየሱስ ክበጽሑ መገዲ ስለ ዝሓበረ ብፍሉይ አብ ምጅማር ሓዲስ ዓመት ብዓሉ ነኽብር።