ሰንበት ዘሆሣዕና
ሚያዝያ 23 2010 ዓ.ም. (4/01/2018)

“ሆሣዕና ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ”

 

መዝሙር፡ ወእንዘ ሰሙን በዓለ ፋሲካ ቀርቡ አርዳኢሁ…
ንባባት፡ ፊሊጵ 2፡6-11 ፩ ጴጥ 4፡1-12 ግ.ሓ. 18፡12-ፍ ማር 11፡1-11።
ምስባክ፡   ብሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር፥ ባረክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር፥ እግዚአብሔ እግዚእ  አስተርአየ ለነ” 
“እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፤ አብ መቕደስ እግዚአብሔር ኮና ንባርኸኩም አሎና፤ እግዚአብሔር ጎይታ ተገሊጹልና እዩ” መዝ. 117፡26~27።
መዝሙር፡ ንብዓል ፋሲካ ሰሙን ተሪፍዎ ከሎ አርድእቲ ናብቲ አምላኽ ጽድቂ ናብ ደብረ ዘይቲ ናብታ ከተማ እግዚአብሔር እተውርድ ዐቐብ ቀረቡ እሞ፥ ብዙሕ ሕዝቢ አረገውትን ቆልዑትን ጨናፍር ስየ ኂዞም፣ “አብ ሰማየ ሰማያት ሆሣዕና” እናበሉ ተቐበልዎ። ንሱ አድጊ ተወጢሑ ብታሕጓስን ብደስታን ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም አተወ፥ ኃይልን ሥልጣንን ይህቦም” ይብል።
ሰንበት ዘሆሣዕና ፍሉይ ሰንበት አብ ጊዜ ጾም አርብዓ እዩ። ምኽንያቱ ስሙን ሕምማት ዝጅምረሉ ከምኡ ምስጢረ ትንሣኤ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ዝጅምረሉ ስለ ዝኾነ። ከም ሓደ ፍጻሜ ክንወስዶ ይግባእ “ምስጢረ ትንሣኤ”። እዚ ኸአ ሕማማትን ሞትን ትንሣኤን ከምኡ ዕርገትን ምውራድ መንፈስ ቅዱስን ዘጠቓለለ እዩ። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እዚ ኹሉ አብ ዓርቢ ስቕለት አብ መስቀል ተራእዩ እዩ።
ሰንበት ሆሣዕና ኢየሱስ ብዓቢ ዓጀባ አብ ከተማ ኢየሩሳሌም አብታ ዓባይ ከተማ ነጋውስ ዝአተወሉ ዝዝክር እዩ። “ሆሣዕና ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ወዲ ዳዊት ብሩኽ እዩ”። ነዚ ሎሚ እውን አብ ዕለተ ሆሣዕና አብ ቅዳሴ ዘጎርጎርዮስ ከምኡ አብ ጊዜ ዑደተ ሆሣዕና ንደግሞ። ንኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም ምኻድ ግድን እዩ ነይሩ ምኽንያቱ ንሱ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ስለዝኾነ። አብ ኢየሩሳሌም አብታ ንጉሣዊት ከተማ ምእታው ነቲ አቐዲሙ ብነብያት ዝተነግረ ምፍጻም እዩ፥ “ግዝአት መንግስቱ እናዓበየ ክኸይድ እዩ፥ ብዘመን መንግስቱ ድማ ዅሉ ጊዜ ሰላም ኪኸውን እዩ። አብ ዝፋን ንጉሥ ዳዊት ኮይኑ ኺገዝእ እዩ። ካብ ሕጂ ንዘለዓለም ብሓቅን ብፍትሕን ኪገዝእ እዩ” (ኢሳ 9፡7) ይብል።
አብ ቀዳመይቲ ንባብ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲስዩስ ሕማማትን ውርደትን ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ አምላኽ ብግሉጽ ይንገረና። ኢሳያስ ነብይ ነዚ አብቲ አብ መዝሙር ዝሳቐ አገልጋሊ ዝብል ይዛረበሉ። ጳውሎስ ከአ ነዚ አብ መልእኽቱ ከምዚ እናበለ ይነግረና “ንሱ ብባህሪኡ አምላኽ እኳ እንተ ኾነ ነቲ ምስ አምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ‘አይገድፍን’ ኢሉ አይተኸራኸረን። እንተ ኾነ ሰብ ብምዃን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ፥ ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት አረ እኳ ደአ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት ተአዘዘ” (ፊሊጵ 2፡6-8) ይብል። ቅዱስ ጳውሎስ ቀጺሉ “እቲ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ
አተሓሳስባ አባኻትኩም ይሃሉ” (ፊሊ 2፡5) ይብለና።
እዚ እዩ መለክዒ ፍቕሩ ንነፍሲ ወከፍና “አብ መስቀል ሕይወቱ አወፍዩ” መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ንደቂ ሰብ። ተመራመርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ነዚ ክገልጹ እንከለዉ እዚ ሕማማት ኢየሱስ ዝገልጽ ጽሑፍ ካብ መጀመርያ አብ ወንጌል ተጻሒፉ እዚ ዝገልጾ ኸአ ቀዳሞት ክርስትያን ነቲ ናይ ጎይታና ስቓያትን ስቕለትን በብሓደ ሓንቲ ከየጕደሉ ይነግሩ ነሮም። ማርቆስ ወንጌላዊ ከም ዝሰማዕናዮ ብዛዕባ ልደትን ጊዜ ሓፃንነት አይዛረብን። ግን ሓደ ሕምሲት ናይ ወንጌሉ ብዙዕባ ሕማማት ይነግር። ንእኡን ካልኦት ጸሓፍቲ ወንጌልን “መስቀል” ማእከል ናይ ኩሉ እዩ።
ንመስቀል ካብ እምነትና ነልግሶ እሞ ሽዑ ነቲ ቀንዲ ነገር እምነት ክነልግስ ኢና።
አብ ታሪኽ ሊቀ ጳጳሳት ፉልተን ሺን ዝብሃሉ ከም ዝንገር ሓደ እዋን ሓደ አይሁዳዊ ዓንጠረኛ ወርቂ ዓርኮም አብ ኑዮርክ አመሪካ ብዙሕ ጊዜ አብ ድኳኑ ዝበጽሕዎ ዝነበሩ “ብዙሕ መሳቕል ረኺበ አሎኹ ክትርእይዎዶ ትደልዩ” እናበለ ደወለሎም። አቡነ ሺን አብ ድኳኑ ምስ መጹ ብዙሕ ንአሽቱ ናይ ብሩር መሳቕል አርአዮም እሞ ካበይድአ ረኺብካዮ እናበሉ ሓተትዎ። ካብ ካቶሊካውያን ደናግል አብዚ መጺአን ካብ ሕጂ ንድሓር ነዚ
መሳቕል አይንገብሮን ኢና ምኽንያቱ ነዚ መስቀል ዝረአየ ምቕራብ አብዩና ካብ ዓለም ፈልዩና፥ እሞ ክንደይ ትገዝኦ ኢለን ምስ ሓተታኒ ክገዝኦ ተሰማሚዐ። ምስ መዘንክዎ ኸአ ሰላሳ ቍርጽራጽ ብሩር ኮይንለይ። እንታይ እዩ አብ ቤተ ክርስትያን አብዚ እዋን አጸጊሙ ዘሎ እናበለ ሓተቶም። አቡነ ሺን ክምልሱ ከለዉ አጸጊሙ ዘሎ “ጽልኢ ክርስቶስን መስቀሉን እዩ” በልዎ።
ሊቀ ጳጳሳት ፉልተን ሺን ነዚ ምስ አስተንተኑ እዮም አብ ሕይወቶም ዓቢ መስካሪ መስቀል ዝኾኑ። ነቲ ዓንጠረኛ ወርቂ ዋጋ ድሕነትና ደም ክርስቶስ ከም ዝኾነ ምስ ገሊጸሉ አብ መጨረሻ ነቲ እምነት ተቐቢሉ አብኡ ኸአ መይቱ።
አገልጋሊ አምላኽ ከድሕነና ኢሉ ንኹሉ መከራ ተቐቢሉ። ሕይወትና አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክመለስ ሕይወቱ በጃ ሂቡ። እሞ እንታይ ኢና እንምሃር ሎሚ ካብ ሕይወት ክርስቶስን ካብዚ ናይ ሎሚ ንባባትን። እቲ ቀንድን አድላይን ነገር አብ ሕይወት ክንዕወት ንደሊ እንተ ኾይንና ዓቢ ትዕግስትን ትሕትናን የድሊ ምኽንያቱ እቶም ክሳብ መወዳእታ ዝዕገሱን ዝጽመሙን እዮም ዝዕወቱ። አብ እምነትና እንተ ጸናዕና ጥራሕ እዩ አምላኽና ዝሕግዘና ሽዑ እምነትና ከየጥፋእና ክነብር ኢና።
አብ ወንጌል ማርቆስ ከም እንረኽቦ ብዓል ሆሣዕና ዝተፈላለየ ምልክታት ትርጉምን ዘለዎ ዝሓዘ እዩ። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ስየ ሆሣዕና፥ አድጊ፥ ህዝቢ ወዘተ። ሆሣዕና ንግሥነት ክርስቶስን ሰላማዊ ግዝአቱን የመልክት፥ አድጊ ናይ ክርስቶስ ንጉሥ ትሕትና ይነግር። ንሱ ወላ እኳ ንጉሥ ይኹን ካብ ኩሎም እንስሳታት ዝሓመቐትን ዝደኸመትን መሪጹ አብአ ተጻዒኑ አብ ከተማ አትዩ። እዚ ነዚ አብ ዓለምና እንርእዮ ተጻዩ እዩ፥ መራሕቲ ሃገራት ዝግበረሎም ተቕባልን ዝጥቀሙሉ መጓዕዝያን ኩሉ መነባብርኦም ክንርኢ ከሎና ዘገርም እዩ። ህዝቦም ብጥመት ሓለንጊ እናተገርፈ ከምኡ እናተዋረደ ንሶም አብ ምቾትን ጣዕሚ ርእሶምን ጥራሕ ይነብሩ። ክርስቶስ ነዚ አገባብ ክጥቀም እንከሎ ትሕትና ጥራሕ አይኮነን ምሂሩ ምስ ድኻታትን ድኹማትን ዘለዎ ሓድነት እውን ገሊጹ እዩ። ሰብ ኢየሩሳሌም ነቲ ዝገብረሎም ርእዮም ክኽቅበልዎ ወጺኦም።
ናይ ሎሚ ዑደትናን ብዓልናን ብኽልተ መኽንያት እዩ።
፩ይ ንክርስቶስ ንጉሥ አብታ ንጉሳዊት ከተማኡ ክአቱ እንከሎ ክነኽብር ምእንቲ። በዚ ምኽንያት ኢና “ነቲ ብስም አምላኽ ዝመጽእ ወዲ ዳዊት ሆሣዕና ሆሣዕና” እናበልና እንዝምር። ፪ይ ምኽንያት ብዓልና ምስ ክርስቶስ ኮይንና ነቲ ዝኸበደ ጉዕዞ ድሕነት ዘምጽአልና ተሳትፎና ክንገልጽ። ስለዚ ሎሚ እውን ሆሣዕና እናበልና ክንዝምር እንከሎና አምላኽ ክሳብ መጨረሻ እሙናት ኮይንና እንጉዓዘሎ ጸጋ ክዕድለና ክንልምኖ አሎና። እቲ ዘሕዝን መብዝሕትኦም ካብቶም ሆሣዕና እናበሉ ዝዝምሩ ድሕሪ ሓጺር ጊዜ አብ ዕለተ ዓርቢ ስቕለት “ስቐሎ ስቐሎ” እናበሉ ይጭርሑ ነይሮም።
እዚ ፍሉይ ፍጻሜ መብዝሕትኡ ጊዜ ከመይ ኢልና አብ ዕለታዊ ሕይወትና ከም እንነብር እዩ ዝገልጽ። ሎሚ ምስ ክርስቶስ ኢና ጽባሕ ግን አንጻሩ፥ ክርስቶስ ምስ ጸበበና ምስ ተሸገርና ዓርክና እዩ። ምስ ጠዓመና ኩሉ ከም እንደልዮ ምስ ከደልና
ግን አየድልየናን እዩ። አብ መንጎና ዘሎ ርክብ እውን ብኸምዚ ክርአ ይክአል ማለት ክንጽገም እንከሎና ሰብ የድልየና ኩሉ ምስ ጥዓመና ግን ሰብ አየድልየናን እዩ። ሎሚ አዕሩኽ ኢና ጽባሕ ግን ተጻላእቲ።

ካብ ክርስቶስ ትሕትናን ትዕግስትን ምስተመሃርና ጥራሕ ኢና ጽቡቅ ክንገብር እንኽእል። ዝበለጸ ክንገብር እንኽእል ነቲ ኩሉ ጽቡቕ ዘበለ ከምቲ ክርስቶስ ንነፍስወከፍና አብዚ ሰሙን ዝገበረልና ንሕና እውን ነሕዋትና ከምኡ ገርና ክነወፊ ምስከአልና ጥራሕ እዩ። ስለዚ አምላኽ ምስኡን ምስከማና ዝበሉ ሰባትን ጽኑዓትን እሙናትን ክገብረና ጸግኡ ክዕድለና ንለምኖ። ሎሚ ከምቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት እንገልጽ ዘሎና አብ ነነድሕድና ዘሎና ፍቕርን ሓድነትን ክንገልጽ አሎና። እዚ ኸአ አብ ካልኦት እቲ ትሑት ንጉሥ ክርስቶስን እቲ ዝሳቐ አገልጋሊ አምላኽ ክርስቶስ ስለ ዘሎ እዩ። እዚ ኸአ እዩ ብዝበለጸን አብ ግብርን ምስ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነትን ዝገልጽ።

አብ ክርስትናና ብዙሕ ምልክታት ንጥቀም እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ምልክት መስቀል እዩ። አብ ኩሉ መስቀል አሎ አብ ክሳድና አብ ቤትና አብ አብያተ ክርስትያናትና አብ ከተማታትና ምልክት መስቀል ፍሉይ ምልክትና እዩ። ቨትናማዊ አቡን ንወን ቫን ቱዋን ዝተባህሉ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሕሪ 13 ዓመት ብርቱዕ ማእሰርቲ ካብ ማእሰርቲ ኮሚኒስት ምስ ወጽኡ አብ ሓደ ሱባኤ አብ ዝተዛረብዎ ብዛዕባ መስቀል ከምዚ ኢሎም፡ “አብ መስቀል ጠምት እሞ ኩሉ እቲ ዘጸግመካ ዘጥቅዓካ ፈተናታት መልሲ ክትረኽበሉ ኢኻ”። አብዚ ብዙሓት
ከምኦም ዝበለዎ እዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ዕምቆት እምነትና ክንርዳእ አብ ትሕቲ መስቀል ቆይምና ነቲ አብኡ ዝተሰቕለ ነስተንትን። እቲ ዝዓበየ ትምህርቲ አብ ትሕቲ መስቀል እዩ ተዋሂቡ።

እዚ ሎሚ ብዓጀባ ከም ንጉሥ አብ ከተማ ዝአቱ ዘሎ ክርስቶስ አብ ዕለተ ዓርቢ ንኹሉ መከራ ክሕደትን ውርደትን ተቐቢሉ አብ መስቀል ክስቐል ክንዝክሮ ኢና። ካብ ሎሚ ጀሚርና ምስኡ ክንጉዓዝ ነቲ ንሱ ዘርአየና ፍቕሪ አብ አሕዋትናን ሰባትን ክነርእዮ ልብና ንኽፈት።

“ብስም አምላኽ ዝመጽእ ብሩኽ እዩ” እናበልና አብ ልብና አብ ሕይወትናን አብ ነፍስውከፍ ገዛን ሕይወትን ንቀበሎ። ሓንትስ ልብና ንኽፈተሉ እምበር ንኹሉ ክቕይረልና እዩ። እሞ ሎሚ ንኢየሱስ ክንቅበል ካብቲ ከይንቐርብ ፈልዩና ዘሎ ወጺእና አብኡ ገጽና ብንስሓ ኃጢአትና ተሰኒና እነኹ ክቕበለካ መጺአ አሎኹ ንበሎ።

አብ ቅድስና ርእስናን ሰላም ዘውርድ ቅዱስ ሰሙን ሕማማት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ