ሰንበት ዘትንሣኤ
መጋቢት 30 2010 ዓ.ም. (4/8/2018)
“ውምድርኒ ትገብር ፋሲካ ተሓጺባ በደመ ክርስቶስ”

 

መዝሙር፡ “ሎሚ አብ ሰማያት ዐቢይ ታሕጓስ ኮይኑ እዩ፥ ምድሪ ከአ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር አላ፥ 
ትንሣኤኡ በሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ፥ አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ” ይብል።
ንባባት፡1ቆሮ15፡1-7፥ 1ጴጥ 1፡1-5፥ ግ.ሓ. 2፡22-25፥ ዮሓ 20፡1-18።

ስብከት፡ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፥ ወከመ ኃየል ወኅዳገ ወይን፥ ወቀተለ ጸሮ በድኅረኁ፥
እግዚአብሔር ከምቲ ካብ ድቃስ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚጭድር ጅግና ኾይኑ ተንሥአ፥ ንጸላእቱ ሃዲሞም ንድኅሪት ክሳዕ ዝምለሱ ሰዓሮም (መዝ. 78፡65-66)።

ዘመነ ፋሲካ 6ተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ። እስራኤላውያን አብ ግብጺ ከለዉ መልአኽ እግዚአብሔር እናተሳገረ ነሓፎም። ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ተሳገሩ፥ ባሕሪ ኤሪትራ ተሳገሩ፥ ንሓዲስ ኪዳን ግን ፋሲካ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሳገርናሉ የዘኻኽረና ክርስቶስ ብትንሣኤኡ ንሞት ዝሠዓረሉ ንሰይጣን ዝአሰረሉ ናብ ሰኦል ወሪዱ ንአዳም ምስቶም ዝጸደቑ ደቁ ዘውጽአሉ መንግስተ ሰማይ ከፊቱ መሪሕዎም ዝአተወሉ ቦዅሪ ትንሣኤና ዝኾነሉ ዘዘኻኽር መዓልቲ ፍስሓን ታሕጓስን እዩ። “ክርስትስ ካብ ሙታን ስለ ዝተንስኤ ሎሚ ብሰንበት ክርስትያን ታሕጓስ ኮነ ንአአ ካብ ኩለን መዓልታት ቀደሳን አኽበራን አልዓላን ብሓቂ ካብ ሙታን ተንሢኡ እዩ”። እናበልና ንጽሊ።

አብ ለይቲ ፋሲካ እንፍጽሞ ስርዓታት ኩሉ ነናቱ ምልክታን ትርጉምን አልኦ። ፋሲካ ብስርዓትና ለይቲ እዩ ዝቕደስ። ኩሉ ሕዝቢ ብንስሓን ጸሎትን ብምሉእ ጾም አርብዓ ድሕሪ ጸይሙ ዝአክል ምስንዳው ገሩ አብ መዓልቲ ፋሲካ ኩሉ ጻዕዳ ለቢሱ መብራህቲ ሽምዓ ወሊዑ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን እናበለ ናይ ዓወትን ብርሃንን ምልክት ንቤተክርስትያን ሰለስተ ጊዜ ንዘውር፥ ኩሉ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ሓሪዱ የፋስግ ከምቲ አብ ኦሪት አይሁድ ፋሲካኦም ከብዕሉ ዝገብርዎ ዝነበሩ። በዚ ዕለት አብ ቅድም እዋን እሱራት ይፍትሑ ጽጉማት ይርድኡ፥ ብኡሳት ይዕረቝ፥ ሕዙናት የጸናንዑ፥ ብሓጺሩ ኩሉ ንሓዲስ መንፈስን ርክብን ተሰናድዩ ይዕጠቕ።

ፋሲካ ንሓዲስ አተሓሳስባን አከያይዳን ዝዕድመና እዋን እዩ። ክርስቶስ ብሞቱ እሞ አብ መስቀል ሓዲስ ምዕራፍ ከፊቱልና። መልአኽ ነቲ ሕያው ምስ ሙታን አይትድለያኦ ኢሉ ነተን ንኢየሱስ አብ መንጎ ሙታን ክደልያኦ ዝመጻ ነጊርወን። መቓብር ኢየሱስ ዝርከቦ ቦታ አይኮነነ ንሱ አብ መንጎ ሕያዋን እዩ ዝርከብ። ክርስቶስ ሞት አይዓገቶን አብ ሓዲስ ሕይወት ምእንቲ ክመርሓና ናብ ሰማይ ክንአቱ አፍደገ ከፊቱልና። ነዚ ሓዲስ ሕይወት ክንአትዎ ወይ ክንለብሶ መገዲ ክርስቶስ ክንፈልጦ የድልየና። መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት ነቶም ዝሰቕልዎን ዝፈርድዎን ዝነበሩ ኩሉ ዝተወድአ ይመስሎም ነሩ እንተ ኾነ እቶም ዝረአዩ ከም ዝምስክርዎ ዝነበሩ ንሱ ሕያው አሎ አይሞተን እናበሉ መስከሩልና። ኩልና ነዚ እንአምን ሎሚ እውን አብዚ መንፈስ ክንርከብ ከሎና ናይ እቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ መንፈስ ንልበስ።

ኢየሱስ ምስ ሞተ ክልተ ዓይነት ፍርሒ ተራእዩ፡ (1) ማርያም መገደላዊት እተን ካልኦት አንስትን አብ መቓብር ምስ ከዳ ጥርሑ ምስ ጸንሐን ፈሪሓ እንቀጥቂጣ፥ መቓብር ጥርሑ ምስ ጸንሐን ዘይተጸበየኦ ኮይንወን ፈሪሐን። እቲ መልአኽ ግን “አይትፍርሓ፥ እፈልጥ እየ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘሎኽን ንሱ አብዚ የለን ተንሢኡ እዩ ከድክን ከምቲ ዝበሎ ንደቂ መዛምርቱ አብ ገሊላ ክጽበይዎ ንገራኦም በለን”፥ ነዚ ምስ ሰምዓ ንሓዋርያቱ ከበስራ እናጎየያ ከይደን፥ ሬሳ ኢየሱስ ተወሲዱ ክብላ ከምኡ መልአክ አይትፍርሓ ከም ዝበለን ክነግራ። ከምዚ እንከሎ ኢየሱስ ጎፍ ይብለን ሰላም ከአ ይብለን አብዚ ዝተሰምዐን ክንሓስብ ንኽእል፥ ንሱ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዝብሎ ዝነበረ “አይትፍርሓ” አብኡ ክአምና ፥ አብዚ ሓዲስ ዘይፈልጥኦ ክአምና ይነግረን። ሽዑ ሓዲስ ተልእኮ ይህበን፥ ነቲ ሰናይ ዜና ክነግራ ንኻልኦት እውን ክረኽብዎ ክፈልጡ ልኢኽወን። ኩሉ ፍርሐን አብ ሓጎስ ተቐይሩ እዚ ኸአ ናይ ኢየሱስ አብ ሕይወተን ብምህላው እዩ። (2) እቲ ካልእ ፍርሒ አብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ 28፡8-15 ዘሎ እዩ ማርያም መግደላዊትን እትአ ካልአይቲ ማርያምን ናብ ከተማ ነቲ ኩሉ ከበስራ ክጎያ ከለዋ፥ እቶም ዓቀይቲ ነቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ ብፍርሃት ርዒዶም ነቶም ሊቃነ ካህናት ኩሉ ዝኾነ ነጊሮሞም፥ እቲ ፍርሖም አብ ናይ ነፍሲ ወከፍና አብ ገለ አጋጣሚ ዝገጥመና እዩ።

እቶም ዓበይቲ ዓድን ሊቃነ ካህናትን ብጣዕሚ ፈሪሖም፥ መፍሪሒኦም ምኽንያት ከአ ስልጣኖም ከይስእኑ፥ ህዝቢ ንኢየሱስ ከይአምን እዩ። እዚ ዓይነት ፍርሒ አብ ሕይወትና ካብ ኩነታትና ዘይምእማን፥ ዋሕስ ዘይብሉ ሕይወት ክንመርሕ ከሎና ዝገጥመና እዩ። እቶም ወተሃደራት እውን ካብ ስርሖም ከይወጽኡ ፈሪሖም ነዚ እቶም ሊቃነ ካህናት ደቂስና ከሎና አርድእቱ ነቲ ሬሳ ወሲዶም በሉ፥ አብ አመሓደርቲ እንተ በጽሐ ከአ ባዕልና አሎናሉ ኩሉ ክንገብር ኢና ኩሉ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ዘዝገደደ ነገራት ይገብሩ ነሮም።

ማርያም መግደላዊት አብ መጨረሽታ ናይ እቲ ታሪኽ ከም ነንብቦ ንድሕሪት ክትምለስ እንከላ ብታሓጓስ እያ መሊአ ነቲ ዝረአየቶ ነገራት ክተበስር ጎያ፥ ጎይታና ተንሲኡ እዩ፥ ብሕይወቱ አሎ፥ አርድእቱ አብ ብርቱዕ ፍርሒ እንከለዉ ነዚ ከተበስሮም እንከላ ናይ ብሓቂ ናብ ብርቱዕ ሓጎስ ተቐይሮም። ጓሂ አብ ሓጎስ ተስፋ ቁርጸት ናብ ምሉእ ደስታ ተቐይሩ። ካብ ብርቱዕ ሓዘንን ፍርሕን ናብ ዝበለጸ ምጽንናዕን ቅሳነትን ተቐይሮም።

አብ አርባዕቲኦም ወንጌላውያን እንተ ረአና ተመሳሳላይ ነገራት የዘንትዉልና፥ ንትንሣኤ ዘበሰራ አንስቲ እየን፥ መቓብር ጥርሑ ጸኒሑ፥ መላእኽቲ ከም ዝተንሥኤ ነተን አንስቲ ነጊሮመን፥ ማርያም ምስተን አንስቲ አብቲ መቓብር አይከደትን፥ አብቲ መቓብር ካብ ሓዋርያት ጴጥሮስን ዮሓንስ ጥራሕ ይጥቀሱ፥ኢየሱስ ንማርያም መግደላዊት ከመይ ገሩ ከም ዝተገልጸላ ይነግሩና። ትንሣኤ ዓቢ ብስራት ንሓዲስ ሕይወት ምዃኑ ንርዳእ። ማርያም መግደላዊት አበሳሪት ትንሣኤ ኮይና ኩሉ ጊዜ ትዝከር። ንሳ ንመምህራን ጎይትአን ክሳብ ትረኽቦ ደው አይበለትን አብ መቓብር ተመላሊሳ ንሱ ባዕሉ ብስማ ክሳብ ዝጽውዓ ዓይና ከለሊ አይከአለን። አሰር ማርያም መግደላዊት ተኸቲልና ሎሚ ንዝተንሥኤ ክርስቶስ ክንረኽቦ፥ ንሱ በብስምና ይጽውዓና አሎ።

• ትንሣኤ ጎይታና መሰረት እምነትና እዩ። ማር 16፡1-2፥ ማቴ 28፡5 ትንሣኤ አብ እምነትን ሕይወትን ተኸተልቲ ክርስቶስ ሓዲስ ለውጢ ከም ዘምጽአ ንርኢ። ትንሣኤኡ ሕመረት ናይ ኩሉ ሕይወቱን መሰረት እምነትና እዩ። ቅ. ጳውሎስ አብ 1ቆሮ 15፡ 14-17 ብዘይ ትንሣኤ ክርስቶስ ኩሉ ስብከትና ዘይጠቅም እምነትና ከንቱ እዩ ይብል። ናይ መጻኢ ትንሣኤና ብትንሣኤ ክርስቶስ ተረጋጊጹ እዩ። ወላእኳ ብኃጢአት ንሙት እምበር አምላኽ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩ ስለ ዝፍቀረና ንክርስቶስ ሂቡና ምስኡ ኸአ አተንሢኡና (ኤፈሶን 2፡4-6)። ትንሣኤ ብዓል ድኅነትና ኢዩ ስለዚ ናይ ሓጎስን ምስጋናን ብዓል እዩ፥ ትንሣኤ ክርስቶስ ማእከል ካቶሊካዊ እምነት እዩ በዚ ኸአ እዩ ካብ መጀመርታ ክርስትና ዝተሰብከ። ሓዋርያት ቀዳሞት መሰኻኽር ናይ እዚ እዮም። ኩሎም ክርስቶስ ሕያው እዩ ዝብል ማእከል ስብከቶም ገሮም ሰቢኾም። ድሕሪ 20 ዘመን እዚ ኢና ንዓለም እንሰብኽ ዘሎና፥ ክርስቶስ ሕያው እዩ እዚ እዩ መለኮቱ ዝገልጸልና።

• ትንሣኤ ሓያል መጸዋዕታ ንስብከተ ወንጌል እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮ ዓቢ ነዚ ከስተንትኑ ከለዉ ኢየሱስ ቀልጢፉ ዝተንስኤ ነዲኡን ሓዋርያቱን ከጸናንዕ ምእንቲ እዩ ይብሉ (ስብከት 71፥2)። ንሱ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ አብ መቓብር ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሑ፥ ብሳልሳይ መዓልቲ መሬት ቅድሚ ምውግሑ ኩሉ ጸልማት እንከሎ ተንሢኡ (ዮሓ 20፡1)። ዓለም ኩሉ ጸልሚቱ አብ መንጎ እዚ ኹሉ እታ ሓንቲ ብርሃን አብ መንጎ ጸልማት ዝነበረት ማርያም እያ። ትንሣኤ ዓቢ ብርሃን ንዓለም እዩ። አነ ብርሃን ዓለም እየ( ዮሓ 8፡12)። ንሱ ብርሃን አብ ኩሉ ዘመናትን ታሪኽን፥ ብርሃን ንኹሎም አሕዛብ፥ ብርሃን ነነፍስወከፍና እዩ። አብ ሰንበት ትንሣኤ ኩልና አብቲ ጸልማት እዋን ሽምዓ ንውልዕ ነቲ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ክንዝክር ምእንቲ። ንሕና ብርሃን ኾና ንኻልኦት ብርሃን ክነካፍል። ነዚ ክንገብር ምስ ክርስቶስ ክንወሃሃድ አሎና። ጳውሎስ ናብ ኤፈሶን 1፡10 ንኹሉ ብመንፈስ ኢየሱስ ምምላእ ንክርስቶስ ናይ ኩሉ ማእከል ምግባሩ፥ “ካብ ምድሪ ምስተለዓልኩ ንኩሉ ናባይ ክስሕቦ እየ” ክርስቶ ብኹሉ ሕይወቱ ስብከቱ ሕማማቱ ትንሣኤኡ ማእከል ናይ ዓለም እዩ። ንሕና ከም ክርስትያን ስብከትና ምስኡ ዘሎና ዝምድና ኢና ክንሰብኽ ዘሎና፥ ብኹሉ እንገብሮን እንብሎን ክንሰብኽ፥ ንኹልና በበቲ ዘሎና ጸዋዕታ አብ ዓለም ክንሰብኽ ይደልየና። ጸዋዕታና ንክርስቶስ ምስባኽ እዩ።

• ጊዜ ትንሣኤ ብፍሉይ ጥቓ ማርያም ምንባር እዩ። ማርያም አብ ጊዜ ስቅለቱን አብ መስቀል ክመውት እንከሎ ምስኡ ነራ እንተኾነ ንጽባሒቱ እተን አንስቲ ናብ መቓብር ክኸዳ ከለዋ ምስኤን አይከደትን፥ ማርያም መግደላዊትን እተን ካልኦት አንስትን ነቲ ብሳልሳይ መዓልቲ ክትንሥእ እየ ኢልዎ ዝነበረ ረሲዔ ንኦ። ማርያም ግን ከም ዝትንሥእ ትፈልጥ ነራ። ወንጌል ኢየሱስ ምስ ተንሥኤ ንማርያም ከም ዝተራእያ አይነግረናን እዩ። ብዝኾነ ንሳ ብቐረባ አብ መስቀሉን ሞቱን ምስኡ ስለ ዝነበረት ብፍሉይ ጸጋ ትንሣኤኡ ትፈልጥ ነራ።

ካብ ቀዳሞት ዘመናት ጀሚሩ አብ ትውፊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ትንሣኤ መጀምርያ ዝተራእያ ንማርያም እዩ። ካልእ ክኸውን አይክአልን እዩ ምኽንያቱ ንሳ አብ ድሕነት ደቂ አዳም ዝተሓባበራት ስለ ዝኾነት። ብኻልእ አገላልጻ ንሳ ብጸጋ አምላኽ አብ ምስጢረ ስላሴ ተሳቲፋ ንኹሉ ክትርኢ ክትፈልጥ ተዋሂብዋ ስለዚ ናይ ክርስቶስ ትንሣኤ ዘደልዮም ካልኦት እምበር ንሳስ ትፈልጥ ነራ። ክርስቶስ ንማርያም መግደላዊት ቀልጢፋ ክትርድኦ ብዘይትኽእሎ ከም ዝተንሥኤ ተራእዩዋ። ነቶም ናብ እማኁስ ዝኸዱ ዝነበሩ ከም መንገደኛ ኮይኑ ተራእይዎም፥ ንሓዋርያቱ ተአኪቦም እንከለዉ ማዕጾ ተሾጒሩ ከሎ ተራእይዎም፥እዚ ኩሉ ዝሕብሮ ምስቶም ገና ምስኡ ጥቡቕ ርክብ ዘይፈጠሩ አብ ጉዕዞ ዝነበሩ እዩ ምስ አዲኡ ዝነበሮ ርክብ ግን ውሽጣውን ምሉእ ሓድነት ዘልኦን እዩ። ንሕና ደቂ ሰብ ብባሕርይና አብ ውሽጥና ምሳና ርክብ ዘልኦ ዘብ ብውሽጥና ምስኡ ፍሉይ ርክብ አሎና እዚ ርዱእ ነገር እዩ። ነዲኡ ብኸምዚ እዩ ተገሊጽዋ ምስኡ ጥቡቕ ርክብ ስለ ዘልአ፥ ምሳአ ዘልኦ ርክብ ከምቲ አብ ዓለም ከሎ ዘይኮነ ድሕሪ ኩሉ ስቓይ ንሳ ብሓጎስ እያ መሊአ በቲ አምላኽ ዝሃባ ፍሉይ ጸጋ ንሕና ክንርድኦ ብዘይንኽእል መንገዲ ንሳ አብ ምስጢሩ ተሳታፊት ገርዋ ከማና መግለጺ ወይ ምልክት አየድልያን እዩ። ቅዱስ ቶማስ ብዓል አኲኖ አብ ጊዜ ትንሣኤ ክሰብኽ ከሎ ንሰማዕቱ ንማርያም እንቋዕ አሕጎሰኪ ምባል ከይርስዑ ይነግሮም ነበረ ይብሃል። እዚ እዩ ሎሚ ንሕና እውን ክንገብሮ ዝግብአና። ንሳ ድሕሪ ትንሣኤ ወዳ ብሓንሳብ ክንጽሊ ክንፋቐር ንዝኾነ ዝጓነፈና ጸገማት ብመንፈስ ወዳ ክንዕወተሉ ትደልየና። ማርያም መራሒት ትንሣኤና እያ።

• ጊዜ ትንሣኤ ብፍሉይ ጥቓ ማርያም ምንባር እዩ። ማርያም አብ ጊዜ ስቅለቱን አብ መስቀል ክመውት እንከሎ ምስኡ ነራ እንተኾነ ንጽባሒቱ እተን አንስቲ ናብ መቓብር ክኸዳ ከለዋ ምስኤን አይከደትን፥ ማርያም መግደላዊትን እተን ካልኦት አንስትን ነቲ ብሳልሳይ መዓልቲ ክትንሥእ እየ ኢልዎ ዝነበረ ረሲዔ ንኦ። ማርያም ግን ከም ዝትንሥእ ትፈልጥ ነራ። ወንጌል ኢየሱስ ምስ ተንሥኤ ንማርያም ከም ዝተራእያ አይነግረናን እዩ። ብዝኾነ ንሳ ብቐረባ አብ መስቀሉን ሞቱን ምስኡ ስለ ዝነበረት ብፍሉይ ጸጋ ትንሣኤኡ ትፈልጥ ነራ። ካብ ቀዳሞት ዘመናት ጀሚሩ አብ ትውፊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ትንሣኤ መጀምርያ ዝተራእያ ንማርያም እዩ። ካልእ ክኸውን አይክአልን እዩ ምኽንያቱ ንሳ አብ ድሕነት ደቂ አዳም ዝተሓባበራት ስለ ዝኾነት። ብኻልእ አገላልጻ ንሳ ብጸጋ አምላኽ አብ ምስጢረ ስላሴ ተሳቲፋ ንኹሉ ክትርኢ ክትፈልጥ ተዋሂብዋ ስለዚ ናይ ክርስቶስ ትንሣኤ ዘደልዮም ካልኦት እምበር ንሳስ ትፈልጥ ነራ። ክርስቶስ ንማርያም መግደላዊት ቀልጢፋ ክትርድኦ ብዘይትኽእሎ ከም ዝተንሥኤ ተራእዩዋ። ነቶም ናብ እማኁስ ዝኸዱ ዝነበሩ ከም መንገደኛ ኮይኑ ተራእይዎም፥ ንሓዋርያቱ ተአኪቦም እንከለዉ ማዕጾ ተሾጒሩ ከሎ ተራእይዎም፥እዚ ኩሉ ዝሕብሮ ምስቶም ገና ምስኡ ጥቡቕ ርክብ ዘይፈጠሩ አብ ጉዕዞ ዝነበሩ እዩ ምስ አዲኡ ዝነበሮ ርክብ ግን ውሽጣውን ምሉእ ሓድነት ዘልኦን እዩ። ንሕና ደቂ ሰብ ብባሕርይና አብ ውሽጥና ምሳና ርክብ ዘልኦ ዘብ ብውሽጥና ምስኡ ፍሉይ ርክብ አሎና እዚ ርዱእ ነገር እዩ። ነዲኡ ብኸምዚ እዩ ተገሊጽዋ ምስኡ ጥቡቕ ርክብ ስለ ዘልአ፥ ምሳአ ዘልኦ ርክብ ከምቲ አብ ዓለም ከሎ ዘይኮነ ድሕሪ ኩሉ ስቓይ ንሳ ብሓጎስ እያ መሊአ በቲ አምላኽ ዝሃባ ፍሉይ ጸጋ ንሕና ክንርድኦ ብዘይንኽእል መንገዲ ንሳ አብ ምስጢሩ ተሳታፊት ገርዋ ከማና መግለጺ ወይ ምልክት አየድልያን እዩ። ቅዱስ ቶማስ ብዓል አኲኖ አብ ጊዜ ትንሣኤ ክሰብኽ ከሎ ንሰማዕቱ ንማርያም እንቋዕ አሕጎሰኪ ምባል ከይርስዑ ይነግሮም ነበረ ይብሃል። እዚ እዩ ሎሚ ንሕና እውን ክንገብሮ ዝግብአና። ንሳ ድሕሪ ትንሣኤ ወዳ ብሓንሳብ ክንጽሊ ክንፋቐር ንዝኾነ ዝጓነፈና ጸገማት ብመንፈስ ወዳ ክንዕወተሉ ትደልየና። ማርያም መራሒት ትንሣኤና እያ።

ትንሣኤ ክርስቶስ ክነብዕል ከሎና እምብአር ካብ ነፍስወከፍና ዝድለ ነገር አሎ ንሱ ኸአ ንክርስቶስ ብጸግኡ ክንረኽቦ ክፍሊ ሕይወትና ክንገብሮ “ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን” ክንብል ከሎና ኩልና ነፍስና እና ጠቕስና አነ ተንሣእኩ እሙታን፥ ካብ ሓጢአተይ፥ ካብ ኩሉ ካብ አምላኽ ዝፈልየኒ ነገራት ተንሣእኩ እናበልና ንሕይወትና ትንሣኤ ክነበስራ ይግብአና። ክርስቶስ ሎሚ እውን “ሰላም ንአኻትኩም ይኹን” ዝብላ ቃላት አብ ገዛናን አብ ሕይወት ነፍስወከፍናን ክንደግመን ይደሊ እዩ እሞ ሰላም ትንሣኤኻ አብ ኩሉ ዓለም ልአኸልና ኢልና ንለምኖ።

በዚ አጋጣሚ ብሩኽ ትንሣኤ ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ