ሰንበት ዘኖላዊ
፳፮(26) ታሕሳስ ፳፻፲፪ (2012) ዓ.ም.ግ (1/5/2020
መዝሙር፡ ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም… ቅድም እቲ ሙሴ አብ ኦሪት ዝተዛረቦ ነገሮም ዳዊት ድማ ኃይልኻ አርኢ ንዓ አድኅነኒ እቲ ጓሳና ካብ ሰማያት ወሪዱ እዩ እቲ ጓሳና ብጃ ኮይኑ ንዓለም ከድኅን እዩ ተአዚዙ ንእስራኤል ጓስኦም ኮይኑ ከድኅን ወሪዱ መጸ፥ ንስኻ ብአፍ ነብያት ዝመጸ ረዳኢ አምላኽ ኢኻ ናብ ሕዝብኻ ሰላም ስደድ ሕያዋይ ጓሳ ምስጉን ከማኻ ዝበለ መን አሎ ምእንቲ ህዝብኻ በጃ ክትከውን ብትእዛዝ አቦኻ ካብ ሰማይ ወሪድካ ንዕረፍቲ ሰንበት ሰራዕካ።
ንባባት፡
ዕብ. 13:16-ፍ፥
1ጴጥ 2፡2-ፍ፥
ግ.ሓ. 15፡23-21፥
ዮሓ 10:1-21።
ምስባክ፡ ኖላዊሆም ለእስራኤል አጽምእ፥ ዘይሬእዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ፥ ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።
ኦ ጓሳ እስራኤል ጽን በለና አታ ንህዝብኻ ንደቂ ዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሓና፥ አታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ ተገለጽ (መዝ 80፡1)።
ካብ ታሕሣሥ 1-26 ዘሎ ዘመነ ስብከት ይብሃል ምኽንያቱ ነብያት ናይ ጎይታ ብሥጋ ምምጻእ አግፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ብምስትምሃሮም ምስባኾም፥ ቤተ ክርስትያን በዚ እዋን ንዝኽሪ ጥራሕ ዘይኮነ ነፍስወከፍ ንአምላኽ አብ ልቡ ከሰናዱ ኢላ እተቀራርበሉ እዋን ስለ ዝኾነ። ናይ ሎሚ ሰንበት ብፍሉይ ዘኖላዊ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክርስቶስ እቲ እንኮ ጓሳና ምዃኑ ተረዲእና አብ መጓሰኡ ክንርከብ ክንሓስብ ሕይወትና መንፈስ አምላኽ ለቢሱ ደቂ አምላኽ መጓሰ አምላኽ ዘብል መገዲ ክንሕዝ እሞ ደቂ ገዛ ኮና ደምበና ክነለሊ። እዚ ጓሳ ዝብል ካብ ጥንቲ ብነብያት ዝተነገረ እዩ። ኩሎም ነብያት ክርስቶስ ጓሳና ከምዝኾነ ተነበዩ፥ ባዕሉ ኢየሱስ ከአ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ አነ እየ” እናበለ አስተምሂሩና (ዮሓ 10፡14)። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ምስ ሓዋርያቱ እን ከሎ ሓደ መጓሰ ክንከውን ጸልዩልና። ናይ አምላኽ መጓሰ ኮና ክነብር እዩ ተፈጥሮና አብ ካልእ መጓሰ ክንሕወስ ድላይ አምላኽ አይኮነን። ሎሚ መጓሰና አለሊና ደንበና ክንአቱ አምላኽ ይጽውዓና አሎ።
ሰንበት ዘኖላዊ ብዛዕባ ጉስነት አምላኽን መጓሰ አምላኽ ዝኾና ደቂ አዳምን ምዃና ዘኪርና አበይ ከም ዘሎና ክንሓስብ ይሕግዘና። አብ ዘመን ምጽአት ተጓሲኻ ምኽአል እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ጉዳይ እዩ። አብ ወንጌል ናይ ዮሓንስ አብ ዝተነበ ኢየሱስ ብዛዕባ ጓሳ፥ መጓሰ፥ አፍደገ፥ ሕያዋይ ጓሳ፥ ዕሱብ ጓሳ፥ ሰራቒ፥ ክብትን ዝመጽእ ከመይ ዝበለ ከም ዝኾነ ይዛረብ።
እዚ ወንጌል እዚ መሰረቱ አብቲ ሕዝቅኤል ነብይ አብ ምዕ 34 ብዛዕባ ጓሶት እስራኤል መሰረት ገሩ ይገልጾ፥ ካብኡ ዝፈልዮ ናይ ዮሓስን ጓሳ በጃ አባግዑ ከምዝሓልፍ ይዛረብ እዚ ኸአ ነቲ ክርስቶስ አብ መስቀል መይቱ ዘርአዮ ፍቕሪ የመልክት። ጉስነት ሓደ ካብቲ ጥቡቕ ርክብ ዝፈጥር ክፍሊ ሕይወት እዩ፥ ጓሳን መጓሰን ሓደ አካል እዮም ንሱ የፍቅረን ንሰን የፍቅርኦ ንሱ ጓስየን ንሰን ከአ ይጓሰያ። እዚ ነቲ ክርስቶስ ምስ አመንቱ ዘለዎ ርክብ እዩ ዝገልጽ። ንሱ መራሒና ጎይታና ሕይወትና እዩ አብኡ ክንቀርብ ክንአምን እን ከሎና አባና ሕይወት አሎና።
አብ ሃገረ እስራኤል አብ ጊዜ ኢየሱስ ጉስነት አባግዕ ዝውቱር እዩ ነሩ ብዙሓት መጓሰ አብ ሓደ ከባቢ ይርከባ ብሓንሳብ ይወፍራን ይአትዋን አብ ሓደ ደምበ ኸአ ይአትዋ። እቲ ደንበ ሓንቲ
መእተዊት አፍደገ ነራቶ እቲ ጓሳ አባግዕ አብ አፍደገ እዩ ዝኸውን ዝኾነ ጽቡቕ ይኹን ክፉእ መጀመርያ ንእኡ እዩ ዝረክብ። እቲ ጓሳ አብ አፍደገ ኮይኑ ካብ አራዊት ካብ ሰራቒ ይከላኸለለን፥ ከምኡ በቲ አፍደገ ክምገባ ክወፍራን ክአትዋን የውፍረን፥ብርግጽ አፍደገን ጓሳን ዝብል ሓሳብ ብሓንሳብ ዝኸይድ አይኮነን እንተኾነ አብዚ ምዕራፍ እዩ ብሓንሳብ ተገሊጹ እንረኽቦ።
አብ መንጎ ጓሳን አባግዕን ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘለወን አብ ልሙዕ ቦታ ይወስደን ይከናኸነን ብደሃየን ይፈልጠን ንሰን እውን ይፈልጣኦ። ኩሉ ጊዜ ምስአን አሎ ቀቅድምኤን እናኸደ ይመርሐን ዝኾነ አራዊት ወይ ሰራቒ ክትንክፈን አይክእልን እዩ።
እዚ ምሳሌ እዚ ኢየሱስ ባዕሉ ንሱ መን ምዃኑ ክገልጽ ኢሉ ዝበሎ እዩ። አብ መንጎ አመንቱን አብ መንግኡ ዘሎ ርክብ ከምዚ ናይ ጓሳን መጓሰን ክኸውን ከምዘለዎ ይነግረና።
ጓሳና ኢየሱስ እዩ።
አብዚ አብ ልደት ክርስቶስ አብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ነገር ክንገብሮ ዝድለ ዘሎ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ ክንርኢ። አብ ሓደ ልብን መንፈስን ክንአቱ አሎና።
አፍና ግብርና ሕብርና ንኢየሱስ እንተዘይመሰልና ምስኡ ሓደ ክንከውን አይንኽእልን ኢና ። ከምቲ ጓሳ ምስ መጓሰኡ ሓደ ዝኾነ ንኢየሱስ አብ ሕይወትና ዝለዓለ ቦታ ክንህቦ ይግባእ።
ሰብ ብአርአያ አምላኽ ዝተፈጠርና ስለ ዝኾና ከም እንስሳ ዘይኮነ ርክብና ተረዲኡና አብ ትሕቲ አምላኽ ክንአቱ ይግብአና ስለዚ ንመገዲ ጎይታ ክንፈልጥ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና። አብ መጓሰ ክርስቶስ ክንአቱ ነዚ ዝስዕብ ክንገብር አሎና።
-
ጓሳን አላሊና ክንክእል አሎና። ጓሶትና ዘይኮኑ ጓሶትና መሲሎምና አሰሮም ክእይንስዕብ ጓሳና ንዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክነለሊ አሎና። ካልኦት ጓሶት አለዉ ንሶም ግን በቲ አፍደገ ዝአትዉ አይኮኑን ንጥፍአት እዮም ዝወስዱ። ናይ ዘመና ጉሓሉ ወይ ናይ ሓሶት ጓሶት ክንብሎም እን ኽእል ብዙሓት አለዉ። ጓሳኻ አለሊኻ ምኽአል የድሊ።
-
ድምጺ ጓሳና ክንሰምዕ የድልየና። ካልእ ድምጺ ከይንሰምዕ እሞ አብ ዘይናትና ከይንጽንበር ምስትውዓል ይሓተና። ጥዑም ድምጺ ዝመስል ግን ንልብና ሰሊቡ አብ ዘይደምበና ዝመርሕ ከይሰርጸና ንድምጺ ኢየሱስ ብኻልእ ከይንጋገዮ ምጥንቃቕ የድልየና።
-
አብ ሓደ መጓሰ ምዃና ክንፈልጥ አሎና። ኢየሱስ ማእከልና ገርና ክንጉዓዝ እሞ ካልእ ዋና ከይንገብር ልዕሊ ዅሉ አነ ርእሰይ ዝኸአልኩ ባዕለይ ዝብል መንፈስ ከይነሕድር እሞ ንሓድነት አሕዋት ከይንቕይር ምስትውዓል ልቦና ይሓተና። ሰብ ንአምላኽ ብርእሱ ወይ ብኻልእ ነገራት ምስ ተክአ አብ ዝኸፍአ ጸልማትን ጥፍአትን እዩ ዝአቱ ስለዚ ንአምላኽ ልዕሊ ኩሉ ክንሰርዕ ይግባእ ሽዑ ሓድነትና ክረግእ ይኽእል።
-
ተዃሉ አለሊኻ ምኽአል የድሊ። ጸጉሪ በግዕ ዝተኸድኑ ግን ተዃሉ ካብ ክርስቶስ ፈልዮም ክቐትሉና ዝደልዩ ብዙሓት አለዉ ስለዚ ምስትውዓል ልቦና የድሊ። ናይ ዘመና ተኳሉ አብ ወገን ዓለት ፍልልይ ጽልኢ ከም እን ነብር ዝገብሩ እሞ ብነፍስና ምዉታት ዝገብሩና ካብ ክርስቶስን ካብ ማሕበር ክርስቶስ ዝፈልዩና አለዉ ክነለልዮም ይግባእ።
-
ንጓሳና አሰሩ ክንስዕብ አሎና። ንሱ ቀቅድመና ይጉዓዝ አሎ ስዓቡኒ እውን ይብለና አሎ አሰሩ እናሰዓብና ጓል መገዲ አይንውሰድ። አንፈትና አብኡ ገርና እስዕበካ አሎኹ ሓግዘኒ ንበሎ። ሽዑ ንሱ አጆኻ እናበለ ክመጽአና ከተንስኣና ክሕብረና እዩ።