Sign up for important notices

Join our mailing list in order to receive updated information regarding our chaplaincy and other issues relevant to our community.
ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንሷ ካቶሊካዊ ማእከል ትምህርተ መለኮት
Abune Abraha Francois Centre of Catholic Theology
 www.eritreancatholic.com 
ኩሉኹም ግዱሳት መእመናን ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ መርበብ ዝወሃብ ትምህርቲ ክትምዝገቡ ትኽእሉ።
All interested individuals can register for e-learning courses in Tigrigna.
ሱባኤ ምቅርራብ ንብዓለ ልደት
“እንታይ እሞ ንግበር” ሉቃ 3፡10፥ ግ.ሓ. 2፡37
ልደት ክርስቶስ ክነብዕል ንቀራረብ አሎና። ምቅርራብና ዓለማዊ ወይ ንግዙፋዊ ነገራትና ዝርኢ ዘይኮነ ንመንፈሳዊ ርክብና ምስ አምላኽ እዩ። አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንተ ረአና ሰብ ንብዙሕ ነገራት ይቀራረብ፥ ንውላድ፥ ንመርዓ፥ ንሞት፥ ንመርመራ፥ ንውግእ፥ ንሰላም፥ ንክፍአት፥ ንዕርቂ ብዓል ንምብዓል . . . .እቲ ምቅርራብ ንብዙሕ ነገር ኽኸውን ይክአል እዩ። ክትቅረብ እንከሎኻ አብ ሓሳብካ ክልተ ነገር እዩ ዝመጽአካ፡
  1. ክትዕወት፥ ነቲ እትቀራረበሉ ዘሎኻ ከምቲ እትደልዮ ክኾንልካ።
  2. ክትዕወት ኩሉ ዝክአለካ ትገብር አብ ገለ እዋን ወላ ሕይወትካ እውን ትሸይጥ (ንአብነት አብ ፖሎቲካ)። ምቅርራብ እምብአር ሓደ ካብቲ ክንዕወት እን ገብሮነገራት ሓደ እዩ፥
ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ምቅርርባ ዘድለዮ ድሕነት ወዲ ሰብ እዩ። አምላኽ ባዕሉ ተስፋ ሂቡ ዝጀመሮ ንአዳምን ሔዋንን ስንቂ ንአኦምን ንደቆም ኮይኑ ክሳብ መዓልቱ ዝበጽሕ በቲ አምላኽ ዝመደቦ ክኸዱ ክቀራረቡ ተነጊርዎም። አበው ነብያት ነዚ ተስፋ አምላኽ ዝኾነ ክቕረቡ ንደቂ እስራኤል በብእዋን ምስ ግዚኡን ኩነታቱን አሰናድዮም። አብ ገለ እዋን ምቅርራብ ስለ ዘጉደሉ ይደናገሩ ነሮም አብ ገለ እዋን ከአ ብጽቡቅ ይቕረቡ ስለዝነበሩ ብሕይወት ዝህብ ተስፋ ይነብሩ ነሮም። ምቅርራብ ምስ ሓደጉ ብጸላእቶም ንስደትን ውርደትን ይቃልዑ ነሮም አብ አምላኽ ክምለሱ ከለዉ ከአ ተስፍኦም ይዓቢ ነሩ። ሎሚ እዚ ኩነት ዳርጋ አይተቐየረን ስለ ምቅርራብና ክነጽብቕ ኢላ ቤተ ክርስትያን ትነግረና አላ። ክትቅረብ ምስንዳውን ምብርባርን የድሊ።
[ምሉእ ትሕዝቶ]
ብኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

፲፪(12) ታሕሳስ ፳፻፲፪(2012) ዓ.ም.ግ 12/23/2019 ዓ.ም.

ሰንበት ዘስብከት

መዝሙር:ወልዶ መድኅነ ንሰብክ . ‘ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን መድኅን ንሰብኽ፥ አኽሊል ናይ ሰማዕታት ሸያሚ ካህናት ተስፋ ናይ መነኮሳት፥ ወልድ ምድኅን ንሰብኽ፥ ንመድኃኒ ወዱ ንሰብኽ’።
ንባባት፡ ዕብ፡1፡1-ፍ፤ 2ጴጥ. 3፡1-10፤ ግ.ሓ. 3፡17-ፍ፤ ዮሓ 1፡44-ፍ ።
ምስባክ፡“ፈኑ እዴከ እምአርያም፥ ወአድኅነኒ ወባልሓኒ እማይ ብዙኅ፥ ወእምእደሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኢድካ ካብ ላዕሊ ስደድ ካብ ዓሚቚ ማያት አውጽአኒ፥ ካብ ኢድ ወዲ ጓና አናግፈኒ።”
ካብ 7 ታሕሣሥ ክሳብ 26 ታሕሣሥ ዘሎ ዘመነ ስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል። ሰለስተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ ይብሃል። ሓሓደ ጊዜ ከአ 4ይ ዘመርዓዊ ይውሰኾ። ዘስብከት ዘብሎ ነብያት ጎይታና ብሥጋ ምውላዱ አስፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ስለ ዘስተምሃሩን ዝሰበኹን ቤተክርስትያን ነዚ እናሓሰበት ሰብ ንምድኃን ናብ ምድሪ ንዝመጸ አምላኽ እትሰብከሉ እዋን ስለ ዝኾነ እዩ።
ድሕሪ ውድቀት ቀዳሞት ወልድና ደቂ ሰብ ዘንጋዕቲ ጠለምቲ ናይ ምዃን ባሕርይ ስለ ዘጥረና ዘዘኻኽረና ንደሊ አብቲ ምንጪ ዝኾነ አምላኽ ምእንቲ ክንምለስ። ነብያት ንቅድሚ ክርስቶስ ዝነመበሩ ሰቢኾሞም ተመለሱ ተንስሑ አብ አምላኽ ጥራሕ እንተ ተጸጋዕኩም ኢኹም ሰላም ዓወት ምዕባሌ ልዕሊ ኹሉ ፍቕርን ተስፋን እትረኽቡ እናበሉ ሰቢኾም ብፍላይ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ አብ ዋዜማ ልደት መድኃኒ ተነስሑ ጎቦ ዘበለ ሰጥ ይበለ ጉድጓድ ዘበለ ይምላእ ጥውይዋይ ዘበል ትኽ ይበል እናበለ ንልደት መድኃኒ ዘብዕል ክገብሮ ዘለዎ አብሪሁ ነጊሩና። ስብከት ንደቂ ሰብ አብ አምላኽ ዘቕርብ ስለ ዝኾነ አብ ሓዲስ ኪዳን እውን ቀጺሉ። ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ሥጋና ምስ ለበሰ ኩሉ ሕይወቱ አብ ስብከት አሕሊፍዎ ነቲ ንሱ ዝሰበኾ ተኸተልቱ ክቕጽልዎ ተላቢይዎም። ናብ ኩሉ ክድኩም ስበኹ ኢልዎም። . . .
[ምሉእ ትሕዝቶ ብንባብ/ብድምጺ]
ብኣባ ንጉሠ ፍሥሓ
ኣስተምህሮን ኣስተንትኖን  | ብኃው ምስግና ጊላዝጊ

ኩሉ ንሰናይና እዩ

መንእሰይን ቃል ኣምላኽን

መንፈሳውን ምኒኑን

 

ቅርያት ነፍሰኄር ብፁዕ አቡነ ኣብርሃ ካብ መካነ መቃብር ጸጸራት ንኪዳነምሕረት ግዒዙ፡

ኣስከሬን ብዓል ሰናይ ዝኽሪ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ካብ ሥፍራኡ ተላዒሉ ካብ መቓብር ጸጸራት ክሳብ ኪዳነምሕረት ብዙሓት ካህናት ገደማውያትን (ሰብውፉይሕይወት) ብኣሻሓት ምእመናን ተሰኒዮን ብዓቢ ክብሪ ተዓጂቡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነምሕረት በጽሕ ኣብኡ ድማ ጸሎት ፍትሓት ድሕሪ ተፈጺሙ ብዝተዳለወሉ ሥፍራ ኣዕረፈ።
[ምሉእ ትሕዝቶ]

Birhan Toronto -  ብርሃን ቶሮንቶ
Jan Feb Apr Jul Aug Sep Oct
2010
2011 2011 2011 2011
2012 2012 2012
2013 2013 2013
2014 2014 2014
2015 2015 2015

ብምኽንያት ዓመታዊ ዝኽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዳለወ ሰሚናርን ሓባራዊ ዘተን

ዝሓለፈ ሕዳር (November) 17, 2019 ኣብ ኣዳራሽ ቤተክርስትያንና ተኻይዱ። ኣብዚ ቁጽሩ ካብ 300 ንላዕሊ ዝግመት ሕዝቢ ዝተኻፈሎ ሰሚናር፣ “ጥዕና ኣእምሮን ኣተኣላልያኡን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ እዩ ነይሩ።
ነዚ ኣስተምህሮ ዝመርሐ ካብ ከተማ ኦታዋ ዝመጸ ናይ ሕማም ኣእምሮ ክኢላ ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ክኸውን እንከሎ ካብ ከተማ ቶሮንቶ ከኣ ዶ/ር ዓብዱላሂ በሪህ ሕኪም፣ ከምኡ ከኣ ወ/ት ራሄል ሃይለሚካኤል ሰራሕተኛ Canadian Center for Victims of Torture ተሳቲፎም።
[ምሉእ ትሕዝቶ]