ሱባኤ ምቅርራብ ንብዓለ ልደት
“እንታይ እሞ ንግበር” ሉቃ 3፡10፥ ግ.ሓ. 2፡37
ልደት ክርስቶስ ክነብዕል ንቀራረብ አሎና። ምቅርራብና ዓለማዊ ወይ ንግዙፋዊ ነገራትና ዝርኢ ዘይኮነ ንመንፈሳዊ ርክብና ምስ አምላኽ እዩ። አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንተ ረአና ሰብ ንብዙሕ ነገራት ይቀራረብ፥ ንውላድ፥ ንመርዓ፥ ንሞት፥ ንመርመራ፥ ንውግእ፥ ንሰላም፥ ንክፍአት፥ ንዕርቂ ብዓል ንምብዓል . . . .እቲ ምቅርራብ ንብዙሕ ነገር ኽኸውን ይክአል እዩ። ክትቅረብ እንከሎኻ አብ ሓሳብካ ክልተ ነገር እዩ ዝመጽአካ፡
-
ክትዕወት፥ ነቲ እትቀራረበሉ ዘሎኻ ከምቲ እትደልዮ ክኾንልካ።
-
ክትዕወት ኩሉ ዝክአለካ ትገብር አብ ገለ እዋን ወላ ሕይወትካ እውን ትሸይጥ (ንአብነት አብ ፖሎቲካ)። ምቅርራብ እምብአር ሓደ ካብቲ ክንዕወት እን ገብሮነገራት ሓደ እዩ፥