ሱባኤ ምቅርራብ ንብዓለ ልደት
“እንታይ እሞ ንግበር” ሉቃ 3፡10፥ ግ.ሓ. 2፡37
ልደት ክርስቶስ ክነብዕል ንቀራረብ አሎና። ምቅርራብና ዓለማዊ ወይ ንግዙፋዊ ነገራትና ዝርኢ ዘይኮነ ንመንፈሳዊ ርክብና ምስ አምላኽ እዩ። አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንተ ረአና ሰብ ንብዙሕ ነገራት ይቀራረብ፥ ንውላድ፥ ንመርዓ፥ ንሞት፥ ንመርመራ፥ ንውግእ፥ ንሰላም፥ ንክፍአት፥ ንዕርቂ ብዓል ንምብዓል . . . .እቲ ምቅርራብ ንብዙሕ ነገር ኽኸውን ይክአል እዩ። ክትቅረብ እንከሎኻ አብ ሓሳብካ ክልተ ነገር እዩ ዝመጽአካ፡
-
ክትዕወት፥ ነቲ እትቀራረበሉ ዘሎኻ ከምቲ እትደልዮ ክኾንልካ።
-
ክትዕወት ኩሉ ዝክአለካ ትገብር አብ ገለ እዋን ወላ ሕይወትካ እውን ትሸይጥ (ንአብነት አብ ፖሎቲካ)። ምቅርራብ እምብአር ሓደ ካብቲ ክንዕወት እን ገብሮነገራት ሓደ እዩ፥
ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ምቅርርባ ዘድለዮ ድሕነት ወዲ ሰብ እዩ። አምላኽ ባዕሉ ተስፋ ሂቡ ዝጀመሮ ንአዳምን ሔዋንን ስንቂ ንአኦምን ንደቆም ኮይኑ ክሳብ መዓልቱ ዝበጽሕ በቲ አምላኽ ዝመደቦ ክኸዱ ክቀራረቡ ተነጊርዎም። አበው ነብያት ነዚ ተስፋ አምላኽ ዝኾነ ክቕረቡ ንደቂ እስራኤል በብእዋን ምስ ግዚኡን ኩነታቱን አሰናድዮም። አብ ገለ እዋን ምቅርራብ ስለ ዘጉደሉ ይደናገሩ ነሮም አብ ገለ እዋን ከአ ብጽቡቅ ይቕረቡ ስለዝነበሩ ብሕይወት ዝህብ ተስፋ ይነብሩ ነሮም። ምቅርራብ ምስ ሓደጉ ብጸላእቶም ንስደትን ውርደትን ይቃልዑ ነሮም አብ አምላኽ ክምለሱ ከለዉ ከአ ተስፍኦም ይዓቢ ነሩ። ሎሚ እዚ ኩነት ዳርጋ አይተቐየረን ስለ ምቅርራብና ክነጽብቕ ኢላ ቤተ ክርስትያን ትነግረና አላ። ክትቅረብ ምስንዳውን ምብርባርን የድሊ።
[ምሉእ ትሕዝቶ]
ብኣባ ንጉሠ ፍሥሓ
Sign up for important notices
Join our mailing list in order to receive updated information regarding our chaplaincy and other issues relevant to our community.
፲፪(12) ታሕሳስ ፳፻፲፪(2012) ዓ.ም.ግ 12/23/2019 ዓ.ም.
ሰንበት ዘስብከት
መዝሙር:ወልዶ መድኅነ ንሰብክ . ‘ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን መድኅን ንሰብኽ፥ አኽሊል ናይ ሰማዕታት ሸያሚ ካህናት ተስፋ ናይ መነኮሳት፥ ወልድ ምድኅን ንሰብኽ፥ ንመድኃኒ ወዱ ንሰብኽ’።
ንባባት፡ ዕብ፡1፡1-ፍ፤ 2ጴጥ. 3፡1-10፤ ግ.ሓ. 3፡17-ፍ፤ ዮሓ 1፡44-ፍ ።
ምስባክ፡“ፈኑ እዴከ እምአርያም፥ ወአድኅነኒ ወባልሓኒ እማይ ብዙኅ፥ ወእምእደሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኢድካ ካብ ላዕሊ ስደድ ካብ ዓሚቚ ማያት አውጽአኒ፥ ካብ ኢድ ወዲ ጓና አናግፈኒ።”
ካብ 7 ታሕሣሥ ክሳብ 26 ታሕሣሥ ዘሎ ዘመነ ስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል። ሰለስተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ ይብሃል። ሓሓደ ጊዜ ከአ 4ይ ዘመርዓዊ ይውሰኾ። ዘስብከት ዘብሎ ነብያት ጎይታና ብሥጋ ምውላዱ አስፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ስለ ዘስተምሃሩን ዝሰበኹን ቤተክርስትያን ነዚ እናሓሰበት ሰብ ንምድኃን ናብ ምድሪ ንዝመጸ አምላኽ እትሰብከሉ እዋን ስለ ዝኾነ እዩ።
ድሕሪ ውድቀት ቀዳሞት ወልድና ደቂ ሰብ ዘንጋዕቲ ጠለምቲ ናይ ምዃን ባሕርይ ስለ ዘጥረና ዘዘኻኽረና ንደሊ አብቲ ምንጪ ዝኾነ አምላኽ ምእንቲ ክንምለስ። ነብያት ንቅድሚ ክርስቶስ ዝነመበሩ ሰቢኾሞም ተመለሱ ተንስሑ አብ አምላኽ ጥራሕ እንተ ተጸጋዕኩም ኢኹም ሰላም ዓወት ምዕባሌ ልዕሊ ኹሉ ፍቕርን ተስፋን እትረኽቡ እናበሉ ሰቢኾም ብፍላይ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ አብ ዋዜማ ልደት መድኃኒ ተነስሑ ጎቦ ዘበለ ሰጥ ይበለ ጉድጓድ ዘበለ ይምላእ ጥውይዋይ ዘበል ትኽ ይበል እናበለ ንልደት መድኃኒ ዘብዕል ክገብሮ ዘለዎ አብሪሁ ነጊሩና። ስብከት ንደቂ ሰብ አብ አምላኽ ዘቕርብ ስለ ዝኾነ አብ ሓዲስ ኪዳን እውን ቀጺሉ። ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ሥጋና ምስ ለበሰ ኩሉ ሕይወቱ አብ ስብከት አሕሊፍዎ ነቲ ንሱ ዝሰበኾ ተኸተልቱ ክቕጽልዎ ተላቢይዎም። ናብ ኩሉ ክድኩም ስበኹ ኢልዎም። . . .
[ምሉእ ትሕዝቶ ብንባብ/ብድምጺ]
ብኣባ ንጉሠ ፍሥሓ
ቅርያት ነፍሰኄር ብፁዕ አቡነ ኣብርሃ ካብ መካነ መቃብር ጸጸራት ንኪዳነምሕረት ግዒዙ፡
