ግንቦት 2018

መደብ ቤተክርስትያን

5 (ቀዳም) ንግደት ናብ ቤ/ክ ቅዱስ ዮሴፍ ኪችነር

13 ናይ መጀመርታ ቅዱስ ቁርባን

13 ዕለት ወላዲት

17 (ሓሙስ) ዕርገት (6:30 ምሸት ቅዳሴ)

24 (ሓሙስ) መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

27 ጰራቕሊጦስ (በዓል ጰንጤ ቘስጠ - ሥርዓት ግዕዝ)

 

May 2018

Chaplaincy Program/Notice

5 (Sat) Annual festive St. Joseph – Kitchener

13 First communion celebration

13 Mother’s Day

17 (Thu) Ascension (6:30 PM Mass)

24 (Thu) Eritrean Independence Day

27 Paraclitos (Gheez Pentecost Sunday)

 

ንዝመጽእ ሓምለ (July) 6, 2019 ዝካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ቲኬት ኣብ ኣዳራሽ ቤተክርስትያን ምግዛእ ይከኣል።
ዋጋ ንዓበይቲ $20.00
ንቆልዑት $5.00
ኣብ ኣውቶቡስ ቦታ ምሓዝ ሰዓት 8፡00 ንግሆ ይጅምር።
ኣውቶቡስ ሰዓት 9፡00 ትነቅል።

ቦታ፣
Sibbald Point Provincial Park
26071 York Rd 18 (Park Road)
Sutton West
L0E 1R0
ኣቐድምካ ምምዝጋብ መደባት ክንሰርዕ ስለዝሕግዘና ምትሕብባርኩም ንሓትት።

<iframe width="560" height="315" src="https://www.youtube.com/embed/fhv4NtozM5o?rel=0" frameborder="0" allow="autoplay; encrypted-media" allowfullscreen></iframe>

ሰንበት ዘክረምት ሓምለ 1 2010 ዓ.ም. (7/8/2018)

ሓዲስ ዓመት - ዘመነ ሉቃስ

መስከረም 1 2011 ዓ.ም. (መስከረም 11 2018)

ንባባት፡ 1ቆሮን 11፡17-25፥ ያዕ. 2:1-12፥ ግ.ሓ. 5:12-17፥ ዮሓ 1፡19-37
ምስባክ፡
  1. ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ፥ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባር በድው።
    “ምጅማር ዓመተ ምሕረትካ ትባርኽ፥ በረኻታት ብጠለት ይጸግቡ፥ ጎቦታት በረኻ ይረውዩ” መዝ. 65፡11~12።
  2. አድኅነኒ እግዚኦ እምእለ ሮዱኒ እስመ ይኄይሉኒ ወአውጽአ እሞቅሕለነፍስየ ከመ እግነይ ለስምከ እግዚኦ፥
    “ ንስምካ ምእንቲ ከምስግነካ ካብቶም ኃይሎሚኒ ዘለዉ ጸላእተይ አውጽአኒ” መዝ. 142፡6~5።
ርሑስ ብዓል ሓዲስ ዓመትን ብዓል ቅዱስ ዮሓንስን ይግበረልና። ዓመት ሓሊፉ ዓመት ክትክእ እንከሎ ፍሉይ ተዘክሮ እዩ ዘቕርበልና። ንውሃቢ አምላኽ አብዛ ዝሓለፈት ዓመት ንኹሉ ዝሃበና ዝገበረልና ብልቢ ተመስገን ክንብሎ ግቡእና እዩ። ንድሕሪት ግልጽ ኢልና ሕይወትና እንተ ጠመትና ምናልባት ከም ግብርና እንተ ዝኸደና ብዙሕ ነዚ ብዓል አይ መብዓልናን እንተ ኾነ ፈቃር አምላኽ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ነዚ እንጅምሮ ብዓል ስለ ዘብቅዓና ተመስገብ ኢልና ንዝወደቕናዮ ምሓረኒ እናበለና ብዝተሓደሰን አብ ጸጋ አምላኽ ተአማሚና ነዚ ዓመት ንጀምሮ። 2011 ዓ.ም. ብናይ ዓድና አቆጻጽራ ንጅምር አሎና፥ እዚ ዓመት ዓመተ ሉቃስ እዩ ብፍሉይ ነቲ ሉቃስ ወንጌላዊ ዘበስሮ ወንጌል እና አስተንተና ክንሓልፎ ዝበለጸ እዩ።
ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ብሓዲስ መንፈስ ክንጅምሮ ልብና ክፉት ንኹሉ አብ ዝሓለፈ ፈሊጥና ከይፈልጥና ዝወደቕናዮ አሓዲስና ቅዱስ ሕይወት ሰላም ዝመልኦ አብ ጸጋ አምላኽ ተመርኲስና ንጀምሮ። ጽቡቕ ዝጀመረ ዳርጋ ፍርቂ ዝበጽሐ ከምዝብሃል ንሓዲስ ዓመት ብዕሩፍን ሰላም ዝመልኦ መንፈስ ንጀምሮ። አብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ አምቢርና ብመንፈስ አምላኽ ክንምራሕ ቍርጽ ፍቓድ ንግበር ሽዑ አምላኽ ባዕሉ ዝጎደለ እናመልአ ክመርሓና እዩ።
ሓዲስ ዓመት ነዚ ዝስዕብ ነገራት ሒዝና ክንጅምሮ እንከሎና ሕጉስ ሕይወት ክንርኢ ኢና።
  1. ንዝሓለፈ ኃጢአትካ ብንስሓ ዓጺኻ ምኽአል። ንሓዲስ ዓመት ብንጹሕ ልቢ ክንጅምሮ ይግባእ። ሕይወትና ንዝሓለፈ ጌጋና አበሳና ሒዝና ክንጅምሮ አይግብአና ስለዚ ምስ አምላኽን ሰብን አብ ምሉእ ዕርቂ እንከሎና ክንአትዎ ይግባእ። ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ዝለበሰ ሕይወት ዝለበስና ክንከውን አሎና ዓመትና ፍረ ክህልዎ።
. . . [read more]

Cardinal Collins prays for victims of Toronto attack
Monday, April 23, 2018

For full content [click here]
ብኃልዮት ሰብ ኤማኁስ ዝቐርብ ኣስተምህሮን ኣስተንትኖን | seb Emmaus

 <iframe width="560" height="315" src="https://www.youtube.com/embed/Di33kmjCZQ0?rel=0" frameborder="0" allow="autoplay; encrypted-media" allowfullscreen></iframe>

Birhan Toronto -  ብርሃን ቶሮንቶ
JanFebAprJulAugSepOct
     2010 
201120112011  2011 
 20122012 2012  
 20132013  2013 
 20142014  2014 
  20152015  2015

Sign up for important notices


Join our mailing list in order to receive updated information regarding our chaplaincy and other issues relevant to our community.