ሰንበት
ዘገብር ኄር
መጋቢት9 2010 ዓ.ም (3/18/2018)

“ንኢየሱስ ክንርኢ ንደሊ አሎና”።

ንባባት፡ ጢሞ 2፡6-16፥ 1ጴጥ 5፡1-12፥ ግ.ሓ.16፡1-19፥ ዮሓ 12፡20-33
ስብከት፡ “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቀከ በማሕበር ዐቢይ”።  
“አምላኽይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፥ሕግኻ እውን አብ ውሽጢ ልበይ እዩ፥ጽድቅኻ አብ ጉባኤ አብሰርኩ”
መዝ. 40፡8።
መዝሙር፡ “መኑ ውእቱ ግብር ኄር ወምእመን ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ....“።
“መን እዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ንጎይትኡ ጽቡቅ ክገብር ዝጸንሖ እሞ ጎይትኡ አብ ልዕሊ ኵሉ ገንዘቡ ዝሸሞ እንደገና ከአ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብሒደት ተአሚናካ ኢኻ እሞ አብ ብዙኅ ክሸመካ እየ፥ ናብ ታሕጓስ ጎይታኻ እቶ”።
ሰንበት ዘገብር ኄር አብ ቅድሚ አምላኽ እሙናት ኮይንና ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ክነፍርየሉ ከምኡ በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ንአምላኽን ሰብን ክነገልግል ከም ዘሎና ዘዘኻኽር እዩ። መጠን አብ ሶሙን ሕማማት ዝቐረብናሉ መጠኑ ምቅርራብና ብዝያዳ ክነስተውዕለሉ ነቲ አምላኽ ዘርአየና ፍቕርን ምሕረትን ርኢና ክንክእል። ዓቢ ውራይ ይአትወና አሎ ሕይወትና ከመሎ? ንመገዲ ጽድቂ ተተሓሒዝናዮ ዘሎና? ጾምና ከመሎ? ብዝተዋህበና ጸጋ ከም ዝድለ ነፍሪ ዘሎና? ምስ ሓውናን ሓፍትናን ዘሎና ርክብ ከመሎ እናበልና እዝን ካልእን ክንሓትት ይግብአና። ጾምና አብ ምውዳእ ገጹ ስለ ዝኸይድ ዘሎ ምስጢረ ትንሣኤ ከነብዕል ንቀራረብ አሎና። ብኻልእ አዘራርባ ካብ ዞና ስቓይ ናብ ዞና ክብርን ሰላምን ንአቱ አሎና።
እሙናት አገልገልቲ አምላኽ ዘብለና ነቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋን በረኸትን ርኢና ምስ እንኽእልን ከምኡ ንኸማና ዝበሉ አብቲ ንሕና እንርእዮ ርእዮም ከምዝኽእሉ ክንገብር ግዴታና ከምዝኾነ ክንፈልጥ እንከሎና እዩ። ወንጌል ዮሓንስ ክንገብሮን ክንፈልጦን ዘሎና እንታይ ከምዝኾነ ክገልጽ እንከሎ ገለ ግሪኻውያን ምናልባት አብ አይሁዳዊ እምነት ዝለወጡ አብ ፍሊጶስ (ግሪኻዊ ስም ዘልኦ) ቀሪቦም “ንኢየሱስ ክንርእዮ ንደሊ አሎና” ኢሎም ከም ዝሓተቱ ይነግረና። ፊልጶስ ንእንድርያስ (ግሪኻዊ ስም ዘልኦ) ነገሮ ክልቲኦም ከይዶም ንኢየሱስ ነገርዎ። አብዚ እዞም ግሪኻውያን ንኢየሱስ ርእዮሞዶ አይረአይዎን ዮሓንስ ወንጌላዊ አይነግረናን እዩ፥ ሓደ ዘገርም መልሲ ክውሃብ ኢና እንርኢ።
ሰባት አብ ኢየሱስ ክቐርቡ ክመጽኡ እንሕግዝ ንሕና ኢና። እሙን አገልጋሊ ክርስቶስ ዝብሃል ንኻልኦት አብ አምላኽ ዘቕርብ ምናልባት መገዲ ተደናጊሮም ወይ እውን ሰይጣን ልቦም ሰሊብዎም ንሓቂ ንሰላም ልዕሊ ኹሉ ንፍቕሪ አምላኽን ብጻይን ክርእዩ ንዘይ ከአሉ አብ ኢየሱስ ዘቕርብ እዩ። እሞ ሎሚ ንሰባት ንመን ከም ዝርእዩ እገብር አሎኹ ኢልና ምስ ነፍስና ክንተሓታተት እዋኑ እዩ። በቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋ ስአን ምርአይና ንሰባት ካብ አምላኽ ነርሕቕ ከይንህሉ ክንስከፍ ይግብአና። ቅዱስ ጳውሎስ “ንሕና ናይ ክርስቶስ አምባሳደራት ኢና፥ አምላኽ ከአ ብአና ገይሩ ይዕድም አሎ፥ አብ ክንዲ ክርስቶስ ኮይንና ድማ ምስ አምላኽ ተዓረቑ እናበልና ንልምነኩም አሎና” ይብለና (2ቆሮ 5፡20) እዚ ኸአ አብ ኩሉ እንገብሮ ንክርስቶስ ወኪልና ስለ እንገብርን ሰባት አብ አምላኽ ከምዝቐርቡን ንድላዩ ከም ዝርእዩ ስለ እንገብር ኢና።
ፊሊጶስን እንድርያስን ንኢየሱስ ግሪኻውያን ክርእይዎ ከም ዝደልዩ ምስ ነገርዎ ዝሃቦም መልሲ ዘይተጸበይዎ ይመስል እዚ ኸአ ዮሓንስ ወንጌላዊ ንፍሉይ ርድኢት ክህልወና ኢሉ ዘቕረቦ እዩ። “ፍረ ስርናይ አብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይና እያ እትነብር፥ እንተ ሞተት ግና ብዙኅ ፍረ ኸም እትፈሪ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” (ኁ 24)። ብርግጽ ፍረ ስርናይ አይትመውትን እያ ጨሪሻ አብ ካልእ ሓዲስ ነገር እያ እትቕየር፥ ማለት ሱር ቆጽሊ ፍረ ተግብር። አባጨጎራ ቅድሚ አባጨጎራ ምዃኑ ብዝተፈላለየ ደረጃ ይሓልፍ አብ መጨረሻ ጽቡቕ ሕብሪ ወሲዱ ይርአ። አብ ሕይወትና ትሓድሶን ለውጥን ክመጽእ ክንሓልፎ ዝግብአና ጉዕዞ ሕይወት አሎ።
ንኢየሱስ ምርአይ፡
ንኢየሱስ ምርአይ ክብሃል እንከሎ ከም ማንም ምርአይ አብኡ ምጥማት ማለት ጥራሕ አይኮነን ዘስምዕ እዚ ይኸውን ምናልባት እቶም ግሪኻውያን ዝሓተትዎ። (እዚ ምስቲ ናይ ዘኬዎስ አብ ኦም ሳግላ ደይቡ ንኢየሱስ ክርኢ ኢሉ ዝገበሮ ዝመሳሰል እዩ (ሉቃ 19፡1-10))። ንኢየሱስ ምርአይ ማለት ምሉእ ብምሉእ አብ አተሓሳስባ ኢየሱስ ምእታው፥ ስለምንታይ ክሓምም ክመውትን ክትንሥእን ከምዘለዎ ምርዳእ እዩ።
ከምታ ፍረ ስርናይ ኢየሱስ ንኹሉ ኃዲጉ ክኸይድ አለዎ እዚ ኸአ ወላ ሕይወቱ እዩ፥ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ሕይወት ንርእሱን ንኻልኦትን መታን ክህብ እዩ። አብቲ መስርሕ ንሱን ንሕናን ንልወጥ/ንቕየር። ነዚ ከም ቀንዲ መሰረታዊ ምንጪ ሕይወት ኢየሱስ ገርና ክንርእዮ እንተ ዘይከአልና ንኢየሱስ ክንርእዮ አይከአልናን አሎና ማለት እዩ። ኢየሱስ ደጋጊሙ ዝብለና ሓደ ዓይነት አተሓሳስባ ክህልወና ይግባእ። “እቲ ንሕይወቱ ዝፈትዋ ከጥፍአ እዩ፤ እቲ ንሕይወቱ አብዛ ዓለም እዚአ ዝጸልአ ግና ንዘለዓለም ሕይወት ኪሕልዋ እዩ”። ምስ ኢየሱስ አብ ጥቕኡ ምስኡ ክንከይድ እንተ ደሊና ብመገዱ ክንጉዓዝ አሎና። “እቲ ዘገልግለኒ ዘበለ ይስዓበኒ፥ አብቲ አነ ዘለኽዎ እቲ ዜገልግለኒ ኸአ አብኡ ኪህሉ እዩ፥ ነቲ ዜገልግለኒ ዘበለ ኸአ አቦይ ኬኽብሮ እዩ”። እዚ ማለት ከአ ምስ ኢየሱስን ማርያም ነፍስወከፍና ዘስምዕ ኮይኑ ክሳብ ቀራንዮ ምስኦም ሓቢርካ ምጉዓዝ እዩ። አብ ርድኢትን አተሓሳስባን ኢየሱስ ክትአቱ ክንሓልፎ ዝግብአና ነገራት አሎ፡
1. ምሉእ ብምሉእ ናይ ክርስቶስ ምዃን። ንኢየሱስ ፍርቂ ፍርቂ ክንስዕቦ አይግባእን። ግብርናን እምነትና ሓደ ክኸውን አለዎ። አብ አምላኽ ክልተ ልቢ ኮንካ ምጉዓዝ አይፍቀድን እዩ። ንገንዘብን አምላኽን ክትግዝኡ አይክአልን እዩ ይብለና (ማቴ 6፡24)።
2. ዕለት ዕለት ንፈተና ምስዓር የድሊ። አብ ሕይወትና ዘደናግር ከይንርኢ ዝጋርድ ፈተና ኩሉ ጊዜ አሎ። ዓይንና ንብርሃን አምላኽ ከይርኢ ካብቶም ዝጋርዱና ነገራት ክንርሕቕን ክንከላኸልን አሎና። ንሓቀኛ ምስሊ ኢየሱስ ብናቶም አተሓሳስባን ድለትን ሸፊኖም ንዘቕርቡልና ክንጥንቀቐሎም አሎና።
3. ናይ ሓሶት ምስልታት አለሊኻ ምኽአል። ብግዳማዊ ነገራት ጽቡቓትን ዝስሕቡን ኮይኖም ካብ ዝርአዩ ብውሽጦም ግን ክፍአትን ዘታልሉን ነገራት ምጥንቃቕ። ተንኮል ሰይጣን ዝተራቐቐ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን፥ በቲ ብቐሊል ክስሕበናን ከደናግረናን ዝኽእል ነገራት እዩ ዝቐርበና ሽዑ ብቐሊል ንታለል ስለዚ አስተውዒልካ ምኽአል።
4. ትሕትና ምግባር። አምላኽ ንትሑታት የፍቅር ንዕቡያት ግን አይቀርቦምን። ትሑት ሕይወት አብ ሓቅን ፍቕርን ዝተመስረተ ክህልወና ይግባእ። ዳንከራ ዝወቅዕ መጨረሽትኡ ውድቀትን ፍሽለትን እዩ ስለዚ ንኢየሱስ ክንርኢ ትሕትና ለቢስና ክንክእል አሎና።
ሕማቕ አጋጣሚ ኮይኑ ሎሚ ብዙኃት ካባና እዚ ኢየሱስ ዝሕብረና መገዲ ሕይወት ክንክተል ይኸብደና ወይ እውን አይንደልን፥ እኳድአ ካብ መገዱ ወጻኢ እናኸድና ጽቡቕ ከምዘሎና ኮይንና ንኸይድ። ኢየሱስ ግን ክንርእዮን ክንከዶን ዘሎና ሕይወት ከረድአና ኢሉ “ፍረ ስርናይ አብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይና ኢኣ እትነብር፥ እንተ ሞተት ግና ብዙኅ ፍረ እያ እትፈሪ” ይብለና።
ሓደ ሰብ ነቲ ካብ አምላኽን ሰብን ዘርሕቖ ምቾት ርእስን አብቲ ዘልኦ ሕይወት ድሓን ከም ዘሎ ገሩ ዘንብሮ እንተ ቐበሮ ወይ ለወጦ አብ ሓጎስን ክግለጽ አብዘይክእል ምሉእ ሰላም ከም ዝአቱ ንባባትና ይነግሩና። ኢየሱስ ነዚ ከረድአና ኢሉ ብአምሳል ገሩ ብዛዕባ ዝሞተት ፍረ ስርናይን ምሉእ ብምሉእ አብ ትሕቲ ኢየሱስ ክትነብር ፍቓደኛ ናይ ምዃን ይዛረበና። ነዚ ንሓዋርያቱ ኽገልጸሎም እንከሎ ብሕማማቱን ሞቱን ሓዲስ ሕይወትን ነዚ እንነብሮ ኃጢአት ዝመልኦ ዓለም ነጻነትን ከም ዘምጽእ ነጊርዎም። ልክዕ ብኸምኡ መገዲ እዩ በቶም ርእሶም ዝስውኡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን ሕይወትን ድሕነትና አብ ደቂ ሰባት ዝመጽእ። ብኻልእ አዘራርባ ካብቲ ንአይ ይጥዓመኒ ጥራሕ ዝብል ወይ ዓፊኑ ጎልቢቡ ዝሕዘና ሕይወት ወጺእና ክንክእል ከሎና አብ ሓዲስ ሕይወት አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ንትንስእ።
አብዚ እንነብሮ ዓለም ዓበይቲ ነገራት ዘደንቑ መንፈሳውን ግዙፋውን ነገራት ንርኢ። እዚኦም ኩሎም ብዙሓት ሕይወቶም ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ሰላምን ኢሎም ነፍሶም ከይበቐቑ ክሳብ ሞት ስለ ዝበጽሑ እዮም እንርእዮም ዘሎና። አብ ታሪኽ ከም እንርእዮን ዝተመሃርናዮን ሕይወት ምስተ ኸፍለ እዩ እዚ እንርእዮን ሒዝናዮ ዘሎና ዘሎ። ሓደ ንገዛእ ርእሱ ጥራሕ ዝፈቱ ሰብ ገለ እንተ ገበረ አብ ክልተ ዓላማ መሰረት ገሩ እዩ ዝገብሮ፥ አብ ስሳዐ ወይ ንአይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ለምኡ አብ ሃረርታ ውሕስነት ሕይወቱ ቀዳምነት ብምሃብ ይገብሮ። ሰባት ካብ ከምዚ ዝበለ ክወጽኡ እንከለዉ ጥራሕ እዮም ትርጉም ዘልኦ አብ ሕይወቶም ክገብሩ ዝኽእሉ። እዚ እዩ አብ ታሪኽ ሕይወት ናይ ብዙሓት ቅዱሳን ከምኡ ሰማዕታት እንርእዮ። ንርእስኻ ኢምንት ቆጺርካ ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ኢልካ ሕይወትካ በጃ ምሕላፍ፥ ሽዑ በቲ ዝገበርዎ ሰባት ንዓለም ብኻልእ መልክዕ ክርእይዋ ይጅምሩ እሞ ካብ ገግኦም ይምለሱ። ደም ሰማዕታት ማይ ሕይወት ንሓቅን ፍትሕን እዩ።
አብ ታሪኽ ሃገራት ብዙሓት ጀጋኑ ምእንቲ ድሕነትን ሰላምን ነጻነትን መሰልን በጃ ዝሓለፉ ንርኢ። ነታ ሓንቲ ዘላቶም ሕይወት ብዘይ ምብቃቕ ይህቡ እሞ ንኻልኦት አብ ሓጎስን ሰላምን ነጻነትን ከም ዝነብሩ ይገብሩ። እዞም ሰማዕታት ብዛዕባ ጥቕሚ ርእሶም ወይ እውን ዋሕስ ሕይወቶም አብ ግምት አየእትውዎን። ደፊሮም ሕይወቶም በጃ ይህቡ። ዓለምና ዕዳ ናይ እዞም ብኸምዚ ዝሓለፉ ብምጥላማ ሓንቲ ከምዘይተገብረላ ትጉዓዝ ትነብር አላ። ምእንታኻ በጃ ንዝሓለፈ ምጥላም ካብኡ ዝኸፍእ የለን። ስለዚ ንሕና እውን ነቶም ንሕና ፍትሒ ፍቕሪ ሰላም ሓቂ ክንረክብ በጃ ዝሓለፉ ጠሊምና ከይንህሉ ሕልናዊ መርመራ ክንገብር አሎና። ክትጠልም ክትርስዕ ክትክሕድ ቀሊል እዩ። በጃ ክትሓልፍን ንለበዋ ሰማዕታት ምኽባርን ግን ከቢድ እዩ። ስለዚ ብሓቂ ብሕልናና ርእስና ክንርኢ ጠለምትን ረሳዕትንን ኮይንና ከይንህሉ ምርአይ የድልየና። ሓደ ካብቲ ዘገርም ባህሪ ሰባት ካልኦት ከም ዝጠለሙ ከም ዝኸሓዱ ክትርኢ ቀሊል እዩ። ባዕልኻ ጠሊምካ ከምዘሎኻ ምርአይ ከቢድ እዩ። አብዚ አብ ትንሣኤ ክርስቶስ አብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን እምብአር ዓይንና ንሓቅን ንፍቕርን ርእዩ ክኽእል ለበዋ ሰማዕታትና ጠሊምና ከይንህሉ ዓይኒ ሕልናና ንኽፈት።
አብ መወዳእታት ኢየሱስ ክብሪ ወይ ዕብየት ዝመጽእ ብአገልግሎት ከም ዝኾነ ይነግረና። አብ ሕይወትና ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እቶም አብ ታሪኽ ብዝያዳ ዝኸብሩ ወይ ዝዝከሩ እቶም ንኻልኦት ዘገልገሉ እዮም፥ ጽቡቕ ተዘክሮ ዝሓደጉን ዘስተምሃሩን። ኢየሱስ እቲ ዓቢ ክኸውን ዝደሊ አገልጋሊ ይኹን ኢሉና። አብዚ ሓቀኛ ትምህርቲ መሰረት ገርና ሕይወትና ክንመርሕ እሞ እሙናት አገልገልቲ ክርስቶስን ህዝቡን ክንከውን ሎሚ እውን መብጽዓና ንሓድስ።
ሰንበት ዘገብርኄር እምብአር እሙናት አገልገልትን ነቲ ዕለት ዕለት ዝገጥመና ርኢና ክንክእል ነቲ ጸረ ክርስቶስ ዝኾነ ሕይወት ክንውግዶ ነቲ ሓቂ ሰላም ፍቕሪ ዘምጽእ ከአ ክሳብ መስዋዕቲ ክንከፍል ስንድዋት ክንከውን የዘኻክረና። አብ ክርስቶስ መድሕና ምሉእ እምነት ገርና ሓቅን ፍትሕን ክነግሳ ብምሉእ ልብና እና ጸዓርና ንኹሉ ዝጓነፈና ፈተናን ጸበባን ሓሊፍና አብ ብርሃን ትንሣኤ ክንሰግር እናጸለና አብ ቅድመና ንዘሎ ብርሃን ክርስቶስ ርኢና ንኽአል።
ኦ ፈቃር አምላኽ እሙን አገልጋሊ/ት ኮይነ ክነብር ብጸጋኻ ሓግዘኒ ንበሎ። ቅድስና ዝመልኦ ጉዕዞ ጾም ገሩ አብ ኩሉ ሕይወትና ሰላም ፍቕሪ ፍትሒ ዘውርድ ይግበረልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ